Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ደርፊ ኣይትተሃመል : ኮሓልቲ መሲለን መንቆርቲ 

ደርፊ ኣይትተሃመል : ኮሓልቲ መሲለን መንቆርቲ 

0
By Mekonnen T. on September 9, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

መኮነን ተስፋይ
ካብ ተስፋኣለም ኣራፋይነ ቆርጫጭ ብደርፊ ካልእ ሓርነት የለን ዘይተማህሩ ነቀውቲ
ኣይትተሃመል
ድምጻውያን ኢስያስ ደበሳይ (ወዲ ሃለቃ) ዳናይት የውሃንስ፡ ስምሃር የውሃንስ
ገጣሚ ናታን መልኣኩ
ኣብ ምዝዛም ወርሒ ነሓሰ ናይ 2017 ማለት ነሓሰ 31 ሓሙስ መዓልቲ ኣብ ዩቱብ ድምጺ ደሃይ ሃገሩ ክሰምዕ ሃንቀው ዝብል መንእሰይ ክልተ ኣብ ኣልፋን ኣሜጋን ዝሰፍራ ኣብ በበይኑ ጫፋት ክልተ ዓለም ዝነብራ ደርፍታት ደበኽ ኢለንኦ። እታ ሓንቲ ብኮኾብ ድምጻዊ ኣብራር ዑስማንን መንእሰይ ፍጹምን ካብ ጀርመን ዝተፈነወት ባህጊ’ለኒ ዘርእስታ ክትከውን እንከላ እታ ካላኣይቲ ከኣ ሰማዒ ሓጎሱ ከይወደአ ጽምብል ናፍቖቱ ከይዛዘመ ብመርድእ ዝደበሰት ኣይትተሃመል ትብል ብክልተ ግሩሃት ኣሓት ድምጻውያን ደቂ የውሃንስ እስቲፋኖስን በቲ ካብ ክውንነት ወጽዩ ኣብ ናይ በይኑ ሕልናኻ ሼጥካ ዝንበረሉ ዓለም ዝነብር ዘሎ ነቃዊ (ድምጻዊ ከይዓብዮ) ኢስያስ ደበሳይ ወዲ ሃለቃ ዝቐረበት ኣይትተሃመል ዘርእስታ ደርፊ’ያ። እቲ ክውንነት ኣጋጣሚ ድዩ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ነቶም ኣዳለውትን ጠቃዕትን ዝምልከት ኮይኑ ናይ ሰዓታት ፍልልይ ዋላ ይኹን ቀዲማ ዝተጠቀዐት ግን ባህጊ’ለኒ ይመስለኒ( ጌጋ እንተልየ ክእረም ቅሩብ’የ መደምሰስን ኣብ ኮምፒተር ደሊት ዝብል ምርጫ ወይ ኣንዱ ዝብል ሓደ ግዙፍ ክፋል ምህላው ጌጋ ከም ዘሎ ዝኣመኑ ሰባት’ዮም ሰሪሖሞ) በቲ ኮይኑ በቲ ሞታ ዝቐረበት ኣንጭዋስ ኣፍንጫ ድሙ ትልሕስ ከም ዝበሃል እዛ ደርፊ መሊሳ ክትኮማሰሰን ክትከዓብን ኢልዋ ከይወዓለት ከይሓደረት ደድሕሪ ባህጊ ኣለኒ ደበኽ ኢላ። ባህጊ’ለኒ ነቲ ሰሙን ዝኸውን ግዜ ተዋሂቡዎ ብዙሕ ዝተዘርበሉ ሓዳር ናሆምን ጉያ ጉያ ደርፉን ተኪኣ ዝመጸትን መድረኽ ክትዕብልል ዝኸኣለትን ዋላ’ውን ደግፍቲ ህግደፍ ዔረ እናጠዓመቶም ዝጎሰሙዋ (ኣብቲ ዩቱብ ወይ ላይክ ኢሎም ኣለው ወይ ሱቕ ኢሎም ኣለው ዲስላይክ ዝበሉ ቁንጣሮዮም ክሳዕ ሕጂ ደሃዮም ኣይተስምዐን) ደርፊ’ያ። ህዝቢ ግብረ መልሲ እዘን