Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ቅኒት ብርዒ»ደቂ ሕድርትና ውሽጠይ

ደቂ ሕድርትና ውሽጠይ

0
By Mekonnen T. on June 5, 2014 ቅኒት ብርዒ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደቂ ሕድርትና ውሽጠይ
ዳኒኤል ተስፋይ (ጀርመን)
መኪና ክዕድግ ኣድልዩኒ ትሰማማዓኒ ክሳብ ዝረክብ ነዊሕ ደልየ። ሓንቲ ከኣ ኣብ ልበይ ሓዲራ። ብኵሉ ሸነኻታ ካብ’ታ ዝጸንሓትኒ መኪና ትፍርዝን። ክሳብ ሽዑ ዝሓዝኩወን መኪናታት ‘ኣቲ’ ተባሂለን ዝጽዋዓ ንኣሽቱ እየን። የዕሩዅተይ ኵዕሶ ተኒስ ኢሎም ዝጸርፉዋ ሚክራ ነይራትኒ። ብድሕሪኡ ኣነ ከይተረፍኩ’ውን ጠበቕ ኢለ ዘጠመቝኩዋ ኣብ መሬት ዝተለጠፈት እንትመስል ንእሽቶይ ሆንዳ ኔራትኒ። ብድሕሪ ንእሽቶይ ቶዮታ ስታርለትን ንእሽቶይ ጎልፍንእውን ዘዊረ። እዘን ኵለን ንኣሽቱ መካይን ጽቡቕ ኣገልጊለናኒ ዕድመ ዝፈጠሮ ባህርያዊ ሞት ድማ ሞይተን። ዓሚ ከም’ዚ ሎሚ ከኣ ሓንቲ ካልእ መኪና ኣድልያትኒ። ንኽንደይ ዓመታት ኣብ ንኣሽቱ መካይን ተጨቢጠ ሎሚ ተባዕታይ መኪና ክዕድግ ኣሎኒ ኢለ ክሓስብ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ኴይኑ። እንተኾነ ተግባራውነት ማሕፉዳ ገዚኡኒ ንመጠረስቱ ኣብ ንእሽቶይ መኪና ከም ዝወድቕ ከኣ እፈልጥ። ሓንቲ መዓልቲ ካብተን ልሙዳት መኪናታተይ ዝዓበየትን ዝበረኸትን ጸላም መኪና ንኽትሽየጥ ኣብ ኣፍቤት ሓደ ነጋዳይ ጥቓ ቤተይ ተቐሚጣ እርኢ። ወግሐ ጸብሐ ንቤት ክኣቱን ካብ ቤት ክወጽእን እርእያ። ኣፍልባ ነፊሓ ካብ ዱር ዝወጸ ኣንበሳ ትመስል። ካብ መሬት ኣልዒሉ ከም ንፋስ ዝሕንብባ 120 ሓይሊ ፈረስ ድማ ነበራ። ብሓይላ፡ መልክዓ፡ ሕብራ፡ ጣዕማ ተሃነንኩ። በብመዓልቱ ናብ ልበይ ኣትያ ክትቈጻጸረኒ ጀመረት። ምሸት ምሸት ንዙረት ኣመኽኔ፡ ከይተሸጠት ክትጸንሓኒ እንዳጸለኹ፡ ክርእያ እኸይድ። ሽሕ’ኳ ከም በዓል መርሰደስ ‘ኣቱም’ እንተዘይተባህለት ‘ኣታ’ስ ፍትሓዊ ‘ምነበረ። ነታ መኪና ‘ምዓደግኩ’ሞ ‘ምዓረፍኩ። እንተኾነ ኣብ ውሽጠይ ካልኦት ድምጽታት ላእ! ኢሎም ሓንጊዶም