Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home» ዛራ ንብዓት ቃላት ንስነ-ጥበበኛ ወይኒሓረግ ሃይለ

 ዛራ ንብዓት ቃላት ንስነ-ጥበበኛ ወይኒሓረግ ሃይለ

0
By Mekonnen T. on January 23, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ህብብቲ ስነ-ጥበበኛ ወይኒሓረግ ሃይለ፡ ካንሰር ጡብ ብዝሰበቡ ሕማም ክትሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዝለዓለ ሕክምና ኣብ ምክትታል ኣብ ሃገረ ሱዳን ከተማ ከርቱም እንከላ ብዕለት 19 ጥሪ ዓሪፋ ሎሚ ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ ቅዳሴ ሰዓት 9፥00 ቅድሚ ቐትሪ ዓሰርተታት ኣሽሓት ፈተውቲ፡ ስድራቤት፡ ስነ-ጥበብን ቤተሰብን ኣብ ዝተረኽብሉ ቤተክርስትያን ኣቡነ ተኽለሃይማኖት ሓዝሓዝ ሓመድ ኣዳም ለቢሳ።

ፍትውቲ ስነጥበበኛ ወይኒሓረግ ሃይለ ልዕሊ እቲ ኣብ ስነጥበብ ዝነበራ ፍቕሪ ኣብ ኣኽብሮት ህዝባ ዝነበራ ኣድናቆትን ፍቕርን እውን ተዘካሪት ይገብራ። እዛ ኮኾብ ኮኾባት ዝኾነት ስነ-ጥበበኛ ካብ መድረኽ ድራማ ዝጀመረ ሞያኣ፡ ናብ ሬድዮ ድራማን ፊልምታትን ብምስግጋር ብዝነበራ ፍሉይ ክእለት ኣብ ሜሎ ድራማን ኮሜድን ዓቢ ዝላ ተዋስኦነት ዘንጸባረቐት፡ ከምኡ እውን ኣብ ዕቱብ ድራማታት ፍሉይ ክእለትን ናይ ገጽ ምልውዋጥን ብብቕዓት እተንጸባርቕ ህብብትን ፍትውትን ተዋሳኢት ብምንባራ ካብ ንእሽቶ ክሳብ ዓቢ ኣድናቆቱ ዘይገልጸላ ዜጋ ኣይነበረን። ኣብ ዕለተ ቀብራ ልዕሊ ብዝሒ ቀባሪ ምርካቡ ነዚ ዝምስክር ኔሩ።

ስነ-ጥበበኛ ወይኒሓረግ ሃይለ ካብ ኣቡኣ ኣቶ ሃይለ ኣብርሃን ወላዲታ ወይዘሮ በላይነሽ ኣባይን ኣብ መጀመርታ 1974 ኣብ ኣስመራ ገዛባንዳ ጥልያን ተወሊዳ። ብድሕሪ እዚ ናብ ዕዳጋ ሓሙስ ምስ ስድርኣ ብምምጻእ ኣብኡ ተማሂራን ዓብያን፡ ወሊዳን ዘሚዳን። ወይኒ ሓረግ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ድራማ ንጥፈታት እናተዋስኤት ሞያኣ ብምምዕባል ብናይ ገዛእ ነብሳ ሓርኮትኮትን ናይ ጥበብ መማህራና ከም በዓል ስነ-ጥበበኛታት ኤፍረም ካሕሳይን ፍስሃየ ወርቅነህን ተሰንያ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ምውሳእን ብቅዓትን በጺሓ ምንባራ ብስነ-ጥበበኛታት ኤርትራ ይምስከረላ።  ወይኒሓረግ ባራኺት መሶብ ስነ-ጥበብ ኔራ። “ስነጥበብ ግዜ እንተኾይኑ ወይኒሓረግ ሓይሊ መትንታት ልቢ ግዜ ኔራ!” ከምዝተባህለ፡ ንሞይኣ ዝገልጽ ቃል ተሳእነ። በቲ ኣብ መድረኽ፡ ሬድዮን ተሌቪዥንን ዘቕረበቶም ኮሜዲ፡ ሜሎ ኮሜድን ትራጀድን ድራማታት ኣብ ልቢ ሰብ ክትሰፍር ኣኽኢልዋ እዩ።

