Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ቅኒት ብርዒ»ይስሓቕ ኣብርሃም – እቲ ሙዚቀኛን መምህርን

ይስሓቕ ኣብርሃም – እቲ ሙዚቀኛን መምህርን

0
By Mekonnen T. on July 10, 2020 ቅኒት ብርዒ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email
ስውእ መምህር ይስሓቕ ኣብርሃም ሓደ ካብቶም ኣብ ዓውዲ ሙዚቃ ሃገርና ዓቢ ኣበርክቶ ዝፈጸሙ እዩ። ንመምህር ይስሓቕ ብቐረባ ክፈልጦ ብምኽኣለይ ካብቲ ዕድለኛ ዘብለኒ እዩ። ኣብ ሓደ ዎርክሾፕ ብዛዕባ ትምህርቲ መዋእለ ህጻናት ኣብ ዝዘተየ ኢና ዝተራኸብና። ሽዑ ከምዚ ክብል ተዋዝዩለይ።
“ሕማቕ ኢሳቕ የለን ይብሉ ኣባ ኢሳቕ። ስለዚ ኣይትሕመቕ!”
መምህር ይስሓቕ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኣብ ፓራዲዞ (ስታውያን) ኣብ ዝቕመጠላ ዝነበረ ቤት እናምረሐ ዘዕለለኒ ብዙሕ እዩ። ንሱ በቲ ኣብ ሙዚቃ ዘለዎ ፍልጠት: በቲ ውዑይ ዝኾነ ባህሪኡ ኣሰንዩ ክነግረኒ ከሎ እምብዛ ተምሳጥ የሕድረለይ። ነቐፌታ ከኣ የዘውትር ኔሩ። “ከምዚ ክግበር ኣለዎን ኔርዎን” ዝብሎ መሊኡ እዩ። ካብ ኣፍልጦን ቅንዕናን ዝብገስ ስለ’ቲ ምዃኑ እፈትወሉ እየ።
ብዛዕባ መምህር ይስሓቕ እቲ ዝፈልጦ ድሩት’ኳ እንተኾነ: ንኻልኦት ግዱሳት ነበብቲ ዘሎኒ ከካፍል እየ መሪጸ። ነዚ ዝደረኸትኒ ሓፍትና ኣኽበረት ግርማይ እያ። ንሳ ኣብዚ ለንቅነ ነዚ መሰነይታ ስእሊ ጌረዮ ዘሎኹ ኣሰንያ ዝኽራ ኣሓዲሳ። ንኣኪ ብዙሕ’የ ዘመስግና – ስለ ዝኽራን ስእላን!
ናብቲ ኣበርክቶን ሱታፌን መምህር ይስሓቕ ክሓልፍ።
* “ገረንሲት ሩባ ሞት” ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ስሳታት ኣቢላ እተሓትመት እያ። ደራሲኣ መምህር ይስሓቕ ኣብርሃም ባዕሉ እዩ ዝነበረ። መምህር ይስሓቕ ነዛ መጽሓፍ ቅድሚ ንሜዳ ክጋደል ኢሉ ምውጽኡ እዩ ዝጸሓፋ።
* መምህር ይስሓቕ ተኸታሊ እምነት ፕሮቶስታንት (ከኒሻ) ከም ምዃኑ መጠን ኣማኢት መዝሙራት ዘሚሩን ኣዘሚሩን እዩ።
* ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ ሙዚቃ ብፍላይ ድማ ኣብ መዛሙር ምፍራይን ምስናድን ዝለዓለ ተራ ተጻዊቱ። ንኣብነት እቲ ናይ ቀደም ኣብ ግዜ ስሳታት ዝዝመር ዝነበረ እንደገና ብምጽዋት ንተማሃሮ የዘምሮም ኔሩ።
– “ሰላም ሰላም ሰላም ኦሆ ቤት ትምህርተይ
ካባኺ ተፈልየ: ክረምቲ ዕረፍተይ…”
– “ኢሳቕ ሓወይ ደቂስካ… ደውላ ቃጭላ.. ዲን ዶን ዳን”
ወዘተ!
እዝን ኣዝዩ ብዙሕ መዛሙራትን ኣብ ከብሕታት ሙዚቃ ላይብረሪ ናይ ድምጺ ሓፋሽ ኣሎ። መደብ ቈልዑ ኣብ ራድዮ ከነዳሉ እንከሎና ንፍንዎ ኔርና።
