Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Wednesday, May 14, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ዳኒኤል ሰመረ፡ ሃብታም ተመኩሮ ህይወትን ሓይሊ-ንባብን ዝፈጠሮ ደራሲ!

ዳኒኤል ሰመረ፡ ሃብታም ተመኩሮ ህይወትን ሓይሊ-ንባብን ዝፈጠሮ ደራሲ!

1
By ደሳለ በረኸትን ሳባ ኪዳነን on August 2, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብደሳለ በረኸትን ሳባ ኪዳነን

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ፡ ሓጺር፡ ምስ ደራሲ ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ ዘላሊ ጽሑፍ ኣቕሪብና ነይርና። ንሎሚ ድማ እንሆ፡ ካብቲ ነዊሕ ዕላል ዝተቘንጨለ ትሕዝቶ ነቕርበልኩም። ጽቡቕ ንባብ!

 ሕቶ፤ ስለምንታይ ኢኻ ትጽሕፍ፡ ዳኒኤል?

 ዳኒኤል፤ መጀመርታ ምንባብን ምጽሓፍን ሓደ ክፋል ኣካለይ እዩ። ሃዲመ ዝዕቈበሉን ተዛኒየ ባህታ ዝረኽበሉን ባይታ እውን እዩ። 200742_214434078571440_5911218_n
ካብ ንባብ ገለ ፍልጠት ይድለብ እዩ። ንዝፈለጥካዮ ነገር ምስ ከባቢኻ ክትካፈሎ ናይ ምድላይ ባህሪያዊ ስምዒት ድማ ኣሎ። እንተ ዘይኮይኑ ግን፡ ኣቲ ፍልጠትካ ልክዕ ከም ኣብ ሓደ ዕትሮ ዝተዓጽወት ፋኑስ እዩ ክኸውን። እቲ ኹሉ ደስታ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ኣብ ውሽጢኻ ጥራይ ተዓቢጡ ይተርፍ እሞ፡ ንኸባቢኻ እተካፍሎ ጸጋን ብርሃንን ኣይህልወካን።

ኣብዚ ከነስተብህለሉ ዘለና፡ እቲ ድርኺት ንበይኑ እኹል ዘይምዃኑ እዩ። ሓደ ልሙድ ኣዘራርባ ኣሎ፤ “ምጽሓፍ 10% ክእለት፡ 90% ድማ ርሃጽ እዩ!” ዝብል። ናይ ሓደ ጸሓፊ ኣበሃህላ እዩ። ስለዚ ነቲ ውሽጣዊ ድርኺታትካ ተጨባጢ ንምግባሩ ሓያል ጻዕርን ድስፒልንን ክሓተካ ግድን እዩ።

እዚ ድርኺት እዚ እዩ ከም ትጽሕፍ ዝገብረካን ነቲ ናይ ምጽሓፍካ ዓቕሚ ድማ ሓደ ኣንፈት የትሕዘልካን ዕላማ የውህበካን። እዚ ግን ኣነ ፈላጥ ኮይነ፤ ካልኦት ስለ ዘይፈልጡ፤ ወይ እውን ኣነ ነቒሐ ካልኦት ስለዘይነቕሑ፡ እጽሕፈሎም ኣለኹ ናብ ዝብል ግጉይ ርድኢት ክወስደና የብሉን።

ብተወሳኺ፡ ሕጂ ምጽሓፍ መንነተይ ኮይኑ እዩ። ሓደ ሰኣሊ እንተዘይሰኣለ ንሱ ብልክዕ ንሱ ኣይኮነን፤ ሓደ ገጣሚ እውን ግጥምታት እንተዘይ ኣፍርዩ ንሱ እውን ንሱ ኣይኮነን፤ ኣነ እውን እተዘይጽሒፈ ኣነ ኣይኮንኩን! ርኽኣትን ባህታን ዝረኽበሉ ኣካል መንነተይ እዩ – ድርሰት።

ሕቶ፤ ብንእሽቶኻ እንከለኻ ስነ-መድሃኒት ናይ ምጽናዕ ሕልሚ ከም ዝነበረካ ኢኻ ገሊጽካልና። እቲ ኣብ ገድሊ ዝሓለፍካዮ ተመኲሮ ዶ ይኸውን ደራሲ ንኽትከውን ምኽንያት ኮይኑካ? እቲ ተመኲሮ ናይ ገድሊ ዘይሓለፈ

 ዳኒኤል ደራሲ ምኾነ ኢልካ ዶ ትሓስብ?

