Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ጠዓሞት፡ ቢንያም ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዩ ቁንቁኛኣ᎒”

ጠዓሞት፡ ቢንያም ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዩ ቁንቁኛኣ᎒”

0
By Mekonnen T. on February 21, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

መበል 12 ክፋል

“ሲራክ ትሰምዖዶ ኣለኻ እዚ ቶኽሲ᎒ ሓዞ ሓዞ እናበሉ’ዮም ተኲሶም” በልክዎ ሕሹኽ ኢለ። ሲራክ ካርኡ ሃሰስ ኢሉ ኣብ ኢዱ ምስ ሓዘ

“ ከላ ሳክት’ዮም ሓራካት፡ ከምኡ’ዮም ዝገብሩ ሓንቲ ከይረኣዩ’ዮም ሓዞ ሓዞ ዝብሉ፡ ምናልባት ከምዚ ናትና ተሓቢኡ ጸኒሑ ሰንቢዱ ዝወጽእ እንተረኸቡ ኢሎም’ዮም፡ ከልዮም በጃኻ ሱቕ ኢልካ ደቅስ” ሲራክ በቲ ተኹሲ ኣይተሰናበደን።

ራባዓይና ነጨበረር’ውን ደድሕሪ ሲራክ ብዙሕ ከይደንጎየ ተንሲኡ ናባና መጽዩ ነበረ።

“ገለ ዝሃደሙ ኣለው ማለት’ዩ ክንድዚ ተኹሲ ደኣ” ክብል ኣብቲ ዝርርብ ሓሳቡ ሓወሰ።

“ሰዓት ክንደይ ኮይኑ᎒” ሓተተኒ ሲራክ

ሰዓት ሓደ ኣቢሉ’ዩ ኔሩ። ኣይደንጎየን ተመሊሱ ጭብጥ ኢሉ ደቀሰ። ተኹሲ ደው ኢሉ ድምጺ ሰብ’ውን ኣይተሰምዐን። መሬት ንሓንሳብ ጸጥ ዝበለት መሰለት። እቲ ዝነበርናዮ ከባቢ ጭው ዝበለ በረኻ ክንሱ ድምጺ ናይ ዝኾነ እንስሳ ዘይምስምዐይ እግረም ነበርኩ።  ዕንክሊል ምባል ኣረብሪቡኒ ስለዝነበረ ምስቲ ራብዓይና ሓደ ፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ቀስ ኢልና ኣዕለልና ምናልባት እንተደቀስኩዶ ግዜ ይኸደለይ ይኸውን ብምባል ኣብታ ፈለማ ክድቅሰላ ዝጸረግኩዋ ቦታ ከይደ ሰንደል ጫማይ ተተርኢሰ ክድቅስ ፈተንኩ። ሕጂ’ውን ድቃስ በየን ትምጻእ። በቲ ብቑሪ በቲ ብህንጡይነትን ፍርሕን ነብሰይ ገብ ገብ’ዩ ዝብል ኔሩ። ብዝኾነ ቁሩብ ቀም ኣቢለ ኔረ መስለኒ ሰዓተይ እንተረኣኹዋ ሰዓት 3፡00 ወጋሕታ ትብል።

ድሕሪ ሰዓት 3፡00 ምድቃስ መዘዝ ምምጻእ ክኸውን ስለዝኽእል ሲራክ እንተተሰማሚዑ ካብቲ ቦታ ክንእለ ከም ዘለና ክሓቶ  ቁሩብ ርሕቕ ኢለ ቀስ ጌረ ጸዋዕኩዎ። ሲራክ ኣብዚ ናይ ሕጂ ብዙሕ ኣይሰንበደን ብድድ ኢሉ ኮፍ ምስ በለ

“ሲራክ ካብ ሕጂ ንዳሓር ምድቃስ ዘድልየና ኣይመስለንን፡ በጃኻ ካብዚ ቦታ ንተኣለ ወጊሑ’ዩ ዝተረፎ የብሉን”  ሓተትኩዎ

“ሞኬ ደቅስ እንዶ፡ ሓንሳብ ንጽናሕ ገና’ዩ ዘሎ፡ ጸልማት’ዩ ዘሎ ነቲ ጎቦ ናይ ዓሊግዲር ክንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና”

