Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ጦብላሕታይ ምስ ቀሺ መምህር ሙሳ ኣሮን!

ጦብላሕታይ ምስ ቀሺ መምህር ሙሳ ኣሮን!

0
By Mekonnen T. on October 29, 2018 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

Issac Abraham

ክቡርን ዓብን ሰብ እዮም- መምህር ሙሳ! ኣብ ግዜ ናይ ህይወት ዘመኖም ምስኦም ምርኻብ ከኣ ትዕድልቲ እዩ። እብኣር ነዞም ኣቦና ቅድሚ ዓመታት ኣብ ቤት ጽሕፈት ክረኽቦም ምኽኣለይ ካብቲ ዘሐጉሰኒ እዩ። ከም ዝዓረፉ ዝገልጽ ትሕዝቶ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ሰፊሩ ምስ ነበብኩ ከኣ ሓዘን ተሰሚዑኒ – ከም ኩሉ ፈታዊኦም።

እታ ምስ መምህር ሙሳ ዝተራኸብናላ ህሞት ከመይ ነበረት? “ሮቢንሶን ክሩሶ” ከምኡ’ውን “ወርቅሃ” ዘርእስተን መጻሕቶም ብኣሕተምቲ ሕድሪ ዳግም ተሓተማ። ኣብቲ ኣብ ሆቴል ኢንተርኮንቲነንታል ዝታኻየደ ስነስርዓት ምምራቕ ከኣ ተሳተፍኩ። ብዘይካ ናይ መምህር ሙሳ: ካልኦት መጻሕፍቲ.. ከም “ንእስነት ቶም ሰውየር”፥ “ዓቢዱ ዶ ትብልዎ?”። “ጊታኖ” ዝኣመሰላ እውን ሻቡ ንሕትመትን ዝርጋሐን በቕዓ።

መቐጸልታ ናይቲ ስነስርዓት ድማ’ዩ ንመምህር ሙሳ ክረክብ ዝደረኸኒ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ግዝያዊ ኦፊስ ተዋሂቦም ስለ ዝነበሩ ብኣጋኡ ተራኸብና። ካብቲ ዘዕለሉኒ ከካፍለኩም።

* “ወርቅሃ” ንኽደርስ ኣብ ዝሓሰብኩሉ ዝገበርክዎ ኣሎ። ብዛዕባ ህይወት ሓንቲ “ወርቅሃ” እተባህለት ኣመንዝራ ስለ ዝኾነት: መጽናዕቲ ከካይድ ኔሩኒ። ፈለማ ፍቓድ ናይ ብዓልቲ ቤተይ ሓቲተ። ደሓር ኣብ ኣስመራ ዘለዋ ኣብያተ መስተ ክንደይ ምዃነን ፈሊጠ። ኣብዚኣተን ዝሰርሓ ከምኡ ድማ ካብዚኣተን ወጻኢ ዝንቀሳቐሳ ኣሽሓት ኣመንዝራታት ክህልዋ ከም ዝኽእላ ተገንዚበ።

“ወርቅሃ” ኣርእስቲ መምረጺየይ “ወርቂ እያ” ዝብል ትርጉም ናይ ቋንቋ ግእዝ ንኽሕዘለይ እየ። እታ ኣመንዝራ ከኣ ንዘብለጭልጭ ህይወት ምሕራያ ንምምልካት እዩ። ሓደ ነገር ግን ቅር ኢሉኒ። “ወርቅሃ” ዝስመን ኣሓትና መጸውዒ ኣመንዝራ ከይኾና እየ። ስለዚ እታ መጽሓፍ ኣብ መወዳእታ ምዕራፋ: ካልአይቲ ወርቅሃ ዝስማ ተምጽእ። ንሳ ምስታ ቀንዲ ገጸባህሪ መማህርቲ ዝነበረት እያ። ምስ ደቃ እንከላ ስእሊ ናይ ቀደም መማህርታ ተርእዮም። ዛንታ ናይታ ካልኣይቲ ወርቅሃ ብሓጎስ ዝተመልአ ምዃኑ: ካልእ ግዜ ንትሕዝቶኡ ዝምልከት ተራኺ ሒዙ ከም ዝመጽእ ድማ ትገልጽ።

