Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, March 9, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ዛራ ጥበባት ምስ ማሰኛታትን መላቐስትን

ዛራ ጥበባት ምስ ማሰኛታትን መላቐስትን

0
By Mekonnen T. on October 8, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

መኮነን ተስፋይ

ደግያት ተስፋጽየን ሓሚሞም ኣብ ዓራቶም ከለው፡ ብምኽንያት ሕማሞም እናነውሐ ምስ ከደ ዋጥኦም ከምዚ ክብል ደረሰሎም:-

ከመዓልካ፡ ከመ-ኣሎኻ ዛራ

ጽላል ንጉስ ወርቂ ዝዘፈራ

እንተ ሞትስ ናይ ኣብርሃም ሳራ

ሕማም’ዩ ክፉእ መከራ፡፡

ንሕነሽም ዝብሃል ጅግና ሰብ ዝተገብረ ሕላይ

ሕነሽም ሊላየ

በዓል ኣምበላየ

ኣበይ ኢዩ ጨርሕኻ

በዓል ኣውላድ ኣሓ

ኣብ ጎልጎል እምብዓ

ሕነሽም ሕነሽም

ወዲ ደቀተሽም

ብዛብያ ዝቕርስም።

ህዝቢ ሓማሴን ንደግያት ማሞ ብዝገበረሉ ጽቡቕ ተግባር ከምዚ ክብል ድርሰት ገበረሉ:-

ሓማሴናይ በለካ ክበር ንበር

ትግራዋይ በለካ ክበር ንበር

ነፍጢ ደሞ የቕትል ሓሞት እምበር

ጉልበት ደሞ የጉዪ ሕልና እምበር

ዘለዎዶ ይልግስ ኣመል እምበር

ኣብ ዑናኻ ትመውት ከም ገበል።

ከንቲባ ጣዕማይ ምስሌንነት ካርነሽም ምስ ሓዙ ከምዚ ክብሉ ኣውሎ በሉ:-

ኣያ በኺት ጻዕዳ ሰዓተ

ኣርኪብናካ ዝራብዓተ

ከንቲባ በኺት ከኣ ነዚ ምስ ሰምዑ ከምዚ ኢሎም መለሱ:-

እንተ ኣርከብኩም ዝራብዓት

ኣይሰብ ሓሞት ኣይሰብ ስርዓት

ኣይሰብ ልቢ ኣይሰብ ሰዓት

ነጽብበልኩም ቁራብዓት፡፡

ደግያት ወልደንኪኤል ንብዘሎ ምድሪ ምስ ኣናወጽዎ ከንቲባ በኺት ድሕሪ ሕጂ ደኣ ኣበይ ክኣቱ ብምባል ኣብ ቅድሚ ደግያት ወልደኪኤል ቀሪቦም ገመድ ኣብ ክሳዶም ኣእትዮም እምኒ ተሰኪሞም መሓሩኒ በሉዎም። ነዚ ዝተዓዘበ ዋጣ

ወልደንኪኤል ወልደንኪኤል ወዲ ኢታይ

ኣታ ለሚዱ ለሚዱ እዚ ዕዝረታይ

ኣታ ኣበይከ ለመዶ እቲ “ጎይታይ ጎይታይ”

ኣረ በኺትከ እንታይ ገደሶ

ሓሓቑኑ ዘይቲ ዓውሶ

ብተዩ ሓሪድካ ዓረሙ ተልሕሶ፡፡

ደግያት ወልደንኪኤል ከኣ ንከንቲባ በኺት ምሒረካ ኣለኹ በልዎ።

ንራእሲ ወልደሚካኢል ካብ ዝተገብረ ማሰ

ወዲ ሰለሙን በዓል ነፍስ ዕዳ

ቀታል ሽረ ምስ ኮኾበ ልዳ

ዓሰርተ ነጋሪት ዕስራ ቃንዳ

ኣውደቕካዮም ኣብዛ ዓባይ ሜዳ

ሃጸይ ምኒሊክ ምስ ጣልያን ኩናት ገጢሞም ኣብ እምባ ኣላጀን መቐለን ምስ ሰዓሩ፡ጸኒሖም ግን ምስ ጣልያን ዕርቂ ጌሮም መረብ ምላሽ ንጣልያን ሓዲጎም ምስ ከዱ ከምዚ ዝብል ግጥሚ ተገጢሙ ነበረ፥-

ወሬሳው ብድርቡሽ ምስ ፈሰሰ

ንጉስ ባሕሪ መጸ እናሓመሰ

መድፍዕኒ ርኪትኒ እናተኮሰ

እልፊ ጭዋ እና ኣሰረ እናሓበሰ

ነዃል ኢዱ ይመጽእ ትብሉና ቴድሮሰ

ገጹ ከይረኣና ምድሪ መሰ

ንፈርኦን ዘጥፈት ምድሪ ሙሴ

ባዕልኻኸ ትፈልጥ ስላሴ።

የቐንየለይ

ምንጪ ባህሊ ጸዓዘጋን ሃዘጋን ሮማ 1912

 

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሸቓቕ ካንቸሎና
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?