Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Friday, May 9, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ደግፍ ወይ ተቓወም!

ደግፍ ወይ ተቓወም!

0
By Mekonnen T. on October 20, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ቦኽረ ገብረየሱስ

መንነትካ ከይትሕደግ፣ ሃገር-ኣልቦ ከይትኸውን፣ ፈቲኻ ጸሊእካ መንግስቲ ክትድግፍ ኣለካ። ደርፊ መንግስቲ ዘይትሰምዕን ዘይትድገምን፣ ሓላፊኻ ዘይተገልግልን እምኒ ዘይተስከምን፣ ካብ ማዕዶ ድጋፍካ ዘይተረጋግጽን ግብሪ ዘይትኸፍልን እንተ ዄንካ ግን ሃገር ከም ዘይትብጻሓካ ብዓውታ ይንገረካ። መንግስትን ምሕደራን ክቃወም ወይ ዓገብ ክብል ፍንሕንሕ ንዝበለ ክትውግዝ፣ ክትንጽል፣ ክትኣስር፣ ክተሕቅቕ……..ኮታ ብላዕ ኣይትብላዕ ብዘየገድስ ዝተበሃልካዮ ክትፍጽም ፍቓደኛ እንተ ዘይኴንካ ኣብኣ ትረኽባ።

“መንግስትና ደው ይበለልና፣ ብርኩ ብርኪ ሓጺን ትኹን” ኢልካ ጥራይ መኣዲ እንክቕረብን ክለዓልን ኣመስግን እምበር፣ ሃገር ባዕላ ትፈልጥ – ዋላ ህልም ትበል፣ ውራይካ ኣይከውንን። ሕማቕ ምህላዋ ኣይትኣምንን፣ እንተ ተነግረካ ውን ኣይትሰምዕን። ኣሕሉቕካ ዝበሉኻ ከይሸራረፍካ ምድጋም፣ ስራሕካ ምዃኑ ተሪፉ ልማድ ይዀነካ። ጽቡቕ እምበር ሕማቕ ምህላዋ ከኣ ስለ ዘይንገረካ፣ ሃገርካ ምስ መንግስተ – ሰማያት እና ኣነጻጸርካ ኣብ ግርህነት ትነብር። ግርህነትካ ዝግንዘበልካ ግን ትስእን። ሰብ ወግሐ-ጸብሐ ናብ ዓዲ-ሃገር ይፍሰስ፣ ኣብ ኣጻምእ ይተሓረድ፣ መዓልታዊ ኣብ ባሕሪ ይጽነት፣ ይፈላለ፣ ይበተን፣ ይሕሰር፣ ይኸርትት፣ ይባሪ፣ ይደንቍር፣ ይናፍቕ፣ ይምከን……..ልዕሊ መንግስቲ ክሳብ ዘይኰነ፣ ኣውያቱ ዕጅብ ኣይብለካን። ህዝብን ሃገርን መንግስትን ብሚዛን ምጥማት ተሪፉ፣ ፈለማ መንግስቲ ድሕሪኡ ሃገር እዮም ክኸብሩ ዘለዎም። ኣብ መዛሙሮም፣ ህዝቢ ንመመላእታን መህረሚ ናዕታን ይጥቀስ። ነዚ ዘይገበረ በልማማ ትዅንኖ። ዝሰማማዓልካ ሕብሪ ትቐብኦ። ቤቱን ምንጻፉን ልብሱን ቀንጢጥካ ዕርቃኑ ተውጽኦ። ኣነዊርካ መውስቦ ክሳብ ዝኸልከል ትጽየኖ – ኣብ ዝወደቖ ድማ ብዅርዓት ተዳግሞ።

ተፈጥሮ ዝዓደለቶ ዕምሪ ኣብ ዕንክሊል ትቃበጽ። እቲ ሓቂ ውን ንሱ እዩ። ኣብ ዕሙር ናይ ፈንጠዝያ ጓይላ ንዘዕገርግር ጽጋበኛ፣ እቲ በዓል ውራይን ወለደኛታትን ስቕ ኢሎም ኣይርእዩዎን እዮም። ኣባጽሕ ናይ’ቲ ውራይ ደፊኦም የውጽኡዎ። ምምልላስ እንተብዚሑ ግን መሓውሩ ቀፊዶም ይድርብዩዎ። ወይ ውን ብዱላ ቀጥቂጦም – ሓምሺሾም ከም ዝዓርፍ ይገብሩዎ።

