Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ዝኽሪ ዓሚ: ኣነን ሳምሶናይተይን

ዝኽሪ ዓሚ: ኣነን ሳምሶናይተይን

0
By Mekonnen T. on November 15, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

Ghirmay Yewhans

ፋይናንስ መቸም ኩሉ ግዜ’ዩ ጉዕዞ እግሪ ዝገብር-ገንዘብ ክኸፍል። ኣብ ዘዝግበኦ ቦታ ከይዱ ነንዝግበኦ ገንዘብ የብጽሕ። ገሊኡ ዓሰርተ ኪሎሜተር፡ ገሊኡ ዕስራ ኪሎሜተር. . .ከከም ራሕቂ ቦታ ናይ ኣሃዱኡ ማለት’ዩ። ወርሓዊ ይዕለም ወርሓዊ ይጓዓዝ!
ማኪና ትበጽሖ ቦታ’ሎ። ገሊኡ ምስ ናይ ባኒ ይኽየድ። ገሊኡ ኣብ ወሰን ጽርግያ ኮይንካ ማኪና ከተማዕዱ ክሳድካ ትቐንን። ኢድካ እናውጻእካ ተማልኡኒ ክትብል ትርብርብ። ንስኻን ሳምሶናይትካን ከበሮ ጥሪ ክትመስል ጻሓይ ድርቕ ውዒልካ ትምለሰሉ ግዜ’ውን ኣይሳኣንን።
ገሊኡ ዋላ ብሰልድኻ ማኪና ዘይትረኽበሉ ይኾነካ። ገሊኡ ካኣ ንመጓዓዝያ ትሕተቶ መጠን ገንዘብ ልዕሊ ዓቕምኻ ይኾነካ። ብእግርኻ ከይትፍትን-ናበይ ገጽካ? ከም ነዳዲ ዝወደአት ማኪና ራሃጽካ ወዲእካ ደው ምባል ኣሎ። ኮልቦ ዲሶሎ ሒዙካ ኣብ ፌንቲ እንድሕር ኣቲኻ. . .ሳምሶናይት ኣኺሉዋ። ቦግን ዕርብን ኣላ። ከም ወያ ነጋዲ ጨው፡ ጨዉ ኣብ ሩባ ዝሓቐቖ. . .ገንዘብ ሓቒቑኒ ዝባሃል ዘረባ የለን። ባዓል ጨውስ’ኳ ክሻ ሒዙ ኣትዩ። ንስኻ ኸ? ገንዘብስ ሓቒቑ ሳምሶናይት ከ ትብል ሕቶ ብኸመይ ክትስገር? ኮልቦ ዲሶሎ ሒዙኒ የለ ካምሲን ሰንጪሩኒ የለ። እንቋዕ ጥራይ ንስኻ ብሂወትካን ብኽልተ እግርኻን ተመለስካ ዝብላ ቃላት ይትረፍ ብመሳኹቲ እዝንኻ ክኣትዋ ብጥቓኻ ክሓልፋ ኣይክትሰምዐንን ኢኻ። ስለዚ ነተን ብእምነትን ሓደራን ዝተዋህባኻ ገንዘብ ናብቶም ሃንቀውን ቀንፈዘውን ኢሎም እናምባሃቑ ዝጽበዩኻ ዘለዉ ሰራዊት ከመይ ጌርካ ተብጸሐን ምሕሳብ ግደኻ’ዩ። እንተዘይተዓጺፍካስ ክትተዓጻጸፍ ኣለካ።
ማኪና ዲኻ ክትረክብ፡ ኣድጊ ዲኻ ክትጥቀም ናባኻ’ያ ትግደፍ። እንተኾነ ይትረፍ ዶ ማኪና ኣድጊ ዘይትኣትዎ ቦታ’ውን መሊኡ ዳእዩ’ምበር። ብእግሪ ድያ ትጥዕመካ፡ እግሪ ኣሞራ ሒዝካ ክትነፍር ክትፍትን ትተዓጻጸፍ በቃ። ዕንቅፋት እንተገጢሙካ ኻኣ “ተዓጺፉ” ትባሃል።
