Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ጣዕሳ

ጣዕሳ

0
By Mekonnen T. on March 8, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

2ይቲ ዕውትቲ ውድድር ግጥሚ ዛራ ገጠምቲ 2015  ተሸላሚት 200 ዶላር

 ኣይለበምካን’ምበር ከይትዕረ

ተፈላሊና’ምበር ጸላኢና’ፈለ፤

ርእሰይ ከየድንን እምበር ዘበት ኢለ

ንስኻን ውሽጥኻን በብእብረ

ኣዴኻን ኣሓትካን በብእብረ፤

ማይ ምስ ሓቘንኩ – ‘ከይትጣዓስ’ ኢለ

ብትእዛዝ ፍቕሪ በዳሊት መሲለ

ለምኑለይ ክብል ናብዝን ናብትን ኢለ

ኰሊለ……ኰሊለ……ተሓሊለ!

ዕትብቲ ተሕልፎ ክብሪ ስለዘየለ

ምስ ፍትሒ ዝቃዶ ሕጊ ስለዘየለ፤

ዘስተማስል እንታይ መጺኡኒ’ይለ

ዘይ ብሰብ ብመን ተበዲለ

ዋላ’ኳ’ይሕሰቦ እዚ’መጽእ ኢለ

ሰብ በይኑ ዘሕውዮ ቊስሊ ስለዘየለ

ቀደም’የ ምስ ንፋስ ቃል-ኪዳን ኣሲረ።

ክትሻቐለለይ ደቒቕ ከይሓስመኒ

ከም’ዛ ተሃራፊት ጎጎብ መንደሪኒ

ሓለዋይ ምንባርካ ክሳብ ’ታ ንምርዖ

ትርስዖ ዶ ኾን ትዝንግዖ?

ድምቀት ሕብርታተይ ኣብ ምህሳሱ

ድልድላት ኣዒንተይ ኣብ ምፍራሱ

ቅጽበት ነጊስካለይ ዓንደ ርእሱ

ንጉስ ብንጉሱ

ንዕምሩ ንዙፋኑ

ከም ባዕዳዊ ንጉስ ኣብ ግዝኣቱ

ንኣህዛቡ ከም ባሮቱ፣

ፍቕረይ ከሎ ብዝሁሙ

ውሽጠይ ከሎ ከም ቀደሙ

ዓንዲ ምክብባር ከርቲምካዮ

ባህገይ ሓማሺሽካ ክብተን ጌርካዮ::

