Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 3, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ዘይትፈልጦ ኣይፍለጥካ

ዘይትፈልጦ ኣይፍለጥካ

0
By Mekonnen T. on April 15, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ትንፋስ ኣልቦ ህያውያን
ኩልንትናዊ ዓይነታውያን
መስፈር ኣልቦ ዝቁጽሮም
ሰብ ግርማ ሰብ ክዳን ፡
ብባዕሎም ዝትረኽ ፡ሰብ ዝና -ምሁራን!
ውቁብ ኣሳእሎም
ሓድሕድ መወዳደሲ
ውልቃዊ ኣጀንደኦም
መበራበሪ-መደቀሲ ፡
ሓድሕድ ይነጋገዱ
ብኮመንትን ላይክን
ወጃዕ ድማ ይብሃሉ፡ ብኢንቦክስን ኦንላይንን፡፡
መኣከቢ’ለዎም ናይሓባር መውዓሊ
ተጋባዚ የብሉ ፡ ጋባዚ ከፋሊ
ንኣንፎም ይውዕሉ፡ ኣብ ኩለን ትካላት
ሓባራዊ ክለብ ፡በብዓይነተን ግሩፓት
ውልቃዊ ደኳኩን ፡ዝተፈላለዩ ፔጃት፡፡
ቀልጢፎም ‘ፋተዉ ምሒር ይፋቀሩ
ግዜ ነይወስደሎም ፡ ብሎክ ክጋበሩ!
ሓድሕድ ክምዓዓዱ ፡
ፍቃድ ዘየድልዮም
ምኽርታት ይልግሱ፡
ቢዶ(ቪድዮ)ቀቀሪጾም !
ይብኣሱ ድማ ፡ ሓድሕድ ይዋድኡ
ትጽርፍ ይውዕሉ ትንፋስ ይዋጽኡ
ፈጋኢ የብሉ ተፈጋኢ
ቀታሊ ኣብዘይብሉ መዋቲ፡
ኣዲኦም ትቁጸሮም ለባማት ዓረቅቲ ፡፡
ቀረጽ ዘይተኽፍል ፡ ኣገልግሎት ኣይትሓትት
ዜግነት ክትዕድል ፡ ዘይተብዝሕ ዋጢጥ
ደሞክራስያዊት መዲና
ዶብ ኣልቦ ከተሞኦም
ብዘይ ኣፈላላይ ማዕረ ተኣንግዶም
ማዕረ ትብጽሖም ፡ ማዕረ ተገልግሎም !
ንሳ ንዓኣቶም ሒዛ ፡ ትውቅብ ትምዕብል
እንተ ዜጋታታ’ሞ ፡ ይነብሩ ኣብ ሸንኮለል
ተምሳሌ ስላሴ ህያውያን ሙኻኖም
ፍጹም እናረስዑ ፡ ናይ ብሓቂ ምህላዎም
ዋኒኖም ዘንጊዖም ናይብሕሶት እንተነበሩ
ዘይትፈልጦ-ኣይፍለጥካ እንታይ ዘይገበሩ ፡፡
ፈሊጣቶም እምበር መኣስ ፈሊጦማ
ሃገረ-ፈይስቡክ ፡ ውቅብቲ ከተማ! ፡፡

ማይኮ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleገምጋማዊ ጽሑፍ ንግጥሚ “ተዝካር” ገጣሚ፡ ቦኽረ ገብረየሱስ
Next Article ዕላል ሓደ ሰዓት ኣብ ካምፓስ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?