ግን ዕድመ ንስደት፣ ዕድመ ንተቓውሞ! ካብ ዓዲ ጥራይ ብሰላም ኣምልጥ እምበር፣ እንተ ተቓዊምካ ድኣ መዓት ምርጫታት ኣለካ። ዓይኒ ኣባዮም ይድፈነሎም፣ ልዕሊ ኣርብዓ ግንባራትን ውድባትን ማሕበራትን ዕቍባትን ይቕበሉኻ – ባህልና ድማ ካብ ቀደሙ ተቐባሊ ጋሻ እዩ። ናይ ኵሎም መፈክር “ፍትሒ” እያ። ናይ ኵሎም ጸላኢ ድማ “ስርዓት ህግደፍ”። ክንደይ ፍትሕታት ምህላወን ሓቲትካ ትረኽቦ ንጹር መልሲ የሎን። እቲ ምንታይ፣ መልሲ የብሎምን። ክንደይ ህግደፋት ከም ዘለዉ ግን እቲ ውድዓውነት ባዕሉ ይነግረካ። ኣርብዓ እንተ’ልካ፣ ተደመሮ ሓደ – ኣርብዓን ሓደን ህግደፋት ምህላዎም ድምቀት ጸሓይ ይምስክረልካ።

ኣብ ሓደ ማሕበር ወይ ውድብ፣ ጌታ እንተ ተቐቢልካ ነቶም ዝተረፉ ካብ’ቲ መበል ኣርብዓን ሓደን ህግደፍ ፈሊኻ ኣይትርእዮምን። ምስ እቲ ቀንዲ ዕላማ ፊት – ንፊት ክትፋለም እንተ ዄንካ፣ 40 ደረጃታት ዘለዎ መሳልል ክትሓኵር ኣለካ ማለት’ዩ። ህዝቢ ዳኣ መን ከ ሓሲቡዎ – ንባዕሉ እቲ ጸረ-ህዝቢ ምዃኑ ዝተነግረሉ ስርዓት’ኳ ዝርሳዓሉ ቃልስን ተቓውሞን! ሕማሞም ፍትሒ እንተ ዝኸውን ድኣ፣ ፍትሒ ሓደ ትርጕም’ዩ’ኮ ዘለዋ። ባዕላቶም ብዘይ ንሕስያ ከም ዝደርፉዎ ግን እቲ ምኽንያት ንጹር እዩ። ኵሎም ብዘይ ተጓነጽ ክጓዓዙዎ ንዝበቅዕ መንገዲ’ርብዓ ተሓሲሞም፣ በብመዳዮም 40 መንገዲ ክቕይሱ ዝርኢ ተዓዛቢ፣ ስለዘይሰዓቦም ዝውቀሰሉ ምኽንያት ኣይህሉን። ብምፍልላዮም ተስፋ ንዝቘርጽ ግን ጐኒ-ጐኑ ተስፋ ዝህብ ጩራ ውን ኣለዎ። ኣርብዓ ኣጓዱ ተቓለስቲ ፍትሒ ምህላዎም ስንባደ ክፈጥር ይኽእል እዩ። ናይ ብምሉኣቶም ዓቕሚ-ሰብ ተደሚሩ ግን ኣርብዓ ኣይመልእን። ነታ ክንዲ ቃጽዖ ትኸውን ዓዲ፣ በቲ ካልእ ታሪኸን ክብርን ዘለዎ ሕብሪ ተጠቒሞም ነንማዓሎኦም ብሓሳባዊ ድንኩል ክጭርሑዋ ይውዓሉ’ምበር መን ድኣ’ሞ ክስዕቦም። እቲ ዘሕዝን ግን፣ ዝስዕቦም ምስ ሰኣኑ ክንዲ ዝርኽሞሹን ውራይ ሓዳሮም ዝገብሩን፣ ንመዋእል ጐሰስ እናበሉ ኣብቲ ናይ እከይ ዓዘቕቲ ምንባሮም እዩ።

ኤርትራዊ ክሳብ ዝዀንካ፣ ስለኣ ምቅላስን ምኽርታትን ትደልዮ ዘይምርካብን ዘመኻኽሕ ኣይኰነን። እና ሓደረ ብዝርሕቕ ደብዛዝ ራኢ ትምራሕ እንተ ደኣ ኴንካ ግን ምስ ሕያውነት ይቑጸረልካ ወይ ድማ ካልእ ትርጕም ይወሃበካ። ብሕሱም ጽልኢ ስርዓት፣ ሰውራን ናጽነትን ናይ ህዝቢ ንብረት ምዃኑ ክሳብ ምዝንጋዕ ንዝደናደኑ ነድርታትን ቍስልታትን፣ “ቍስሎም ቍስሊ ከልቢ ይግበሮ” ኪንዮ ምባል ካልእ ዘረባ የሎን። ዓዲ ካብ ሞት ክተድሕን ተበጊስካ ክተብቅዕ መርድእ ሒዝካ ሰብ ምብስጫውን፣ ሃገር ከም ዝሞተት ኣዊጅካ መዓልታዊ ልቕሶ ምስ ምንታይ ኮን ዩ ክድመር! ሃገር ብኣጋ ቀቲሎም ወይ ተስፋ ከም ዘይብላ ተነብዮም ከብቅዑ፣ ብዛዕባ ዓሱርን ተስካርን ምስ ኣበ ነብሲ ዝመኽሩ ዕሩባት ዝሓቁፍ ተቓውሞ እንታዋይ ርእሱ ዝዓበደ ክስዕቦ! ነቲ ፍትሒ ከም ዘምጽኡሉ ዝነግሩዎ ዘለዉ ምስኪናይ ህዝቢ፣ ተጠውዮም ናብ ራሻይዳን ናብ ባሕርን ዝጐዛዝዩዎ ደላሎ ዝሓዘ ተቓውሞ መን ኣሚኑ ክድግፎ!!

