Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ጠዓሞት፡ ቢንያም *ሓደ ኤርትራዊ ምስ 24 ናይጀርያውያን *

ጠዓሞት፡ ቢንያም *ሓደ ኤርትራዊ ምስ 24 ናይጀርያውያን *

0
By Mekonnen T. on December 14, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣብ ጉዕዞ ህይወት ንወዲ ሰብ ዘየጋጥሞ ማሕለኻታትን ብድሆታትን ኣሎ ኢልካ ንምግማት ኣዚዩ’ዩ ዘሸግር። ኣብ ሓያሎ እዋን ጥፍኢ ዘይበላ ነብሲ ብተኣምር ካብ ሞትን ከበድቲ ሓደጋታትን ተምልጥ’ያ። እንተ ናይ ጽሕፍቶ ወይ ዕድል ጉዳይ እንተ ናይ ካልእ ግን ብትኽክል ምርጋግጽ የጸግም’ዩ። ኣብ ጉዕዞ ሳሃራን ምስጋር ባሕሪ ሜዲተራንያን ዘጋጥሙ ሽግራትን መቕዘፍትን ማእለያ የብሎምን። ብኡ መጠን ከኣ ማእለያ ዘይበሉ ዝተፈላለዩ ዛንታታት ኣለው። እቲ ዛንታ ሓደ ኢሉ ዝጅምር ገና ዶብ ኤትራን ሱዳንን ወይ ዶብ ኤትራን ኢትዮጵያን ወይ’ውን ጂቡቲን ጉዕዞ ቀይሕ ባሕርን ምቑራጽ ምስ ዝጅመር’ዩ። ካብቶም ኣረሜናት ሓለዋ ምክትታል ዶባት ወይ ስለያ ንስረ ዘምለጠት ነብሲ ኣብቲ ጎረቤት ሃገር’ውን ሰቲ ተነስኒሱ ኣይኮነን ዝጸንሓ። ነዚ’ውን ብዝተፈላልየ ሜላታት ዝሰገረት ነብሲ ካልእ መሰናኽል’ዩ ዝጽበያ። እዚ ቀጺለ ዘዕልለኩም ዛንታ ነቶም ህቦብላ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም፡ ሽግርን መከራን: ጥልመትን ምቕጥቃጥን መኪቶም ኣብ ኣውሮጳ ንዝ ኣተው ሰባት ምዝንታው ማለት ንቐባሪ መርድእ ምርዳእ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ርግጸኛ’የ ነፍሲ ወከፍ ናቱ ኣዚዩ ዘገርም ዛንታ ጉዕዞ ባሕርን ሰሃራን ክህልዎ። ብዝኾነ ናብቲ ዕላል ከብለኩም።

