Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ዝኽሪ ዜማ : ሓይሊ ዜማ መለይ ኣብ ክውንነት !

ዝኽሪ ዜማ : ሓይሊ ዜማ መለይ ኣብ ክውንነት !

0
By Mekonnen T. on October 22, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ማይኮ ተኽለ

ኣብቲ ሃታ ሃታ ፡ ሸለብ ገለብ ዝዓብለሎ ጉዕዞ ፡ ነቲ ሳላ ወርሒ ብኸፊል ዝሃሰሰ ጸላም እናፈraሕናዮ ክነስና ፡ ልዕሊኡ ግብ ዝበለ ጸላም ክንገጠም ተበጊስና ምንባርና ትዝ ይብለኒ ። ሸውዓተ ኣባጽሕ መንእሰያት ፡ ኪኖ ጸላም ካልእ ንፈርሖ ነገር ስለ ዝነበረና’ዩ ፡ ልዕል’ቲ ዝነበርናዮ ህሞት ዝውክል ግብ ዝበለ ጸልማት ዘመነየና።

ሓንጎለይ፡  ዝተፈላለዩ ዓይነታውያን ሓሳባት ተጻዒኑ ፡ ምስ ቕልጣፈ ህርመት ልበይ ብዝለኣኹ ወሓይዝ ደመይ ፡ ብመገዲ መትንታት ኣካለይ ፡ ኣብ ርእሰይ ዝተተርጎሙ ስምዒታት ፡ ኣብ መላእ ኣካላተይ ውጽኢት ብምፍጣር ፡ ፍርሒ ፡ ምንቕጥቓጥ ፡ ሕሉፍ ዝኽሪ ፡ ምድንፋቕን ኣስተንትኖን ኪኖኡ ሰጊሩ ውን ናይ መጻኢ ጉዕሂወት / ዝበኣሰ ናፍቖትን ብድሆን እናስኣለ ፡ ኣደዳ ራዕድን ካልኦት ክትገልጾም ዘሸግሩ ስምዒታትን ገይሩኒ ምንባሩ ፡ ካብቲ ኣብ ውሽጠይ ተሰኒዱ ዝተረፈ ማህደር ዝኽርታተይ እናሻዕ ንድሕሪት ምልስ እናበልኩ እንክነቦ ፡ ቕጅል ይብለኒ ።

ናብቲ ንኽንበጽሖ ዘንቀልናሉ ቦታ ንኽንበጽሕ ዝተርፈና ርሕቀት ብንጹር እካ እንተዘይ ፈለጥናዮ ፡ ብመንጽር እቲ ሸፊንናዮ ዝነበርና ርሕቀት ብምግማት ግን ቀሪብና ክንከውን ከም እንኽእል ክግምት ኣብ ዝጀመርኩሉ እዋን እምብኣር’የ ካብቲ ዝተዘባረቐ ሓሳባት ተናጊፈ ፡ ኣብ ሕሉፍ ሂወተይ ብምትሕሓዝ ንዝነበርኩዎ ጉዕዞ ከስተንትን ዝጀመርኩ ።

ብሃንደበት ድማ’ያ እታ ምስ ህሉው ኩነታተይን ተበጊሰዮ ዝነበርኩ ጉዕዞይን ምስናዩ ክትሕግዘኒ ዝመጸት ክትመስል ፡ ኣብቲ ትዝታዊ ምስልሳለይ ጎፍ ዝበለትኒ ደርፊ ተሓጊዘ ኣብ ዲቕ ዝበለ ኣስተንትኖ ዝጠሓልኩ ። ”መለይ” ።

 

መለይ ከይደ’የ ከይደ……

ናበይ ኣይትሕተትኒ….

ናይ ሂወት መርከብ …ሂዛትኒ ነቒላ…

 

ሂወት ብዘይ ትርጉም ስለ ዘይትፍጠር ፡ ትርጉም ሂወት ንምስልሳል ፡ ኣብ ናይ ምንባር ጉዕዞ ብብቕዓት ክስጉም ስለ ዝግብኣኒ ፡ ኩሉ ተፈጥሮኣዊ መስመራት ሂወት ተኸቲለ ፡ ዓቕሚ ኣዳም ኣብ ዝበጻሕኩሉ እዋን ፡ ብኣካድሚያዊ ብቕዓተይ ውን ክዓቢ ስለ ዝነበረኒ ኣብ ዝሓልፎ ዝነበርኩ ምስልሳል ሂወት ፡ 11ክፍለ ትምህርተይ ብምጥንቓቕ ፡ ሃገራዊ መልቐቒ ፈተና ተኻፊለ ክዓብየሉ ኣብ ዘኽእለኒ ባይታ ንምብጻሕ ፡ ኣብ ዝጽዕረሉ ዝነበርኩ እዋን ዓመተ 2003 ፡ ሓፈሻዊ ካሪክለም ሃገርና ከም ዝተቐየረን ፡ ካብ 11 ናብ 12 ምቕጻል ክህሉ ምኻኑን ፡ ንሱ ድማ ኣብ ወተሃደራዊ መደበር ተዓሊም (ሳዋ) ኮይኑ ፡ እቲ ሃገራዊ መልቐቒ ፈተና ውን ኣብኡ ከምዝካየድን ፡ ብመንገዲ ሓለፍቲ ቤት ትምህርትናን ማዕከናት ዜና ሃገርናን ክንገረና ዝጀመረ።