ብምባል ብጸልማት ክንጓዓዝ ከም ዘይንኽእል ሓበረኒ። ኣዚየ ሓረቕኩ። ክገብሮ ዝኽእል ነገር ግን ኣይነበረንን። ምስ ዕድለይ ምምራር ጥራሕ’ያ። እዚ ኩሉ ከርተት ዝበልኩሉ ስራሕ በዛ ለይቲ እዚ ንብላሽ ከይትኸውን ሰጋእኩ። በቲ ሓደ ከኣ ኣምላኽ ዘምጸኦ ዕድል ባዕሉ’ዩ ዝዛሞ እብል ነበርኩ። ንዘይስልጠኒ ነዚ ኩሉ መሰናኽል ኣይምሰገርኩን። እዚ ክብል ከለኹ ኩሉ መሰናኽል ሰጊሮም ኣብ መወዳእታ ዘይዕወቱ ሰባት ከም ዘለው ኣይዘንጋዕኩዎን። ናተይ ግን ክዕወት’የ ዝብል ሙሉእ እምነት ኔሩኒ። ሓዲኡ ከፍልጥ ተሪፈናኒ ዝነበራ ሰዓታት ውሑዳት’የን። ሱዳን ብሰላም እንተሰጊረ ብድሒሪኡ ዝህሉ መሰናኽል ክስገር ዝኽእል’ዩ ዝብል ሓሳብ’ዩ ሒዙኒ ኔሩ። ካብ ኩሉ ከኣ ግዜ ኔሩኒ። ቪዛይ ክሳብ ሰነ ኣይተወድቕን’ያ። እታ ቪዛ ኣብ ውሽጢ ሹዱሽተ ወርሒ ኣሜሪካ ክኣትወላ’ያ ተዋሂባትኒ። ስለዚ ካብቲ ዝነበርኩሉ ፈለማ ወርሒ ለካቲት ክሳዕ ሰነ 30 ግዜ ኔሩኒ።

ሲራክ ምስ ኣቕበጸ ከም ዝሃበኒ ተመሊሰ ጎቦ ኮንኩ። ድቃስ ኣይመጻንን። ክወግሓለይ ጥራሕ’ዩ ኔሩ ትጽቢተይ። ሕጂ’ውን ኣዕለቢጠ ኣዕለቢጠ ሰዓት 5፡00 ኣእከልኩዋ። ከዋኽብቲ ጠፊኦም እቲ ፕላኔት ቬኑስ’ዩ ዝበሃል ብልሙድ ኣጸዋውዓ ወለድና ግን ኮኾብ ጽባሕ፡ ጥራሕ ንበይኑ ተረፈ። ኣዕዋፍ ከካብ ዘዕረፋሉ ተንሲኤን ጩቕ ጩቕ በላ። ነብሰይ ብተስፋ ተመልአት። ሕጂ ንሲራክ ምትንሳእ ጸገም ኣይክህልዎን’ዩ በልኩ ብልበይ። ካብ ዝነበርኩዎ ተንሲኤ ናብ ሲራክ ከይደ

“ሲራክ በል ንተንስእ ሰዓት 5፡00 ኮይኑ” እናነቕነቕኩዎ’የ ዝዛረብ ኔረ። ሲራክ ዓይኑ እናደረዘ ተንሰአ። ሰብ ድዩ ከስግር መጽዩ ዋላ  ኣብቲ በረኻ ክድቅስ ገረመኒ።

“ ኣታ ሞኬ ገና’ዩ ዘሎ᎒”  ሕጂ’ውን ድቃስ ኣይጸገበን መስለኒ።

“እዋ ሲራክ ካብ ኣብዚኣ ደቂስና እንከለና ንተሓዝ እናኸድና ክትሓዝ ይሓይሽ፡ ወጊሑ’ዩ ጎቦ ከኣ ክንርኢ ንኽእል ኢና ረኣዮም ኩሎም ከዋኽብቲ ሃሲሶም’ዮም እንትርፎ ኮኾብ ጽባሕ” ከእምኖ ፈተንኩ።

