Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ዝኽሪ ዓሚ : ናፍቖት

ዝኽሪ ዓሚ : ናፍቖት

0
By Mekonnen T. on December 4, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ግርማይ ዮሃንስ

ሰብ ማለት ሰብ. . .

ኣብ ግዜ ጸገምካ ምሳኻ ይላዘብ

ሰብ ርጉም ሰብ. . .

እናኣመንካዮ የምጻኣልካ ሰበብ. . .

እትብል ደርፊ የውሃንስ እስቲፋኖስ ንኽልቲኡ ዓይነት ሰብ ማለት፡ ንጥዑምን ሰባብን ሰብ እትገልጽ ደርፊ እያ። ጥዑም ሰብ ጠጥዑሙ ሓሲቡ ጠጡዑሙ ይገብር። ሕሱም ሰብ ድማ ሐሕሱሙ ሓሲቡ ሐሕሱሙ ይገብር። ዓዓቕሞም ማለት’ዩ። ምስኪናይ ግዜ ካኣ ጥዑምን ሕሱምን ግዜ ተባሂሉ ይግለጽ-ሰብ ዝኣበሶ ግዜ ይኽሰሶ። እዛ ደርፊ እዚኣ ድማ ሰብ’ሲ እናሓሰመ ዶ እናጠዓመ ይኸይድ ኣሎ ከተስተንትን ተገድደካ።

እዚ ሎሚ ሎሚ እሞ ድማ ብኸምቲ ክኾኖ ዝግበኦ መዚንካ፡ ሰባብ ሰብ እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ ክትብል ትደፍር ኢኻ። ነዞም ሰብ ዝኸትሩን ዝሸጡን ዘለዉ’ሞ. . .”ፕሮፈሽናላት ሰባባት” ኢና ንብሎም።

ጨና ኣዳም ዝጨኑ ኣዳም ወዲ ኣዳም ዳርጋ እናተወደአ ዝኸይድ ዘሎ ኮይኑ ይስማዓ። ዋላ ውሑድ ግብረ እከይ ዘይክትህሉ ትደሊ። ከም ንጣብ ላምባ ንፊስቶ ማይ፡ ባህልን ስነምግባርን ሕብረተሰብ ከይብልል ምእንቲ። ካብ ብልዕን መስተን ንላዕሊ ኣገዳሲ ምዃኑ ገምጊምካ ካኣ ጽምእን ጥሜትን ናይ ጥዑም ሰብ ከይትውዳእ ትስከፍ።

ኣብ ዕላልካ እትጥቀመሎም ቃላት ካብ ኣፍካ ቅድሚ ምውጸኦም ከተኾምሰዖምን ከተስተማቕሮምን ትግደድ-ቃላትካ ሕብሪ ከይህልዎም ምእንቲ። ግርህነት ድማ ምስ ድሌትካ ናይ ዘይምዝራብ መሰል ኣርሒቓ ክትበርር ከላ ትረኣየካን ትርደአካን። ከይፈተኻ ግርህነት ወጊድ ትብላ። ክትጎርሕ ትድለ። ቃላት ልሳንካ ከይሽረፉ ትሕሉዎም። ኣፍ ኣፍካ ካብ ዝሕሉዉን ዘረባ ከይወዳእካ እንከለኻ ቃላትካ ቆሊቦም ካብ ዝብትኑ ክትጥንቀቕ ነብስኻ ሸምቂቕካ ክትሕሉዎም ይኸፍኣካ።

ብበደልካ ተናሲሕካ ይቕረታ ምሕታት ዋጋ እናተሳእኖ ክኸይድ ጀሚሩ። “ዝኣኽለን ጥሒነን ባእለማርያም ይብላ!” ዝብል መልሲ መተሃላለኺ እናተቐየረ ከይዱ።

ነገራት፡ ናህሪ ወሲኾምን ተዓባብዮምን ምስክርነት ንምርካብ ናብ ረኣዩለይ ስምዑለይ ይበጽሑ-ጉዕዞ እግሪ ናብ እንዳ ሕጊ ንምጅማር ማለት’ዩ። ነገራት ዘታዓባቢ በዚሑ። “. . .ከምዚ እምበር ኢሉካ። ከምዚ ማለቱ እኮ’ዩ. . .ከይትገድፎ፡ ዋግኡ ክረክብ ኣለዎ. . .ጢውጢው ኣብሎ።” ኢሉ ነዳዲ ዝውስኽ። ክዓርቕ ክንዲ ዝፍትን ህራምካ ከተማልሶ ዝደፋፍእ መሊኡ። ቃላትካ (ነገራት) ኣተዓባብዩ ኣብ ቅድመኻ ዘይድፋእን ዘይስገርን እምባ-ሰበብ ዝግትር’ውን ከምኡ። ኣይኮነን ተባኢሱ ናብ እንዳ ሕጊ ዘይጎይይ ተዃርዩ ዘይሓድር ከይትስእን ትስከፍ።