ካብታ ህሞት እቲኣ ጀሚሩ  እምብኣር’ዩ ዝተበገሰ ጻዕርታተይ ክዳኸም ዝተፈለጠኒ ።

 

ነገር ዝበሉኻ ግበረሎም ኮይኑኒ ድማ …ከም ኩሉ ተመሃራይ ንሳዋ ወሪደ ።

ካብቲ ብስሩዕ ፡ ብኣላይነት ወለደይ ተማእኪለ ዝተኸታተልክዎ 11 ክፍልታት ፡ ፍልይ ብዝበለ ድማ ፡ ንኣስታት 4 ኣዋርሕ ዝወሰደ ጽዕጹዕ ወተሃደራዊ ተዓሊም ድሕሪ ምዝዛም ፡ እቲ ዝተባህለ መበል 12 ክፍሊ ኣከዳሚያዊ ትምህርቲ ብ ኣላይነት ወተሃደራውያን መራሕተይ ክከታተል ዝፈለምኩ ። ኣብቲ እዋን እቲ ፡ እቶም ብቐንዱ ነቲ መደብ ዝሓንጸጹ ኣካላት ምኒስትሪ ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኮኑ ኣነ ውን እንተኾንኩ ነዛ ነብሰይ ኣይሓገዝኩዋን ። ነቲ ኣኽብሮት ዝመሰረቱ ፡ፍርሃትን ተኣዛዝነትን ወለደይ ተደሪኸ ዝገብሮ ዝነበርኩ ጻዕርታት ክዕቕቦ ኣይክኣልኩን ። ነዛ ብብቕዓት ኣተሓሳስባ መሊሳ ዝተዳኸመት ነብሰይ ፡ ኩሉ ዝመለኸት ብቕዕቲ ገይረ ድኣ ቆጸርኩዋ ።

ኣብ ክንዲ ነቲ ዘጋጠመ ብድሆ ክስዕር ውልቓዊ ጻዕርታተይ ዘሐይል ፡ ኣብቲ ክገብሮ ዝግብኣኒ ንጥፈታት ድኣ ንዕቀትን ሸለልትነትን ኣሕደርኩ ። ካብ ዘፍቕሮምን ዘኽብሮምን ዝፈርሆምን ወለደይ ተገሊልካ ምንባር ናብ ካልእ ኣዕናዊ መኣዝን መረሐኒ ። ሓደሽቲ ልምድታትን ባህርያትን ከማዕብል ግዜ ኣይወሰደለይን ፡ ኣብቲ ናብቲ ዝነበርክዎ ቦታ ኣምጺኡኒ ዝተባህለ ጉዳይ ኣካዳሚ ሓንቲ ቁምነገር ከይገበርኩ ግዜ ተዛዚሙ ፡ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ኣርከበ ። ኣብቲ እዋን እቲ ፡ ገና ኣብቲ ብኣማኢት እንቑጸር ተመሃሮ ኣብ ሓደ ዓቢ ሃንገር ፡ ብ ናይቲ ሽዑ ዝነበሩ መምሃራንናን  ወተሃደራውያን ዓለምትናን እናተሓለና ፈተና ንገብረሉ ዝነበርና እዋን ፡ ምስቲ መፈተኒ ወረቐት ገጽ ንገጽ ምስ ተፋጠጥኩ’የ ውጽኢተይ ፈሊጠ።

ኣብቲ እዋን እቲ ፡ ኣብ ሂወት ሕማቕን ጽቡቕን መስርዑ ሓልዩ በብእዋኑ ከምዝመጽእ ፡ ምስ ተመኩሮታተይን ምውሳኽ ዕድመይን እናስተባሃልኩሉ ክመጽእ ጀመርኩ ። ንነገራት ድማ ብደቒቕ ከገናዝብ ጀሚረ ። ጉዳይ ትምህርቲ ፡ ኣባይ ጥራሕ ዘይኮነ ፡ ብቐንዱ ኣብቲ  መሰረት ማለት ውሳነ ምኒስትሪ ትምርቲ(ምቕያር ካሪክለም) ከምዝሞተን ዓይነታዊ ውጽኢት ውን ክርከቦ ይኽእል ከምዘይምኻኑን  ፡ ኣብኡ ብግብሪ ተኻፊለ ርእየዮ’የ ።