ዘረባይ እናሰምዐ ብድድ ኢሉ ናብ ጸግዒ ናይቲ  ግራት ብምኻድ ሽንቲ ማይ ሸይኑ ምስ ተመልሰ ንኽፍሎም  ኣበራበሮ። ክፍሎም ናይ ነገር ቆልዓ በጥ ኢሉ’ዩ ሓዲሩ። ክፍሎም ካብ ዝደቀሶ ተንሲኡ ኣብ ክዳኑ ዝነበረ ሳዕሪ ነጋጊፉ ንጉዕዞ ድሉው ኮነ። ሲራክ ኣይደንጎየን ኣንፈት ጉዕዞና ኣረጋጊጹ ተተሓሒዝና ከም ንብገስ ገበረ። ካብ ፈለማ ናብታ ግራት ክንኣቱ እንከለና ከም ገለ ናብቲ ዝመጸናሉ ቦታ ተሰነይ ከይንምለስ ብምባል ኣንፈት ኣዳቕሳና ኣጽኒዐዮ ነበርኩ። ሲራክ ኣይተጋገየን ንዝመጸናሉ ቦታ ሕቖና ሂብና ነቲ ዝሓደርናሉ ግራት ገዲፍና ናብ ቅድሜና ገስገስና።

ዳርጋ 45 ደቒቕ ኣቢልና ምስ ተጓዓዝና ነታ መሐበሪትና ትኸውን ጎቦ ሃሰስ ናብ ምባል ኣተና። ፈጺምና ክንርእያ ኣይከኣልናን። ሰለስተ እኹላት ኣጓብዝ ኣዒንትና በቲ ጫካ ኣሕሊፍና ንታባ ዓሊግዲር ምርኣይ ሰኣናያ። ድሕሪ ክንደይ ምፍታሽ ግን ብሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ካብ ርሑቕ ረኣናያ።

“ርኢኻ ካብዚ ዝሓደርናሉ ቦታ ኣርሒቕና እንተነንብር ምጠፋእና ኔርና። ሕጂ ከማን ቁሩብ ርሕቕ ኢልናያ ኣለና ነዛ ጎቦ ግን ደሓን ንሸነኽ የማን እናገደፍናያ ጎኒ ጎና እንተተጓዕዚና ቀልጢፍና ሱዳን ክንኣቱ ኢና” በለኒ ሲራክ።

እታ ቐልጢፍና ትበሃል ዘላ ክንደይ ሰዓት ከም ዝኾነት ኣይሓተትኩዎን። ጸሓይ ክትበርቕ ትቀራረብ ነበረት። ንሕና ከኣ ጸሓይ መሪራ ሃሩር ከይትውድኣና ሸለብ ገለብ በልና።

ክልተ ሰዓት ዝኸውን ምስ ተጓዓዝና ንሓንቲ ናይ ሓመድ ጽርግያ ቆሪጽና ክንሰግር ክንብል ብቕድሜና ሓንቲ ካሮ ክትመጽእ ረኣና። ሲራክ ተቐዳዲሙ ንካርኡ ካብ ሰፈራ ኣውጺኡ ኣብ ኢዱ ድሕሪ ምጭባጥ ናብቲ ዝወጸናሉ ገረብ  ክንምልስ ብኢዱ ምልክት ገበረልና።   ንሕና ድማ ንድሕሪት ተመሊስና ኣብ ሓደ ከውሊ ደው ኢልና ነታ ካሮ ክሳብ ትሓልፍ ተጸበናያ። ሓደ ዕብይ ዝበለ ሰብኣይ ምስ ሓደ ቆልዓ’ዮም ተሰቖሎማ ነታ ካሮ። ካብ ዓሊግድር ናብ ተሰነይ’ዮም ዝኸዱ ኔሮም። እታ ካሮ ምስ ሓለፈትልና ተቓላጢፍና ነታ ናይ ሓመድ ጽርግያ ቆሪጽና ናብቲ ኣግራብ ኣቲና ሓውሲ ዘብ ዘብ እናበልና ካብቲ ቦታ ከም ንእለ ገበርና። ምናልባት እቶም ሰብ ካሮ ርእዮምና እንተኾይኖም እሞ ኣብ መንገዲ ንኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ረኺቦም እንተሓቢሮሞም ከየጓይዩና ብምባል ኢና ዘብ ዘብ ኢልና ካብቲ ቦታ ርሒቕና።  ብድሕሪ’ዚ ክሳብ ተወሳኺ ክልተ ሰዓት ንጓዓዝ ዘጋጠመና ሕማቕ ነገር ኣይነበረን።