  ስለዘይለበምካ ከይትዕረ

ንስኻን ውሽጥኻን በብእብረ

ኣዴኻን ኣሓትካን በብእብረ፤

ኣብ ጽርግያ ምንባር ከም መርገም ወሲደን

ኣብ ርሻን ምንባር ከም ጸጋ ወሲደን

ልዕሊ ማንም ስድራኻ ገዲደን

ኣዴኻ ኣደነት ክሒደን

ኣሓትካ ሕሰመይ ከይለግበን

ልብኻ ካብ ደመይ ሓግሒገን ወሲደን

‘ውጺ’ ክትብለኒ ኣገዲደን

መታን ከይዝረግ ሓቒቕ መወለደን

ጓል ሰበይቲ ዶ ድቓላ ዶ

እሰራ ዶ ፍትሓያ ዶ

…….ኣፈን ዘዝሃበን፤

ኣነ ግዳ ጓል ሰብ

ኣነ ግዳ ብሰብ፣

ሓንቲ ንእሽቶይ ገረብ

እታ’ኳ’ብ ጕንዲ ዓባይ ገረብ

ሱር ሰዲዳ – ጠጢዓ – ለምሊማ

እታ ዓባይ – ቅድሚ ጨናፍራ

ነታ ንእሽቶይ – ቅንጣብ ንኸይጐድላ

በቲ ትምግባ በቲ ትስከማ

ባዕላ ’ናሃለወት

ፍቕሪ ’ናዓንገለት ኣሕግያ ተኽርማ

ከም’ዛ ዝኸበደቶ – ከም’ዛ ዝተሰከማ

ብቛንቋ ሰብ ‘ድቓላ’ እዩ ስማ።

ኣይለበምካን’ምበር ከይትዕረ

ምስ ፍትሒ ዝቃዶ ሕጊ ስለዘየለ

ሕጊ ኣቐዲመ

መሰል ተጠቒመ

ከይከ’ሰካ ቀደም’የ ለቢመ።

ቀቲሉ ከብቅዕ ሕልና ብዘይሓድጊ

ኣብ መቓብር ፍትሒ

ብጹእ ተመሲሉ

ዕንባባ ከንብር ንዘይሓፍር ሕጊ፤

ኣብ’ቲ ጸም-ጸም ዝብል ውቅያኖስ ናይ ፍትሒ

ብሳምና ተፈጥሮ ናይ ሕልና ሽብጢ

ኣብ’ቲ ተኣሊኹ

በቲ ተፋሕፊሑ ብዘይጸሪ ልቢ

ብዝረስሐ ቀለም

ልሙስ ኣጻብዕቲ

ኣብ ወረቐት ንዝጸሓፍ ሕጊ

ከቶ ስለዘይኣምን

ይትረፍ ክኸ’ሰካ ብመሰልን ሕግን

ፍጥር ክብል

ዓንቀጻት ናይ ሕጊ

ምዕራፋት ናይ መሰል ገንጺለ’ይፈልጥን!