ነበረ። ሓንቲ መዓልቲ ግን ዓይነይ ሰም ኣቢለ ንፈተነ ዘወርኩዋ። ሽዑ ብክሳደይ ሓኒቓ ሓዛትኒ። ሽዑ ከኣ ዓይነይ ሰም ኣቢለ ዓደግኩዋ። ገና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክከታኸት’ዬ። ኣብ ሓንጎለይ ግን ዓዲገያ እዬ። ነታ መኪና ክዕድግ ክውስን ገለ ሓደ ወርሒ ወሲዱለይ። ድምጽታት ውሽጠይ ከኣ ሓደ ወርሒ ምሉእ ሕድሕዶም ብዙሕ ተኻቲዖምን ክሳብ ተነዳዲሮምን እዮም። ሓደ ስድራ ቤት ኢና። መዓስ ተፈጢሮም ብልክዕ ኣይፈልጥን። ገለ ምሳይ ዝተፈጥሩ ምዃኖም እጥርጥር። ገለ ከኣ ኣነ ባዕለይ ኣብ መገዲ ህይወተይ ዝፈጠርኩዎም ይኾኑ። ንምንታይ ተፈጢሮም ግን ብርግጽ እፈልጥ። ብዘይካ ንዓይ ምሕላውን፡ ምክልኻልን ምግልጋልን ካልእ ምኽንያተ ህልውና የብሎምን። ብዙሕ ሻዕ ግን ኣብ ሽግር እውን የእትዉኒ እዮም። ንነዊሕ ዓመታት ብሓባር ነቢርና ድማ ክሳብ በበስማትና ጽቡቕ ተፋሊጥና ኢና። ደድኽመታትና ከኣ ንፈልጥ።
ድሕሪ ብዙሕ ምምታእ ከኣ ነታ መኪና ክዕድጋ ወሰንኩ። እቲ ኣብ ውሽጠይ ዝተፈጥረ ዕግርግር ድማ ክትግምቱ ትኽእሉ። ደግያት ዶሮናን ኣቤቶ ዕንዱን ልበይ ክነቱጕ ክሳብ ዝበጽሕ ኣብ ውሽጠይ ተሰራሰሩ። ነታ መኪና ክዕድግ ብዙሕ ተኸራኺሮምን ሸሪሖምን እዮም። ደጊምስ’ሲ ኣብራኽ ክዝርግሐ’የን ርእሲ ድማ ክትቐንዕ’ያ! በለ ደግያት ኣብ ሶፋ ተቐሚጡ፡ ኣእጋሩ ዘራጊሑ። ነተን ቀዳሞት መካይነይ ‘መውስቦ ዘኸልክላ’ ኢሉ ይጻረፈን ነቢሩ እዩ። ኣቤቶ ዕንዱ’ውን “ደጊም’ሲ ኣብ ጽርግያ መኪና ጎሰስ የሎን! ነቶም ረጊጾሙና ዝሓልፉ ረጊጽናዮም ክንሓልፍ ኢና!” ኢሉ ከም’ዚ ቈልዓ ተሰራሰረ እቲ ጎሳሳት መካይን ዝፈጠራሉ ትሑት ግምገማ ነፍሱ እንታይ ሻቡ በኒኑ። ንሱ’ውን ተባዕታይ መኪና! በለ። ክልቲኦም ከኣ ናብ ኣውቶ ባን ! ኢሎም ጨደሩ። ዘይተመደበ፡ ዘይተደላዪ መገሻ ከኣ መሃዙ። ኣነ’ውን ተመሳጥነቶም ክሰብር ኣይደለኹን።