ከዕልለኩም እስኪ። ምሳይ ዳኣ ከይትደኽሙ’ምበር። ኣብ ሰራዊት ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ገንዘብ እንዳማትካ ምቑጻር ሓደ ካብ ተወሰኽቲ ዕማማተይ’ዩ ነይሩ።
ካብ ዕለታት ሓደ ዕለት’ዩ። ገንዘብ ክኸፍል ኢለ ተበጊሰ። “ካላሽነይ’የ ዘይትወርድለይ ካብዛ ዝባነይ. . .” ኢለን ይደርፋ ኣዴታት እንተኾና። ነታ ካብ ዝባነይ ምውራድ ዝኣበየት ሳምሶናይተይ ከምዘይትኽሸፍ ገይረ ኣብ ወታሃደራዊ ሳንጣ እየ የእትየያ። ከውሊ ካብ ዓይኒ ገይረላ-ጸላእን ፈታውን ከምዘየለልያ። እንተኾነ ግን ፋይናንስ ፍሉጥ ርእሱ ምሉጥ ገንዘብ’ዩ ዝሽትት መስለኒ ዝስሕቶ የለን። ተሓንጊጠያ ተበጊሰ። ሰብዓ ኪሎሜትር’ዩ ዝጽበየኒ ነይሩ። ከመይ ኢለ ክበጽሖ ከምዝኽእል ክሓስብ ምስ ፈተንኩ ኣብራኸይ ረሸሽ ኢሉኒ። ኣማራጺ ግን ኣይነበረንን። ነጢረ ድዩ ነፊረ ወይ ከም ጎብየ ተንፋሒኸ ክበጽሖ ኣለኒ። ኣይኮነን ክተርፍ ካኣ ክድንጉይ ከማን የብለይን። ወታደር’የ። “ኣብ ግዚኡ” ትብል መርሕ ኣላ። ዕጥይ ምጥይ የለን። “ግበር!” እያ። ግበር በቃ! መንእሰይ ካኣ እናምባሃቐት ትጽበይ እያ ዘላ። ከምቲ ንሳ ለይቲ ኣይትብል ቀትሪ ዘዝመጻ ትትግብሮ’ያ ትሓስቦ። ኣይኮነን ዶ ቦኺርካስ ዶንጊኻ ከማን “እዞም ፋይናንስ እዚኦም. . .” ትብል ቋንቋ መውጺት ኣፎም’ያ። ብዛዕባ ገንዘባ’ምበር ብዛዕባ ሒዝካዮ ዘለኻ ገንዘብ ኣይትሓስብን። ኤእ! ሄ! ገንዘብ’ኮ እዩ! ካብ ሰብ ዝኸብር ፍጥረት። ሰብ ይፈጥርን የጥፍእን ብሰብ ከም ዝተፈጥረ ዘረስዕ ፍጥረት። ንሱ ብሰብ ዘይኮነ ሰብ ብኡኡን ብዋግኡን ከምዝትመን ዝፈልጥን ዘፍልጥን ፍጥረት።
ብዝኾነ ግን ንቐጽል’ሞ ዳሓን። ተጨኒቐ በቃ! እቲ ወቕቲ ሃሩር በርቲዑ ሰብ ካብቲ ከባቢ ዝፈናቐለሉ ግዜ ስለዝነበረ መጓዓዝያ ናይቲ ከባቢ ዳርጋ ደው ኢሉ’ዩ ነይሩ። ብኸመይ ከምዝኸዶ ክጭነቕ ዝረኣየኒ ኣባለይ “ሪፍ ጌርካ ዘይትኸይድ” ኢሉ ተላጊጹለይ። እታ ቃል ቦኽሪ እዝነይ እየ ሰሚዐያ። እንታይ ምዃና ምስ ሓተትኩዎ “ሄሊኮፕተር ማለት’ያ” ኢሉ ወሲኹ ተላጊጹለይ። ሓቁ’ዩ። ዓሰርተ ሜትሮ ከማን ኣይጓዓዝን’ዩ ኖ! “ኣብ እግሪ ዕሩፍ የለን ድኹም” ዝበሃል ከምዚ’ዩ።
ክልተ ሳዓት ድሕሪ ምጓዓዝ ጽርግያ ክረክብ’የ። ድሕሪኡ ኸ?. . .እዋእ! እዝጊሀር ይፈልጥ! ከረውረው ግን ኣይሰልጥን’ዩ-እቲ ዝኸዶ ቦታ ብኸረውረው ስለዘይብጻሕ። እቲ ኣባለይ ላግጺ ኣብዚሑ። ጨው ስኢኑ። “ቅጭን ሕርቕን” ይብላ ደቀስመራ። ቅጭን ሕርቕን’ዩ በቃ!