ደርፍታት ብጀካቲ ኣብ ርእይቶ ዝጸሓፍ ዘሎ በቲ ደገፍካን ተቓውሞኻን ተርእየሉ ላይክን ዲስላይክን እንተዓቂናዮ ንኣብነት ባህጊ’ለኒ 6 ሽሕ ላይክ ክልገሰላ እንከሎ 247 ሰባት ጥራሕ ዲስላይክ ጠዊቖም። ኣብ ኣይትተሃመል 710 ላይክ ክጥወቐላ እንከሎ ዲስላይክ ከኣ 3 ሽሕ በጺሑሉ። (ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ከኣ እቲ ዲስላይክ ናብ 6 ደይቡ ይርከብ)
ኣይተተሃመል ብመስረቱ ምስ ግጥሚ ተጸቢጽባ ክትህየስ ዝግባኣ ደርፊ’ውን ኣይኮነትን። ኣምንጊጎም ስምዓየ ንዝብልዎ ሰብ’ውን ሕማም ጥራሕ’ዩ ከስዕበሉ ዝኽእል። ካብ ክውንነት ኣሽሓት ኪሎሜትራት ወይ ማይልስ ሃዲማ ኣምስሉ ባህርያት ተላቢሳ ዝተጻሕፈት ጭራሕ ምራሕ ቃላት’ያ ምባላ ይቐልል። ብመሰረቱ እዛ ደርፊ ክትመክር ድያ ተሰሪሓ ዋላስ ይዋእ ንስኻ’ምበር ንሕናስ ከምዚ ኣለና ብምባል ከተባጩ’ያ ተጻሒፋ። ደሓን እቲ በዓል ታሪኽ ሃገር ዘውሓሰን ዘጎናጸፈን ኣበይ ከም ዘሎ መን ምዃኑ ምትንታኑ’ሞ ይጽናሓልና። ኣብታ ብዙሕ ስጉም ከየበልካ ጎፍ ትብለካ ማይ ቤት ገለ ክብል
ንዮው ‘ንዶ ግዳ በሎ
ዕላል ቤላ ቤሎ
ውጽእ ኢልካ ርአ፡ እቲ ዝህነጽ ዘሎ
ኣየናይ’ዩ እቲ ቤላ ቤሎ ዝበሃል ዘሎ? ኣየናይ ኢዩኸ ይህነጽ ኣሎ ዝበሃል ዘሎ? ፕረዚደንት ሓንቲ ሃገር ዝኣክል ሓንቲ ዲጋ ከስርሕ ቤት ጽሕፈቱ ዝድኩነላ ሃገር ድያ ትህነጽ ዘላ ትበሃል ዘላ። ገንዘብ ኣብ ባንኪ ተኣሲሩ ብሕታውያን ኣውፍርቲ ትካላቶም ዓጽዮም ኣብ ጎረቤት ሃገር ሚልዮናት ዘፍስሱሉ ኣብ ዘለውሉ ኩነታትን። መምህራ፡ ሓካይም፡ ጋዜጠኛታት፡ ሰበ ስልጣን፡ ገዳይም ተጋደልትን መንእሰያትን ብጥሙር ናብ ስደት ኣብ ዘምርሑሉን ጥር ትብል ህንጻን ካልእን ኣብ ዘይስርሓሉን ኩነታት ኣብ ዘለውሉ እዋን ኣየናይ’ዩ ውጽእ ኢልካ ክርአ። ውጽእ ኢልካ ክር አ እንተዝፍቀድ እሞ ከም ድላያካ ምድህሳስ እንተዝከኣል ደኣ ካብቲ ዝተሃንጸ ትካላት እቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ተደኩኑ ዘሎ ቤት ማእሰርታት ምበዝሐ። ከምዚ ሓደ መዓልቲ ሓደ ኣቦ በዓል ጸናዓደግለ ኣብ ሰገነይቲ ኣብ ዝተገብረ ናይ ህዝቢ ኣኼባ “ካብ ኣብ ሰራዊት ዘገልግል ዘሎ እኮ እቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣሲርኩሞ ዘለኹም ዘሎ ይበዝሕ” ዝበልዎ ካብቲ ኣብቲ ደርፊ ይሃንጽ ኣሎ ዝበሃል ኣብ ግዱድ ዕስክርና ዘሎ መንእሰይ ወይ ከኣ እቲ ሃገሩ ረመጽ ኮይናቶ ዝተሰደደ ወይ ተኣሲሩ ዘሎኮ ይበዝሕ። ቀጺላ ዘላ ነግሒ