ሓይሊ መንእሰይ ብጉልበት ጥራሕ ዘይኮነ፡ በተሓሳስባ ውን መወዳድርቲ የብሉን ከም ዝብሃል፡ ከም ኩላቶም ከማይ ዝኣመሰሉ መንእሰያት ተማሃሮ፡ ኣብታ ዝሓለፍኩዋ ንእሽቶ ተመኩሮ ተሞርኪሰ ፡ እቲ ካልእ ዝበዝሓ ክፋል ፡ በቶም ንዓመታት ብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከርተት ዝበሉን ዝብሉ ዝነበሩን ኣያታተይ ክወስድ(ክምሃር) መሪጸ ። ትእዛዝ መንግስቲ ተኸቲሎም ኮነ ጥሒሶም ፡ ዝሓልፍዎ ዝነበሩ ከልበትበት ፋይድኡ ሓደ ዓይነት ውጽኢት ከምዝነበሮ ድሮ ተገንዚበ’የ ።

ካብኡ ብምብጋስ ድማ’የ ፡ ከም ሰብ ትርጉም ምፍጣረይ ኣብዛ ዓለም ፡ ኪኖ መንግስቲ ኪኖ ሕጊ ከይደ ፡ ናይ ውልቀይ መስመር ክሕዝ ዝፈተንኩ ።

ክሰርሕ፡ ክጽዕር ፡ ክዓቢ ፡ ማዕረ ማዕረኡ ውን ነቶም እርጋን ኣርኪብዎም ክነሱ ፡ ገና ንዓይን ነቶም ንዓመታት ኣብ ሃገርራዊ ኣገልግሎት ዝተጸምዱ ኣያታተይን ፡ ኣብ ዝብጻሕ ከብጽሑን ገና ውን ክኣልዩን ከርተት ዝበሉን ገና ዝብሉ ነበሩን መሳኪን ወለደይ ንእሽቶ ሓገዝ ከበርክት ፡ እና ተሓበእኩን ተሸቕረርኩን ኣብታ ናተይ ዓለም ምንባር ጀሚረዮ ። እቲ ምሕባእ እቲ ምፍራሕ እቲ ምሹቕራር ከም ሃገራዊ ጉቡአይ ወሲደ ፡ በታ ዝተኸተልኩዋ መስመር ምስ ናብራ እናተቓለስኩ ድሮ ክልተ ዓመታት ኣቑጸርኩ ።

ኣብ ዓሳታት ዝበዝሕዋ ባስካ ጥሒለ ዝርከብ ንእሽቶ ስጋ ምንባረይ ፡ሓንቲ ምዓልቲ ድማ ክብላዕ ሙኻነይ ይፈልጥ ስለ ዝነበርኩ ፡ ምስ ተገፈፍኩ(ምስ ተተሓዝኩ) ኣይሰንበድኩን ። ንኹሉ ዝጽበየኒ ዝነበረ ነገራት ድኣ ብትብዓት ክምክቶ ንነብሰይ አእመንኩዋ ። ከም ሰበይ ድማ ብመንገዲ መደበራት ፖሊስ ፡ ዓዲ ኣቤቶ ፡ ትራክ-ቢ ን ኣቢለ ናብ ሓፈሻዊ ተሃድሶ ምዓስከር ሳዋ ማለት 6ይ ብርጌድ ሰጠምኩ ። ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ድማ፡ ካብኡ ወጺኣ ፡ ኣብ ጎላጉል ሩባ ሳዋ ዝነበራ ጀራዲን ሽጉርቲ ክዘርእ ተመደብኩ ። ብኹሉ መለክዒታት እቲ ዝሓለፍኩዎ ዘበለ ፡ ን ገጸ~ሂወት ብኹሉ መልክዓ ክርእያ እካ እንተገበረኒ ፡ ዝሓለፍኩዎ ከርተትን ማእሰርትን ኣብ መንፈሰይ ዝገደፎ በሰላ ግን እቲ ዝዓበየን ዝጸለመን ክፋል ተመኩሮይ’ዩ ።

ምስ ሩባ ሳዋን ሽጉርትን ብዙሕ ኣይጸናሕኩን ፡ ሽዑ ዝጀመርኩዎ ጉዕዞ ድማ’ዩ ፡ ኣብቲ  ዘይውዳእ በዳሂ ርሕቀቱ ፡ ዝተፈላለየ ስምዒታት ፈጢሩ ናብዛ ዜማ ዘጥሓለኒ…. ።

ሓይሊ’ዛ ዜማ እዚኣ ፡ ነዊሕ ሰራውር ሰዲዱ ብዑምቀት ክውንነተይ ክፍትሽ ገይሩኒ’ዩ ። ንህሉው ኩነታተይ ምስ ሕሉፍ ዝኽርታተይ ብምትእስሳር ድማ ነተን ቀዳሞት ሓረጋት ብልበይ ደገምኩወን ።

RimYeremarim

መለይ ከይደየ….ከይደ…

ናበይ ኣይትሕተትኒ…….

