Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ገለ ሓሙሽተ ሕቶ ብምኽንያት ሓሙሻይ ዓመት ረድዮ ኤረና !

ገለ ሓሙሽተ ሕቶ ብምኽንያት ሓሙሻይ ዓመት ረድዮ ኤረና !

0
By Mekonnen T. on July 19, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

 

ብሳባ ኪዳነን ደሳለ በረኸትን
ምስ ዳሬክተርን መስራቲን እታ ረድዮ ጋዜጠኛ ቢንያም ስምኦን
_MG_1096-1ሕጂ ኸ ረድዮ ኤረና ኣብ ከረን ከም ዘላ እሞ ንሕሰብ፡ንኣስመራ ኣብ እትገብሮ ጉዕዞ ኣበይ በጺሓላ ምበልካ?

“ኣይ ርሑቕ ኣይከደትን ኣብ ጥቃ ሰሪን ሆቴል ኣያ ዛላ ጥቃ ብሎኮ ከረን በቃ” ቢንያም

ጸሓይ ፓሪስ ልዝብ ኢላ ሰባት ፍንሽርሽር ክብሉ ኣብ ዘፍቀደትሉ ጽቡቕ ወቕቲ እየ ምስ ቢንያም ስምኦን ማለት እቲ ዝለዓለ ኣካል ናይታ እንኮ  ኤርትራዊት ሳተላይት ረዲዮ ናይዚ እዋን እዚ ኮይና ዘላ ረድዮ ኤረና ንከዕልል ዕድል ዝረከብኩ።

ቢንያም እቲ ምስ ምምስራት እታ ሓዳሽ ሃገርን ሓድሽ መራኸቢ ብዙሃን ትተክል ዝነበረት ሃገር ፡ምስቲ ደስ ዝብሎ ሞያ ንኽሰርሕ  ዕድል ዝረኸበ  መንእሰይ’ዩ። ቢንያም እቲ ፍርቂ ዕድሜኡ ዝሃበሉ ሞያ  ሓደ ርብዒ ናቱ ሳተላይት ረድዮኡ  ወኒኑ ንምምዕባላ ሓኾት ዝብል ዘሎ ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ፉሕ ፉሕ ዝብል ትካል ሕጂ’ውን ዝበዝሐ ሰዓታቱ እናወፈየሉ ይርከብ ።  ኣነሆ ድማ ሓሙሽተ ዓመቱ ኮይኑ።ንቢንያም ውሑድ ዘይኮነ እዋን ብዛዕባ ምዕላሉ ሓሲበ ግን ክላ ‘እንታይ ምስ ሰራሕና ኢና እሞ’ ብምባል ኣብ ጽላል ትሕትና እንዳ ኣዔመ  ህድእ ኢሉ ስርሑ ይሰርሕ:: ኣነ ድማ እነዕልለሉ ኣጋጣሚ ሃሰው ክብል ምምስራት ሓሙሽተ ዓመታ ኣመኽንየ ሕቶይ ደገምኩሉ ሓሙሽተ ሕቶታት ብምኽንያት ሓሙሽተ ዓመታት ምምስራት ረዲዮ ኤረና፡፡

ሓሙሽተ እንተኾይነን ድኣ ደሓን ኢሉ ዝጀመረ ዕላልና ንንኡስ ሕቶታት ኣሰሰኖ ምእኩት ኢሉልለይ፡፡

እሞ ቢኒ ሓወይ ብምኽንያት ምምስራት ረዲዮ ኤረና መጀመርታ እሞ ዮሃና ክንብል”

“የቐንየልና”

_MG_1130-30ቢንያም ከም ድፍረት ደኣ ኣይቆጸረለይ : እሞ ንምዕላልና ኣፕረቲቮ ( መኽፈቲ) ዝኾነና ሕቶታት ጌረ እዚ ኤየር እንተሰበርክዎኸ?

“ግርም”

ቢንያም  ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ስደት ዓመታትካ ብፍላይ ከኣ ኣብ እዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ዝመሰጠትካ ደርፊ እንተላ?

“ ደርፊ . . . . ደርፊ እዋእ ሓያሎ’ዩ  ሓንቲ ኣንተተባሂለ ግን ናይ ፍሒራ ባሕሪ ምበልኩ ፡ናታ ደርፊ ክሰምዓ ከለኩ ገለ እዩ ዝስመዓኒ. . .

እሞ ንፍሒራ እንተትረኽቦ እንታይ ምበልካዮ?

“ብራቮ የቐንየልና ምስ ህዝብኻ ዝወገንካ ምበልክዎ ፡ብሱል ደርፍታት በርትዕ!!”

እቲ ዝበዝሐ መደባት እታ ረድዮ ምስ ስድተኛታት ዝተተሓሓዘ ሓያሎ  ብፍሩይ ካብ  እትልለየሉ መደባታ እዩ. . .

“. . . እወ እንታይ እዩስ እቲ ህሉው ኩነታት ዝፈጠሮ ሃዋሁ እዩ፡ዝያዳ ናብቲ ስደተኛ ዛዝያ ኣላ እቲ ናይ ሜሮን እስቲፋኖስ ንጥፈታት’ውን . . . ሜሮን እቲ ተመክሮ ኣብቲ ጉዳይ ጽቡቕ ኣፍልጦ ጸኒሕዋ ንሱ’ውን ሓደ ናይ ገዛእ ርእሱ  ዳይናሚክ ዝኾነ ነገር ክግበር ኣኽኢሉ”

ብመሰረቱ እታ ረዲዮ ክትሕሰብ ከላ  እንታይ እዩ ኔሩ እቲ ቀንዲ ዕላማኣ ?

“ እምቧእ እታ ረድዮ ደኣ ከምቲ ርዱኣ እቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ  ካልእ መድያ ተሓሪምዎ ዘሎ ህዝቢ፥ ሓበሬታ: ደሃይ: ደሓር ከኣ መንቋሕቋሕታ: ተስፋ: ክትህብ ሓቦ ከተስንቕን  ከም ረድዮ ዓቅማ ከተበርክት እንድዩ እቲ ሓሳብ፡ እቲ ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ ዝሓሸ ዕድልን መንቋሕቋሕታን ስለ ዘለዎ ብዙሕ  ዕድላት  ስለ ዘለዎን ቀንዲ ዕላማና ናብቲ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ እዩ:: ስለዚ ድማ ኢና ሳተላይት ክትከውን ብዙሕ ዝተጻዕረላ፡ ንሱ ከኣ እዩ እቲ ፍሉይነታ::  እምበር ብዙሓት ዕዉታት ረድዮታት’ውን ኣለዋ እንድየን ከም ንፈልጠን”

 

ከመይ እዩ ኣቲ ጉዕዞ?

“ ጉዕዞ ቀሊል ኣይኮነን::  ጌና ብዙሕ ዕንቅፋታት ኔሩ ፡ናይ ሓይሊ ሰብ፥ ናይ ፋይናንስ: ናይ ቴክኒክ ኩሉ ኢድካ እንዳሓወስካ እዩ ተኸይዱ፡: ብሓቂ እዚ ሕጂ ዘለናዮ ደረጃ ጌና ክንድቲ ዝሓለምናዮ ኣይተዓመመን:: ሕጂ ተነባቢት ረድዮ እያ ትኸውን ሓደሓደ እዋን”

ከመይ ማለትካ እዩ ተነባቢት ረድዮ?

“ማለትሲ ሰብ ኣርቲክል ይሰድድ  ጽሑፍ ምንባብ ዝዓብለሎ ረድዮ ጥራይ  ኣንተዘይትኸውን ደስ ምበለኒ: ንግዚኡ ግን ከምኡ እዩ ኣፍቂዱ ዘሎ ‘ቲኹነታት”

እባ ክሓተካ ዝደለኹ ረድዮ ኤረና ዋላ ከምቲ ኣብቲ መእተዊኣ ዘሎ ሎጎ ጀሚርካ ከም ዝበሃል ናጻ ረዲዮ እያ እዩ ዝብል፡ እቲ ዝበዝሐ ግን ወገናዊነት ናይ ሓደ ወገን ዝዕብልልዶ ኣይመስልን ኣብቲ ኽውንነት  ማለት ብወገን መንግስቲ እንታይ መልሲ ይህብ ክንሰምዕ ኣይከኣልናን?