ኣይትተሃመል ጎበዛይ ኣይትተሃመል (2)
ኣስተውዕለሉ ቅድሚ ምውሳንካ
ስግር ባሕሪ ገነት/ወርቂ ከይመስለካ
ወርቂ ዝጨበጠ፡ወርቂ ኣየማዕዱን’ዩ። ኣብ ምቹእ ዓራት ዝደቀሰ ሰብ ናብ ካልእ ምቹእ ዓራት ከስግሮ ዝኽእል ምኽንያት የለን። ዝደቀሰሉ እንተኾርኩሑዎ ጥራሕ’ዩ ምቹእ ዓራት ክደሊ። እዘን ቆልዑ ይኹና እቲ ምስአን ዝንቁ ወዲ ዋላውን እቲ ገጣሚ ምስ ኣብ ደገ ዝርከቡ ፈለጥቶም ዝተጸሓሓፍዎ እንተዝፍተሽ ካብቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ መዛኣንኦም ሃንቀው ዝብልዎ ህያብ ክህሉን ሓቲቶም ክኾኑን ብዙሕ ዘጠራጥር ኣይመስለንን። ሓደ እዋን ሓደ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ በዓል ስልጣን ገዲም ተጋዳላይ ንብጻዩ ዝነበረ ኣብ ስደት ዝርከብ ዓርኩ ዝጸሓፈሉ ደብዳቤ ከምዚ ይብል “ቁጠባ ኣሜሪካ ቁልቁል ክድፋእ ቁጠባ ኤርትራ ሰማይ ክዓርዕ ይረኣየኒ’ሎ። ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ኣብ ግዜ ንግደት ህዝቢ ኣረቂ ሒዙ ዘይኮነ ወርቂ ሒዙ’ዩ ክበጻጻሕ። ድሕሪ ምባል ዝሰደድካለይ ሞባይል ከኣ ተቐቢለያ ኣለኹ። ኣብ ዝቕጽል ከኣ ገለ ወስ ምባል ኣይትሕመቕ እዚ ናብራ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝዓይነቱ’ዩ ዘሎ” ብምባል ኣብ ላዕሊ ዝበሎ ከይተረደኦ ኣብ ዝቐጸለ መስመር ኣፍረሶ።
ኣብታ ደርፊ ናብራ ስደትን ምረትን ንምግላጽ ተባሂሉ ኣትዩ ዘሎ ሓደ ሓደ ስእልታት ሰባት ኣብ ባሕሪ እናተኸላበቱን ኣብ ሰሃራ ብድኻም ተኻኢሎም ትልኽ ዝብሉን’ዮም። ወዮ ደኣ ንፕሮፓጋንዳዊ ሃልኪ ዝተሰርሐት ደርፊን ክሊፕን ኮይና’ምበር ነቲ ስእልታት ገልቢጥካ እቲ ምረትን ግፍዕን ዓዲ ኣብየቶን ካልኦት ቤት ማእሰርታትን በቲ ሓደ እቲ ነብሱ ኣሕሲሙ ንጽባሕ እናጠመተ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ኣብ ስደትን ስድሩ ዝጠውር ዝሎ ስደተኛ እንድሕሪ ብንዋት ዝዕቀን ኮይኑ ነቲ ብዓይኒ ዝረአ ነገራት ብምርኣይ ምውድዳር ምስተኻእለ ኔሩ። እቲ ናይ ሃገር ኢንፊዥን ተባሂሉ ዝተዘርበሉ ናብ እስራኤል ዝወሓዘ መንእሰይ ድዩ ንህዝቢ ኤርትራ ትንፋስ ሰኹዑሉ ዋላስ እቲ ህዝቢ መንግስቲ ንምግልጋል እምበር መንግስቲ ንህዝቢ ንምግላጋል ዘይቆመ ዝመስሎ ስርዓት’ዩ ጉዳይ ህዝቢ ዓጢጡዎ ንህዝቢ ናብዩ። ናብራ ስደት እንድሕሪ ከምዚ ኣብዚ ደርፊ ዝበሃል ኮይኑ ደኣ በየን ተረኸበ ወዮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማታት ብስም እስራኤል፡ እንዳ ጀርመን ወዘተ ዝጽዋዕ ዘሎ ኣባይቲ ተሃኒጹ። ሕራይ እቲ መንእሰይስ ዘብልጭል ነገራት ኣታሊሉዎ ንበል እቲ ካልእ በዓል ሞያ ኸ ኣይፓድን ላፕቶብን ካልእ መጋየጺ ኣብሂጉዎ። እቲ ሚንስተር ከ ካብ ሚንስተር ንላዕሊ ስልጣን ደልዩ ኣብ ስደት፡ እቲ ኮለኔል ከ ናይ ጀነራል መዓርግ ኣሎ ኢሎሞ ኣብ ስደት?
እዛ ደርፊ ንሓድሕዶም ዝጋጨው ዛዕባታት’ያ ተአንግድ። ናብራ ስደት ወርቂ ከይመስለካ ገነት ከይመስለካ ክበሃል ዝጸንሐ ስደተኛ ኣብ ዝቕጽል ከኣ ከምዚ ተባሂሉ’ሎ
ወስን’ንዶ በል ብዓቕምኻ ንበር
ቅድሚ ሃገር ንነብስኻ ኣይትንበር
ፈታዊ ነብሱ ምቾት ዘስድዓካ
ገጣሚ ንበሎ እዘን ነቀውቲ እቲ ናብራ ስደት ምቾትን ወርቅን ከም ዘለዎን ምስቲ ናይ ድኽነት ናብራ ሳልሳይ ዓለም’ውን ዘራኽብ ከም ዘይብሉ ብውሽጦን ጽቡቕ ጌሮም ዝረዓምሉ ከም ዝኾነ ኣብ ዝቐጸለ ነግሒ ይኽሻሕ።
“ናብራ ስደት ወርቂ ከይመስለካ ዝተባህለ” ስደተኛ “ፈታዊ ነብሱ ምቾት ዘስዳዓካ ኢዩ “ተባሂሉ። ምችቶ የለን ክብሉ ዝጸንሑ ነቀውቲ ምችቶ ግን ኣሎ ምእንቲ ሃገር ነብስኻ ኣሕስም ድሕሪ ምባል ፈታዊ ነብሱ ብምባል ናብ ምጽራፍ ኣትዮም። ወዮ ደኣ ንጎይታኡ ከሐጉስ ዳም ዳም ዝብል ፍጡር ሓንጎሉ ኣይጥቀመሉን’ዩ እምበር ነብሱ ዘየፍቅር ሰብ ንዋላ ሓደ ክኸውን ከም ዘይክእል ዝተሰወጦም ኣይመስሉን። ኩሉ ጽቡቕ ነገር ከኣ ድሕሪ ንብስኻ ምፍታው ኢዩ ዝጅምር። እንድሕሪ ንነብስኻ ዘይሓሊኻላ ንኻልእ ክትሓሊ ዝከኣል ኣይኮነን። ከምቲ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ስብሓት ገብረ እዝጋብሄር ዝበሎ ነብሱ ዘየፍቅር ሰብ ንሃገር ኣይከውንን’ዩ ልዕሊ ነብሰይ ሃገረይ የፍቅር’የ ዝብል ሰብ እንተልዩ ሓሳዊ’ዩ ፈለማ ነብሱ ደሓር ሃገሩ’ዩ ዘፍቅር ንነብሱ ክጠቅም ከኣ ንሃገሩ ይጠቅም።
ብዘይ ታሪኽ መዘከሪ የብልካን
‘ታይ ተባሂሉ ክትረኽ ታሪኽካ
ፈታው ነብሱ ሓመድ’ዩ ሰፈርካ።