ናይ ሂወት መርከብ…..

ሒዛትኒ ነቒላ……..

 

……ነታ ፡ ዘፍቕሮም ወለደይ፡ ዝምክሓሉ ባህለይ፡ እንተሓመቕኩ ካ ደርብዩ ዘይድርብየኒ ሕብረተሰበይን ወዲቐዮ ዘይሃስየኒ ኣከባብየይን ….ኮታስ ኩሉ ነገረይ ዝርከበላ፡ ክነብረላ ዝተፈጠርኩላ መፈጠረይ ዝኾነት ”መለይ” ገዲፈ ሃጽ ይብል ከምዝነበርኩ ብዕምቖት ተሰቂጡኒ ። ብመንፈሳዊ ስምዒት ድማ ተላብየያ ንመለይ ፡ ናይ ሂወት መርከብ ሒዛትኒ ከም ዝነቐለት  ናቆዘምኩ ፡ ”ናበይ ፧” ቢላ ከይትሓተኒ ድማ እንዳ ተተስፈኹን ፡ ኣዚመላ ንመለይ ።

እታ ትርጉም ምፍጣረይ ንምዕቃብ ፡ ሓርኮትኮት ኢለ ሰብኣውነተይ ከመስክረላን ክነብረላን ተማሂረን ሰሪሐን ተልእኾ ምፍጣረይ ከሰላስለላ ዘይከኣልኩ ”መለይ” ፡ ንግዚኡ ክገድፋ ይግደድ ምንባረይ ፡ ”ናበይ ፧” ኢላ ክትጥይቐኒ ኣይደለኹን ፡” መለይ” ከምቲ ናይ ልበይ ሰሚዓ ዘይሓተተትኒ ፡ ኣነ ውን ናይ ልባ ሕቶ ምኻኑ ተገንዚበ ስቕ ኢለ ክቕጽል ነብሰይ ኣይገበረለይን ፡ ነታ ዘይደለኹዋ ሕቶ ድማ ባዕለይ መለስኩላ  ፡”ናይ ሂወት መርከብ ሒዛትኒ ከይዳ….” ኢለ ኣተምቢሀላ  በቃ ።

 

ስምዒታት መለይ ዋላ ካ ብቓላ ኣይተውጻዮ ፡ ብልቢ ግን ይሰምዖ ነይረ’የ ። ሕንቕንቕ ኢላ መለይ ሕማቕ ተሰሚዕዋ ፡ እንተ ኣነ ብዝሓደራ ስምዒት ዋላ ካ ልበይ እንተተተንከፍኩ ፡ ንድሕሪት ግልጽ ክብል ግን ኣይመረጽኩን ፡ ከም ሰይቲ ሎጥ ዓንዲ ጨው ኮይነ ከይተርፍ እካ ስክፍታ እንተዘይነበረኒ ፡ ንምንታይ ስጋብ ክንድኡ ከም ዝጨከንኩ ግን ፡ ብመንገዲ እዛ ዜማ ነጊረያ’የ ነመለይ ፡

 

ተወረድኩ ባሕሪ’ዩ ……

ውሽጣ ክቕይር ክፍትን

ከስፍሕ ጽላላ……

 

ምድንፋቕ ኣሰኒፉኒ እንተተጣዓስኩ’ሞ ፡ ካብታ ዝተወጣሕኩዋ ናይ ጉዕዞ መርከብ እንተወሪደ ፡ ማለት ንድሕሪት እንተተመሊሰ ፡ ኣብቲ ሰፊሕን ዓሚቕን ባሕሪ ሰጢመ ከም ዝተርፍ ኣንዳዕዲዓ ይፈልጥ ኔረ’የ ። ስለዚ ድማ ኣብዚ ተበጊሰዮ ዘለኹ ጉዕዞ(መርከብ ስደት) ተወጢሓ ውሽጣ ከም ዝኾነለይ ክቐያይር እናፈተንኩ ጽላላ ምስፋሕ ከም ዝሓዝይሽ ዝተረዳእኩ ።

እንተ ነመለይ ግን ፡ ግዝያዊ ኩነታት ንምብዳህ ምስ ገጻት ሂወት ፊተፊት ገጢመ ካ ንግዚኡ ይገድፋ እንተነበርኩ ፡ ከም መንነተይን ደመይን ኣብ ውሽጠይ ሰፊራ ምሳይ ከምትነብርን ኣነ ውን ኣብኣ ከምዝነብርን ፡ በታ ልእምቲ ኣስተንታኒት ዜማ ኣቢለ፡ ከምዚ እናበልኩ ቃል ኣትየላ’የ …..