ዳኒኤል፤ እቲ ናይ ስነ-መድሃኒት ምጽናዕ ሓያል ሕልሚ ብርግጽ ነይሩኒ እዩ። እቲ ዕድል ኣብቲ ልክዕ ግዝይኡ ስለ ዘይረኸብክዎ ግን በኒኑ ተሪፉ እዩ። እቲ ናይ ምጽሓፍ ድሌት እውን ካብ ቁልዕነተይ ኣትሒዙ ምሳይ ዝዓበየ እዩ ነይሩ። ስለዝስ ዋላ እቲ ተመኲሮ ገድሊ እንተዘይሓልፍ ብርግጽ ደራሲ ምኾንኩ። ትሕዝቶ ድርሰታተይ ግን ዝተፈልየ ምኾነ።

 


ሕቶ፤ ስደት ንሓደ ኤርትራዊ ደራሲ እንታይ እዩ ዝህቦ – ብድሆ ዶስ ዕድል? ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ደራሲኸ ብኸመይ ተነጻጽሮም
?

 ዳኒኤል፤ ከከም ኩነታቱ ክልቲኡ ክህቦ ይኽእል እዩ።

ኣብ ስደት ዘሎ ደራሲ ሓደ ዓቢ ብድሆ ኣለዎ። ምጉንዳብ ካብቲ ቀንዲ ምንጪን ሸቶን ናይ ስነ-ጽሑፉ ዝኾነ ህዝቡ። ምኽንያቱ ንሓደ ጸሓፊ ምንጪ ድርሰቱ እቲ ሕብረተሰቡ እዩ። ሓደ ደራሲ “መጽሓፍ ደሪሰ” ክብል እንከሎ፡ ባዕሉ ከም ዝደረሶ ንቕበለሉ ኢና። ብኽውንነታዊ መንገዲ እንተርኢናዮ ግን፡ ነቲ መጽሓፍ እቲ ከባቢኡ እዩ ደሪስዎ። ንሱ ነቲ ኩሉ ኣብ ከባቢኡ ዝረኣዮ፡ ዝሰምዖን ዝተሰምዖን ስምዒታት እዩ ብቓላት ኣቀናቢሩ ኣብ ወረቐት ከሺኑ ዘቕርበልና ዘሎ። ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ጸሓፊ እቲ ህዝቢ እዩ።

ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲና፤ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ጸሓፊ፡ ኩሉ እቲ ንስርሑ ዘድልዮ ነገራውን ስምዒታውን ጥረ ነገር ኣብ ኢዱ ‘ሎ። እቲ ደራሲ ኣብ ውሽጢ እቲ ምንጪ ናይ ድርሰት እዩ ጥሒሉ ዘሎ። እቲ ዝበለጸ ስራሓት ስነ-ጽሑፍ ንኸፍሪ ድማ የኽእሎ። ንኣብነት፡ “ሓላው’ታ ወርቃዊት ገረብ” ኣብ ስደት ኮይነ ንኸዳልዋ 4 ዓመታት ኣድልዩኒ። ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ህዝቢ እንተዝነብር፡ ምናልባት፡ ብፍርቂ ንውሓት ናይዚ ግዜ እዚ መዳለኽዋ ኢለ እሓስብ። እቲ ድፍእት ናይ ምጽሓፍ እውን ይጽሎ እዩ። እቲ ብዛዕብኡ ትጽሕፍ ዘለኻ ህዝቢ ምሳኻ ስለዘሎ እቲ ግብረ-መልሲ ብቐጥታ ይጸልወካ፤ እቲ ድፍእት ድማ ብኡ መጠን ልዑል ይኸውን። እዚ ድማ ሓጋዚ እዩ።

