Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, May 13, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ደብዳበ ፍትዊ

ደብዳበ ፍትዊ

0
By Mekonnen T. on July 26, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ድርሰት፣ በየነ ሰመረ

ናብ ዝፈትወኪ ዮዲት መዓረይ፡

ምፍልላይና፡ ደጊምሲ ክልተ ዓመት ክኸውን መዓልታት ጥራይ’ዩ ተሪፍዎ – ካብታ ዝተፈላለናላ ዕለት ኣትሒዘ ግና ልበይን ሃመይን ምሳኺን ምስቶም ዝናፍቖም በረኸትን ልዋምን ደቀይ ኢዩ። ለይትን መዓልትን ይሓስብ። ንኩለንትናይ ንስኹም ስለዝገዛእኩሞ ኣብ ጥቓይ እንታይ ይበሃልን ይግበርን ኣይርደኣንን’ዩ። ህይወት’ውን ትርጉም ይስእነሉ። እዚ ዘለናዮ ኣሃዱ ብስራሕ ዝሓሸ ኢዩ ዝበሃል። ሙቐት ናይዚ ቦታ ግን ዝጽወር ኣይኮነን። እንሓንሳእ ምእንቲ ክንለምድ ኢሎም ማይ ከይሃቡና ይዉዕሉ’ሞ ቆርበትና ደሪቑ ሞጢግና ንውዕል። እታ ዝህቡና ደርቕ ባኒ ንጽምእና ተጋድደልና እምበር ገለ እኳ ኣይትዓብሰልናን’ያ። ግና ኣነ ዋላ ከምዚኣ ኢለስ ሩሐይ ጥራይ ትጽንሓለይ ይብል። ንዓኺ ዝርእየላ መዓልቲ ይናፍቕ። ኣብ ሑቕፈይ ኣእትየ ትንፋስ ንትንፋስ ክንለዋወጥ ይርኣየኒ። ዝን ክብል ከለኹ ደቂ ኣሃዱና ይገርሞም። ደሓር ግን ምስፈለጡኒ የደንግጾም።

“እሞ ንወዲ ግርማይ እንዶ ሕተቶ ዕረፍቲ እንተሃበካ” ይብሉኒ። ብድሕርዚ ዓመት ምስገበርኩ ከምቲ ዝመኸሩኒ ሓተትክዎ።

“ሕሉስ ሰበይ ኣብ ገድሊ ንዓመት ዘይኮነስ ንዓሰርተ ዓመታት’ያ ካብ ስድርኣ ተፈልያ፡ ንስኻ ኸኣ ንሓንቲ ዓመት ካብ ሰበይቲ ተፈሊኻስ ክንድዚ፡ እስከ ሰበይታይ ኣይትኹን ስራሕ ሰብኣይ ስራሕ!” ኢሉ ምስ ደሃለኒ ካብ ሽዕኡ ንደሓር ክዛረቦ ኣይመረጽኩን። ደሓር ግና ነዊሕ ኣዋርሕ ምስሓለፈ ናፍቖተይ ካብ ዕቅን ንላዕሊ ምኻኑ ወዲ ግርማይ’ውን ክርድኦ ጀመረ። ሓደ መዓልቲ ዕንጸይቲ ክንኣሪ ምስተኣዘዝና ነዊሕ ጉዕዞ ንጎዓዝ። ኣብ መንጎ እሾኽ ጨዓ ምስ ወግኣኒ ብስንባደ፡ “ዮዲት!” ምስ በልኩ ወዲ ግርማይ ዝሰሓቖ ሰሓቕ፡ ሰብኣይ ምዃንካ’ዩ ዘንዕቕ። ኣነ ግና ኣይግድሰንን’ዩ፡ ብኣኽን ብስምክን ዝመጸ ዋላ ጥይት ይኹን ኣይዓጅበንን’ዩ።

እዚ ዝጽሕፈልኪ ዘለኹ፡ ኣብ በረኻ ንበይነይ ካብ ኣሃዱና ተፈልየ እየ ዝጽሕፎ ዘለኹ። ኣበይ ኮንካ በይንኻዶ ኢልኪ፡ ክነግረኪ’የ። መጽሓፍየይ ግና እቲ ክረኽበኪ ዝነበረኒ ሃንቀውታ ስለዝተኾልፈ፡ ተሃነይ ብደብዳበ ከውጽኦ ደልየ እየ።

መቸም ከምዝነገርኩኺ፡ ዓመት ምስገበርኩ ናባኺ ክመጽእ ዝሓተትክዎ ዕረፍቲ ብውርደት ምስተመለሰለይ፡ ብድሕሪኡ ከይሕትት ምሒለ ኢየ። እናደለኹ ከምዘይከኣል እናመሰለኒ ብውሽጠይ ክማስን ወሰንኩ። ልበይ ግና ዮዲተይ ወትሩ ምሳኺ ኢዩ። እንሓንሳእ ዑፍ ይርእይ እሞ ‘ኣንታ ኣምላኽ ዋላ ንሎሚ እንዶ ናብ ዑፍ ቀይረኒ እሞ በሪረ ከይደ ንዮዲተይ ስዕም ኣቢለያ ወዲ ግርማይ ከይፈለጠ ናብ ቦታይ ክምለስ’ ኢለ ይጽልይ። ግን ዘይከውን ምኻኑ ይርደአኒ’ሞ ብውሽጠይ ንበይነይ ይነብዕ። ሰብኣይ ኮይነ ንኽርአ ግን ትም ይብል። እዚ ገድሊ’ዚ ዝወዳደሮ ገድሊ የለን። ከምዚ እናበልኩ ወርሒ እናተተክአ ክልተ ዓመተይ ቀረብኩ። ክፉእ ዝረኣዩ ገለ ኣባላትና፡ ንወዲ ግርማይ ሕራይ ኣቢልናልካ ኣሎና ምስበሉኒ፡ ተሓጉሰ። በቲ ሓደ ወገን ግና ናባኺ ምኻድ ምድፋር ሲኢነ። ብዙሕ ሓሲበ፡ እንትርፎ እተን ወርሓዊ ሰለስተ ሚእቲ ናቕፋ ዝቖርጸልኪ ዝገደፍኩልኪ የብለይን። ዓድና ድማ ድርቂ ከምዝነበረ ሰሚዐ። ጽቡቕ ኣዝመራ እንተዝነብርሲ መንዶ ምሓረሰልኪ’ዩ። ዝሓርስ ብዕራይሲ ካበይ ክትረኽቢ፡ ኩሉ ተወዣቢሩኒ። ገጽኪን ገጽ ደቀይን ምርኣይ ኣፍሪሑኒ። ጥምየት ዝብልዎ ድያብሎስ ኣስያፉ ሒዙ ስጋኹም ክጸርቦ፡ ኣዕጽምቲ ጥራይ ዘትረፈኩም ኮይኑ ተሰሚዑኒ። እሞ ዮዲተይ ምርኣይኩም፡ ነቲ ጸገም ገጽ ንገጽ ከይገጥሞ ትብዓት ምስሰኣንኩ ኣብ ናይ በይነይ በዓቲ ምንባር ይመርጽ። ኣብኡ ተሓቢኤ ዝነበረና ጽቡቕ ናይ ፍቕርን ሓጎስን ዉሑዳት ዓመታት ምሳኺ እናስተንተንኩ ክነብር ይመርጽ። እንሓንሳእ ግና፡ ‘ኣታ ስሱዕ ብዛዕባኻ ጥራይ ዲኻ ትሓስብ’ ኢለ ንነፍሰይ ባዕለይ ይጸርፎ። ክንዲ ተኻፋል ሽግርክን ጸበባኽን ዝኸውንሲ ካባኺ ምህዳም ይመርጽ። ብዝኾነ ይኹን ግና፡ ሓደ ኢድሪስ ዝብልዎ ወዲ ኣስመራ ሕያዋይ ሰብ ወዲ ኣሃዱና ኣሎ። ክጭነቕ ክሓስብ ከለኹ እልይ ኣቢሉ ዝምዕደኒ ንሱ ኢዩ።

“ ስማዕ እንዶ ፍትዊ ነፍሲ ከምዚ ኢልካ ኣይትወጾን ኢኻ ሕጂ ናብ ገዛኻ ኪድ” ይብለኒ።

“ሓቅኻ ኣለኻ እድሪስ ሓወይ ግን እንታይ ሒዘ’የ እሞ ዝኸዶ። ሰበይተይን ደቀይን ንክልተ ዓመት ብድርቂ ተወቒዖም ጥራየይ ጀለው እናበልኩ ክኸይድ ከመይ ኢለ ክኽእሎ ኢልካ ትሓስብ” ምስበልክዎ ሓዚኑ ገዲፉኒ ከደ።

እድሪስ ግና ኣይደቀሰን፡ ቅልጡፍ ወዲ ከተማ ብምኻኑ ኩሎም ኢዮም ዝፈትዉዎ። ዋላ እቲ ኣዛዚ ብርጌድ ስለዝፈትዎ ጽቡቕ ርክብ ኢዩ ዘለዎ። ነቶም ሓለፍቲ ኣእሚኑ ድማ ሓደ ካሻ መሸላን ክልተ ጃሎን ዘይትን ከምዝወሃብ ገበረ። ሽዕኡ እድሪስ ዝተሓጎሶ ታሕጓስ ክነግረኪ ኣይክእልን’የ። ሓቂ ይሓይሽ ኩሎም ደቂ ኣሃዱና ተሓጉሶም። ወዲ ግርማይ’ውን ዕረፍቲ ሃበኒ። እኽሊ ዝጸዓነት መኪና ንኣስመራ ትከይድ ናይ ክፍለሰራዊት ናይ ጽዕነት መኪና ተዛሪቦም እኽለይን ነፍሰይን ኣብኣ ጽዒኖም ኣፋነዉኒ።