 

” ከናድየኪ’የ መለይ ዕንባባ…..

…..ሩባ ሰጊረ ኩርባ……

ክረኽበኪ፡ ኡፎይ  ክብል መርሓባ” ።

 

ካብ ግምተይ ብዝዛየደ ፡ እቲ ተሪፍና ዝነበረ ርሕቀት ሓጺሩ’ካ ኣይብሎን መሬት ኣብ ምውግሑ ግን ፡ሓንቲ ካብ ገጠራት ስደት ረገጽና ።

ሓይሊ’ታ ዜማ ፡ መንፈሰይ ገዚኡ ነቲ ርሕቀት ከምዘየስተብህለሉ እካ እንተገበረኒ  ፡  ድኻም እቶም ብጾት መሳድድተይ ኣብ ገጾም ተንጸባሪቑ ፡ እቲ ሓጺር ዝመሰለኒ ንዓይ ፡ ኣመና ነዊሕ ምንባሩ ክርዳእ ኣየጸገመንን ። ኣነ ውን እንተኾንኩ ፡ መንፈሰይ ድኣ ምስ ሀሉው ኩነታቱ ብምትእስሳር ኣብ ምስትንታን እታ ዜማ ጥሒሉ እምበር፡ ድኻም ኣካላተይ ናይቲ ርሕቀት ምስክር’ዩ።

 

እቶም ብኽልተ ምኣዝን መጺኦም ፡ኣብ ዝነበርናዮ ኮፍ ክንብል ዝኣዘዙና ሰብ ሞተር ሳይክል ወተሃደራት ሱዳን ፡ ብኸመይ ከለልዩና ከም ዝኸኣሉ ብዙሕ ኣይተፈላሰፍኩሉን ። ድኻምና ጽምእና ጥምየትና ፍርሕና ኮታስ ኩሉ ናይቲ ህሞት ኣካውናና መንነትና’ዩ ዝነግር ነይሩ ።

እቶም ወተሃደራት ፡ ዝለመድዎ ግዲ ነይርዎም ፡ ነፍሲ ወከፍና ብደቂቕ ፈተሹና ። መሳኪን ከም ድልየቶም ኣይረኸቡን ፡ ንሕናስ ሓደ ካብቲ ሓደ ዘይንሓይሽ ፡ ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝሓገና ጥዉያት ጨርቂ ኢና ዝነበርና ። ንኹልና ብሓደ ኣብታ ንእሽቶ ክፍሊ ድሕሪ ምዕጻው፡ ዝብላዕ እንተድኣ ደሊና ብገንዘብና ክንልእኽ ከም እንኽእል ሓበሩና ። ሳንቲም ካብዘይርእያ ዓመተን ዘቑጸራ ጁባታት እሞ ካበይ ይትሓለባ ! ። እታ ጋሕጋሕ ዝተዳጎንናላ ክፍሊ ፡ ብዘይ እኽለ ማይ ንኣስታት 8 ሰዓታት ወዓልናላ ፡ ነቲ ዝሓለፍኩዎ ጉዕዞ ስግረዶብ ሓዊስካ ፡ ቅድሚ ሕጂ ተሰሚዕኒ ዘይፈልጥ ዓይነት ጥምየት ንመጀምርታ ግዜ ተሰሚዑኒ ኣብቲ እዋን ።

ግዳ ድሓን ትእቶ ተኣምራዊት ዜማ ፡ ነቲ ብዝኾነ ይኹን ፈተነ ኾነ ብልሓት ክዕገስ ኮነ ክርሳዕ ዘይክኣለ ሕሉፍ ጥምየት ፡ ብህድኣት ኣብ ደመይ ሰሪጻ ክብድሆ ገበረትኒ፡

 

”ኣብዚ ዘስተንትን ናብራ…..

ፍቕርኺ’ዩ ደገፈይ……

ወይ ዘይርሳዕ ስምብራት….