ከይደ። ከይደ ከይደ ብረሃጽ ተሓጺበ ጽርግያ በጺሐ። ድሕሪ ክልተ ሳዓትን ፈረቓን ናይ ዓቕሊ ጽበት ትጽቢት ማኪና መጺኣ። ከምቲ እቲ ተላጋጺ ኣባለይ ዝበሎ ካብ ራሻን ኩባን ዘይኮነት ግን ካብቲ ከባቢ’ያ መጺኣ። ጥሒሱኒ ከይከይድ ፈሪሐ። ገና ርሑቕ ከሎ ኢደይ ዊጥ ኣቢለሉ። ናህሩ ርእየ ደው ዝብል ኮይኑ ኣይተሰማዓንን። ገንዘብ መሰርኣኹዎ ደው ኢሉ። ናይ ግራሰ ኮይነ’የ ተሰሚዐዮ ነይረ።
ብቋንቋ ዓረብ ገይሩ ገለመለ ይብል ነይሩ። “ጠዋሊ” ጥራይ እምልስ ኣነ ኻኣ። “ኮይስ” ካኣ ምስኣ የልግባ። “ከብጻሓካ ድዩ ዋላስ ከጽድፈካ” ’ዩ ዝብል ነይሩ ግን እንድዕሉ። ንኹሉ ሕራይ ኢለዮ። ጠዋልን ኮይስን በቃ! ጎራሕ ባዓል ማኪና ኣብ ሓዲግ ቦታ ምስ በጻሕና ማኪና ደው ኣቢሉ ሰልዲ ክፈል ኢሉኒ። እንተኣቤዮ ካኣ. . .ቁርጺ! ከፊለ። ንሰብዓ ኪሎመተር ሰብዓ ናቕፋ!
እቲ መንገዲ መብዛሕቱ ኣይዳሓንን’ዩ ነይሩ። ገሊኡስ የእዱግ ዘውጸአኦ’ዩ ዝመስል። ማኪና ሓፍ ኮፍ’ያ ትብል ነይራ። ሓደ ዕስራ ኪሎ ሜትር ምስ ተረፈና ካኣ ማኪና ኣብቂዓ። ቂም ኢላ ደው። ልዕሊ ዋናኣ ናዓይ ሓርቢቱኒ። “ናበይ ገጸይ ዳኣየ. . .እንታይ እዩ ኸ ዝግበሮ?” ኢለ ሕርብት ኢሉኒ። ዘይተሓተተ ሕቶ ኣይነበረን ዘይተመለሰ ግን መሊኡ። ምስቲ ኣውቲስታ ቀባሕባሕ እናበልና ንጠማመት። ምርድዳእ ግን የለን። ንሱ ዓረብኛ ኣነ ትግርኛ ንልፍልፍ። ቃላትና ግን ክንዲ ዝኣትዉስ ሸፈፍ እናበሉ ብጉንዲ እዝንና ይሓልፉ። ናይ ዓቕሊ ጽበት ካኣ ናይ ኢድ ምልክት ንሕውሰሉ። “ትኸይድ ድያ?” ንምባል ብ ኢደይ ናብቲ ንኸዶ ኣመልኪተሉ። ንሱ ኻኣ “ክንምለስ ኢና” ንምባል ናብቲ ዝመጻናዮ ገጹ ኣመልኪቱለይ። ምቕባጽ’ዩ።
መስተዪ ማይ ዝኾናኣ ቋንቋ ትግረ ዝቛጸረት ሰበይቱ እታ ማኪና ከምዘብቀዐትን እንተስ የዕርዮማ እንተስ ከምቲ ዝተሰከመቶም ተሰኪሞማ ካብዚ ዘለናዮ ከምዝምለሱ ነጊራ ኣቕቢጻትኒ። ቀቢጸ! ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ’ዩ። ኣብቲ ህሮርማ’ቲ ነፍሰ ገርግሽ ተፈራረድ ኮይና። ከይምለስ እንታይ ሒዘ? “ጎንደር ኬድካ እንታይ ኣምጻእካ?” ’ዩ ነገሩ። ከይቅጽል ናበይ ገጸይ? ብላዕሊ ሰማይ ብታሕቲ ምድሪ ብየማነ ጸጋም ግን እንድዕሉ። ሞዛይክ ዝዓይነቱ ሕብሪ ሕውዝውዝ’ዩ ዝብል ነይሩ።