ሶቕራጠስ ሓንቲ’ኳ ከይበለ ነታ መኪና ሰለስተ ጊዜ ኮለላ። “በዓልቲ ክልተ ማዕጾ … እምም … ናይ’ቶም ኣብ ድሕሪት ንቕመጥ ዘይትሓሊ ጨካን መኪና” በለ ምስ’ታ መኪና ተዛሪቡ። ናባይ ተጠውዩ ከኣ ነታ ፍልጥቲ ፍሽኽታ ላግጹ ፍሽኽ በለ። ተወሳኺ ከይበለ ከኣ ኣእዳዉ ንድሕሪት ጠውዩ ከደ። እንታይ? ስለምንታይ? ከመይ? … ኢሉ ስለሸግሮምን፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ከኣ ስለዝረትዖምን ክልቲኦም ኣይፈትውዎን እሞ ቀልጢፉ ስለዝሓደጎም ክልቲኦም ደስ በሎም። ግደ ሓዊ ንምዝራብ፡ ሓሓደ እዋን ኣነ’ውን ብሕቶታት ስለዘትክኸኒ እኽወሎ እዬ። እንተኾነ ደግያትን ኣቤቶን ብዓወቶም ግዲ ሰኺሮም ክልቲኦም ተጋገዩ። “ኣብ ድሕሪት ዝቕመጥ ግድን ክሽገር ኣሎዎ!” ጨደረ ድግያት ብድሕሬኡ። ‘’ኪድ ግዳ ጸሓይካ ተጸሎ ብዛዕባ መካይን እንታይ ኣፍሊጡካ! ብላይ!” ተጻረፈ ኣቤቶ። ሶቕራጠስ ተወሳኺ ሰበብ ከይመሃዘ መኪናይ ሒዘ ክዕዘር ኮርኮሩ። ሶቕራተስ ንድሕሪት ተመልሰ። ፍሽኽ ኢሉ ከኣ “ንምኻኑ ቤንዚን ክንደይ ትሽየጥ ኣላ?” ተወከሰ። ካብ’ቲ ዝፈርሕዎ ኣይወጹን ደግያትን ኣቤቶን ንሶቕራተስ እንዳተራገሙ ተኸወሉ። ብድሕር’ዚ ምስ ሶቕራተስ ብዛዕባ ዋጋ መኪናን ቤንዚንን፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ክብረት ናብራን፡ ብዛIባ ምብልሻው ዓለም … እንታይ ስለምንታይ ኢልና ብጽሞና ነዊሕ ኣዕለልና። እንተኾነ ነታ መኪና ከይዕድጋ ኣየዕገበንን። ማለት’ሲ ክዓግብ ኣይደለኹን። ስምዒት ኣብ ዝነገሰሉ ፍልስፍናን ስነሞገትን ኣየዕግቡን።
ሳባ ጠበቕ ንእግረ መገዳ ክትመስል ቅልቅል ኢላ “ክልተ መዓጹ ጥራሕ! እዛ መኪና እዚኣ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮን ቈልዑትን ዘይተኽብር ንተባዕታዊ ኣነነት ከተርዊ ዝተሰርሐት ዘይዲሞክራስያዊት መኪና እያ” በለት ሽምጣ ገቲራ። ጠበቕ መበሊኣ ከኣ እንተድኣ ኣብ ሓደ ሓሳብ ረጊጻ ሓሳባታ ከየዐወተት ስለዘይትዓኣርፍን ዘይተዕርፍን እዩ። እንተኾነ ግዳ ብቐሊሉ ተቐሻሺት እያ።
“ርአዪያ’ሞ … ምሳሕ ዓይኒ እኮ’ያ!” – ኣነ’ዬ ናብ’ታ መኪና ኣመልኪተ።
“ብዓይኒ በሊዕካ ዝጽገብ እንተዄይኑ እስከ ንሓንቲ መዓልቲ ፈትኖ” ቀርቀረት ጠበቕ። ኣይመለስኩን።
“ኣብ ውሽጢ ምስተቐመጥካ’ዶ ነቲ ደጋዊ መልክዓ ክትርእዎ ኴይካ … !” ኣጥበቐት ወሲኻ።