ገዲፍኪ ኣብ ሂወተይ……”

 

ኣብቲ ዝጎነፈኒ ፍሉይ ህሞት እቲ ፡ ፍቕሪ መለይ ተዓንጊለ ክወጾ ልስሉስ ደወል ኣብ ውሽጠይ ወቐዐትለይ ፡ ”እታ ትኣምራዊት ዜማ” ።

ከምኡ ድማ ጌረ ። ፍቕራ ሓልዮታ ለውሃታ ፡ ኮታስ ናይ መለይ ኩሉ ነገራ ንሂወት መግቢ ሕልና’ያ ።

ኩሉ ነገራታ ገዲፈዮ ሃጽ ኢለ ክነሰይ ፡ ኣብ ውሽጠይ ሰፊራ ፡ ኣብቲ ሕሱም ህሞት ማና ኮይና ጥምየተይ ከተዐግስ ምስ ረኣኽዋ ፡ ብዝወሰድክዎ ስጉምቲ ብልቢ ተጣዒሰ ። ካብ መለይ ዶ ይርሓቕ ፧! ” ወይ ዘይርሳዕ ስንብራት ….ገዲፍኪ ኣብ ሂወተይ…..መለይ…! ድማ ኢለ ናይ ልበይ ።

ኣዚመ ፡ ኣስተንቲነ ፡ … ሕጂ ውን ካብታ ዝነቐለት መርከብ ምውራድ ዘይሕሰብ እካ እንተነበረ ፡ ንመለይ ልዕሊ ማንም እናፍቀርካያ ተገዲድካ ክትፍለያ ግን ፡ ብሓቂ ዓብን ንመዋእል ዘይሃስስን ስንብራት’ዩ ።

 

መለይ ከይደ’የ ከይደ…. ኢለ ዝፈለምኩዎ ጉዕዞ ፡ ገና ስድሪ ከምዘይከድክዎ ፡ ዝስዓበ ከልበትበት ግርም ገይሩ ኣብሪሁለይ’ዩ ። ካብቲ ተሓይርናሉ ዝወዓልና ማሕቡስ ምክትታል ዶባት ሱዳን ናብ ምዓስከር ስደተኛታት ሱዳን(ወዲ ሸሪፈይ) ብድሕሪኡ ሲታ ዎዕሽሪን ፡ ድሕሩ ድማ በቲ ከልበትበትን ምፍርራሕን ዝዓብለሎ ታህሪብ ናብ ካርቱም ።

ካብ ኣስመራ ዝበረረት ነብሰይ ኣብ ካርቱም ብደቂቕ ክዕዘባ ምስ ጀመርኩ ፡ ከፊላዊ ናጽነት ጥራሕ ዘይኮነ ምስ ዝተፈላለዩ ዓይነት ሕብረተሰብ ልምድን ባህልን ክትራኸብን ክትፈልጥን ምብቕዓ ‘ካ ኣብ ተዛማዲ ተምሳጥ እንተነበረት ፡ ብፍሉይ ዝዝከረኒ ግን ኣብታ ዝተፈላለየ ብዝሓ ሰባት ዝነበርዋ ገፋሕ ክፋል ዓለም ፡ ዓቕለይ ጸቢቡንን መንፈሰይ ጸምይዎን’ ምንባሩ’ዩ ። ”ብቐደሙ ካብታ ኩሉ እትብህጎ ዝርከባ መለይ ርሒቕካ ዶ……..! ” ኣስተንቲነ ፡ ምስትንታነይ እንክቕጽል ናብታ ዜማ ድማ ተመሊሰ።

 

”ኣብ ሞንጎ ሰብ ከለኹ…..

ኣይኮነን ከም ቐደም ……

ንስኺ ዘይብሉ መለይ….

ጽምዋ’ያ ዓለም……”

 

ብሓቂ keም መለይ ተፈሊኻ ጽምዋ ምዃና ዓለም ብግምት ዘይኮነ ብግብሪ ኣስተማቒረዮ’የ። መለይ ኣብ ዘይነበረትሉ ፡ ሂወት ከምቀደም ከምዘይኮነ ኣብኡ ብግብሪ ርእየዮ ። ብልክዕ ርእየዮ ሂወት ብዘይ መለይ ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ እንከለኻ ምዓረ ክንደይ ጽምዋ ምኻኑ ።

 

ሕጊ ተፈጥሮ ፡ ነገራት ከተመዛዝን እንተበቒዕካ መፍትሒ ክትሓስብ’ዩ ዝቕስበካ ፡ ኣነ ድማ ከምኡ ኮንኩ ፡ ነገራት ካብ ምምዝዛን ዝተላዕለ ፡ እቲ ፍታሕ ንምፍላጥ ፡ ሓሳባት ኣውሪደን ኣደይበን ዝበረሃልይ ነገር ወይ ዝተጋህደለይ ፍታሕ ሓንቲ እያ ነይራ ፡ ካባይ ንላዕሊ ድማ እታ ዜማ ኣፍ ኮይና ኣድሚጻትለይ’ያ

 

”ከናድየኪ መለይ ዘለኽሉ….

እቲ ፍቕሪ ዝሰፍነሉ….