ጻሓይ ትፍክረለይ ዘላ ክትመስል ኣብ መንበስብስተይ እያ ነይራ። ብናይ ቅባጸትን ዓቕሊ ጽበትን ኣንቃዕሪረ ኣጣምታ መሳኪን ጠሚተያ። “በጃኺ’ባ!” ዝዓይነቱ። ንሳ ግን ወይከ! ድንጋጸ ብጥቓ እዝና ዝሓልፍ ኣይትመስልን። ስለዘይትምሕረኒ ሓሪቐ። ግዜ ገና ብምንባሩ ግን ተሓጒሰ። ገለ ክፍትንን ዕድል ክረክብን ስለ ዝኽእል።
ምስ ዘይርድኡንን ዘይርደኦምን ብጠጠው መጠው ግዜ ክቐትል ኣይደለኹን። ንነብሰይ ብውሑዱ ንናይ ሓሙሽተ ሳዓት ጉዕዞ ኣዳልየያ እየ። ነቒለ ካኣ።
መሬት እኩት’ያ ኢላትኒ። ቀውጢ በቃ! ደምካ ከየህፍፎ ትስከፈሉ ሙቐት’ዩ ነይሩ። ጻሓይ መርፍእ’ያ ተቐይራ። ጠሾቕ ተብለካ። ኣርሒቕካ ኣይትጥምትን-ዋርዋርታ ናይቲ ሙቐት ዓይንኻ ስለ ዘሕምመካ። ሓሪነ’የ ግን። ስነይ ነኺሰ። ጉዕዞይ ቀጺለ። ከባቢ ክልተ ሳዓት ምስተጓዓዝኩ ሓንቲ ኣድጊ ምስ ገመዳ ረኺበ። ታኣምር’ዩ። ኣብ ዘይገመትኩዎ ቦታ። ከይተረዳኣኒ ምስታ ኣድጊ ኣዕሊለ። ይመጽእ ኣሎ’ሞ ተቐበልዮ ዝተባህለት ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ሕልሚ ከይከውን ካኣ ተቐዳዲመ ነብሰይ ሃሰስ ኢለያ። ቆንጤያ ከማን። የሕሚሙኒ። ነታ ኣድጊ ምርካብ ሕልሚ ዘይምዃኑ ተሓጒሰ። እቲ ታሪኽ ሕልሚ ዘይምዃኑ ግና ሓዚነ። እዚ ግና ክድገም የብሉን ዋላ ብሕልሚ።
ተጠማመት’ዩ። ካብ ታሕጓስ ዝተላዕለ ትናኸስ ድያ ትራጋሕ ከይበልኩ ሓኒቐ ስዒመያ። ኣይተቓወመትን። ደጋጊማ ግን “ብሩፍ!” ዝብል ድምጺ ተስምዕ ነይራ። “እንቋዕ ዳሓን መጻእካ” ኮይኑ’ዩ ተሰሚዑኒ። ወይ’ውን ኣብቲ እጻምእ እቲ ብድኻም ተዋሊአ በይነይ ብምርኣያ ተገሪማ “ትሩፍ!” ትብለኒ ነይራ ትኸውን-መን ይፈልጥ።