ምስ ሓደ ሕጂ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከም ስደተኛ ዝነበር ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ግዜ ዕረፍተይ ስለዝተራኸብና ርግእ ኢለ ከዕልሎን ከም መርማሪ ብዛዕባ ጉዕዞ ሰሃራ፡ ናብራ ሊብያን መሰናኽል ማእከላይ ባሕርን ሓያሎ ሕቶታት ክሓቶን ዕድል ረኺበ ኔረ። ኣብቲ ብድምር ናይ ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደ ናይ መኪና ጉዕዞ ማለት ካብ ከተማ ግራንድ ራፒዲስ ናብ ዲትሮይት በጺሕካ ምምላስ እቲ መንእሰይ ነተን ኣብ ሊብያ ዝጸንሓለን ዓመታት ካብኡ ናብ ማልታ ምስ ከደ ዘሕለፎ ህይወት ብዙሕ’ዩ ከዕልለልኒ ክኢሉ። ንገለ ካብቲ ዘዕለለኒ ኣዚዩ ዘደንጹ ዛንታ ስለዝነበረ ምስ ተፈለለና ገዛ ብምኻድ መዘኻኸሪ ክኾነኒ ሕንጥጥ ሕንጥጥ ኣበልኩዎ:: እዚ ኣብ 2012 እዩ ዝኸውን ዘሎ። እዚ ዛንታ ዘይእመን ይመስል እምበር ክውን ነገር’ዩ። እዚ ዘዕልለኒ ዘሎ ሰብ ከኣ ንዝኾነ ምኽንያት ዘይተፈጥረ ተፈጢሩ ኢሉ ከዕልለኒ ዝኽእል ሰብ ኣይኮነን። ምስ ዕድሚኡን ልቦንኡን ኣገናዚበ ማለት’ዩ። ንገለ ካብቲ ዘዕለለኒ’ውን ካብ ዓዲ ጣልያን ናብ መክሲኮ ካብ ኡ ናብ ኣሜርካ ዝኣተዉ መንእሰያት ኣዕሊሎምኒ’ዮም። ብዛዕባ’ቲ ንሳቶም ዝተሳተፍዎ ዘደንጹ ዛንታ ኣብ ካልእ እዋን ብጽሑፍ ከቕርቦ ክፍትን’የ። ብዝኾነ ምእማንን ዘይምእማንን ናብ ኣንበብቲ ዝግደፍ ኮይኑ ኣብዚ ግን እቲ ጽሑፍ ሰሓቢ ክኸውን ተባሂሉ ዝተወሰኸሉ ልበ ወለድ መሳሊ ዛንታ ከም ዘየለ ከረጋግጸልኩም እፈቱ።