ክረኽበኪ መርሓባ ዝብለሉ…”

 

በቃ ንሳ’ያ ኔራ እታ ክውንነታዊት ፍታሕ ፡ ” ንመለይ ምንዳይ ” ንሳ ኩሉ ግዜ ፡ ንደቃ መርሓባ ምዃና ኣንዳዕዲዐ ይፈልጥ ነይረ’የ ። እቲ ፍታሕ ምድላይ ፡ ህድኣት ምፍጣር ፡ ብሕጊ ምምእዛዝ ኮታስ እቲ  ” ፍቕሪ ምስፋን” ብዓቢኡ ናተይ ግደ ምንባሩ ድማ ነጺሩለይ’ዩ ።

 

ከምቲ ሂወት መጀመርታን መወዳእታን ዘለዋ ፡ ጉዕዞ ስደት ውን ከምኡ ከምቲ መጀመርታ መወዳእታ ከምዘለዎ ርዱእ’ካ እንተኾነ ፡ ማዕረ ማዕረኡ ግን ፡ከምቲ ሂወት ጀሚራ ክሳዕ ትውድእ ደው ምባል ዘየለ፡ ጉዕዞ ስደት ውን ከምኡ ምንባሩ ፡ ኣብ ጉዕዞ ስደተይ ዝፈለጥክዎ ሓቂ’ዩ ።  ስለዚ እቲ ዝተበገሰ ጉዕዞ ምቕጻሉ ግድን ስለ ዝነበረ ፡ ደው ኣይበልኩን ”ምቕጻል….”።  ክቕጽል’የ…. እና’ኣዜምኩ ውን ጉዕዞ ስደተይ ቀጺለ….። እታ ዜማ ድማ ምሳይ… ።

 

” ክቕጽል’የ………..

ወሳንነት ግዜ ኣስተብሂለ….

ዝሓሸ መልክዕ ናይናብራ’ሎ ‘ይለ

ግድል ዓቲረ…..

ናይ ፍቕርኺ ኣርዑት ተሰኪመ

ማዕረኺ ሶጊመ……

ክወጾ ክፍትን’የ…….”

 

ምቕጻል ካብ ምብጋስ’ዩ ዝጅምር ፡ ብምቕጻል ኣቢልካ ድማ ናብ ምብጻሕ ትሰጋገር ። ንሱ ስለ ዝነበረ እቲ ሓቂ፡ ዝተጀመረ ጉዑዞ ምቕጻሉ ግድነት’ዩ፡ እትምንታይ….” ወሳንነት ግዜ ኣስተብሂልካ፡ ነቲ ዝተበገስካሉ ዝሓሸ መልክዕ ናይ ናብራ ንምርካብ ። አብዚ መስርሕ እዚ ግን፡ ግድል(ጸገማት፡ ሽግርን ሃለኽለኽን) ከምዘሎ ኣቐዲምካ ንሕልናኻ ምእማን ፡ እቲ ቀንዲ ስንቂ ናይ ጉዕዞ ስደት’ዩ ነይሩ። እቲ ምንታይ ፡ ነቲ ንውሓት ከሕጽሮ እካ ዘይኮነስ ፡ ንዕኡ ክትገጥም ብቑዕ ስለ ዝገብረካ ።

ኣብዚ መስርሕ’ዚ እቲ ዝዓበየ ናይ ሕልና መግቢ ግን ፍቕሪ መለይ እዩ ። ኣርዑት ፍቕሪ መለይ ተሰኪምካ፡ ብመንፈስ ማዕረ ማዕሬኣ እናሶጎምካ፡ ንእትርከቦ ህሞት ክትወጾ ምፍታን ። መለይ ኣብ መንፈሰካ እንተላ ፡ ዕላማኻ ንኸይትስሕት ቀላሲት ኣካል ንሳ ስለ ዝነበረት ፡ ምኽንያቱ ብመሰረቱ እዚ ተጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ ጉዕዞ ኣብ ከርሳ ብዝተፈጥረ ጸገም ዝተበገሰ ብምንባሩ ። ንኹሉ ‘ዚ እታ ዜማ እትብሎን መንፈሰይ ኣሚንሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ብግብሪ ዝርከቦ ዝነበርኩ ጉዕዞ ገና እና ቀጸለ…..፡ እታ ዜማ ውን ምሳይ ትቕጽል…..፡በቃ ተተሓሒዝካ ምቕጻል ።

 

ኣብ ታሪኽ ሂወተይ ፡ ብፍሉይ ዝሓለፍኩዎ ነገር ምኻኑዩ ~ ብዝተፈላለ ዓይነት መጋዓዝያታት ተጠቂመ ፡ ዝተፈላለያ ብዙሓት ሃገራት ሰንጢቐ ፡ ዓመታት ዝብዝሑ ግዜይ ከፊለ፡ እዚ ሕጂ ዘለኽዎ  ቦታ ስደት: ናይ መወዳእታ ኢለ ዝኣመንኩሉ ጥራሕ ዘይኮነስ :ካብዚ ሓሊፍካ ውን ዝቕጸል ርሕቀት ስለ ዘየልቦ  ኣብዚ ዓሪፈ ።

ግዳ ፡እቲ ዝተበገሰ ጉዕዞ ስደት ድኣ ተዛዚሙ እምበር ፡ ኣነን እታ ዜማን’ሲ ብጉዳይ መለይ ምስትንታንና ነባሪ’ዩ ፡ እቲ ሓይለ ስምዒት ውን ዝውዳእ ኣይኮነን ። ”መለይ…..!”