“ ኣበይሞ እቲ ጻዕርና ፍረ ሂቡ: እቲ ንገብሮ ፈተናታን ዕዉት ኮይኑ፡ ዋላ ከስምዓኪ ይኽእል’የ ኣብ ኣስመራ ሓደ ነገር ዜና ምስ ረኸብና ዘረባ ሓደ ሰሚኻ ምፍራድ ናይ ሜድያ ሞራል ስለ ዘይኮነ ፡ነቲ ጉዳይ ከነጻሪ ሓያሎ ፈተናታት ንገብር ኢና:: ግን ሓንሳብ ኣብ እዝንኻ ይዓጽዉኻ ሓንሳብ የሽካዕሉልካ እንዳ ኾኑ ኣምበር  ናጻ ካብ ምግባራ ዓዲ ኣይወዓልንና”

ቢንያም  እዚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ረድዮ ኤረና እንተዘይትሰርሕ: እንታይ ትሰርሕ ምሃለኻ?

“ እዚኣ ኣቦይ እዝጊ ጥራዩ ዝምልሳ. . .  ሂወተይ ግን ኣብ ሜድያ እዩ ካብ 1992 ጀሚሩ ካልእ ስራሕ ኣይፈልጥን እየ ስለዚስ ኣብቲ ዓልኬል ክህሉ ባህርያዊ ይመስለኒ. . .”

እሞ ‘ዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት እንቋዕ ረድዮ ኤረና መስረትኩሉዶ ትብል?

“እወ፡ከመይ ደኣ፡ ንህዝበይ እቲ ዝግበኦ  ግን ከኣ ዝተነፍጎ መሰል: መሰል ናይ ሓበሬታ ምርካብ ዝከኣለኒ ምግበረይ ሕጉስ እየ”

ግርም ካብ መደባት ሬድዮ  ኤረና እባ ነየነይተን ትፈቱ? (እዚኣ ንኡስ ሕቶታት ሓንቲ እያ ኔራ)

መደብ ሽኮሪናታት

እምቧእ እሞ ንዮናታን ከይትምንጥሎ ተፍርሕ ኢኻ?

“ ኣይ ከመቢለ ከምቲ ናቱ ሰሓቕ ክኽእሎ ! ( ብሰሓቕ ክርትም እዳበለ) ደሓር ከኣ ንዒ ጓለይ ምስ መሳርሕተይ ከይተባእስኒ ብዙሕ ዝስሕበኒ መደባት ኣሎ እታ ናይ ሽኮሪናታት ግን ዝያዳ ምስ ሰማዕቲ ዘሎ ኢሂን ምሂና ደስ እዩ ዝብለኒ፡ብዛዕባ ምምንጣል ድማ ናቱ ቅዲ ኣለዎ ኩሉ ሰብ ኣብተድምዓሉ ምስራሕ እየ ዝኣምንን ዘተባብዕን ኣጆኻ ቕሰን ሸኾርተቲኖ!”

ቢንያም ሓደ ዕዉት መድያ ረድዮ ንኽህልወካ ዘኽእል ምስጢር እንታዩ እንተ ትበሃል እንታይ ምበልካ ?

“ዕላማኻ ምፍላጥ ፥ በቲ ኤቲክስ ናይ መድያ ምኻድ ፡ልዕሊ ኩሉ ግን ኣብዚ ናትና ክዛረብ እንተኾይነ ዕቱብነት ኣባላታ ኣብ’ቲ ስራሕ እዩ:: እቶም ኣበየ ቦትኡ ዘለዉ ኣባላታን ወኪላታን ነዛ ረድዮ ይጠቅም እዩ ዝበልዎ  ብስራሕ ካብ ምርኣይ ድሕር ዘይብሉ እዮም:: ኩሉ ግዜ ስጡም ምውህሃድ ኣሎ ኣብ መንጎና:: ኣብ ትርፊ ግዚኦም እዮም ዝሰርሑ መብዛሕቲኦም ግን ኩሉ ግዜ ነታ ረድዮ ብዋንነታዊ መንፈስ ካብ ምስራሕ ኣየቋርጹን እዮም::”

እሞ በዚ ኣኣጋጣሚ እዚ ምስጋና ከብጽሓልካዶ?     

“እወ ኩሉ ግዜ እንድየ ዘመስግኖም ፡ኣራጉድሎም እምበር”

ቢንያም ኣብዚ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ስራሕ ኣጋጣሚኻ ብፍሉይ ትዝከረካ ማለት ኣዝያ ተንካፊት ሁመት ኣየነይቲ ኔራ?