ብኻልእ ወገን፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኩነታት ንስነ-ጽሑፍ ዘተባብዕ ኣይኮነን። ስለዚ ብዙሓት ጸሓፍቲ ዓበይቲ ስራሓት ኣዳልዮም ኣብ መሬት ቀቢሮሞ ምህላዎም ይስምዓኒ እዩ። እዚ ከኣ ካልእ ዝዓበየ ብድሆ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ደራሲ እዩ። ኣብዚ እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ብተዛማዲ ምሉእ ናጽነት ኣለዎ። ስርሑ ምስ ዛዘመ ብዘይ ናይ ሳንሱር ጸገማት፡ ብዝሓሸ ኣገባብን ከሕትምን መጻሕፍቱ ክዝርግሕን ይኽእል እዩ። ውሱንነት ሓበሬታ ስለ ዘሎን፡ ገለ ግዜ እውን ሓደ ጭብጪ ምስ ካልእ ጭብጢ ከተነጻጽሮ ስለዘይትኽእልን ግን ኣብ ጽሑፍካ ናብ ዘይተደልየ ግጉይ መደምደምታ ክትበጽሕ እውን ትኽእል ኢኻ።

ኣብዚ ንኹሎም ብሓባር ዝገጥምዎም ብድሆታት እውን ኣለዉ። ብኽንደይ ጭንቅን መከራን ጽሒፍካ ከተብቅዕ፤ በቲ ኣብቲ ስነ-ጽሑፍ እተህልኾ ጉልበትን ግዜን ክትነብር ኣይትኽእልን። እዚ ድማ ዝኣክል ምትብባዕ ኣይህበካን። ስለዚ ኣንጻር እዚ ኹሉ ተጓዒዝካ ኢኻ ክትዕወት ዘለካ ማለት እዩ።

ኣጠቓሊለ ክርእዮ እንከለኹ፡ ኣብ ወጻኢ ኴንካ ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ክትጽሕፍ ምፍታን ዓቢ ብድሆ እዩ – ንዓይ። እንተድኣ ቈሪጽካ ተላዒልካ ግን ዘይከኣል ነገር የልቦን። እቲ ክውንነት ክሳብ ክንደይ ጽንኩር ይኹን ብዘየገድስ ክትብድሆ ትዕጠቕ ማለት እዩ።

ሕጂ ንነፍስኻ ትንእዳ ኣለኻ ድኣ ከይትብለኒ እምበር ሓደ ዓይነት ተወፋይነት እዩ – ዋላ እውን ጅግንነት እዩ ክብሎ እኽእል እየ። ንሓደ ዘበገስካዮ ነገር በዚ ኩሉ መሰናኽል ሓሊፍካ ናብ መፈጸምትኡ ከተብጽሖ ክትክእል ሓያል ድስፒሊን ክህልወካ ኣለዎ።

 ሕቶ፤ ኣብ ድርሰታትካ እትጥቀመሉ ቋንቋ ፍሉይነትን ሓይልን ኣለዎ። ምንጩ ካበይ እዩ?

እወ፡ ፍሉይነት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ካልኦት እውን ይብሉ እዮም። ኣነ ከም ቈልዓ ኣስመራ እየ ተወሊደ ዓብየ። ባህረይን ባህለይን እውን ኣብኡ [ኣብ ኣስመራ] ዝተመስረሐ እዩ። ኣብ ግዜ ገድሊ ግን ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ሰራየ፤ ካብኡ ናብኡ እውን፡ ኣብቲ ለጐ ጭዋታት ሰሜናዊ ሰራየ እየ ተጋዲለ። ካብ ኣዘራርባን ኣጠቓቕማ ሓይሊ ቃላት ናይቲ ህዝቢ ድማ ተማህረ እየ። እዚ ምስቲ ባዕለይ ዝወሰድክዎ ተበጉሶታት ሓጋዚ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ።

 