ደኺመ ተኻኢለ’የ። ከዕርፍ’ውን ምደለኹ። “ሰብ ኣብ ዘለዎ ከባቢ’የ ዘለኹ” ኢለ ሩፍታ ተሰሚዑኒ’ዩ። ነታ ኣድጊ ኣድጊ ምዃና ስለ ዘይተርፋ ከይትነፍጽ ስለ ዝተጠራጠርኩ ብገመዳ ሒዘ ኣብ ትሕቲኣ ኮይነ ሓደ ፍርቂ ሳዓት ኣዕረፍኩ። “ሰላማዊት” ዝብል ስም ካኣ ኣጠመቕኩዋ።
ሳምሶናይተይ ተሓንጊጠ ክስቀላ’የ ወሲነ። ኣድጊ ግን እንድዕላ ክትሕንግድ ጀሚራ። እንተተሰቒለያ ምኻድ ትኣቢ። ግትር ኢላ ደው ትብል። “ብሩፍ” ካኣ ተድምጽ፣ “ግደፈና ኣንዶ ግዳ” ኮይኑ ይስማዓካ። እንተወረድኩ መሪሓትኒ ትብገስ። ቁሩብ ምስ ከድኩ ክፍትና ኢለ ይስቀላ’ሞ ደው! እንተወረድኩላ ግን ትቕጽል። ዳሓር ግን ኣብ ዝባነይ ዝነበረት ክንዲ ሳንዱቕ ትኸውን ሳምሶናይት ጽዒነያ። “ሰላም ክኽተለኪ ሰላም እግሪ እግርኺ ሰላመይ ንስኺ ቅድመይ ሰላመይ ኣነ ደድሕሬኺ. . .” ኢለ እናደረፍኩላ ብሰላም መሪሓ ኣብ ዓዲ ሰብ ከተብጻሓኒ እናቀባጠርኩ ተኸቲለያ። ከይትነፍጽ ግን ተጠራጢረ። ገንዘብ’ዩ ኖ! ነቲ ድልዱል ገመዳ ኣደልዲለ ኣብ ክሳዳ ብምእሳር ዝተረፈ ኣብ ኢደይ ብምጥምጣምን ኣትሪረ ብምሓዝን ክኹብኩባ ጀሚረ። ነዊሕ ካኣ ተሳሊና።
ኣብ ዝፈልጦ ከባቢ ስለ ዝበጻሕኩ ብተስፋን ታሕጓስን ጭድድ ፍንጭሕ በልኩ። በጺሐ ማለት’ኮ እዩ ኢለስ ህጥር ብሓንሳብ። ከዋላኣኒ ዝዋዓለ ድኻም ካኣ ሸተት ኢሉስ ህልም። ከይከሶ ዝፈርሐ’ዩ ዝመስል።
ሓደ ኣድጊ ብማዕዶ ምስ ራኣየና እናነቀወን እናሃለለን ናባና ጎዩ። ወያ ሰላም ኣድገይ ካኣ ክትነፍጽ ደልያ። ተዘይፈነኻኒ ኢላስ ዕግርግርግርግር. . . ቱታን ዘራፍን’ዩ በቃ! ሽኦል ተቐይራ። ኣነ ኻኣ በርቲዓትንስ ደድሕሪኣ ጎተተተት. . . ት። እቲ ኣድጊ ድሮ ኣባና በጺሑስ እናነጠረ ከሸግራ ጀሚሩ። ክምክታ ኣይካኣልኩን። ከተጽድፈኒ ደልያ። ኣማራጺ ስለ ዘይነበረኒ ፈንየ ገዲፈያስ ነፊጻ ዕዝር ንበረኻኣ። “ወየነ ሳምሶናይተይ!” ህላላ ኣድጊ ደድሕሪኣ። ኣነ ኻኣ ደድሕሪ ክልቲኦም። ከርክቦም ግን ናበይ ገጸይ? ዝነፈጸ ኣድጊ ከርክብ ይኽእል’የ ዝብል ምኩሕ’ውን ኣይርከብን። ተስፋ ቆሪጸ። ኦሮማይ ኢለ ደው! ዕንድ! ዝተረፋኒ ራሃጽ ዝቑቕ! ልበይ ንዓዲ ዝጊሀራ ዕዝር። ዋይ ኣነ እቲ ጉደይ!