ኣብ ግዜ ቁልዕነትና ወደይን ሓወይን ዝባሃል ቋንቋ ኣይነበረን። ሕብረተሰብካ ብፍላይ ጎረቤትካ ቀንዲ መምህርካ’ዩ። ሕማቕ ከይትገብር ዋላ ካብኡ ትሃድም። ክግስጸካ ሕልናዊ ሓላፍነት ኣለዎ። ዝበደለ ይግሰጽ። ከምዚ ናይ ሎሚ “ጽንጽያ ዓይኑ ከይተንፍረሉ” እናበልካ ኣይኮነን። እንተ ሎሚ. . .ወስ እንተበልካ “ኣይግድሰካን’ዩ” ትበሃል። “ኣይትወራዘ” ትብል ቃል ትስዕብ። “ድላዩ ይግበር! መን ቀጻዒት ገይሩኪ? ደቅኺ ቅጽዒ!. . .ናይ ባዕልኺ ግበሪ. . .ከምኡ ጌርካ ኣይተፍጥጠሉ-ኣይትድሃሎ. . .!” ዓይነታት ውርደት ኣየናይን ክንደይን ክንብሎ!?

መልሓሰን ቦታ ዝሳኣናላ ክመስላ ነገር እናሸተታ ዝኸዳን ከም ተባዕታይ ደርሆ ሰለፈን እናሃረማ ናብ ነገር ዝጎያን’ውን መቑጸሪ የብለንን። ኢዱ ሰብሲቡ ንነገር ተሳሒሉ ዝመጽእ መሊኡ። ኣብ ጁቡኡን ኣብታ ዕማኾ ኢዱን እምኒ ዘቐምጥ’ውን ኣይሳኣንን። ነገርን ቆልዓን ግን ከምዝሓዝካዮም’ዮም። ቆልዓ ትኽ ወይ ጎቦ ከምዝጸረብካዮ። ንጸጋም ወይ ንየማን ከምዝመራሕካዮ።ነገር ካኣ ተጥዕሞን ተሰብቦን ባዕልኻ። ገሊኡ ሰብ ሕማቕ እናረኣየ “ኣየ ደቂ ሎሚ!” እናበለ ኣጽቂጡ ይሓልፍ ከክንዲ ደንጎላ ዝኸውን ውርደት ከይዘንቦ ይፈርሕ። “ኣይግድሰካን’ዩ!” ትብል ቃል ጥራይ ከማን ትኣኽሎ። ንሱ ኻኣ እንታይ ገደሰኒ ክብል’ዩ። “እንታይ ገደሰንን እንታይ ገደሰካን” ዝባሃላ ጠያይት ካኣ እናተበራረያ ብድሎን ብተመልከተለይን በብሓደ ክውዳኣና’የን ማለት’ዩ።

ሕልናውን ሞራላውን ሓላፍነታት ማርሻ እንዴትሮ ከይጓዓዛ ይኽደን’ዩ ዘብል። እቲ ኣብ ባህልን ሃይማኖትን ተሞርኪሱ ስነምግባሩ ኣጽፊፉ ዝኸይድ ዝነበረ ሰብ ኣብ ሕጊ ጥራይ ክኣምን ጀሚሩ። “እዝጊሀር ኩሉ ነገር ተመሲሉ ኣብ ኩሉ ቦታ ኮይኑ ይዕዘበና’ሎ” ዝብል ሓጢኣት ፈሪሕካ ብሕልና ተገዚእካ ከም እትንቀሳቐስ ዝገብር ኣተዓባብያ ናብ ሕጊ ጥራይ ከም እትዘብል ገይሩ። እሞ ኻኣ ንሕጊ መሳርሒኡ ሰብ ስለዝኾነ፡ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ኣይረአን ዘለኹ ዝብል ሓሳብ ኣትሒዙ ከም እትዕሾ ይገብር። መንገዲ ጌጋ ይመርሕ። ምስ ሕግን ሰብን ጭርጭር ይጻወት።

ትርጉም ምርቓን መርገምን ዋጋ ምኽላእ(ዓበይቲ ኣብ ምኽባርን ምድፋርን ተራ ስለዘለዎ) ጥዑም ልሳን ኣናእሽተይ ሽታ ማይ ከይኮኑ’ሞ ብኸምዞም ንሰምዖም ዘለና እሞ ኻኣ እዝንና ዘደንቁሩና ዘለዉ ቃላት ጎደና. . .”ከልየና ያዓኸ፡ ሰክት፡ ውሽ፡ ወስኸላ፡ ምስዚ ተዛረብ፡ ይመስየካ’ሎ. . .(እዚ ናይ ሎሚ ግዜ መንኮርኮሩ ወንጪፉ ገዲፉካ ዝኸደ ድሑር ተሓሲብካ ዳሃልቲ ቃላትን ዳሃሊ ሳሓቕን ይዘንበካ) ኣቦይ ማዓዳይ. . .” ብዝብሉን ካለኦትን ተተኪኦም ከይተርፉ’ሞ ናፍቖት ጥዑም ቃላትን ጥዑም ሰብን ከይንውዳእ ንስከፍ።

ብዝኾነ. . .ነታ ኣብ መእተዊ ዝጀመርናያ “ሰብ” እትብል ደርፊ “በብሓደ ጥዑም ሰብ ዋሓደ” ብእትብል ስብራ እንተደምደምናያ ዝበለጸ! በብሓደ ሰባብ ሰብ ዋሓደ ኣብ እትብል ጓይላ ክንራኸብ ካኣ ተስፋ ገይረ ኣለኹ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?