ክብርቲ ስነ-ጥበበኛ ወይኒሓረግ ሃይለ ሞይኣ ብብቅዓት ኣብ ምስልሳል እንከላ ኣብ 2013 ንጥዕንኣ ዝፈታተን ሕማም ተቐልቀላ። እዚ ሕማም እዚ ተመርሚሩ ኣብ ኣካላታ ምልክት ካንሰር ተራእየ። ንኹሉ ኣፍቃሪ ስነ-ጥበብ ዘሰንበደን ዝረበሸን ድማ ኔሩ። እዚ ምልክት ሕማም እዚ ኣብ ሆስፒታል ደቂሳ ን 9 ኣዋርሕ ክትሕከም ኣገዲዱ። ልዑል ሕክምና ተኻይዱ ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ኣስመራ መጥባሕቲ ተኻይድላ ሓውያ እናተባህለ ኣብ 2014 እንደገና ተቐልቀለ። ሻቕሎት መሊሱ ገደደ፡ ንምፍዋሱ ናብ ዝለዓለ ሕክምና ሃገረ ሱዳን ብምኻድ ሕጂውን ሕክምናዊ ክንክን እናተገብረላ ብፈተውቲ ኤርትራውያን ውሽጥን ወጻእን ተዓጂባ ሕክምናኣ ኣካይዳ። ኣብ ከምዚ መስርሕ እንከላ “ዓሪፋ” ዝብል ዘሰንብድ ዜና ተፈነወ፡ እንተኾነ ሓሶት ኮይኑ ንኣፍቀርታ ሩፍ ኣበለ። ወይኒሓረግ ሓውያ ኣብ 2015 ናብ ሃገራ ተመሊሳ። ኣፍቀርታን ቤተሰባን ብፍላይ ድማ ደቃ ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም። እቲ ሕማም ኣታውን ወጻእን ብምንባሩ ሕጂ እውን ወይኒሓረግ ሃይለ እቲ ሕማም ተቐልቀላ። እንደገና ንሱዳን ኣበለት። እንሆ ድማ ብዝገርም ሕማቕ ኣጋጣሚ ሓውያ ክትምለሰና እናተጸበና ኣብ መበል 41 ዕድሚኣ ብሞት ተፈልያትና። ስነ-ጥበበኛ ወይኒሓረግ ሃይለ ፍትውቲ፡ ተናፋቒትን ፈቃርን ኔራ። ሎሚ ስነ-ስርዓት ቀብራ ክንሳተፍ ከለና ሓንቲ ሓያል ስነጥበበኛ ጥራይ ዘይኮነስ ፍቕሪ ንቐብር ከምዘለና’ዩ። ወይኒሓረግ ፍቕሪ ንኣፍቀርታ ኔራ። ወይኒሓረግ ፍቕሪ ንደቃ ኔራ፡ ልዕሊ ኩሉ ፍቕሪ ንህዝባ ኔራ! ሎሚ ስግኣ ሓመድ ኣዳም እኳ እንተለበሰ መንፈሳን ፍቕራን ዘልኣለማዊ’ዩ። ብርክት ዝበሉ ፈተውትን መሓዙታን በብተራ ነታ ዕንባባ ጥበብ ንኾነት ፍጥረት ዕንባባ ኣንቢሮሙላ።  ስነ-ጥበበኛ ወይኒ ሓረግ ሃይለ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ 7 ውሉዳትን እያ።  ጽንዓት ንኹሎም ኣፍቀርታን ኣፍቀርቲ ስነ’ጥበብን ይኹን፡ ብፍላይ ወለዳን ደቃን በዓል ቤታን ንእዮብ ዝደበሰ ይደብሶም ንብል።

ወይኒ ሓረግ

ምንባር ይጽላእ’ዩ ቃንዛ እንተነዊሑ

ብዋጋ’ቲ ቃንዛ ግን ካልእ እንተረቢሑ

 እወ እንተ ስሒቑ

ስነ-ጥበበኛታት ነዚ ይመርጹ።

ወይኒ ሓብተይ ሓረግ ወይኖ

ፍስሃ መንፈስ ሰቲ መስኖ

ኣንቲ ኣውድኣመት ልቢ

ክንዲ ፍቕሪዶ ክንዲ ውህቢ

ክንዲ ዓቢ ደብሪ ጻሕታ ወዝቢ

ኣንቲ ህዝቢ እናለመነዶ ረቢ ‘ኣቢ?!