ኡይ ኢልካ ዘይትርዳኣሉ ጽምጽም በረኻ’ዩ። ጸጥ ዝበለ ሳዓት ካኣ። ኡይ ከይብል ዝረድእ የለን-ተመሊሰ ዳኣ ንነብሰይ ክንዕቃ’ምበር። ናይ ዓቕሊ ጽበት ግን መሬት ብፋጻ ኣጨኒቐያ። ኣምሳያ ኣውያት’ዩ። ዝረድእ ግን ወይከ። ዝጸረፍኩዎም ጸርፊ ካብ ምንፋጽ ዝዓግቶም ኣይነበረን። ነፊጾም። ዳርጋ ካብ ዓይነይ ተኸዊሎም። ዝላኣኾም ከይህሉስ ተጠራጢረ።
በለጭ ዝበለትኒ ሓሳብ እንተነይራ እቶም የእዱግ ንበረኸኦም ካብ ከዱ ኣነ ኻኣ ናብቶም ኣባላተይ ምንፋጽ’ያ-ርዳእ ያ ርዳእ ክብል።
ልበይ ክትነጥር ክሳብ ትደሊ’የ ጎየ። ጸርፊ’ውን ኣየቋረጽኩን-ነቶም የእዱግ። እቲ ጸርፊ ግን ተደሚሩ ልዕሊ ኣድጊ ዝብል ጸርፊ ኣይከውንን’ዩ። የእዱግ ከይብሎም ካኣ ስሞም’ምበር ጸርፊ ኮይኑ ኣይተሰማዓንን። ናይ ሰማይን ናይ ምድርን እናሓሰብኩን እናተጨነቕኩን ጋሊበ። ልበይ ክትኮስ ክሳብ ዝደልን ጎሮሮይ ክብተኽ ክሳብ ዝደልን ሒሕ ሒሕ. . . እናበልኩን ድሕሪ ናይ ርብዒ ሳዓት ጉያ ኣብቶም ኣባላተይ በጺሐ.