ኣብ ሊብያ ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ዝተቐመጠ ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ ምስቶም መማጽእቱ ደቂ ሃገሩ ብዝኾነ ምኽንያት ተቐያይሙ ግዲ ኔሩ ኮይኑ ካብ ደቂ ሃገሩ ፈጺሙ ብምርሓቕ ምስ ክልተ ናይጀርውያን ይነብር ነበረ። እዚ ኤርትራዊ ነቶም ናይጀርያውያን ኣዚዩ ኣመኖም፡ ንሶም’ን ኣዚዮም ይፈትዎው ነበሩ። ካብ ሊብያ ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ዝብገሱ ኤርትራውያን መብዛሕትኡ ግዜ ብተዛማዲ ምስቲ ደቂ ናይጀርያ ወይ ሶማልን ካ ል ኦትን ዝወስድዎ ሓግደኛ ጉዕዞ ክወዳደር እንከሎ ዝሓሸ’ዩ ዝበሃል። ኤትራውያን መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሓት ኮይኖም ዓባይ ጃልባ ክወስዱ እንከለው መብዛሕትኦም ናይጀርያውያን ግን ውሑዳት ሰባት ዝሕዛ ናይ ካላማደርያ ወይ ጎማ ጀላቡ’ዮም ዝወስዱ። ሓደ መዓልቲ ኣብ 2008 ዓም ኣቢሉ ማለት ቅድሚ ምውዳቕ ቃዛፊ እዞም ኣዕሩኽ ኤርትራዊ ዝኾኑ ክልተ ናይጀርያውያን ናብ ኣውሮፓ ዝበገስሉ እዋን ግዲ ኣኺሉ ነዚ ኤትራዊ መንእሰይ “ንብገስ ኣለና ምሳና ትበግስ እንተኾይንካ ተበገስ” ምስ በለዎ “ከመይ ዘይብገስ ካባኹም ኣይተርፍን’የ” በሎም። በዚ ድማ እቲ ዝኽፈል ከፊሎም ሓንቲ ንእሽቶ ናይ ጎማ ጃልባ ሒዞም ምስ ካልኦት ሓያሎ ናይጀርውያን ማእከላይ ባሕሪ በታ ኣዚዩ ውሕስነት ዝጎደላ ጃልባ ጉዕዞ ጀመርዎ። እዞም ኣስታት 24 ናይጀርያውያንን እንኮ ከም ሓሙስ ኤርትራዊን ተጓዓዝቲ ሒዛ ዝተበገሰት ጃልባ ነዊሕ ምስ ተጓዕዙ በዚ መጽዩ ዘይብልዎ ሓያል ማዕበል ከሰራስሮም ጀመረ። ከብዲ ተሓቑነት። ኣውሮፓ ኣትዮም ሰላም ክረኽቡን ናብርኦም ክልውጡን ዝተመነዩ ናይጀርያውያን ነዛ ህይወቶም ብሰላም ክወጹ ድዮም ኣይወጹን ኣብ ምልክት ሕቶ ኣተዉ። ማዕበል ነዛ ጃልባ ከሰራስራ ምስ ጀመረ። ሓደ ዕብይ ዝበለ ሰብኣይ ናይ ማሪታዊ እምነት ተኸታሊ ጠንቋላይ “እዚ ማዕበል ክሃድእ እንተኾይኑ ካብዞም ተጻዒኖም ዘለው ሰባት ሓደ ናብ ባሕሪ ክትድርብዩ ኣለኩም ንዓ ንስኻን ንስኻን ሓደ ሰብ ኣእትዉ” ብምባል ንክልተ ገዘፍቲ ናይጀርያውያን ከም ፖሊስ ወይ ኣኽበርቲ ጸጥታ ብምምራጽ ነቲ መስርሕ ምጥላቕ ከካይድዎ ኣዘዞም። እቶም ናይጀርያውያን ኣብቲ ሰብኣይ እኹል ዝኾነ እምነት ሒዞም’ዮም ተበጊሶም። ካብ ፈለማ’ውን ክጥንቁለሎምን መንገዲ ክቐደሎምን’ዮም ሒዞሞ መጽዮም። ሓደ ካብቶም ክልተ ኣጓብዝ ናይጀርያውያን እቲ መዳቕስትን ናይ ቀረባ ዓርኪ ኤርትራውን’ዩ ኔሩ። ብዝኾነ ምጥላቕ ጀሚሮም ሓደ ናይጀርያዊ ናብ ባሕሪ ደርበዩ። ባሕሪ ንቑርብ ግዜ ጸጥ ዝበለ እኳ እንተመሰለ ብዙሕ ከይጸንሐ ክናዓብ ጀመረ። ጠንቋላይ ሕጂ’ውን ሰብ ከእትው ሓበሮም። እቶም ቅልጽም እምበር ርእሲ ዘየድልዮም ዝነበረ መንእሰያት ከኣ ሓፍ ኣቢሎም ንሓደ መንእሰይ ሰንደውዎ። ነብሲ ወከፍ ሰብ ናብ ባሕሪ ክድረበ እንከሎ ዝፍጠር ኣውያትን ወጭጭታን ዘሰንብድ ከም ዝኸውን ርዱእ’ዩ። ሰብ ጠሊቑ ባሕሪ ዝግ ክብል ዝብል እምንቶ ዝነበሮም ናይጀርያውያን በብሓደ ተጓዓዝቲ እናደርበዩ 12 ሰባት ኣብ ባሕሪ ደርበዩ። ባሕሪ ግን ጸጥ ኣይበለን። ኣብ መንጎ እዚ መስርሕ ናይ ኣረሜንነት እቶም ዝተረፉ ናይጀርያውን ብሓባር ኮይኖም “እዚ ወዲ ስለምንታይ’ዩ ዘይጠልቕ ናይጀርያውያን ጥራሕ ዝጠልቁ ዘለው?” ክብሉ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ናይጀርያውያን ዝተረኽበ ኤርትራዊ ሓተቱ። መስኪናይ ኤርትራዊ ኣብ ልዕሊ ምድቃቑ ፍርሒ’ውን ኣድቂቕዎ’ዩ ኔሩ “እምባር ተራይ በጺሓ ትብዒ ነብሲ ገርግሽ” በለ ንበይኑ። ሕቶ ናይጀርያውያን ተጓዓዝቲ በቲ ጠንቋላይ ተቐባልነት ረኺቡ እቲ ጠንቋላይ “በቃ ኣእትውዎ ነዚ ወዲ” በሎም። እቲ ናይ ቀረባ ዓርኪ ኤርትራዊ ንዓርኩ ከእቱ ነብሱ እኳ እንተዘይገብረሉ ትእዛዝ ስለዝኾኖ ምስ መሳርሕቱ ብምዃን ነዚ ኤርትራዊ ሓፍ ኣቢሉ ናብ ባሕሪ ከእትዎ ክብልን መንእሰይ መሪር ኣውያት ክድሕድሖን ሓደ ኾነ። እቲ ኤርትራዊ ኣመና ቀጢን’ዩ ኔሩ። እናእወየ ናብ ባሕሪ ክድርብይዎ ከለው ወዲ ኣይሓመቐን ኣብ ጥቓ ክሳድ ዓርኩ ማለት ናይ ሓደ ካብቶም ናይጀርያውያን ኣጥለቕቲ ከረው ኣቢሉ ክዳኑ ሒዙ ናብ ባሕሪ ጠልጠል በለ። እቲ ናይጀርያዊ “ፈንወኒ” ክብል እቲ ኤርትራዊ እናበኸየ ገጹ ብንብዓት እናተሓጸበ “መሓረኒ” ክብል ክርክር ኮነ። ወዲ ነታ ክዳን ሒዛ ዝነበረት ኢዱ እንተሰደዳ ብምባል ከም ምሒር ሃረሞን ቀጥቀጦን። ናብ ሞት ትኸድይ ዝነበረት ነብሲ’ሞ ከመይ ጌራ ሒዛቶ ዘላ ክዳን ክትሰድድ። ኣብ መንጎ እዚ ናይጀርያዊ ዓርኪ ኤርትራዊ ድንጋጸ ኣሕዲሩ ነዚ ወዲ ናብታ ጃልባ መለሶ። ጠንቋላይ