 እንታይ ፌስትኡ እንታይ ኣውድኣመቱ

ብዘይ ንስኺ እንታይ ድምቀቱ?

እነሆ ፈታዊ የንጀርብብ ንብዓቱ

ሓብቱ ሲኢኑ ሓብቱ!

ቃንዛኺ! ኣኸለዶ ሰዓቱ?

ፍቕርናኸ ኣኸለዶ ሞቱ?

ሎሚ ርእየ ህያው ፍቕሪ ሞይቱ!

 ዓለም ብውሉዳ ተበሊዓ

ማርያም ጽዮነይቲ ደም ነቢዓ

ንህራሰ ነብሲ ንዓኺ ጸዊዓ!

ኣብ ጎና ከተንብረኪ ኢዳ ሰሊዓ!

ወዲ ኣዳም ዓሻ! ጥበብ ፈጣሪ ዘንጊዑ

ኣብ ሓመድ ድበኺ ተባሊዑ

ሓቂ ሓይሽ ኣመና ሰሲዑ

ንዕኡ ደልዩኪ ንዕኡ

ሓቁ ድማ ሓቁ ብዘይ ፍቕርስ እንታይ ጣቁኡ?

እሞ ኣነዶ ዶግዓ ከንጎድጉዶ

ንፈጣሪ ናብ ቤትኪ ከውርዶ

ናብ ደቅኺ ከጠምቶ

ክብሎወ ከሰንብዶ

“ነዚኦምሲ ኣይትድንግጽንዶ?”

ኣስናንናስ ይከደና መን ስሒቁ ክንስሕቆ

እዞም ህጻናትከሞ መን ይኹኖም ሕቆ

ፍቅሪ ሓያል’ዩ’ሞ ንስኻ ግን ተሕምቆ

እንታይ ድኣ ወደይ ተስፍኦም ተርሕቆ

ፍቕርኻ ኣብዚኦም ትበቆ

ንሞት ካብ ፍቕሪ ዘይትሰጎ?

ኣባጅጎ ኣይተሻሩ ኩን ወዲ መንጎ

ምለሳ ንወይኒ ደም ነቢዕናኮ!

ኣስሓኮ የለን ድዩ ኣስሓኮ!

ምለሶ ምለሶ ኣይትበለኒ፡

ሎሚ ኣይመልሶ ጽባሕ ኣይመልሶ

ተደሊኻ ንስኻ ፍቕርና ምለሶ!

ተለመን ሕደግ

ምለሳ ንወይኒሓረግ!!

ወዲ ኣቢብ

22 ጥሪ 2016

 

ነጸብራቅ ጥበብ

ንፈጠራ ደቂ ሰብ

ምሃዝነት ጥበብ ፡

ሓሳባዊ ገጸባህሪ

እናልበሰት ምስሊ

ስነ-ጥበብ ኣንጽባሪቃ

ጩራ ጥበብ ኣድሚቃ!

እናስሓቀት’ናንብዓት

እናዘናገዕት’ናምሃረት

እታ ኮኾብ ፡

ፍጥርቲ ፈጣሪ

ብምልከት ጥበባ

ዕግበት እተዛሪ !፡

 

ጎኒ ጎኑ ድማ

ዕድሎት ፈጣሪ

ጽሕፍቶ ርዒማ

ብጥዕና ናመስገነት

ሕማም ተጸሚማ

ብፍጥረተ ‘ዝግሄር

ዝተዓደለቶ

ብብቅዓት ኣሳልያ

ኣብ ናታ ጽሕፍቶ ፡

እዋን መሰርከበት

ዕምሪ ተብቃዐላ !

ጽሑፍ ከተተግብር

ንዓኣ ውን ክትመስላ

ድሕር እንከይ በለት

ንሞት ተቀቢላ

ብሰላም ዓሪፋ

ኩሉ ከተካውን

ትውክልቲ ጽሕፍቶ

ጥበብን ፈጣርን ፡፡

ማይኮ ተኸለ

20 ጥሪ  2016

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleኣሞራ
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?