“ንዓይ ጥራሕ’ኮ ኣይኮንኩን ዝዕድጋ እንተላይ ነቲ ረኣዪ ድኣ! “ ኢለ ኣቋረጽኩዎም። ናይ ነፍስኻ’ምበር ናይ ራኣዪ እንታይ ገዲሹኳ! ኢላ ኣንጸርጸረት። እቲ ዘየድልየኒ ክዳውንቲ ክዕድግን ግን ቃል’ኳ ኣይተውጽእን ፈታዊት ጭርቂ እያ።
መኪናን ባህሊ መኪናን ኣብ ዝተፈጥርሉ ኣብ ዓዲ መካይን’ዬ ዝቕመጥ። ኣብ’ዚ፡ መኪና መንቀሳቐሲት ጥራሕ ኣይኮነትን ህያውን ኣባል ቤተሰብ’ያ። ንገለ ከኣ ካብ ኣባላት ቤተሰብ’ውን ንሳ ትምረጽ ንሳ ትሕንቅቕ። መኪና ናይ ገዛእ ርእሳ ስነጥበብን ባህልን እያ። ታሪኽ’ውን ኣሎዋ። ምንጪ ብዙሕ ወግዕታትን ብሂላትን ሓበንን ከኣ እያ። መኪና መንጸብረቕታ ጠባይን ሓይልን ዋንኣ እያ። ደጋዊ መራእዮኡ፡ ቀስተ ምልክቱ፡ መቐጸልታ ኣካሉን መንነቱንን እያ። ‘እንሆ እቲ ዕዉት ኣይተ … ! ትእውጅ። ሰብ ዓበይቲ መርሰደስ ንሕጊ ትራፊክ ብምጥሓስ’ውን ቀዳምነት ክወሃቦም ከምዝጽበዩ ይንገረሎም። ሓንቲ ጽብቕቲ ድኳን ከባብ ዝተኸለ ቱርኪ ዓባይ BMV ይዕድግ። መዕገርገርቲ ጽርግያታት፡ መብዛሕትኦም መንእሰያትን ኣብ ቅልውላው ሂወት ዝኣተዉ ኣረግቶት መንእሰያትን፡ ጎየይቲ ገላሃት መካይን ይገልጽኦም። ቁጡዓት። ገዘፍትን ጸለምትን መካይን ይመርጹ ይበሃል። ኣነ’ኸ?
ንገለ ዕስራ ዓመታት ንኣሽቱ መካይን ዘዊረ ዝኾነ ሽግር ኣጓኑፉኒ ኣይፈልጥን። ናብ ክበጽሖ ዝደለኹዎ እበጽሕ። ብዝሓሰረ ድማ። ከምቲ ሶቕራጠስ ዝመኸረኒ ከኣ እታ ተዋጽኣኒ መኪና ንእሽቶይ መኪና ምዃና እፈልጥ። ካብ ኵሉ ድማ ኤለክትሮኒክስ ዘይበዝሓ መኪና። ኔረ። ነዛ ሓንቲ መኪና’ዚ እንተዘይርኢ ከኣ ንእሽቶም መኪና ምዓደግኩ። ኣንጻር ምሉእ ስነሞገት ከኣ ዓደገያ። ደግያት ከኣ ኣስፋሕፊሑ ተቐመጠ። ኣቤቶ ከኣ ከምቲ ተሓንቢብዎ ዘይፈልጥ ተሓንበበ። ክልቲኦም ከኣ ኣዝዮም ተሓጎሱ። ድሕሪ ጊዜ ግን ነታ መኪና ለሚደያ ኵሉ ኵልንትናኣ ንቡር ኮነትኒ። እቲ ንሳ ዘላዓለቶ ስምዒት ሃሰሰ። እቲ እታ መኪና እትበልዖ ቤንዚን ግን ክበልዓኒ ጀመረ። እቲ ነቲ ፈርሳዕ ነብሳ ተሸኪማ ንኽትጎይን፡ ንድግያት ከተመውቝን መዓጹን መሳዅትን ክትከፍትን ዝጠፍእ ሓይልን ኣብ ማሕፉዳይ ተሰመዓኒ። ደግያትን ኣቤቶን ከኣ መኪና ማለት’ስ ‘ፈራሪ’ እያ’ምበር እንዳበሉ ነቲ ቅድሚ ወርሒ ዝዘመሩላ መኪና ከናዕቑዋ ጀመሩ። ካብ ኵሉ ድማ ሳባ ኣብ ክሳደይ ጠቢቓ “ኣይበልናን’ዶ ኣይበልናን’ዬ … “ ትዝምር። እቲ ግናይ ኣረጊት ሶቕራጠስ ከኣ የኹድድ፡ ኣይበልናን’ዶ! ይቍጸ የላጋጽ። ከም’ቲ ልሙድ ከኣ፡ ኣነ፡ ዒሕ ኢለ ምሉእ ሓላፍነት ናይ’ቲ ዝኾነ ወሲደ። ብዝወሓደ፡ ነቲ ዝለዓለ ብመኪና ክጎዮ ዝኽእል ጎየ መጠነይ ፈሊጠ። ንሱ ዝፈጠረለይ ክትነብሮ’ምበር ክግለጽ ዘይከኣል ኣካላውን መንፈሳውን ደስታ ተሞኵረ። ንወርትግ ክዝክሮን፡ ደጊመ ደጋጊመ እንዳዘከርኩዎ ከኣ ክድሰተሉን ክስሕቀሉን’ዬ።
ውሽጣዊ ድምጽታትና፡ ኣብ ውሽጥና ዝተሓብኡ ደቂ ሕድርትና፡ ሃነጽትን (mentors) ዓንቀፍትን (saboteurs) ተባሂሎም ብሓፈሽኡ ክኽፈሉ ይኽእሉ። እቶም ዓንቀፍቲ ከም ዝበዝሑ ድማ ይፍለጥ። ኣቲ ዘረባ ብዛዕባ መንታ-ሰብነት (schizophrenie) ወይ ከኣ ኣብዝሓ-ሰብነት (multiple personality) ኣይኮነን። ብዛዕባ ክፋላት ሓደ ንቡር፡ ጥዑይ ሰብነት’ዬ ዝጸዊ ዘሎኹ። ኣብ ኵሉ ሸነኻዊ ህይወቱ ንሰብ ምስ ካልኦት ዘዛምዱን፡ ነቲ ዝምድና ከኣ ንስረቱን ዓወቱን ዝሰርዑን ውሽጣዊ ኣማኸርቲ’ዮም። ጠባያቶምን ድልዬታቶምን ዝተፈላለየን ተጋራጫውን’ዩ። ኣብ ውሽጥና ሕድሕዶም ብዙሕ ይጨቓጨቑ ገሊኦም ክሳብ ይስርስሩን የቈጥዑን። እቲ ትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ከኣ ይሰምዖም እዩ። ብዘይካ ግርጭታቶምን ምዕዶታቶምን ከኣ ኵሉ’ቲ ህይወታዊ ዕማማትና ከነማልእ ከምዘይምብኸኣልናን ስነኣእምሮኣውያን ይብሉ። ብዛዕባኣቶም ጠቒሱ፡ ሲግሞንድ ፍሮይድ፡ “ኣብ ገዛእ ቤትና እቶም ጎይቶይ ንሕና ኣይኮንናን” ይብል።
ንዓርከይ ብዛዕባኣ ዘሎኒ ርእይቶ ገሊጸ’ዶ ክነግራ? ነዚ ስራሕ’ዚ እንተሓደግኩዎ ካልእ ስራሕ እረክብ’ዶ? ስርሐይ መጠነ ብቕዓተይ ድዩ? ሃገር ክትጭፍለቕን ክትጸነትን እንታይ እገብር ኣሎኹ? … ዝብሉ ሕቶታት እንተልዒለ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዝፍጠር ኵናት ሕድሕድ ኣሽንኳይ’ዶ ንፈታዊኻ’ስ ንጸላኢኻ’ኳ ኣይትምነዮ። ሳባ ከኣ ኣብ ክሳደይ ጠቢቓ … ። እቲ መጣንን ኣማሓዳርን ናይ መወዳእታ ወሳንን ግን ኣነ እዬ። ንምዃኑ’ኸ ኣነ መን’ዬ? ኣነ እቲ እኩብ ድምር ኵሎም ክፋላተይን ዝያድኦምን እዬ።
