Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, May 11, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»“ግጥሚ ቋንቋ ህጻን’ዩ”

“ግጥሚ ቋንቋ ህጻን’ዩ”

0
By Mekonnen T. on July 22, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ጥዕሙዝጊ ተስፋይ

መቸም ተንተንቲ ዓውደ ግጥሚ፡ ግጥሚ እንከልዕሉ ህጻን’ውን ኣይርስዕዎን’ዮም።    “ግጥሚ ብቋንቋ ህጻን’ዩ ዝጸሓፍ” እትብል ዘረባ ድማ መውጽኢት ኣፎም’ያ። ህጻን ደኣ ዓረፍተ ነገር ከቕውም’ኳ ዘይከኣለ፡ መኣስ ደኣ ናይ ግጥሚ ወሓለ ኮይኑ! ግጥሚ ንህጻን ዝቐርብ እንተ ኾይኑ ከም ባምቡላ መጻወቲ ቆልዑ’ዩ ማለት’ዩ። ኢሉ ዝምልስከ ኣበይ ከይሰኣን ኢልኩሞ። እንታይ ንምባል ደኣሎም ግጥሚ ናይ ህጻን’ዩ ዝብሉ?

ኣብ ቅንያት ዕለተ ናጽነት ካብ ዝካተቱ ናይ ምዝንጋዕ መደባት፡ ብሳንድያጎ እትቐርብ “ላዛ ቆልዑ” ተፈታዊት እያ። መብዛሕትና ከም መስሓቕ ጥራይ ከም እንወስዳ እምነት እለኒ። ገለ ገለ ሰባት ከኣ ኣብ ነብሲ ወከፍ መልሲ ናይ’ቶም ቆልዑ “ስለምንታይ ከምኡ ኢሉ ወይ ኢላ?” እናበልና ንመራመር ንኸውን። ምኽንያቱ መብዛሕትኡ እዋን ንሕና እንሓስቦን እቶም ቆልዑ ዝምልስዎን በበይኑ (ዘይራኸብ) ኮይኑ’ዩ ዝጸንሓና። ንነገራት ብዝተፈላለየ መንገዲ ስለ እንጥምቶም በብዓይነቱ መልሲ ድማ ይህልወና። ናእሽቱ ንነገራት ብስእሊ’ዮም ዝጥምትዎም። ዓበይቲ ግን ድሮ ኣእምሮና ንነብሲ ወከፍ ነገር (ፍጻመ) ናይ ቃል ትርጉም ሂቡዎም ስለ ዝጸንሕ፡ ሕቶ እንክስዕብ ካብ ከብሕታቱ ሃሰው ብምባል’ዩ መልሲ ዘዳሉ። መብዛሕትኡ እዋን ድማ ናይ ቃል ብቓል መልሲ (Literal) ይነግረና። “ከብዲ ንምንታይ ይጠቕመና?” ተባሂላ ምስ ተሓተተት “ክንጠንሰሉ” ኢላ ዝመለሰት ህጻን ኣይንርስዓን ንኸውን። ጻዕዳ ኣእምሮ። ዘርኢ ሰብ ኣብ ማህጸን ከም ዝዓኩኽ፡ ክሳብ እንምህራ፡ ዝመስላ’ያ ትኣምን። “ኣጻብዕ ንምንታይ ይጠቅም?” ተባሂሉ ዝተሓተተ ህጻን “ንቆልዑት መቐንጠዊ” እንተ በለ ደይ ዝተራእዮ’ዩ ዝብል። ግጥሚ ድማ “ዝተራእየኩም ጽሓፉ፡ ካልኦት ዝበሉዎ ብወረጦ እናኣረኹም ንቃላት ግጥሚ ኩኑልና ኣይትበልዎም፡ ውሽጥኹም ናይ ገዛእ ርእሱ እበሃህላ ስለ ዘለዎ ተነቚትኩም በርብሩዎ” እዩ ዝብል።

ሓደ ግዜ ሓንቲ መምህር “ኮኾብ እንታይ’ዩ?” ኢላ ሓተተቶም ንካልኣይ ክፍሊ ተመሃሮኣ። ኣቀዲማ ምሂራቶም ስለ ዝነበረት ኣእዳዎም ዊጥ እናበሉ ሓደ ዓይነት መልሲ መለሱ። “ኮኾብ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ጸሓይ’ዩ፡ መብራህቲ ዝህበና ተፈጥሮኣዊ ነገር’ዩ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ብርሃን ዘለዎ ኣካል’ዩ. . . “ እናበሉ ነቲ መምህሮም ዝነገረቶም ደገሙ። ሲሞና ግን ኢዳ ዊጥ ኣበለት’ሞ “a star is a flower without stem” (ኮኾብ ጉንዲ ዘይብሉ ዕምበባ’ዩ) ክትብል መልሲ ሃበት። ተማሃሮ ሰሓቑዋ። ምኽንያቱ ከምኡ ኣይተማህሩን። ብዛዕባ ኮኾብ ዝኾነ ሰብ እንተ ዘይምህሮም ነይሩ፡ ነናቶም መልሲ ምሃለዎም። ምናልባት ኮኾብ ውላድ ጸሓይ’ያ፡ ኣብ ሰማይ ዘላ ኣልማዝ’ያ፡ ካብ ጸሓይ ዝነጠረ ጓህሪ’ዩ. . .” ዝብሉ’ውን ኣይምተሳእኑን። ህጻን ሲሞና፡ ንኮኾብ ከም’ቲ ዝተራእያ ብስእሊ’ያ ገሊጻቶ። ንዓኣ ኮኾብ ብዘይ መደገፊ ዘንሰላሉ ዕምበባ’ዩ። ኣብ ኣእምሮኣ ዝተወቕረ ምስሊ ከምኡ’ዩ። ግጥሚ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣበሃህላ’ዩ ዝደሊ። እስከ ብዛዕባ ኮኾብ ሓጺር ግጥሚ ንግጠም። እቲ ንግጥሚ ዝኸውን ኣበሃህላኸ፡ ናይ ሲሞና ድዩ ወይስ ናይ’ቶም ካልኦት?