ጸሓፍቲ ታሪኽ እንድሕሪ ኢሳያስን ሰዓብቱን ኮይኖም ኣብ ኤርትራ ዝጸሓፍ ታሪኽ’ውን ኣይክህሉን’ዩ። ረብሓ ውልቀ መላኺን ውሕዳት ደቂ መዛምርቱ ጀነራላትን ንኽሕሉ ክብል ብስም ህንጸት ሃገር ኣብ ጊላነት ዝነብር ሰብ ዝጸሓፈሉ ታሪኽ ክህሉ ኣይክእልን’ዩ። ህግደፍ ታሪኽ ይድምስስ እምበር ታሪኽ ኣይጽሕፍን’ዩ። በዓል ጴጥሮስ ሰለሙን፡ድሩዕን ዑቕበ ኣብርሃን ካልኦት ገዳይም ሰብ ታሪኽን ጽባሕ ዝተኣስሩሉዶ ኣይኮነን ስሞም ካብ ዝኾነ መዝገብ ታሪኽ ክእለን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ከይጥቐስ ዝተገብረን። ታሪኽ ኣብ ምድምሳስ ከም ህደፍ ዝቕልጥፍ ስርዓት ዘሎ ኣይመስለንን። ኣብ ሳዋ ኣብ ዝተኻየደ ቦኽሪ ፈስቲቫል መንእሰያት (ሓምለ 2004) ሓደ ካብቲ መደባት ንጥፈታት ሃማመተኤ ዘርኢ ስእላዊ ኤግዚብሽን ነበረ። ኣብቲ ኤግዝብሽን ስእሊ’ቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝጠንጠኖም ኣቦ ወንበር ማሕበር ማሕየዲን ሸንገብ ብጌጋ’ውን ሓንቲ ኣይነበረትን። ነዚ ዝተዓዘበ ሓደ መንእሰይ “ኣነ ዝገርመኒ ከመይ ጌሮም ንማሕየዲን ሸንገብ ካብዚ ኩሉ ስእልታት ኣልዮሞ” ክብል ክዛረበኒ እዝክር።
ሓደ እዋን ክሳዕ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ተመራማሪ ታሪኽ ንሓንቲ ኣብ ሳሕል ምስ ኣዴታት ዝነበረት ገዲም ኣደ ቃለ መሕትት ክገብረላ ናብ ገዛኣ ድሕሪ ምኻድ ምሉእ መዓልቲ ከዕልላ ወዓለ። ኣደ ከኣ ኣስማት ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ዑቕበ ኣብርሃን ድሩዕን ብተደጋጋሚ እናጠቐሰት እቲ ትፈልጦ ታሪኽ ኣዘንተወትሉ። ሽዑ ሓታታይ ዕላሉ ወዲኡ ክወጽእ እንከሎ “ኣደይ ንዝገበርክናለይ እግዶት ኣመስግን፡ ይኹን እምበር እዚ ክሰምዖ ዝወዓልኩ ታሪኽ ኣየውጽ ኦን’የ ኣስማት በዓል ድሩዕ ኣብ ጽሑፍ ክጠቅስ ኣይፍቀደንን’ዩ” ምስ በለን ጎረባብቲ ክእክብ ዝኸኣለ መሪር ኣውያት ደርጉሖ።
ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ሓንቲ ጽብቕቲ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ንፉዕ ደራሲ መጽሓፍካ ከነሕትመልካ እንተኾነ ኣብቲ ቅድሚት ተጠቒሱ ዘሎ ዑቕበ ኣብርሃ ስሙ እለዮ በልዎ። ብኸምዚን ወዲ ኸምዝን ታሪኽ ዝድምስስ ስርዓት ዝጽሕፎ ታሪኽ ክህሉ ስለዘይክእል ጸሓፊ ሕደማን ነቀውትን ደቂስኩም ኣለኹም ጥራሕ’ዮም ክበሃሉ ዘለዎም።
