Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ውህሉል ትዕዝብተይን ኣስተንትኖይን ኣብ ብFkrey Yeman ዝቕረበ ንከይዲ ስነ ግጥሚ ትግርኛ ኤርትራ ዝምልከት ጽሑፍ።

ውህሉል ትዕዝብተይን ኣስተንትኖይን ኣብ ብFkrey Yeman ዝቕረበ ንከይዲ ስነ ግጥሚ ትግርኛ ኤርትራ ዝምልከት ጽሑፍ።

0
By Mekonnen T. on April 27, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

Tsegay Mehari (Temereo)
ገሊኡ ዛንታ ምስ ኣምበብካዮ ካልእ ዛንታ የጽሕፈካ፡ገሊኡ መጻሕፍቲ ምስ ኣምበብካ ካልኦት መጻሕፍቲ ንከተንብብ ይድርኸካ፡ ከምዚ fkrey ጽሒፍካዮ ዘለኻ ዝርዝራዊ ኣስተንቶኖኻ ዝሰነቐ ዓንቀጽ ከተንብብ ከለኻ ድማ ጽሑፋት ክትውከስ፡ መጻሕፍቲ ከተንብብን ሓሳብካ ክትህብን የተባብዕካ። ብዘይቀልዓለም ኣነቓቓሕን ነብሰ ዘተ ኣበጊሱ ምስ ካልኦት ደቂ ዓለምካ ክትዛተን ይድርኸካ’ዩ። ንቤተሰብ ስነ ግጥሚ ትግርኛ ኤርትራ ዘሳትፍ ኣድማሳዊ ትዕዝብትታት ዝሓቖፈ ምዃኑ ድማ ካልእ ብልጭኡ ‘ዩ። ነቲ ንውለቀ ሰብ ወይ ክልተ ሰልሰተ ሰብ ኣተኲርካ ሚንን ዝብሃሎ ዝነበረ ጥሒሱ ከም ጩራታት ጸሓይ ናብ ኩሉ ገጣምን ኣፍቃሪ ግጥምን ዝበጽሕ ጽሑፍ’ዩ ንዓይ። ልዝበቱ፡ ኣብ ዚ ትውፊት ንሰነ ጽሑፍ ዘዳኽም ድያስፖራ ኮይንካ ከምዚ ግዜ ሂብካ ዝጸሓፍካዮ ምዃኑ ካብ መልክዑ ይፍለጥ ‘ዩ። ብሓጺሩ ደስ ኢሉኒ ‘ሎ። ደስታይ ድማ ብዘለኒ ትዕዝብትታትን ኣብ ውሽጠይ ዝጸንሐ ጠቒስካዮ ንዘለኻ ገለ መደረኻት ዝትንክፍን ከድስቶ’የ። ሓቢርና ግጥሚ ብዝሓቖፈ ዘተ ክንድስት ድማ ተስፋይ ዩ። ኪኖ ዚ ድማ ከነስተንትንን ነብስና ስሒቕና ጽዋገ ግጥሚ ክንፈትሕን ኣለና ባሃላይ’የ።
በቲ ሳልሳይ መደረኽ (ካብ 1998 ዝጀምረ)ኢልካዮ ዘለኻ ክጅምር። ነዚ መድረኽዚ ኣብ ጽባሕ ምዕጻው’የ ናብ ደገሰላሙ ኣትየ። ኣብቲ ደገ ሰላም ግን ነቲ መደርኽ ዝኸፈቱን ቀለስቱን ዝነበሩ ገጠምትን ኣፍቀርቲ ግጥምን ስለዝጸንሑኒ፡ ተኻፋሊ ናይቲ ጸጋ ጥበብ ኮይነ’የ። ኣቡ ዓምራ ዘ ኣስመራ፡ ሞኬ፡መለሰ ፡ግርማይ፡ ሄኖክ፡ይርጋኣለምን ካልኦትን ካብቶም ፈጠርቲ’ቲ ጸጋ ኮይኖም ንዓይ ካብቲ ጸጋ ዘጸገውኒ’ዮም። ሞኬ፡መለሰን ግርማይን ድማ ብፍሉይ። ካብ 98 ክሳብ 2004 ዝተገጥመ ግጥምታት ናይዞም ልዕል ኢለ ዝጠቐስኩዎም ናይ ስነ ግጥሚ ቤትሰብን ካልኦትን ከንብብ እንከለኹ፡ ሓደ ድሒረ ኣብ ግጥምታቶም ዝሰእንኩዎ ጽባቐ ይረክብ። ትብዓትን ግሉጽነትን ይስእነሉ። እዚ ዩ ድማ ናብዚ ዳሕረዋይ መድረኽ ዝተሰጋገረ ግን ክሰጋገር ዘይነብሮ። ብርግጽ ብርዱእ ምኽንያት’ዩ ጠፊኡ እዚ ጽባቐ ዚ። በቲ ኣብ ልዕሊ ፕረስ ኤርትራ ዝወረደ ዕንወት ዩ ድማ ብናተይ ኣስተንትኖ። ነዚ ክስውእሉ ኔርዎም ዶ ኣይነበሮምን ዝብል ሕቶ ከልዕል ይኽእል፡ግን ሃንደራእ ኢልካ ዝፍረድን ዝምለስን ኣይኮነን። ኣነ ከም ጸጋይ ውን በቲ ቀዲሞም ዝጸሓፍዎ ግጥምታት ንዝእምነሉ ከምዘልዎ ብትብዓት ክብሎን ኪኖ ዚ ውን ከም ናይ ሰቁራውጦስ ሄምሎክ ክሰትየሉን ዝጸልውኒ ኣለው።እዚ ዳሓር ዝጠፍእ ጸባቐ ግጥሚ( ትብዓትን ግሉጽነትን) ግን ኣብ ዳሕረዋይ መድረኽ፡ኣብቲ ብዓል ኣነ ክንሕጥጠሉ ዝጀመርና ስለዝተቐብረ ግን ርኡይ ዝኾነ ምስሊ ግጥሚ ደዊኑ’ዩ። ካብቲ ኣብቲ መዲያ ዝነብሩ ውን ከምቲ ዝበልካዮ ንሶም ዮም። ግን ሕጂ ውን ብርዱእ ምኽንያት ግጥሚ ብድንግሉ ( ናታቶም ይኹን ናይ ካልኦት ገጠምቲ)ዘቃልሕሉን ዘሕትሙሉን ዕድል ኣይነብሮምን። ኣነ ንብዓለይ ንስለ ክሕተመለይን ኣብ ቲቪ ከንብቦን መታን ክንደይ ድንግልና ግጥምታተይ ዘይደፈርኩ። ካልኦት ውን ከምኡ።
ኣብ ምስናድን ምትሕልላፍን ጽባቐ ግጥምን ንግጥሚ ዝምልከቱ ጽሑፋትን ግን ኣነ ውን ምሳኻ ኣለኹ። ነዊሕ ብንግጥሚ ዝምልከቱ ጽሑፋቱ ዝመሰጠኒ ሄኖክ ተስፋብሩኽ ክንደይ ግዜ ብመልክዕ መጽሓፍ ጌርካ ነዚ ረስኒ ምግጣም ጥራይ ዘለዎ ገጣሚ ኣነቓቓሓዮ ይብሎ ኔረ። ንካልኦት ውን ከምኡ። ኣብዚ ምናልባት እቲ ናይ ማሕተም ጉዳይን ብዓቢኡ ድማ ብትብዓት ናይ ምጽሓፍ ዕድል ኔርዎም ወይ ኣለዎም ዶ? እዚ ውን ቀሊል መልሲ ኣይኣኽሎን። ኪኖ ዚ ግን ዝበዝሑ ገጠምቲ ገጠምቲ ድኣ እምበር ናይ ግጥሚ መምህራን ኣይኮኑን። እረ ገሊኦምስ ይትረፍ ክምህሩ ከዕልሉ ውን ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ገሊኦም ድማ ኣብ ክፍሊ ክምህሩኻ ተውህቦ ዘይብሎም ብዕላሎም ግን እቲ ናይ ብሓቂ ዛንታ ግጥሚ ዘዘንትዉልካ ዮም። ኣብዚ ሕጂ ” ካብኦም ዘይሓለፈ ” ዝበልካዮ ሓቅኻ ኢኻ። እቲ ዕላሎም ልዕሊ ኣብ ክፍሊ እትምሃሮን ዘነቓቕሕን እንከሎ ግን ኣይስነድን። ብዘይካ እቲ ቀራቢኦም ድማ ካልኦት ዝበዝሒ ስነ ጥበባውያን ኣይረኽብዎን።
እዚ ሕጆ ጥረ ዝብሃል ዘሎ ግጥምን እቲ ኣብቲ ግዜ ቲ ዝነብረ ብሱል ዝብሃል ግጥምታትን ከነጻጽሮ ከለኹ ግን ንሶም ውን ብቀጥታ ብሱል ግጥሚ ይጽሕፉ ከም ዘይነብሩ እንታይ ዳኣ ኣብቲ ሓድሕዳዊ ዕላላትን ኣብተን ዝነበራ ምኣድታት ስነ ጽሑፍ በሲሉ ይሕተም ስለ ዝነበረ’ዩ ዝብል መረዳእታ ኣለኒ። እዚ ኣብዚ ገጽ መጽሓፍ ዝልጠፍ ግጥምታት ነቲ ጸጋ ቲ ኣይረኽቦን ዘሎ። ውልድ ምስ በለ ጌና ታተ ከይበለ ኣብ ዚ ገጽ መጽሓፍ ጉየ ንብሎ ሞ የንከራርወና ኣሎ። ኣብ ድኻም ናይ ዚ ዘለናዮ መደርኽ ዘሎ ግጥሚ እቶም ቀዳሞት ናይቲ ቀዳማይ( ሳልሳይ ) ውን ተሓተቲ’ዮም ዝበልካዮ ብኸፊል ኣነ ውን ይሰማማዕ’የ። ብውሕዱ ስለምንታይ ደኺሙ፡ ከመይ ጌሩ ኸ ይሕይል ንዝብል ሕቶታት ባዕሎም ሓቲቶም ምስዚ ናይ ዚ ዘለናዮ መድርኸ ገጣሚ ክምልስዎ ይግብኦም ኔሩ።