ብገዛእ ርእስኻ ትበርህ

ብርሃን ዘይትልቃሕ

ጸሓይ ክነስኻ

ኣመና ርሒቕካ. . .

ኣዛ ማይ ቤት ብኣበሃህላ ናይ’ቶም ዝበዝሑ መለስቲ ዝተገጥመት’ያ። ኣብ ናይ ሲሞና ስእላዊ ኣገላልጻ ተሞርኲስና ድማ ክንገጥም ንፈትን።

ውቅብቲ ዕምበባ

ብዘይ ጉንዲ

እናንሰላለኺ

ብርሃን ትዕድሊ. . .

እታ ናይ መጀመርታ ማይ ቤት ንቡር ብዝኾነ ኣበሃህላ ዝተነድቀት’ያ። ኣብ መባእታ እንመሃሮን፡ ኩሉ ሰብ ክብሎ ዝኽእልን’ዩ። ስእሊ ኣእምሮ ክፈጥር ዘይክእል ኣበሃህላ። ኣብ ካልኣይቲ ማይ ቤት ግን ገጣማይ (ሲሞና) ንኮኾብ ከም’ቲ ኩሉ ሰብ ዝብሎ ዘይኮነስ፡ ብናይ ገዛእ ርእሳ ስእለ ሓሳብ ኢላቶ ኣላ። እስከ ኣየነይተን ማይ ቤት ባህ ከም እትብለና ነናትና መልሲ ንሃብ! እምበኣርከስ ግጥሚ ስእለ ሓሳብ ደኣ’ምበር ቃላት ኣይኮነን። ብኻልእ ኣበሃህላ እንክድገም፡ ቃላት ግጥሚ ይነግሩ እምበር ግጥሚ ኣይሰርሑን’ዮም። ግጥሚ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓለም ኣለዉ። ኣብ ዓለሙ ዘይኣተወ ሰብ እንታይነቱ ክፈልጦ ኣይክእልን’ዩ። ግጥሚ ናይ ኩሎም ህዋሳት ስምዒትና ስራሕ’ዩ። ገጣማይ ብግጥሙ ኣቢሉ ይሽትት፡ ይድህስስ፡ የስተማቕር፡ ይርኢን ይሰምዕን። ንሰማዕቱ እውን ብስእሊ የርእዮም። ብዙሓት ሰባት ግጥሚ ምጽሓፍ ማለት ብርዕን ወረቐትን ኣራኺብካ ብቃላት ምዝራብ ይመስለና’ዩ። ከምኡ እንተ ኾይኑ፡ ማንም ሰብ ግጥሚ ክጽሕፍ ምኸኣለ። ወይ’ውን ግጥሚ ዝበሃል ነገር ኣይምሃለወን። ኣብ’ቲ ምቁር ዓለሙ ከይጠሓልካ ክትጽሕፍ እንተ ፈተንካ፡ “ዕለታዊ ጸብጻብ (report writing) ኢኻ ጽሒፍካ” እዮም ዝብልዎ ናይ ግጥሚ ተንተንቲ።

ሓደ ካብ ፍሉጣት ገጠምቲ “ክጽሕፍ ከለኹ ኣብ’ቲ ዘለኹዎ ቦታ የለኹን፡ እቶም ኣብ ጥቓይ ዘለዉ’ውን የለዉን፡ ናብ ካልእ ዓለም ከይደ’የ ዝጽሕፍ” ኢሉ ነይሩ። ኬድካ ጽሓፍ፡ ሸቲትካ ንገር፡ ርኢኻ ኣርኢ. . . ። ንሰባት ብቃላት ክተስተምህሮም ኣይትህለኽ። ግጥሚ ንኣስተምህሮ ኣይተፈጥረን። ናብ’ቲ ንስኻ ዝረኣኻዮ ሒዝካዮም ኪድ። ብሓቂ ባህ እንተ በለካ ባህ ክብሎም’ዩ፡ እንተ ሓዘንካ ክሓዝኑ’ዮም። ውሽጥኻ ዝበለካ ጽሓፍ። ካባኻ ዝበቖሉ ሓሳባት ምጽሓፍ (Natural writing) ልመድ።

ልቢ ወለድ ይኹኑ ሓቀኛ ግጥምታትና፡ ነዋሕትን ሓጸርትን ዛንታትና በዚ መዳይ’ዚ እንክምዘኑ የሐጉሱ ደኾን ይኾኑ? ፍርያትና ናብ ናትና ዶ ይዝንብሉ ናብ ናይ ካልኦት? ጽሑፋትና ኩሉመዳያዊ ሂወት ዘልዕሉ ድዮም ወይስ ኣብ ዝተወሰነ ዓንኬል ዝዞሩ? ኣብ ዝቕጽል ሕታማት ገለገለ ንሕትመት ዝበቕዑ ግጥምታት ክንድህስስ ክንፍትን ኢና።

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleባህላዊ ፍትሒ ኣብ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ 4ይ ክፋል
Next Article ባህላዊ ፍትሒ ኣብ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ 5ይን ናይ መወዳእታን ክፋል
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?