Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Friday, May 30, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ድኽነት ተዛማዲ ኢዩ

ድኽነት ተዛማዲ ኢዩ

0
By Mekonnen T. on March 6, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብኣማኑኤል ሳህለ (Amanuel Sahle)

ትማሊ ኣብ ሃገራዊ ሎተሪ ክልተ ሚልዮን ዶላር በጺሑኒ። ብዙሕ ተሓጒሰ። ሓጎሰይ ወሰን ኣይነበሮን። (ገለ ሰብ ብምሒር ታሕጓስ ነቲ ቓላት ይገላብጦ ኢዩ፡ ወሰነይ ሓጎስ የብሉን፡ ይብል።)

ንምዃኑ፡ ሓቂ ዲዩ ብሎተሪ ብዙሕ ገንዘብ ምስ በጽሓካ፡ እቶም ቁማልካ ባዕላቶም ኢዮም ዚረግፉ ዚብሃል። ውረድ ዘይበቕልኻ ኢዩ ነገራቱ።

ግን ንጽባሒቱ፡ እቲ ጎረቤተይ ኣብ ናይ ኵዕሶ ሎተሪ ተጻዊቱስ ሓምሳ ሚልዮን ዶላር ከም ዝበጽሖ ምስ ሰማዕኩ ብዙሕ ሰምቢደ። ናብ ምድንጻው ዘድሃበ ስምባደ። ብውሽጠይ ክቈጻጸሮ ዘይከኣልኩ ናይ ድኽነት ስምዒት ሃዊኹኒ።

ገለኻትኩም፡ ናትካስ እኩይ ቅንኢ ኢዩ። ቅዱስ ነይሩ እንተ ዚኸውን ኣይምሰምበድካን ትብሉኒ ትኾኑ። ኣይተጋገኹምን። ግን ብቐደሙስ ሓጎስ ብገንዘብ ኪመጸልካ ኢልካ እንተ ደኣ ሓሲብካ፡ ኣብቲ ግጉይ መገዲ ዶ ኣይኮንካን ዘሎኻ?

ዝኾነኾይኑ፡ ብድሕሪኡ፡ እቲ ኣብ ኣመሪካ ዚቕመጥ ዓርከይ ክልተ ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ከም ዝሰዓረ ሰማዕኩ። ሽዑ’ሞ ቍሪ ኢዩ ዝኣተወኒ።

ነዘን ክልተ ሚልዮን ዶላረይ ሒዘ ናብ ዓዲ ኸድኩ። እቶም ምምጻአይ ዝፈለጡ ኣዝማደይ፡ ናይ ንጉስ ኣቀባብላ ገይሮምለይ። ገሊኣቶም ነታ ናይ ዕለት ድራሮም እኳ ብኽንደይ ጻዕርን ውርደትን ኢዮም ዚረኽቡዋ ነይሮም። ኣብ ዘእትዉኒ ጠፊኡዎም። ሽዑ ኣነ ብዘይ መጠን ሃብታም ኮይኑ ተሰሚዑኒ።

ርሑቓትን ቀረባን ኣዝማደይ ካብ ዓዲ መጺኦም። ኩሉ ዕዳኦም ሸፊነሎም። በሊዖም ሰትዮም። ከብቲ ገዚአሎም። ክዳን፡ ምግቢ፡ ኮታስ ኩሉ። ተሓጒሶም። ኪሰግዱለይ ቀንዮም።

ነገር ኪጽየቕ ግዲ ኢሉዎ ኾይኑ ግን፡ እቲ ኣብ ኣመሪካ ዚቕመጥ ዓርከይ’ውን ናብ ዓዲ መጺኡ። ሰለስተ ሰማይ ዚጠቅስ ባላሶታት ኣስሪሑ። ኣብታ እተወልደላ ዓዲ ድማ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህቲ ተኺሉ። ንልምዓት ሃገር ዚኸውን ድማ ክልተ ሚልዮን ዶላር ለጊሱ።

ግርም። በቲ ግብሩ ተሓጒሰ። ግን ካብ ናይ ንጉስ ደረጃ ናብ ናይ ዘብዐኛ ደረጃ ዝወረድኩ ኾይኑ ተሰሚዑኒ። ነቲ ናተይ ኩነታት ምስቲ ናቱ ምስ ኣነጻጸርኩዎ፡ ሓጎሰይ ንፋስ ኪኣትዎ ጀሚሩ።

እሞ፡ ብሓደ ሸነኽስ ሃብቲ ናይ ኣእምሮ ጉዳይ ኢዩ ’መስለኒ።

ዎ ኣምላኽ፡ ነታ ዘላትና ባርኸልና። ዘልመድካና ድማ ኣይትኽለኣና። ኣሜን።

source  facebook group Inquest of Freedom

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleቀደም ትጽብቒ
Next Article ቅጫ  ዓተር   
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?