“ዋ ብዙሕ ብዙሕ! ካብዚ እዚ ክፈላሊ የጸግመኒ፡ ( ዝን በለሞ ቀጸለ) እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ሕሰም መነባብሮን ጸልማትን ኣዝዩ ኣዝዩ ክትኣምኖ ዘጸግም እዩ።ሓደ ሓደ እዋን ካብ ወኪላትና  ዝመጸና ሓበሬታታት ኦይ እዚስ ኣማኒ ኣይንረኽበሉን ኢና እንዳበልና ንታሪኽ እንቐምጦ ብዙሕ እዩ።ካብኡ ዘይሰንፍ ድማ እቲ ኣብ ስደት ንኤርትራውያን ዘጋጥም ዘሎ መሰናኽል ዕረፍቲ የብሉን እዚ ኣብ መዓልቲ ምረት ከይሰማዕኩላ ዝሓለፈት የላን ስለዚ. . . እ ህ. .  ከቢድዩ በጃኺ።”

ቢንያም ገለ ገለ ሰባት፥ “ እምቧእ እዚ ወዲስ ኣይደፈረንዶ?” ይብሉ እዮም ብስራሕካ ስለዚስ ከመይ ኢኻ ኣብ ፍርሒ?

“ፍርሒ ደኣ ከም ሰበይ ይፈርሕ እወ ግን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘፍርሕ የብለይን ።ንህዝበይ እየ ዘገልግል ዘለኹ፡ ነቲ ዝተነፍጎ ናይ ሓበሬታ ምርካብ መሰሉ ጩራ ከነብርሃሉ ኢና ንጽዕር ዘሎና፡ኣሞ እንካ ሓበሬታ ክንዲ ዝበልና ክንፈርሕ ዘሎና ኣይመስለንን::  ክሳብ ሕጂ ዘጓነፈኒ ጸገም የለን ኣምላኽ ይመስገን!”

ካብ ረድዮ ኤረና ኣብ ዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመት  እንታይ ኢና ክንጽበ ንእትብል ሕቶ  ብሓንቲ ቃል ግለጻ እንተትበሃል?

“ዕቤት”

ሕጂ ኸ  ረድዮ ኤረና ኣብ ከረን ከም ዘላ እሞ ንሕሰብ፡ንኣስመራ ኣብ እትገብሮ ጉዕዞ ኣበይ በጺሓላ ምበልካ?

“ኣይ ርሑቕ ኣይከደትን ኣብ ጥቃ ሰሪን ሆቴል ኣያ ዛላ ጥቃ ብሎኮ ከረን በቃ”

እሞ ቢንያም እቅሬታ ሕቶታተይ እኳ ሓሙሽተ ኢለ ሰሲዐ’የ ግን ክትብሎ ትደሊ ነገር እንተሎ ዕድል ክህበካ ( እምቧእ ኣነ ደረቐኛ ምሽ ) ንወሃቢ መድረኽሲ መድረኽ ንዓኻ ክብል ብዝኾነ

“ኣነስ እንታይ ክብል ምደለኹ፡ ሓያሎ  ጋዜጠኛ ኣብ ስደት ኣሎ፡እቲ ኣዝዩ ዝበዝሐ ግን ኣብቲ ዓውዲ ይነጥፍ የሎን፡ ስለዚ ድማ ካብ ረድዮ ኤረና ጀሚርካ ዋላ ኣብ ካልኦት ረድዮታትን ካልኦት መራኸቢ ብዙሓትን ብዙሕ ሃጓፍ ፈጢሩ ይርከብ።ስለዚስ በዚ ኣጋጣሚ ሓቢርና ንኽንሰርሕን ህዝብና ከነገልግልን ይላቦ::”

እሞ ቢንያም ዕላልና ቅድሚ  ምዕጻውና ኣንታይ ክብል ምደለኹ ፡ሓቂ ዘረባ ኣብዚ ዝሓለፈ እዋናት ንኤርትራዊ መድያ ብዙሕ ብዛዕባ እታ ረድዮ ዝተገበረ ዕላላት የለን ከምዚ ወዲ ሰራሒ ማዕጾስ ዝብኢ ወሰዶ ዝዓይነቱ እዩ፡ እሞ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ከ ክንደይ እዋን ኢና ንሓበሬታ ክፉት ክኾነልና ብወገንካ?

“ የቐንየልና እሞ ነቲ ጽቡቕ ፋል ወሸለ ኣብዚ ዝቕጽል መደብ ስራሕ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ሰሲኑልና ሓበሬታ ደኣ ርኸቢ ኣይትስኣኒ”

 

የቐንየልና በል  ቢንያም ሰሰላሙ !

“ሰሰላሙ!”

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleግጥሚ ንምስትምቓር..
Next Article ሰኣን ድንን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?