* ንሕና “ኣንበብቲ የብልናን” ኢልና ኢና ንዛረብ። እንተኾነ ኩሉ እቲ ራብዓይ ክፍሊን ልዕሊኡን ዝበጽሐ ከንብብ ይኽእል። ስለዚ “ኣንበብቲ የብልናን” ዘይኮነስ: “ዝንበብ ነገር ቀሪብናሎም ዲና? ዝብል ክምለስ ኣለዎ።

* እዚ ኩሉ መጽሓፍቲ ከበርክት: ኣብ ትርፊ ግዜይ እየ፡ዝፍጽሞ ኔረ። እዛ መዝገበ ቃላት ካብ ትግረ ናብ ትግረ ትሕዝቶ ዘለዋ ክሰርሕ ከሎኹ ግና: ንመጀመርያ ግዜ ምሉእ ግዜይ ሂበ እሰርሓ ኣሎኹ። ካብታ ናይ ትግርኛ ንላዕሊ ገጻት ገጻት ከኣ ኣለዋ።

* “በርናምጅ” ዝብል ኣብ ቋንቋ ትግረ ይዝውተር እዩ። እቲ ክኸውን ዘለዎ ግን መደብ እዩ። ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ (ዘመድ) ካብ ገለብ መጺአን: “እስከ እዛ በርናምጅ ትግረ ወልዓለይ” ምስ በለት: ቃልሰይ በርናምጅ ናይ ዘይምባል ኣቋሪጸዮ። ኣብ ዓረብ እንተመጻና “ኤረትርዩን” ይበሃል እዩ። ካልኦት ዜጋታት ሕራይ ከምኡ ይበሉና። ንሕና ንገዛእ ርእስንና ግዳ “ኤረትርያይ” ኢና ክንብል ዝግባኣና. ..

* መዋእለይ መንፈሳውን ዓለማውን መጻሕፍቲ ብቋንቋታት ትግርኛን ትግረን ኣበርኪተ። ድሕሪ እዛ መዝገበ ቃላት ሓንቲ መጽሓፍ ክትተርፈኒ እያ። እዚኣ ብዛዕባ ማርታ እታ ነፋሪት ክትጨዊ ዝፈተነት ትትርኽ እያ። ኣጋጣሚ ኣብ ህሞት ተሳፋራይ ኰይነ ኣሎኹ። ነቲ ፍጻመታት ድማ ብቐረባ ተኸታቲለዮ። እምብኣር እዛ መጽሓፍ ምስ ጸሓፍኩ: ካብ ናይ ምጽሓፍ ዓለም ክሰናበት እየ።

– ቀሺ መምህር ሙሳ ኣሮን ነታ መጽሓፍ ዛዚሞማ: ግዳ ኣይተሓትመትን ዘላ። ከምቲ ዝበልዎ ከኣ ካብ ምጽሓፍ ጥራይ ዘይኮነ: ካብ ምንባር ተሰናቢቶም። ነባሪ ታሪኽ እምበር ነባሪ ህይወት የለን። ኣምላኽ ኣብ መንግስቱ ይቀበሎም!

እዛ እትስዕብ ቪድዮ: ብምኽንያት ሞት እዞም ክቡር ኣቦና ብ Solomon Amanuel ተዳልያ ኣብ Youtube ዝተዘርግሐት እያ። ንሶሎሞንን ብጾቱን ድማ ዝድነቕ ሰነድ ስለ እቲ ምብርካቶም በዚ ኣጋጣሚ አመስግኖም።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleንብዓት ዕድመይ!
Next Article ኣንቶንዮ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?