970330_10201829225592805_7970021050694145862_nሕቶ፤ ኣብ ሓንቲ ካብ ጽሑፋትካ፡ “ኩሉ ኤርትራዊ ደራሲ ኣብ ትርፊ ግዝይኡ ዝጽሕፍ ተልመዴን እዩ” ኢልካ ነይርካ። ምናልባት ‘ትጒሽተተይ’ ኢልካ እንተዘይኴንካ ክንሓተካ። 1. “ኩሉ ኤርትራዊ” ክትብል እንከለኻ ካብ መጽናዕቲ ዝተበገሰ ዘረባ ድዩ? ኣብ ኤርትራ ገለ ምኩራት እንብሎም ጽሓፍቲ ኣለዉ። ስለዝስ እዛ ‘ተልመዴን’ ትብል ቃል ንኹሎም ብማዕረ ትባጽሖም ዶ ትብል? 2. እቶም ገለ ጽሓፍቲ፡ ንኣብነት ከም በዓል በየነ ሃይለ፡ ዋላ እውን ንስኻ፤ ልዕሊ እዚ ትጽሕፍዎ ዘለኹም እንተጽሒፍኩም፡ እቲ ኣንባቢ ኸ ክርደኣኩምን ክስዕበኩምን ዝኽእል ዶ ይመስለካ?

ዳኒኤል፤ እቲ ሓቂ ጌና ንሱ፤ ስለዝኾነ ኣይቀየርኩን። እንተኾነ ግን፡ ‘ተልመዴን’ ማለት ምሉእ ግዝይኡ ነቲ ዕዮ ዘይተወፈየ፡ ኣብ ትርፊ ግዝይኡ ጥራይ ዝጽሕፍ ‘ኣማተር’ ማለተይ እየ። እምበር ዝለማመድ ዘሎ ጀማሪ ማለት ኣይኮነን። ንብቕዓቶም ዝምልከት እውን ኣይኮነን። ብዛዕባ ምምጥጣን ጸሓፍትን ኣንበብትን ግን እሰማማዕ እየ። ገለ ሓላፍ-ዘላፍ ኣሎ።

 ሕቶ፤ ሞያኻ ኣብ ውልቃዊ ህይወትካ ክሳብ ክንደይ ይጸልወካ?

ዳኒኤል፤ ጸሓፊ እናበለ እናበለ ናብ ባሕታዊ እዩ ዝቕየር። ኣነ እውን ህይወተይ ከምኡ እዩ። እዞም ጐረባብተይ ሓዲሽ ዓመት ከብዕሉ ኣብዚ ቅድሚ ገዛይ መጺኦም እዮም ‘ሪችት’ ዝትኩሱ። ክልተ ዓመት ከምኡ ክገብሩ እንከለዉ ኣነ ኣብ ኮምፑተረይ ኮፍ ኢለ ክጽሕፍ ብመስኮት ይርእዩኒ ነይሮም። ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ግን፤ እቲ ዋና ገዛይ ጀርመናዊ ጐረበተይ፡ “ስማዕ እስከ፡ ኣብዛ ዘለኻያ ሰድያ ቅድሚ ዓሚ ኮፍ ምስበልካ ዲኻ?!” ክብል ሓቲቱኒ ነይሩ። ሓቢርና ስሕቕና። እቲ ቤተ-ሰባውን ማሕበራውን ዝምድናታትካ እናተበትከ መጨረሽትኡ ናብ ባሕታዊ ኢኻ ትቕየር – ከምቲ ዝበልክዎ። እዚ ድማ እቲ ከም ሰብ ንስነ-ጥበብ ክትከፍሎ ዘለካ ውልቃዊ ዋጋ እዩ። ጽሕፈት ልዑል ዲስፒሊን ዝሓትት ሞያ እዩ። ነቲ ትጽሕፎ መጻሕፍቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ሓንጐልካ ኢኻ ሒዝካዮ እትዘውር። ከየባተኽካ ብዛዕብኡ ትሓስብ፤ ገለ ግዜ እውን ብዛዕብኡ ኢኻ ትሓልም። ስለዝስ ኣብ ናብራኻ ኮነ ኣብ ህይወትካ ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ። 24 ሰዓታት ብዛዕባ ጽሑፋትካ ከይሓሰብካ ዝምስጥ ጽሑፋት ምብርካ ኣይከኣልን እዩ ዝብል ኣዘራርባ ኣሎ። ሓቂ ድማ እዩ።