“ደጊምካ ኣእትዎ ኢለካ ኣለኹ” በሎ።

“እሞ ዘይተትእዎ እንተኾይንካ ንስኻ ክትኣቱ ኢኻ፡ ሃየ ያላ ኣእትውዎ” ብምባል ጠንቋላይ ኣዘዘ።

መንእሰይ ናይጀርያዊ “ወይለይ ኣበይ ዲኺ ዘለኺ ሕጂስ ኣብኡ ዲና ተባጺሕና” ብምባል ብነድሪ ነቲ ኣብ ቅድሚት ኣብ ጫፍ ናይታ ጃልባ ኮፍ ኢሉ ንዝእዝዝ ዝነበረ ጠንቋላይ ብእግሩ ስሒቡ፡ ገልቢጡ ናብ ባሕሪ ደረገሞ። ወይ ገባርን ሓዳን ኮይኑ ኣጥልቑዎ ክብል ዝወዓለ ሰብ ኣይ ህይወቱ ኣብ ኢድ እቶም ተኣዘዝቱ ወደቐት ከውጽኦ ዝፈተነ ሰብ ግን ኣይነበረን። ማዕበል ክሃድእ ደቓይቕ ኣይወሰደሉን። ጸጥ በለ። ጃልባ ብህይወት ዝተረፉ ሓደ ደርዘን ናይጀርያውያንን ሓደ ውጻእ መዓት ኤርትራውን ሒዛ ከኣ ገምገም ባሕሪ ጣልያን ብሰላም በጽሐት። ብሰላም ሳላ ዝበጽሐት ከኣ እቲ ውጻእ መዓት ናብቶም ከይፈተወ ዝተመለሶም ኤርትራውያን ደቂ ሃገሩ ብምኻድ ዘጋጠሞ ኣዘንተወሎም። ጉዳይ ናይቶም ደቂ ዓዶም እናጥለቑ ዝመጹ ሰባት ግን ናብ ሕጊ ኣምሪሑዶ ኣየምርሐን ዝፍለጥ ነገር የለን። እቲ ተኽእሎ ግን ጸቢብ ኮይኑ ይስምዓካ። ምኽንያቱ እቶም ስደተኛታት ኣብ ገምገም ባሕሪ ጣልያን ምስ በጽሑ ብኡ ንብኡ ፋሕ’ዮም ዝብሉ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleፈለማ ሰብ’የ
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?