ተወሳኺ ክልተ ሰዓት ምስ ተጓዓዝና ካብቲ የማነ ጸጋምና ከዊሉና ዝነበረ ሳዕርን ኣግራብን ወጺና ናብ ሓንቲ ንእሽቶ ሩባ  ክንሰግር ክንብል ሓንቲ ቶዮታ ሄሉክስ ዝዓይነታ መኪና ኣብ ትሕቲ ገረብ ተዓሺጋ። ኣብቲ ጥቓኣ  ከኣ ዓሰርተታ ኮንታል ዝኸውን ሽኮር ተራጊፉ ኣብ መሬት ተደርዲሩ ነበረ።  ሓደ ጀለብያ ዝገበረ ጉልቡት ዝመስል ሰብ ኣብ ጥቓታ መኪና እግሩ ኣማሳቒሉ ተዛንዩ ብጎቦ ኮይኑ ነበረ። ሲራክ ከም ኣመሉ ነታ ካርኡ መዚዙ

“ወደል ከልብ እዚ ሰብኣይ ትማሊ ኣብ ተሰነይ ርእየዮ ኔረ ነጅስ . . . .”  በለ ሕርቃኑ ንምግላጽ

ሕጂ’ውን ከምታ ንሰብ ካሮ ዝገብርናዮም ናብ ድሕሪት ገጽና ግልብጥ በልና። እቲ ሰብኣይ ርእዩና ኣይረኣየንን ርግጸኛታታት ኣይነበረናን። ናብ ድሕሪት ተመሊስና ኣንፈትና ናብ ሸነኽ ምዕራብ ጌርና ካብቲ በዓል መኪና ዝነበሮ ቦታ ኣዚና ርሒቕና ኣግፊሕና ብሸንኽ ድሕሪኡ ነዊሕ ተጓዓዝና። ከም ግምተይ ካብቲ ሰብኣይ ክንርሕቕ ክንብል ናይ ሓደ ሰዓት ዝኸውን መንገዲ ወሲኽና ንኸውን ኢና። ዘብዘብን ፍርሕን ዘስዓቦ ጥምየት’ውን ስለዝተሓወሶ ኣመና ደኸምና። ግዜ ከባቢ ሰዓት 11፡00 ኣቢሉ ኮነ። ሲራክ ኣብዚኣ ኮፍ ኢልና ንብላዕ ስለዝበለ ንኽንቆርስ ኮፍ በልና። ኣብ ኢድና ሒዝናዮ ዝነበርና ቁሩብ ጎማታት ማይ ጥሕንያን ማልማላታን በቲ ዘምጻናዮ ባኒ ጌርና ከብድና ዓንገልና። ኣስታት ፍርቂ ሰዓት ምስ ኣዕረፍና ድማ ከም ብሓድሽ ጉዕዞ ጀመርና።

ናብ ሱዳን ገጽና እናቐረብና ንኸይድ ምህላውና ገለ ገለ ምልክታታት ክንርኢ ጀመርና። ጽዑቕ ኣግራብ ዝነበሮ ቦታ ወዲእና ናብ ስሑውን ቀላጥ ጎልጎልን ኣተና። እቲ ቦታ ኣዚዩ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ቦታ’ዩ ዝመስል። ሓሓሊፍና’ውን ጓሶት ክንረክብ ጀመርና። ታባ ዓሊግድር ካብ ርሑቕ ንርእያ ነበርና። ኣዚዩ ርሑቕ ደኣ ይኹን እምበር መካይን ክንቀሳቐሳ’ውን ንርኢ ነበርና።