ኣብ ፍቕራዊ ህይወት እንተመጺእካ እውን ተመሳሳሊ ጸገማት እዩ ዘጋጥመካ። “ወይ ንዓይ ወይ ንሞያኻ ምረጽ?!” እትበሃለሉ ግዜ ኣሎ። ቀሊል ፈተና ኣይኮነን። ሞያይን ውልቃዊ ህይወተይን ይጻላሎ ጥራይ ዘይኮነስ ዝተወሳሰበን ዝተወሃሃደን እዩ፡ ክብል እኽእል።

 ሕቶ፤ እሞ እዚ ኹሉ ዝኸፈልካዮ ዋጋ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፤ እቲ ብኣምሳይኡ እትረኽቦ ግብረ-መልስን ዝህበካ ዕጋበትንከ ክንደይ ዝኣክል እዩ?

ዳኒኤል፤ ብሓቂ ክዛረብ እንተኾይነ፡ መጽሓፍ “ሓላዊ’ታ ወርቃዊት ገረብ” ንኽትጽሕፋ 4 ዓመታት ወሲዳትለይ። ተሓቲማ ኣብ ዕዳጋ ካብ ትዝርጋሕ ድማ 5 ዓመት ገይራ ኣላ። እታ መበል ሽሓዊት መጽሓፍ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ተሸይጣ። ንሽሕ መጻሕፍቲ ኣብ ኢድ ኣንባቢ ንኽበጽሓስ ሓሙሽተ ዓመታት ወሲዱለን ማለት እዩ።

ኣብዚ እንታይ እየ ክብል ዝደሊ ዘለኹ፤ እቲ ሕብረተሰብና፥ ካብኡ ናብኡ እውን እቲ ኣብ ደገ ዘሎ፡ /ብተዛማዲ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ዝሓሸ እዩ ኢልካ ክትግምቶ እትኽእል/፤ እንተድኣ ሽሕ መጻሕፍቲ ንኽዕድግ ሓሙሽተ ዓመት ወሲድሉ፡ እቲ ኣብቲ ህዝቢ ዘሎ ናይ ምንባብ ድሌትን፡ ፍትወት ስነ-ጽሑፍን መጠኑ ክንደይ ምህላዉ ከገምተካ ይኽእል እዩ።

እዚ፡ ምስቲ ኹሉ ነቲ መጽሓፍ ኣዳሊኻ ንኸተቕርቦ ዘሕለፍካዮ መስዋእቲ ኣነጻጺርካ ክትርእዮ እንከለኻ፡ ልክዕ ከም ብዂናት ዝተወጋእካ ብርቱዕ ቃንዛ እዩ ዝስምዓካ። ኣብ ዓድና ድኽነት ስነ-ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ሰብ ከምዚ ዓይነት ጽሑፍ እንተረኺቡ ክሻመዎን ኣንቢቡ ግብረ-መልሲ ክህበሉን እዩ ነይርዎ። እንተኾነ ግን፡ እዚ ኩነታት ስለምንታይ እዩ ከምዚ ኮይኑ ስለ ዝርድኣካ፡ “ድሓን ከይበርተዐ ዝቐልል ነገር የለን” ኢልካ ትቕጽል።

“ሓደ ግዜስ ህዝብና መጻሕፍቲ ክፈቱ እዩ፤ ሓደ ግዜስ ህዝብና ጽሓፍቱ ከድንቕ እዩ፤ ሓደ ግዜ-ሲ ስነ-ጽሑፍ ንህዝቢ ክመርሕ እዩ!” ኢልካ ትቕጽል።

ሓደ ሓደ ግዜ እውን፤ “ድሓን፡ ኣነ ነዚ ወለዶ እዚ ኣይኮንኩን ዝጽሕፍ ዘለኹ። ነቲ ናይ መጻኢ ወለዶ እየ ዝጽሕፍ ዘለኹ። ንሳቶም ድማ ‘ጽቡቕ ገርካ ዳኒኤል ኣባሓጎና!’ ኢሎም ከመስግንኑኒ እዮም” ኢልካ ነፍስኻ ተደዓዕስ ኢኻ።