መቸም ክጎዓዝ ከለኹ ስሚዒተይ ከመይ ከምዝነበረ ብቓላት ክገልጸልኪ ኣይክእልንየ። ከምዛ ሽግረይ ኩሉ ተቐንጢጡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምሳኺ ተጣቢቐ ክነብር ዝኸዪድ ዘለኹ እናተሰምዓኒ ሓጎሰይ ደረት ኣይነበሮን። እታ ንእሽቶ ዝብላ ትኹል ዓድና ክንዲ ኣስመራ፡ እታ ንእሽቶ ገዛና ክንዲ ቪላ ክትሰፍሓልና ከላ እናተራእየኒ ተጎዓዝኩ። እቲ ጽቡቕ ዝኾነለይ፡ ካልእ ተዛራቢ ሰብ ኣብታ ጋቢና ምሳና ተጻዒኑ ብምንባሩ ነቲ ኣውቲስታ ዓጀው የብሎ፡ ኣነ ድማ ብሓሳብ እናተነቖትኩ ብሎኮ ባረንቱ በጻሕና። ኣብ ፕሪማ ካንተሪ ዘሎ ብሎኮ ሓያል ከምዝኾነ ሰሚዐ ኢየ። ካብ ተሰነይ ዝመጻ ኣውቶቡሳት ተር ኢለን እኽለንን ኣቑሑተንን ዝተሓድጋ ኣንስቲ ተኾርምየን ክበኽያ ጸንሓና።

ሓደ ወተሃደር ናባና መጺኡ፡ ነቲ ኣውቲስታ ኣዛረቦ። “ናይ መንግስቲ’ዩ” ኢሉ ወረቐት ኣቐበሎ። እቲ ወተሃደር ግና ናብቲ ዝባን መኪና ደይቡ፡ ነቲ ኣኽያሽ በብሓደ ከኹድደሉ ጀመረ። እታ ነቲ ናተይ እኽሊ ዝሓዘት ክሻ ሕብራ ፍሉይ ብሙኻኑ እቲ ወተሃደር ጠመታ፡

“እዚ ናይ መን’ዩ?” ሓተተ እቲ ወተሃደር ገጹ እስር ኣቢሉ።

“ናተይ ኢዩ፡” መለስኩ ኣነ።

“ናበይ ኢልካዮ?”

“ኣነ ድሕሪ ክልተ ዓመት ንዕረፍቲ ናብ ስድራይ ዝኸይድ ዘለኹ ኢየ። ንሸቐጥ ኣይኮነን፡ ደቂ ኣሃዱና ኣዋጺኦም ዝሃቡኒ ኢዩ።” በልክዎ። ወዲ ግና ንዝተዛረብኩዎ ዘረባ ግዲ ከይገበረ ነቲ ኪሻ ሰፍሲፉ ብጎድኒ እታ መኪና ናብ ዘሎ ጎልጎል ዶቦቕቦቓ ደርበዮ። እቲ ኪሻ ብኡ ንብኡ ተተርቲሩ እቲ እኽሊ ናብቲ ዶቦቕቦቓ ተሰትየ። ኣብ ዉሽጠይ ዘሎ ኩሉ ትሕዝቶ ክዕው ክብል ተፈለጠኒ። እቲ ኣውቲስታን ካልኣዩን ይልምኑ ኣነ ግና ኣርሚሙኒ ተዓኒደ ደው በልኩ። ለሚኖም ምስቀበጹ መኪናኦም እልዒሎም ነዓናይ በሉኒ፡ ኣነ ግና ኣቕቢጸ ካብኦም ተረፍኩ።

እሞ እቶም ሰባት ምስከዱ ኣብ ሓደ ጎቦ ተጸጊዐ ዝጸሓፍኩልኪ ደብዳበ ኢዩ’ሞ ዮዲተይ ተቐበልዮ። ሓደ መዓልቲ ግን ኣላ ብዘይ ማሕለኻ ህይወትና ባዕልና እናመራሕና ንነብረላ። ሕጂ ግና ነዛ ደብዳበ ብሰብ ኣማሊአ ናብ ቦታይ ይምለስ ኣለኹ።

ወትሩ ዉሽጥኺ ኣብ ዉሽጠይ ተሓቲሙ ዘሎ ኣዝዩ ካብ ዝፈትወኪ

ፍትዊ ሃብተ

ከባቢ ሃይኮታ

26/10/2010

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleጸጸር ምውሕሓጥ !!
Next Article ነጸብራቕ ከንቱነት
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?