ንውሽጣዊ ድምጽታትና ክንሰምዖም ይግብኣና። ገሊኦም ጠቐምቲ ገሊኦም ከኣ ጎዳእቲ እዮም። እኳ’ድኣ እቶም ጎዳእቲ ይበዝሑ። እንተኾነ ንዅሎም ክንሰምዖም ኣሎና። ንዅሎም መጣጢን’ና ኣወሃሂድና ከኣ ሚዛንነት’ቲ ርትዓውን ተግባራውን ድምጺ ክንሰምዕ ንኽእል። ካብ ክልተ ድምጽታት ግን ፈጺምና ክንጥንቀቕ ይግባእ። ቀዳማይ፣ ገለ ድምጽታት ነቶም ካልኦት ድምጽታት ጨፍሊቖም ናብ ፍጹም ዲክታቶራት ይቕየሩ እዮም። ክሳብ’ውን ነቲ ኣማሓዳሪ ይቈጻጸሩዎ። ይዕወቱ፡ ይዕወቱ፡ ይዕወቱ። ንመጠረስትኡ ከኣ ናብ ተዓዊቶም ዘይዓግቡ፡ ስለ’ዚ ከኣ ዘይተዓወቱን ክዕወቱ ዘይክእሉን ብመሰረቱ ፍሹላት ፍጥረት ይቕየሩ። ንመጠረስትኡ እቲ ዓወት ይዕወተሎም። ብዋጋ ጥዕንኦም ፍቕሪ ቤተሰቦምን ወርቂ ኣብ ልዕሊ ወርቂ ይድልቡ እሞ ንመጠረስትኡ ብሕማም ልቢ ይሞቱ። ገለ ናብ ዘይፍጸም ፍጹምነት የንቃዕርሩ። ናብ ‘ዘይፍጹም’ እውን ክፈጥሩ ዘይክእሉ ዝሮምሮ ይቕየሩ። እታ ክትርአ ዝተኣርየት፡ እታ መዓኮራ ከይሸፈነት መሬት እትኸድን ጽንብላሊዕ- እዚኣቶም ኵሎም ግዳያት ግጉይ ድምጺ እያቶም። ካልኣይ፣ ካብ ሕዩራት ድምጽታት ክንጥንቀቕ ይግብኣና። እዚኣቶም እቶም ቀደም ዝኾን’ናዮም፡ ካብ ግናይ ክሳብ ኣስካሕካሕቲ ዝዝርግሑ- ኣብ ዝካሬና ዓሚቝ ዝፈሓሩ እሞ ግን ክንዝክሮም ዘይንደሊ ተረክቦታት እዮም። ንሳቶም እቶም መብዛሕትኡ ጊዜ እንጥምዝዞምን ናብ’ቲ መዓሙቝ ትሕተንቕሓትና እንሕይሮምን ድምጽታት እዮም። እንሓንሳብ፡ ኣብ መስርሕ ኣገዳሲ ውሳኔታትና ካብ’ቲ ዝተሓየርዎ ጉድጓድ ቦሎቝ ይብሉ’ሞ መብዛሕቲ ጊዜ ናብ ጉጉይ ውሳኔታት ይመርሑና። ካብ ድምጽን ምዕዶን ኣይተ ፈዳይሕነ ከኣ ኣዚና ክንጥንቀቕ ይግብኣና።
በዝን በትን ምስ ደቂ ሕድርትና ውሽጠይ ተላዚበ እነብር እዬ። ደግያትን ኣቤቶን ብዙሕ ዘጋግዩኒ እኳ እንተኾኑ፡ ነፍሰ ክብረተይን ነፍሰ እምነተይን ክብ ኣብ ምባል ድማ ይሕጉዝኒ እዮም። ሶቕራጠስ ካብ ርሑቕ ዓዲ ፍልስፍናን ስነሞገትን፡ ጠበቕ ከኣ ካብ ቀረባ ዓዲ ተግባራውነትን ክውንነትን ካብ ጽልዋ’ዞም ክልተ ይሕልዉኒ እዮም። ከም ሳባ ዝኣመሰልዎ ጥቡቕ ዓርኪ ምህላው ምርቓን መርገምን እዩ። ጠበቕ ኣብ እዝነይ ጠቢቓ ጌጋታተይ ኣይተረስዓንን። እቲ ኣነ ብዋጋ በንዚን ንቑጽ ንብዓት ክነብዕ፡ ንሳ፡ ንሕና’ስ መኺርና ኢና! ኢላ ተላግጽ። ሽዑ ሓኒቀ ክቐትላ ኣይጸልእን። ግን ከኣ ብዓልቲ ሓቂ እያ! ደጊማ ነገር ክትኵርኵር፡ ኣደይ ኣስሊ ያኢ ሓሚመን ብመኪና ናብ ሓኪም ውሰደኒ ኢለን ትሕብረኒ። ኣብ ሰጥ ዝበለ ገፊሕ ጽርግያ ኣትየ ክሕንበብ። ኣብ ምዝዋር ዘተኮርኩ መሲለ ኣይምልስን። ምዅርኳር ኣብየ ድማ፡ “ናብ ድሕሪት መቐመጢ ክሳብ ዝስቀላ ከኣ ሓደ ሰሙን ክወስደለን እዩ!” ኢላ ዝተሰከፈት መሰለት ንዓይ ከተሰክፍ። “እሞ ንስኺ ኣብ ድሕሪት ትቕመጢ!” ኢለ ከኣ ኪር ኪር ሰሕቕኩ። ኣብ ቅድሚት ኣብ ጉንዲ እዝነይ ድኣ’ምበር ኣብ ድሕሪት ምቕማጥ ኣይትፈቱን። ወይ ዓለም ግርቢጥ! ኢላ ድማ ኣጽቀጠት። ኣነ ከኣ ዓረፍኩ።
ብደረጃ ሃገርን ህዝብን ውሽጣዊ ድምጽታት ኣሎውና። ኣብ ትሕቲ ዓማጺ መንግስቲ ኢሳያስ ከም ህዝቢ ብዙሕ ተዋሪድናን ሓሲርናን ኢና። ንውርደትና ኣኾምሲዕና ንውሕጥ ጥራሕ ዘይኮነስ ክሳብ እውን ንመሕሰሪና ነኽብሮን ንንእዶን ንዝምረሉን። ስለምንታይ? ድምጽታት ፍርሕን በለጽን ውልቃዊ ጥቕምታትን ነቲ ድምጺ ‘ካብ ንዘልኣለም ኣንጭዋ ኴይንካ ኣብ ትሕቲ መሬት ምንባር ንሓንቲ መዓልቲ ኣንበሳ ኴንካ እንዳጨደርካ ምሟት ይበልጽ’ ዝበለ ድምጺ ነፍሳውን ሃገራውን ኵርዓት ቀቲሎምዎ። ጉድጓድ ኣንጭዋ ንቡርን ጥዑምን ከይኮነና ካብ’ቲ ጉድጓድ ክንወጽእ ይግብኣና። ዶስ ድሮ ንቡር ኴይኑና እዩ?

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleናበይ ኢኻ ኣይትበሉኒ !
Next Article መርገም ካሳንድራ
Mekonnen T.

Related Posts

“ኣብ መንጎ ክልተ ብኡሳት እቲ ሳልሳዮም ይረብሕዶ”

November 29, 2020
Read More

ከቶ ንጽባሕ ዝፈልጣ የለን

November 14, 2020
Read More

ነቲ ሓቂ ኩሉ ይፍለጦ

September 14, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?