Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ዝባን ጥበብ»ግጥሚ ንምስትምቓር..

ግጥሚ ንምስትምቓር..

0
By Zara on July 17, 2014 ዝባን ጥበብ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ግጥሚ ንምስትምቓር ዝሕግዙ ነጥብታት

ግጥሚ ንምርድኡ ክሳብ ዝተወሰነ ደረጃ ብርትዕ ዝበለ ኢዩ። ዋላ ሓሳባት ብቐጥታ ይገለጽ ንዝበዝሐ ኣንባቢ ዝዕንቅጽዎ ነገራት ኣለው። ሒደት ካብ’ቲ ነጥብታት፡-
• ናይ ቃል ምምዝባል
• ምጥቃም ዘይዝውቱር ቃላት
ኪኾኑ ይኽእሉ፡ እንተኾነ ባህርያት ግጥሚ ብምፍላጥ ብቐሊሉ ክስገሩ ይኽእሉ ኢዮም። ናይ ግጥሚ ርድኢት ንምዕባይን ንምድናቕን እቶም መሰረታውያን ነጥብታት ካብ “ሊትረቸር” እትብል መጽሓፍ እዞም ዝስዕቡ ንርአ።
# ንሓንቲ ግጥሚ ልዕሊ ሓደ ግዜ ኣንብባ
ጽቡቕ ግጥሚ ሓንሳብ ብምንባብ ቀልጢፉ ምሉእ ሓሳቡ ኣይግለጽን ኢዩ። ግጉይ ኣናብባ ንጽብቕቲ ግጥሚ ከኽፍኣ ይኽእል። ደጋጊምካ ምንባብ ናብ’ቲ ናይ ብሓቂ ስምዒት ይወስድ። “ኣርት” ዘለዎ ዕዩ እንድሕር ደኣ ኮይኑ ተደጋጋምን ነዊሕ ግዜን ንኸተንብቦ ክንውንውካ ኣለዎ። ንሓደ ሙዚቃ ሰሚዕካ ኣይትርስዖን ኢኻ። ከምኡ’ውን ንሓደ ቅብኣ ሓንሳብ ርኢኻ ኣይትስንድዎን ኢኻ። ግጥሚ’ውን ብተመሳሳሊ ደጋጊምካ ክንበብ ኣለዎ። ግጥሚ ከም ጋዜጣ ኣንቢብካ ዝድርበ ክኸውን የብሉን። ኣብ መንደቕ ኣእምሮ ክንጥልጠል ይግባእ።
# መዝገበ ቓላት ተጠቐም
ዘይትፈልጦ ቃል እንተድኣ ኣጓኒፉኳ ግድን መዝገበ ቃላት ተጠቐም። ትርጉሙ እንከይፈለጥካዮ ግጥሚ ክትርድኦ ምፍታን ናብቲ ስምዒት ካብ ምብጻሕ ክገትኣካ ይኽእል ኢዩ። ቃላት መሳርሒ ግጥሚ ስለዝኾኑ እንከይፈለጥካዮም ክትርዳእ ምፍታን ልክዕ ከም ኣብ ሜዳ ብዘይኩዕሶ ምጽዋት ኢዩ።
# ድምጺ ናይ ቃል ኣብ ኣእምሮኻ ከም ዝስማዕ ጌርካ ኣንብቦ
ግጥሚ ንኽንበብ ኢዩ ዝጸሓፍ። ዝበለጸ ኣናብባ ግጥሚ በንጻር ኣናብባ ናይ ጋዜጣ ኢዩ። ጋዜጣ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ከተንባቦ ኣለካ። ከንፈር ብምንቅስቓስ ዝግበር ኣናብባ ካብ ግጥሚ ወጻኢ ከተንብብ እንከለኻ ሕማቕ ልምዲ እኳ እንተኾነ ኣብ ግጥሚ ግን ጽቡቕ ልምዲ ኢዩ።