መቸም ሳዓት ዝሕዘለይን ዝምዝግበለይን ሰብ እንተዝነብር ሪከርድ ዘማሓይሽ ናህሪ ነይሩኒ ይኸውን’ዩ። ፍሉጥ ካኣ’ምበር። ውድድር ንምቕዳምን ንምሽላምን’ዩ። እዚ ናተይ ግን ናይ ፍርሕን ናይ ስንባደን ስለዝኾነ “ምንፋጽ” ’ዩ ዝባሃል። ምንፋጽ ካኣ ዳርጋ “ሂወት ኣድሕን” ስለ ዝኾነ ኣብ ናይ ዜሮ ሳዓት ተኾዲምካ ምሕምባብ’ዩ።
ነቶም ኣባላተይ ገና ኣብ ጥቐኦም ከይበጻሕኩ’የ ርድኡ ክብሎም ጀሚረ። ብጎሮሮይ ዝኣቱ ዝነበረ ንፋስ ግን እናዓበሰ ስለ ዘሸገረኒ ብዝተቖራረጸ ድምጺ ”. . .ኣድጊ. . .ሰልዲ. . . ኣድጊ. . .ነፊጹ. . .ንበረኻ. . .ጉየዩ. . .” ዘረባይ ምሉእ ኣይነበረን። ብኢደይ እናመልከትኩ ጉየዩ ኢለዮም። ኩሎም ብሓባር “ሆሆ. . .” ክብሉ ጀሚሮም። “. .ጉየ እንዶ’ታ! ንስኻ በዚ ኺድ. . . ንስኻ በዚ. . .ጉየዩ! ንስኻትኩም ካኣ ብየማን። ያላ ተወንጨፉ!. . .” ይባሃሃሉ። ካብ ዘለዉዎ ግን ዘይንቀሳቐሱ. . .ሆሆ ጥራይ! ንኸምስሉ እኮ እዮም። ባህ ክብለኒ። “ባህ ክብላ ልባ. . .” ኮይኑ ነገሩ።
ኣነ ተጨኒቐ ንሳቶም ምልጋጾም ኣጋንንቲ ኮይኖም ተራእዩንን ተሰምዑንን። ጸሊአዮም ካኣ ክመውት ደልየ። ብሓንሳብ. ሞራለይ ተተንኪፉስ ረሸሽ! ባትሪ ከምዝወደአት ሬድዮ ቂቕ ጥራይ በቃ! “በጃኹም!” ኢለዮም። ከም ሰኽራም ሰንከልከል ኮይኑ። ብጻሓይን ብስንባደን ሰኺረ። ክስሕቁ ምስ ጀመሩ እሞ ኻኣ. . . እናሰሓቑ ደጊፎም ናብ ዳስ እንተእተዉንስ ሳምሶናይተይ ኣብኡ ተራጊፋ። እቶም ክልተ የእዱግ ካኣ ሓሰር ንፋይ ይበልዑ ደም ዳኣ ይብልዑ’ምበር! ፈዚዘ ደው። እናተረዳኣኒ. . .ልበይ. . . ከምዚ ቦታኣ ዝረኸበት ቡሎኒ ገጥ ኢላ ኣብ ቦታኣ ኣትያ ክትሰጥም ተፈሊጡኒ ረጊአ ኮፍ በልኩ። እንቃዓ ካኣ ኣተንፊሰ’ባ። ኣባላተይ ግን. . .
ለካ እታ ኣድጊ. . .ምብላዕ’ምበር ምስራሕ ስለ ዘይትፈቱ ካብቶም ሰራዊት ሓኪላን ኮብሊላን’ያ ኣብቲ በረኻ ጸኒሓትኒ። እቲ ኹሉ ህድማ ኻኣ በቋራጭ’ሲ ንገዝኣ’ዩ ነይሩ። ኣነ ኻኣ ከም ጻጸ ሓንቲ መንገዲ ጥራይ ፈሊጠስ ጽርግያ ሒዘ ጎየ። ብቐደሙ’ውን ፋራ ኮይነ’ምበር ኣድጊ’ባ ኣብ ክሳዱ ኣይእሰርን’ዩ።
መቸም ድሕሪ እዚ ኹሉ ገልጠምጠም. . .ቦታይ ምስተመለስኩ ዘጋጠመኒ ዘዕለልኩዎም ኣባላተይ ገሊኦም ናይ ሰሙን ስሒቖም። ናይ ወርሒ ዝሰሓቑ’ውን ኣይሳኣኑን’ዮም። እቲ ክብገስ ከለኹ ቅጭን ሕርቕን ዘምጻኣለይ ኣባለይ ግን ዝያዳ ኩሎም ስሒቑ። “ሪፍ ከምኡ’ያ ትገብር” ካኣ ኢሉኒ እናሰሓቐ። እቲ ምትሪንጊ ሓላፊየይ ዝበለኒ ግን ኣይትሓዙለይ ዳኣ’ምበር ኣይነግረኩምን’የ። ሰጥን በጥን በል ግና ኣይኮናን።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleምሕል ጥልም
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?