 

ሕቶ፤ ብኻልኦት ‘ዓበይቲ’ እንብሎም ቋንቋታት ክትጽሕፍ እናኻኣልካ ግን ስለምንታይ ኢኻ ብቛንቋ ትግርኛ ትጽሕፍ? እቲ ኣንባቢ እውን ከምዚ ዝበልካዮ ዘየተባብዕ እናኾነ ክንሱ?562764_555625574485312_1832740083_n

 ዳኒኤል፤ ንሕና እቶም እንኮ ናይ ገዛእ-ርእሱ ፊደላት ዘለዎ ቋንቋ ዘለና ህዝቢ ኢና ኣብ ኣፍሪቃ። እዚ እናኾነ እቲ ሓቂ ግን፡ ስለምንታይ እዩ እቲ ግእዝ ዘድሊ ስነ-ጽሑፍ ዘየፍረየ፡ ዝብል ሕቶ ይመጸካ እዩ። እዚ ብስነ-መጐት ክትርእዮ እንከለኻ ተጋራጫዊ እዩ ዝመስል። ካልኦት ናይ ገዛእ-ርእሶም ፊደላት ዘይብሎም ክንድዚ ስነ-ጽሑፍ ከፍርዩ እንከለዉ እቲ ንኣዝዩ ነዊሕ ዓመታት ናይ ገዛእ ርእሱ ፊደላት ዝነበሮ ቋንቋን ህዝብን ግን ስለምንታይ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ድኻ ኮይኑ?! ነዚ ፖለቲካዊ ምኽንያታት ኣይትስእነሉን ኢኻ።

ብፍላይ ድማ ኣባና ኣብ ኤርትራ እቲ ቋንቋ ተጨፍሊቑ እዩ ጸኒሑ። ጥልያን፡ እንግሊዝኛ፡ ኣምሓርኛ ረጋጊጾምዎ ጸኒሖም። ስለዚ፡ ኣነ እዚ ቋንቋ ክትቃለሰሉ ዝበቅዕ ቋንቋ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ። እቲ ኣነ ዝጥቀመሉ ቋንቋ ብቑዕ እዩ ዝብል ግምት የብለይን፤ ግን እቲ ካልእ ዝሓሸ ክገብር ዝኽእል እንተዘይ ገይሩ፡ በታ ዝርካባ ዓቕመይ ከወፊ ግድን እዩ።

ሓቂ እዩ ብእንግሊዝኛ ክጽሕፎ ምኻኣልኩ ነይረ። ብኡ እውን ምቐለለኒ። ጽቡቕ ምልከት ቋንቋ እንግሊዝኛ ኣለኒ ካብ ቀደም ኣትሒዝካ። መብዛሕትኦም ዘንበብክዎም መጻሕፍቲ ከማን ብቛንቋ እንግሊዝኛ እዮም ነይሮም።

ግን ድማ ብዙሕ ክብሎ ዝደልዮ ነገራት ኣለኒ። ንሱ ኢለ ምስ ዛዘምኩ ምናልባት ሽዑኡ ንጽሑፋተይ ናብ ካልኦት ቋንቋታት ንምትርጓም ግዜ ክህልወኒ እኽእል እኽውን።

 ክቡራት ኣንበብቲ፤ ንሕና እውን በዛ፡ “ተፈጸመ፡ ግን ከኣ ኣይተፈጸመን!” እትብል ልምድቲ ኣባሃህላ ደራሲ ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ ክንዛዝም ኢና። ውስጠዜ እዛ ኣበሃህላ እንታይ ምዃኑ ግን ንግዜ ክንገድፎ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleውዕለት
Next Article ምውድዳስን ምሽምጣጥን ማሰኛታት
ደሳለ በረኸትን ሳባ ኪዳነን

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

1 Comment

  1. Anonymous on December 26, 2014 9:29 pm

    🙄 🙄 🙄 🙄 🙄 🙄 🙄

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?