ጸሓፊ ሕደማ ምስ ተፈጥሮን ክውንነትን ኣብ ኩሉ’ዩ ባእሲ ገጢሙ። ወዲ ሰብ ይሃብትም ይድከ በዓል ታሪኽ ይኹን ኣይኹን ኩሉ ፍጡር ወዲ ኣዳም ይውዓል ይሕደር ናብ ሓመድ’ዩ። ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ሓመድ ኢኻ እሞ ናብ ሓመድ ኢኻ ዝበሎ ኣብ ሓመድ ዘይሰፍር ፍጡር ክህሉ ስለዝይክእል እዚ ግጥሚ ብሃበ ተረኽበ ዝተጻሕፈዩ ኢልካ ምሕላፍ ጥራሕ ይቐልል። ኣብዚ ስሙ ክጠቕሶ ዘይደሊ ሓደ ዜጋ ሓደ እዋን ንምረት ስደት ስዑድያን ካልእን ዝምልከት ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ዝዝንቶ ዝነበረ ጽሑፍ ከም መጠቓለሊ ጋዜጠኛ ዓብደልቃድር ኣሕመድ ቃለ መሕትት ምስ ገበረሉ ገለ ካብቲ ዝዕርዕር ብስደት እዚ መንእሰይ ንምውራዛይ ዝተዛረቦ “ክብረት ኣብ ሃገርና እናነበርካ ሙማት ሕሰረት ከኣ ኣብ ስደት ሞይትካ ሬሳኻ ኣብ ሳንዱቕ ናብ ሃገርካ ክ ኣቱ ከሎ” ዝብል ይርከቦ ኔሩ። እዚ ተጠቃሲ ይትረፍዶ ኢሳያስ ከሎስ ኢሳያስ ምስ ከደ’ውን ናብ ስደት ዘምርሕ ይመስል ኣይነበረን። እንተኾነ ኣዛራቢ ዛዕብኡ ከይተረሰዐ ቃለ መሕትቱ ሒዛ ዝወጸት ጋዜጣ መጠቕለሊ ኣረቂ ኮይና ከይተደርበየትን ኣብ ሽቓቕ ከይተረኣየትን ንሱ ሱዳን’ዩ ተራእዩ። ሃደኑኒ ቀተሉኒ ክብል ከኣ ተሰምዐ።
ብዛዕባ እዛ ደርፊ ብዙሕ ተባሂሉላን ክበሃለላን’ዩ። ኢሳያስ ደበሳይ ብቐደሙ’ውን ከም ስነጥበበኛ ዘቁጽር ክእለትን ሕልናን ኣይተዓደለን። ኣቐዲሙ ብዘቕረቦ ኣብ ባይታ ዘየሎን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ፍርያት ሰብ ዝኣክል ክዒቡዎን ንስርሑ ኣናሽዩዎን’ዩ። ልማደኛ ልማዱ እንተገበረ ዘደንቕ ኣይኮነን። እምበር ገዝኦም ረመጽ ኮይኑዎም ናብ ስደት ዘምርሑ ደቂ ገዛውቱ፡ ኣዝማዱ፡ መተዓብይቱን ኣብ ሙዚቃ መሳርሕቱን ገለን ቀለብ ዓሳ ኮይኖም ዝተረፉ ገለን ኣብ ስደት ዝሰፈሩ ብዙሓት ከም ዝኾኑ ርዱእ’ዩ። እንተ እተን ከይዓንበባ ንኽሓራ ዝተፈርዳ ክልተ ደቂ የውሃንስ ግን በቲ ዝወዓለኦን በዚ ሕጂ ዝወረደን ክሳራ እሓዝን። ፈጣሪ ንዝተዋህበን ግጥሚ መርሚሩ ክነጽግዕን ክቕበልን ዝመሚ ኣእምሮ ዝዓደለን ሰባት ብምዃነን ድማ ኣብታ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ልቢ ምስ ገበራ ንነብሰን ባዕለን ጥራሕ’የን ክሓፍራላ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleካብ ዕባራ ግጥሚ እተመዅለየ ስዲ ሓሳብ
Next Article ግድል ኣሎ … ፍታሕ ኣሎ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?