# “እቲ ግጥሚ እንታይ ይብል ኣሎ ᎒” ኢልካ ኣድህቦ ግበረሉ እኳ ደኣ ዝለዓለ
ዋላ’ኳ ብዜማ’ቲ ግጥሚ ክንግደስ እንተለና ዝለዓለ ኣድህቦ ናይ’ቲ ግጥሚ እንታይ ይብል ኣሎ ዝብል ክኸውን ኣለዎ። ገለ ሰባት ከየተንፈሱ ነቲ ዜማ እናሰምዑ ነቲ ግጥሚ ከይተረድእዎ ዝውድእዎ ኣለዉ። እዚ ጌጋ ኣናብባ ኢዩ። ነቲ ሓሳባትን መልእኽትን እናተረዳእካዮ ክትቅጽል ይግባእ።
# ዓው ኢልካ ምንባብ ኣዘውትር
ግጥሚ ከተንብብ እንከለኻ ከም ትሰምዖ ጌርካ ኣንብቦ። ብሰሪ ጌጋ፡ ኣናብባ ከይትጽይቕ ምጥንቃቕ የድሊ። ከም ናይ መወዓውዒ ወይ ትእዛዝ ጌርካ ክንበብ የብሉን። ብዘይካ’ዚ ብርቱዕ ቃና ድምጽን ብትሑት ደርፊ ዚዓይነቱ ቃናን ጌርካ ክንበብ ኣይግባእን። ቀሊልን ጽፉፍን ኣናብባ ግጥሚ ልክዕ ከም ጽቡቕ ኣዘራርባ ኮልተፍተፍ ከይበልካ፡ ሙዚቃን ትርጉም ዝህብን ጌርካ ምናባብ ኢዩ። ንግጥሚ ግዳማዊ ስምዒት ክንውስኸሉ እምብዛ ኣገዳሲ ኣይኮነን ምኽንያቱ እቲ ስምዒት ኣብቲ ግጥሚ ስለዘሎ ብባህርያውን ብተመስጦን ጥራሕ ምንባብ ነታ ናይ ብሓቂ ግጥሚ ይኣኽላ ኢዩ። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ እቲ ረምታዊ(ሪትሚካል) መስርዕ ናይቲ ዜማ ዝተጋነነ ክኸውን የብሉን። በቲ ስምዒት ናይቲ ግጥሚ ንምኻድ ኣፍልጦ ስርዓተ ነጥቢ ኣጋዳሲ ኢዩ። ካብ ሓንቲ መስመር ናብ’ታ እትስዕብ ክትቅጽል እንከለኻ ነቲ ድምጺ ድርብይ ድርብይ ከተብሎ የብልካን። መስመራት ዜማዊ ውህደት ኣለዎም። እቲ ዜማ ምስቲ ሓሳብ ተወሃሂዱዶ ዋላስ ኪቕጽል ኢዩ ንምፍላጥ ስርዓተ ነጥቢ ክትርኢ ኣለካ።
ብተወሳኺ ኣብ ርድኢትና ዝሕግዙ ዝተፈላልዩ ሕቶታት ክንሓትት ንኽእል። ሓደ ካብቲ ሕቶታት መን’ዩ እቲ ተዛራቢ᎒ እንታይ ዓይነት’ዩ ኸ᎒ ከም ኡ’ውን ንመንን ከመይ ከመይ ዓይነት’ዩን ክንሓትት ንኽእል። እቲ ተዛራቢ እቲ ገጣሚ ጌርና ክንወስዶ የብልናን። ገጣሚ ሓቀኛ ነጥብታት ተመክሮኡ ናብ ተማሃሮ ናይቲ ገጣሚ ብኣድማሳዊነት ናይ ምቕያር ምሉእ ጭብጥታት ኣለዎ።
ግጥሚ ከነንብብ እንከልና ካልእ ክንሓቶ ዘሎና “ ሸቶ ወይ መልእኽቲ እንታይ ኢዩ᎒” ዝብል ኢዩ። ዕላማ ናይ ሓንቲ ግጥሚ ዛንታ ምጽዋይ፡ ባህሪ ምሕባር፡ ስምዒት ንምግላጽ ወዘተ ኪኸውን ይኽእል። እቲ ዕላማ ተረዲእና ብዝግባእ ኪንገልጾ ኣለና። ዕላማ ምስ ፈልጥና ድማ ከከምቲ ርዝነት መልእኽታት ምስ ተነጸረ “ እቲ መልእኽቲ ብምንታይ መንገዲ ተሃኒጹ ኣሎ᎒” ዝብል ሕቶ ይስዕብ። እዚ ሕቶ እዚ ሓያሎ ነጥብታት ዝሓዘ ኢዩ።
