Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Friday, May 30, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ድንግሊል

ድንግሊል

0
By Mekonnen T. on February 23, 2025 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣቤት ክቃጸጹ!    ኣቤት ክትሃላለኹ!!

                 “ንስኻ   ጽረጎ“

“ንስኻ‘ምበር   ጽረጎ”

ክ ብ ሃ ሃ ሉ፡

እቲ ደምበኦም’ዩ ዒባ ክረምቲ መሊኡ።

እቲ ዘስደምም‘ውን ነዘን ዝርካቦም

“ሓደ በትሪ” ዘይበጽሓ ኣሓኦም:

ጸባዋት ክንሰን ርቡሓት ክንሰን

ሰኣን ዝጥውረን ሰኣን ዘሐክመን

እቲ ዘሎወን ብጓጉድ ክንዲ ዝመጠዋ

ብሕማም ጉልሓይ‘የን ዝሳቐያ።

መኣስ እዚ ጥራይ፡

ህልኸኛታት ክጠማመቱ

ኣብቲ ደምበአን ዝወረደ ስቓይ

ካልእ ኣሎ ልዕሊ ሕማም ጉልሓይ።

እቶም ፈተውቲ ጸባ ጓሶተን

እቲ ዒባአን እንከይጸረጉለን

በረኻ ውዒለን ነዛ ክድቅሳ

እቲ‘ኳ ነፍሰን ‘ናጸልኣ

ወትሩ‘የን ኣብቲ ረግረግ ጭቃ።

ጽያፈን ተነጺፈን

ማይለይቲ ኣብዝባነን

ምሕላፍዶ ሓሊፈንኦ

ኣይከረም‘የን ከሪመንኦ።

እንሆ ከኣ ሎሚ

ድሕሪ‘ዚ ምሕላፍ ጸሊም ክረምቲ

ጭቃኡን ጨፈቃኡን ዝኸረመ ሰልሚ፡

ተኣኪቡ ተኣኪቡ

ተኣኪቡስ ተደርዲሩ

ናብ ድንግሊል ከኣ ተቐይሩ።

ኣበይ‘ሞ ሕጂ፡

ድንግሊል ንዘርብሕ ነገር

ኣይከም ኩቦ

ክጥቀምሉ ንመጎጎ

ኣይከም ዱኽዒ

ንግራቶም መስብሒ መለስለሲ፡

ከ ን ቱ!

ን ኸ ን ቱ !!

ን ከ ን ተ— መ ን ቱ!!!።

ብስንፍና ስንፍና እዞም ገዛ

እዞም ገዛ ፈተውቲ ጸባ:

ንደምበኦም ኩሳ ንጥሪቶም ኩሳ

ክጻረዱ፡ ክቋየቑ:

ክናብሑ: ክናጸዩ:

“ንስኻ‘ባ   ጽረጎ“

“ንስኻ‘ምበር ጽረጎ”

ኛኽ ክብሃሃሉ ዘሕለፍዎ

ናይ ትማሊ ጭቃ እንከይጸረግዎ

ናይ ሎሚ ድንግሊል ደሪቑ

ንካልኣይ ክረምቲ እጽበ‘ሎ።

እቲ‘ኳ ኣይነበር

ምስ ሕማም ጉልሓይ ኣይነበር

እቲ‘ኳ አይነበር

ምስ ጭቃን ጨፈቃን ኣይነበር

ይዋእ ደኣ በዓል ሓምራ

ወሃብቲ ልግዐ ወሃብቲ ጸባ፡፡

እምበር ኣይነበር

ምስቲ መሪር ወቕቲ

እምበር ኣይነበር

ምስቲ ሓያል ቀዝሒ

እምበር ኣይነበር

ምስቲ ተካል ለይቲ

ካልኣይ ክረምቲ ደኣ እንታይ ኣሎዎ

ድሮ  ‘ኳ     ድሮ

እንሆ‘ንዶ ኣርኪ ብ …ዎ።

 

ዘፌ 2014

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ ካብ መጽሓፍ ጀዋር ኣልጸጸት ዝተተርጎመ 3ይ ክፋል
Next Article ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?