ጸሓይ ኣዚያ መረረት። ጫማታትና ብኳዂቶ ምርጋጽ ከልኣና። ብፍላይ ኣነ ጫማይ ሰንደል ስለዝነበረ ኳዂቶ ብቐሊሉ’ዩ ዝወግኣኒ ኔሩ። ኣእዳውና ካብ ብድሮ ጀሚሩ ብዝተፈላለየ ኣግራብ ተለሓጺጹ’ዩ። ሕጂ ግን ይትረፍ ዝልሕጽጽ ከጽልልና ዝኽእል ንእሽቶ ገረብ ኣብ ዘይብሉ ሃው ዝበለ ጎልጎል ኢና ኣቲና። እቲ ጎልጎል ብሸንኽ ዶብ ጁቡቲን ኤርትራን ዝርክበ ራሓይታ ዝበሃል ቦታ’ዩ ኣዘኻኺሩኒ። እቲ ጎልጎል ካብ ኣመና ምስፍሑ ኣብ መንጎ ቃላይ ዝነበሮ’ዩ ዝመስል። ታባ ዓሊ ግድር ተገቲሩ ክረኣየና ጀመረ። ኣብ ሸነኽ ምዕራብ ናይቲ ታባ ሓደ እኹል ናይ ሰራዊት መዓስክር ክንርኢ ከኣልና። ኣብቲ ቦታ ሓለዋ እንተኔሮም እሞ ክሻፋ ይጥቀሙ እንተኾይኖም ክርእዩና ዝነበረ ተኽእሎ ኣዚዩ ዓቢ ነበረ። ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ምስ በጻሕኩ ኣመና ፈራሕኩ። ኣብቲ ታባ ዓሊግድር ዝነበሩ ሓለዋ፡ መኪና እንተሊያቶም፡ እሞ ድማ ዋርድያ እንተርእዩና መጽዮም ክሕዙና ኣዚዩ ቀሊል መሰለኒ።

ኣብ ፊት ታባ ዓሊግድር ካብ ርሑቕ ዝረኣያ ዝንቀሳቐሳ መካይን ነበራ። ብፍላይ ሓንቲ መኪና ብናህሪ እናተወንጨፈት ክልተ ግዜ ክትመላለስ ረኣናያ። ታባ ዓሊግድር ካብ ርሑቕ እናረኣናዮ እንከለና ኣብ ክንዲ ካብ ኡ ንርሕቕ ጉዕዞና  ናብኡ ሸነኽ ኮይኑ ልዕል ኢልና ኢና ንኸይድ ኔርና። ጻዕቂ ምንቅስቓስ መካይን እናወሰኸ መጸ። ጎልጎል ስለዝኾነ እተን መካይን ካበይ ናባይ ይመሓላለፋ ኣለዋ ኣይርደኣካን’ዩ። ኣብ መንጎዚ ናይ ፍርሕን ራዕድን እዋን እታ ክልተ ግዜ ካብ ርሑቕ ክትመላለስ ዝረኣናያ ጻዕዳ ቶዮታ ፒክ ብናህሪ ናባና ገጽ መጽያ ኣብ ቅድሜና ደው በለት።

“በቃ ኣኸለ! ወይ ክትኩሰልና’ዩ ወይ ከኣ ካብ ዘለኹሞ ከይትንቀሳቐሱ ክብለና’ዩ” ዝብል ፍርሒ ወረሰና። ፍንትት ፍንትት ኢልና ከኣ ደው በልና። ፓስፓርት ዝሓዘት መጽሓፍ ኣብ ኢደይ ጨቢጠያ ነበርኩ።

ሲራክ  ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ነደረ “ወደል ከልብ ኣርኪቡና ማለት’ዩ” ናይ መወዳእታ ግዲ ኮይና ካርኡ መዚዙ ኣብ ኢዱ ጨበጣ።

ይቕጽል . . . . . .

መበል 13 ክፋል ዝመጽእ ሰሉስ 24 ለካቲት

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሓገዝ ን ሓው ክብሮም ፍቕረዝጊ
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?