 

”መለይ መለይ …..

መለይ ኢለ….ክንደይ ኮሊለ…

ከናድየኪ ክንደይ ፈቲነ…..

ኣይቀበጽኩን ፡…..

ገና ድማ ክኽእሎ’የ…..”

 

መለይ ብመንፈስ እካ ሽሕ ግዜ ምሳይ ትሃሉ፡ ብኣካል ክረኽባን ኣብ ሕቑፍኣ ክምለስን  መሰረታዊ ድልየተይ’ዩ። እቲ ድልየት ክውን ንምግባር ድማ ብዝተፈላለየ መስርሓት ክፍትኖ ህርድግ እብል። ከምሕሱም ይደልያ፡ የናድያ ንመለይ።

ብሕግን ብስርዓትን ፡ ንሳ ካባይ ትደልዮ ኣነ ክገብረላ ፡ ንሳ ውን ንዓይ ከምኡ ካብኣ ክረኽቦ ዝግብኣኒ ክትገብረለይ’ሞ ከምቲ ግቡእ ፡ ነቶም ነዚ ኹሉ ጠንቂ ምብትታንና ዝኾኑ መንቀኛታት ፍቕሪ ኣወጊድና ፡ ብፍቕሪ ተኸባቢርና ናብራና ክንቕጽል  እምነን እሓልምን ፡ ስለዚ ድማ’የ ወትሩ ሃሰው ኣብ ምባላ ዝርከብ ። መለይ ንምንዳይ…… !።

 

የናድያ ንመለይ፡ ማዕረ ማዕረኡ ድማ ፡ ከምቲ ንሳ ንዓይ፡  ከይሕለል እሞ’ ኣብ ጉዕዞ ሂወት ከይወድቕ ፡ ርሕቀት ዘይከልከሎ መንፈሳዊ ምትብባዕ እትልግሰለይ ፡ ኣነ ድማ ከምኡ ንውሓት ምፍልላይ ፡ ናፍቖት ኣጋዲዱ ተስፋ ምቑራጽ ከየድህበላ ፡ ወትሩ በዛ በሃር ዜማ ትሓጊዘ ብልበይ ከተባብዓ ይፍትን …. ፡ ይብላ ድማ ንመለይ…..

 

”መለይ መለይ …….

ሓደራ ኣይትድከሚ…..

ሓደራኺ ፍጹም ኣይትጥለሚ..

መታን ጽባሕ ክሓይሽ ካብ ሎሚ”

 

ከምቲ ዘይደለይቲ ጽቡቕይ ንዓይ ከሕምቁ፡ ከፊእዋ ሓሚቓ ጥራሕ ዘይኮነ ቀቢጻትካ’ያ ቅበጻ ዝብሉኒ፡ ንመለይ ውን ብዛዕባይ ከምኡ ከምዝብልዋ ስለ ዘይስሕቶ፡ ሓደራኺ መለይ ኣይትድከሚ ኣይትተሓለሊ ተስፋ ኣይትቑረጺ እብላ ። ምስ ምንዋሕ ግዜ ኣጋናዚበ ድማ ፡ ሳሕቲ ዘረባ ዘይደለይቲ ጽቡቐይ ርእሰይ ሃሪሙ እንከደንዝዘኒ ፡ ካብ ሕመቐይ ዝነቐለ ከይትጠልሚ እብላ…..።

ኣነ ኣብ ምዓሙቕ ስደት ተዋሒጠ ከይጠፍእ ፡ ንሳ ድማ :ኣሽሓት ከምዘይወለደት :ብኡ’ቢላ ዘኽታም ኮይና ከይትተርፍ ምሒር ስለ ዝሰግእ ፡ ብልቢ እምሕጸና ፡ ሓደራኺ ኣይትድከሚ ፡ መታን ጽባሕ ክሓይሽ ካብ ሎሚ እናበልኩ : ኣብ ርሑቕ ቦታ ስደት ኮይነ :ብመንፈስ ምስ መለይ ኣብ ሎሚ ንጽባሕ እነብር ።

” መለይ…….”

 

ክብሪ ንብሉጽ ድምጻዊ ኣብርሃም ኣፍወርቒ !

 

 

ማይኮ ተኽለ

 

 

 

 

 

 

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ፍትሕ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?