 ተፈላሊና’ምበር ጸላኢና’ፈለ

ሰብ በይኑ ዘሕውዮ ቊስሊ ስለዘየለ

ቀደም’የ ምስ ንፋስ ቃል ኪዳን ኣሲረ።

ዓለምካ ከይመነነ ካብ ኣድማስ ክሕደቱ

ዝባንካ ምስ ሃብካኒ ንእለቱ

እቲ’ብ ደም ሰሪጹ ዘይሕከኽ ወገነይ

ንፋስ’ዩ’ዕቊቡኒ – ንፋስ ናይ ቀደመይ።

ጓል ሰብ’የ ዝብሃል ግን ከኣ ጓል ንፋስ

ብሰብ’የ ሰብ ኰይነ ግን ከኣ ብንፋስ፤

ኣደይ ከም ዘይጓል ሰብ ምስ ባሕተወት

ሕሉፍ ሓሊፉዎም

ኰስታሪት ኢሎምዋ

ኣስፋጺኒ’ይሎምዋ

ኣብ ናይ ጽሬት ስራሕ ስለ ዝኣተወት፤

ክንዲ ዝወፈረት ክብሪ ’ናኸልኡዋ

ኣእዳዋ ምስ ’ስኮባ እና ተናዓዋ

ንጸሓይ ተቐቢላ ተፋንዋ፣

ሰብ ዝውስኸላ ንቕድሚኡ

እንተላይ ኣብ ምኻዳ – ኣማስዩኡ

ንፋስ ይማልኣላ ንቕድሚኡ፤

ፌስታል ወዲ ፌስታል ካብ ኢዱ ናብ እግራ

ማዕሪኡ ብድዐ ካብ ኣፉ ናብ እዝና

ውዕለት ንፋስ’ሞ መን ውዒሉዎ

ካብ እግራን ካብ እዝናን

ንዘዝኸኣሎ ይብቈጽ ሒዙዎ።

እና ተማሃርኩ እቲ ተዘንትዎ

እና ተዓንገልኩ ኰስቲራ ተምጽኦ፣

ምስ’ቲ ጣኦት ፍቕሪ – ሰብ ከይሓረየ

ሎሚ’ይኰንኩን ምስ ንፋስ ተላልየ

ድንጽው ይበልካ’ምበር ኣብ ፍቕሩ’የ ዓብየ።

ናብራይ – ሕጂ’ሞ ግደፎ

ልዕሊ ገነት’ዩ ምስ ንፋስ ዘሕልፎ፤

ብድድ ኢለ እሓጻጽብ’ሞ

መትሓዚ-ጡብ ኣይገብር

ሙታንቲ ኣይገብር

ብረቂቕ ክዳን-ለይቲ ኣካለይ እኸድኖ፤

ንዝሓጸብኩዎ በብሓደ’ሰጥሖ

ከየትሓዝኩዎ ንፋስ ይቕድመኒ

ድንን ምስ በልኩ መሊሰ ክስብኖ

ካብ እግረይ ገስጊሱ

ክሳብ መቐመጫይ ምስ ቀላልዓኒ

ብትሽቱሸይ ኣትዩ ምስ ኣኳሸመኒ

ብቕጽበት እፍሳህ – ባህታ ይዓስለኒ!

ጐረባብቲ ከናፍሮም ይጥወዩ

ሓለፍቲ መንገዲ ሰሪቖም ይርኣዩ

እንታይ’ሞ…..መን ዶ’እውደኒ’ዩ!!?

ንፋስ እንክሰናበተኒ

መግለጺ ሓጐሰይ ኣንቃዕሪረ’ስሕቆ

ሰማይ ’ናዓረገ ቀልጢፈ’ናፍቖ።

 ኣይለበምካን’ምበር ከይትዕረ

ዘይ ብሰብ ብመን ተበዲለ

ንፋሰይ ሒዘ ኣነ ግዳ……

………..…..ክንደይ’ባ’ለዋ!

ብሰብ-ሰርሖ ጸላም

ኣብ ደልሃመት ሰማይ ኣእላፍ ከዋኽብቲ

ኣነ ግዳ ሓንቲ……ክንደይ ድየን ዘለዋ

ብዘይ ሓጥያተን ሲኦል ምስ ተፈርዳ

ኣብ ማእከል’ቲ ሲኦል ገነተን ዝሃንጻ!?

ኣብ’ዚ ከንቱ ብርሃን – ጻንታ ንጹህ ልቢ

ክንደይ ድየን ዘለዋ

ኣርእስቲ ዳንኬራ፣ ድራር ዕጹፍ ብርኪ!?

ረመጽ እቶን-ባህሊ ምስ ለብለበን

ጽፍሪ መልሓስ-ነዳይ ምስ ቀንጠበን

ክንደይ’ወ’ለዋ

መጠን ፍጡራቱ ንፋስ ናይ ጐደና ዝኣከበን።

 ኣይለበምካን’ምበር ከይትዐረ

ብትእዛዝ ፍቕሪ በዳሊት መሲለ፤

ልብኻ ካብ ጌጋ ስለዝተማህረ

ብሰብን መልኣኽን

ምሕረት ክገብረልካ ናይ ዝተማህለለ

እኽእሎ ዶ ትብለኒ ጣዕሳ ተቐቢለ?

ግዳ ሓላል ንፋስ – ብስዉር ዜማ

ብመናፊት ቈርበተይ – ኣብ ዕላልና

ሕጂ ትዝ ይብለኒ

እቲ ዝምዕደኒ ኣብ ሞንጎ ሰሓቕና፤

“ዝኸሓደ ፍጡር እንተ ተጣዒሱ

ኣብ ተዝካሩ ፍቕሪ’ንተ ደጊሱ

ምቕባል-ምእንጋድ-ምቕጻል’ዩ ፈውሱ

በደል ምጽብጻብ ግን በደል’ዩ ንርእሱ።”

      ቦኽረ ገብረየሱስ

ጥሪ 2015

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleጠዓሞት፡ ቢንያም “ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታ’ዩ ቁንቁኛኣ᎒”
Next Article በቒቕክለይ ዲኺ?
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?