ዕድሜኻ ምሉእ ንፍትሒ ምቅላስ ጽቡቕ ዝና እዩ። ውጽኢት ግን የብሉን። ጥዕና ውን የብሉን። እንክትርእዮም ብልክዕ የደንግጹኻ። ናቶም ዕጫ ከይበጽሓካ ድማ ጸሎት ትገብር። ስለ ፍትሕን ደሞክራስን ሸለብ ክብሉ፣ ቆቢዖምን መነጸሮምን ንየማነ-ጸጋም ዘቢሉ ትርኢቶም ከበላሽዎ ምስ ረኣኻ፣ ብሰንኪ ’ዛ ሃገር’ዚኣ ርእሶም ውን ክሳብ ክንደይ ዘቢሉ ምህላዉ ትጠራጠር። ፈጣሪ ድኻሞም ክጽብጽበሎም’ሞ ብርኮም ክሰብሩ ድማ ትምነየሎም።

ኣብ ዓለም እቲ ማንም ሓላቢ-ጤል ዝኽእሎ ዝቐለለ ስራሕ ንፍትሒ ምቅላስ ምዃኑ ሎም-ዘበን ተመስኪሩ እዩ። ምኽንያቱ እታ ሞያ ሓንቲ እያ። “ኣነ እየ ዝበለጽኩ፣ ፈቲኹም-ጸሊእኩም ምሳይ ተቓለሱ” ዝብል መደረ ተስምዕ። ዓገብ ንዝበለካ ግን ንሕስያ የለን። ስኒ ዘየብቈሉን “ረ” ምባል ዘይከኣሉን ዕንዳይ-ምንዳይ ትፍንወሉ – ቾፕላ! ትብሎም።

ኣብ ተቓለስቲ ሎሚ፣ ጌጋኻ ምእማንን ምቕባልን ማለት ኣብ ሲኦል ዘእቱ ሓጥያት እዩ። ዝበዝሕ ጸዓት ናይቲ ቃልሲ ዓገብ ንዘዝበለ ኣብ ምህራምን ምጽላምን ይውዕል። ቀንዲ ዕላማ ከም ልማዱ ይርሳዕ። “እዚ ኵሉ ሆ….እናበሉ ድቃስ ዝኸልኡ ግን ኣበይ ኰይኖም እዮም” ዝብል ሕቶ ግን ይቕጀለካ። ኣብ ክልተ ጫፋት ናይ ዓለም ኰይኖም “ኣጆና ደቂ ኤረይ – ክንዕወት ኢና!!!!” ክበሃሃሉ እንክትሰምዖም ድንጽው ይብለካ። ዓወት ያኢ መላመዲ ቋንቋ ኰይና!

ህዝቢ ዳኣ ካብኣቶም ብዝበለጸ ይቃወምን ይቃለስን ኣሎ። ካብ ማሕዩርን መርሸንትን ስደትን ዝዓቢ ተቓውሞን፣ ካብ ህልቂት ዝመርር መስዋእትን ኣሎ እንተ ዀይኑ የረድኡና ብቛንቋኦም።

ካብ’ዞም ድጋፍን ተቓውሞን ዝብሉ ራብሻታት ርሒቑ ዝነብር እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ እዩ። ከም’ቲ ገለ ተዓዘብቲ ዝገለጹዎ “the majority silent” ጥራይ ዘይኰነስ ኣበይ’ሞ “all silent” እንተ ዝኸውን! እቶም ደጋፍን ተቓውሞን ዝባሃሉ ክልተ መቕለውለውቲ ናብ ልቦም እንተ ዝምለሱ ወይ መልሓሶም እንተ ዘሕጽሩ፣ ናህሪ ናይ ለውጢ ሽዑ ኣፍ ኣውጺኡ ምተዛረበ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article “ተወጊዙ” ምባልን “ተገዚቱ” ምባልን ፍልልይ ኣለዎ ዶ ወይስ ሓደ እዩ?
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?