– ሓደ ካብቶም ግዱሳት መማህራን ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኰይኑ ንብዙሓት ሰብ ሰውራ ፍልጠቱ ኣጨቢጡን በዚ ዝንባሌ ንኽቕጽሉ ደሪኹን።
* “ኤርትራ ኤርትራ: ብዓል ደማ እናልቀሰ ንኽለቃ
ህይወትና ነሕልፈላ ኣሎና ደቃ”
እዚኣ ኣብ ግዜ ሜዳ ትዝመር ዝነበረት እያ። ብድሕሪ ሓርነት ድማ በዚ ዝስዕብ ተማሓይሻ ቀሪባ:-
“ኤርትራ ኤርትራ ብዓል ደማ እናልቀሰ ተደምሲሱ
መስዋእታ ብሓርነት ተደቢሱ”
እምብኣር ኩልና ከም ዘይንስሕቶ እዚኣ ድሮ ሃገራዊ መዝሙር ኰይና ትርከብ። ጸሓፊ ግጥሚ ሰሎሞን ጸሃየ ክኸውን እንከሎ: ዜማ ኸ ብመን ዝተዳለወት ይመስለኩም? መምህር ይስሓቕ ኣብርሃም ምስ ኣሮን (ወዲ ነብያት) ብምዃን እዮም ዜማ ኣውጺኦሙላ።
* ድሕሪ ሓርነት ኣብ መጀመርያ ቴስዓታት ትምህርቲ ሙዚቃ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ተኣታትዩ ኔሩ። ቀንዲ መምህር ዝነበረ ኣብቲ እዋን ከኣ መምህር ይስሓቕ እዩ።
* ኣብ ትካል ምስልጣን መማህራን ከም መምህር ሙዚቃ ንነዊሕ ዓመታት ምሂሩ እዩ።
* መምህር ይስሓቕ ሓደ ካብ መስረትን ኣካየድትን ማሕበር ሙዚቀኛታት ኤርትራ እዩ።
* ሓንቲ ናይ መዝሙር ካሴት ብዛዕባ ስውኣት እትጠቅስ እውን ኣሕቲቱሙ ተዘርጊሓ እያ።
* መምህር ይስሓቕ ኣብርሃም ብዝሓደሮ ሕማም ብመስዋእቲ ተፈልዩና እዩ። እዚ ንኽብርቲ ብዓልቲ ቤቱ: ቤተሰቡ: ተጋደልቲ: ተማሃሮ: ሙዚቀኛታትን ኣፍቀርቲ ስነጥበብን ዓቢ ክሳራ ከም ዝኾነ ኣይሰሓትን። ኣምላኽ ኣብ ገነቱ ይቀበሎ።
እዚ ኩሉ ዝጠቐስኩዎ ኣበርክቶ: ካብቲ መምህር ይስሓቕ ኣብርሃም ዝፈጸሞን ዘፍረዮን ብኣዝዩ ውሑድ መጠን እዩ።
እታ ሓንቲ ሕቶ እትመላለሰኒ ናብቶም ብቐረባ ንመምህር ይስሓቕ ዝፈልጡዎ ዝቐንዐት እያ።
“ክሳብ ሕጂ ምስቲ ዕዙዝ ኣበርክቶኡ ብዝዳረግ መዳዩ መምህር ይስሓቕ ተጠቒሱ ዶ ትብሉ? ስለምንታይ?” ብዛዕባ መምህር ይስሃቕ ክእለቱን ኣበርክቶኡን እቶም ብዙሕ ብዛዕባኡ እትፈልጡ ኣብዝን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትን ተወሳኺ ክትብሉና ተስፋ እገብር።
ሰሰናዩ ንኣኻትኩም ግዱሳት ነበብቲ!
ይስሓቕ ኣብርሃም
ሳስካቸዋን – ካናዳ
Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleገምጋም መጽሓፍ ኦሮማይ
Next Article ካብቶም ሰብ ስልጠና ስነ-ጽሑፍ!
Mekonnen T.

Related Posts

“ኣብ መንጎ ክልተ ብኡሳት እቲ ሳልሳዮም ይረብሕዶ”

November 29, 2020
Read More

ከቶ ንጽባሕ ዝፈልጣ የለን

November 14, 2020
Read More

ነቲ ሓቂ ኩሉ ይፍለጦ

September 14, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?