ገለ ካብ ባእታታት ስነ ግጥሚ ኣለዎ ዶ᎒ በየናይ መንገዲ᎒ ሓይሉኸ᎒ ኣመራርጻ ቃላት፡ ቃላት፡ ቃና (ቶን) ወዘተ እናበለ ይቕጽል። ሓንቲ ግጥሚ ክትምዘን እንተድኣ ኮይና ብዝተወሰነ ሸነኽ በዚ
መምዘኒታት ክጥምታ ጽቡቕ ኢዩ። ግጥሚ ብፍሉይ መንገዲ ክግለጽ ኣለዎ። ብኸምቲ እንዛረቦ መንገዲ ክግለጽ የብሉን። እንታይ ንምባል ከም ዝመጸ እንተፈሊጥና ድማ ኣብታ ግጥሚ ዘሎና ርድኢት ይዓቢ። ብድሕሪኡ ቅድሚ ኣብ መደምደምታ ምብጻሕና ነታ ግጥሚ ንህይሳ።
እዚ ክብ ኢሉ ዝተዝረርዘረ ብዝሓጸረ ሸነኹ ኢዩ። ኣብ ውሽጡ ሓያሎ ነገራት ዝሓዘ ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ ቀልጢፍካ ምርድኡ ቀሊል ኣይኮነን። ምስ ተረዳእካዮ ግና ባህታ ዝህብ ኢዩ። ኣብ መንጎ ምጽዋት ቴንስን ምንባብ ግጥምን ዘመሳስሎም ነጥቢ ኣሎ። እቲ ጸወታ ሓያል እንተኔሩ ክልቲኦም ባህታ ይህቡኻ። ንፉዕ ተጻዋታይ ቴንስ ሃሙን ቀልቡን ምስታ ጸወታ ኮይኑ ምንቅስቓስ መጻውቱ ይከታተል። እታ ኩዕሶ ንጸጋም ንየማን ንላዕሊ ንታሕቲ ክትብል እንከላ ምስኣ ይጠዋወ። ንዝለዓለቶ ይነጥር፡ ንዝፈጠነቶ ከኣ ይጎያ። ስለዚ እቲ ዝስምዖ ዕግበት ብተዛማዲ ናይቲ ዝገብሮ ጻዕሪ ኢዩ። ግጥሚ ዕላምኡ ንምእባድ ወይ ንምዝንጋዕ ጥራይ ኣይኮነን ንምንቕቓሕን ኣብ ህይወት ምእታውን ኢዩ።

ብሄኖክ ተስፋብሩኽ
ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ 10 ሚያዝያ 2002

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleባህላዊ ፍትሒ ኣብ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ 3ይ ክፋል
Next Article ገለ ሓሙሽተ ሕቶ ብምኽንያት ሓሙሻይ ዓመት ረድዮ ኤረና !
Zara

Related Posts

ሓዳሚን ድምጻዊን – ጎፍ ንጎፍ

October 4, 2020
Read More

ተረፍ ፡ ነጸብራቕ ህይወት ሓደ መንእሰይ”መጽሓፍ፡ ተረፍ እኵብ ሓጸርቲ ዛንታታት

August 4, 2020
Read More

እታ ዘሕዘነትኒ ደርፊ

December 28, 2016
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?