እዚ ዘተ ከነቓቕሖም ተስፋ ይገብር። ብድብድቡ ግጥሚ ሎሚ የለን፡ ቀደም ኔሩ ግጥሚ ክብሉ ግን ከምዘየምልክዓሎም ኣነ ውን ከዘኻኽሮም ይደሊ። እቲ ዝነብሮም ዳሓር ዘጥፍእዎ ትብዓትን ግሉጽነትን ደጊሞም ነዚ ውልዶ ገጣሚ ከውርስዎን ኪኖ ፍልጠቶም ፍቕሮም ከስርጹሉን ድማ የዘኻኽሮም።
ከምቲ ኣብ ዛራ ገጠምቲ ዘለካ ትዕዝብቲ ኣነ ውን ናተይ ትዕዝብቲ ኣለኒ። ሽሕ ኳ ኣብ ዛ ኣደራሽ ግጥሚ ካብ ዝጽንበር ውሑድ እንተገርኩ፡ ኣብቲ ቃለ መሕትትን ውድድራትን ግን ከምቲ ዝትዓዘብካዮ ናተይ ትዕዝብቲ ከንብር።
እቲ ንቃለ መሕተት ዝዳሎ ሕቶታት ንኩሉ ኣብዛ ዛራ ዘሎ ገጣምን ኣስተማቓሪ ግትምን ብምዕዳም ዝእከብ ብምዃኑ ሓሚቑ ጸቢቑ ንኩሉ ሓታቲ ድኣምበር ንኣዳልውቲ ዝግደፍ ድኻም ኣይኮነን። ምናልባት እቲ ሕቶታት ካብ ሓደ ሰብ ዝፍልፍል እንተዝኸውን እቲ ሰብ ዓይነ ስነ ጽሑፍ ዘይብሉ ከመይ ጌሩ ዩ ዋሓዝቲ ሕቶታት ፈልፊሉስ ንተሓታቲ ዋሓዝቲ መልስታት ከውሕዞ ዝኽእል ክንብል ንኽእል ኢና። ኪኖ ዚ ግን እቲ ንቃለ መሕተት ተዓዲሙ ዘሎ ገጣሚ ከምቲ ሓደ ገጣሚ ኣዕሊሉኒ ዝበልካዮ ርትዓዊ ወይ ናይ ገጣምን ኣፍቃሪ ግጥምን መልሲ ኣይኮነን። ነቲ ሕቶ መበገሲ ጌሩ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዕቑር ተመኮምኩሮ በሎ ተውህቦ ከዛርዮ ይኽእል ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ገጣሚ ግርህናን ግሉጽነትን ከጥፍእ እንከሎ ዩ ከምዚ ክብል ዝኽእል። እንተዘይኮይኑ ንቃለ መሕተት ዝጽበየሉ ምኽንያት ውን የብሉን። ስነ ጽሑፋዊ ሓላፍነት ከምዘለዎ ዘኪሩ ” እዚ ዩ ዓለመይ፡ ግጥሚ ዘስተንፍስ ዓለመ- ግጥመይ ” ኢሉ እምባሕ ክብለናን ስምባደ ሓጎስ ከሰምብደናን ይኽእል’ዩ። ነቶም ቀዳሞት ኮ ከምኡ ዘይገበሩ ኢና እንወቕሶም ዘለና። ብተበግስኦም ፍልጠቶም፡ ሕልሞም፡ ከይዲ ስነ ጽሑፋዊ ጉዕዝኦም፡ ፍቕሮምን ትብዓት ቀደሞምን ዘየለገሱልና እንዲና በቃቓት ንብሎም ዘለና።
ኣብቲ ውድድር ኣመኪትካ ዝሃብካዮ ትዕዝብቲ፡ ኣነ ኣብዛ ሳልሰይቲ ውድድር የ ኣርኪበ። ኣብ ዝኾነ ውድድር ደያኑ መዕቀኒታት ኣቐሚጦም’ዮም ዝመዝኑ ወይ ዘወዳድሩ። ኣብ ስነ ጽሑፋዊ ውድድር ዝግበር ምመያ ውን ከምኡ። ኣብዚ ሕጂ እንድሕር መዕቀኒታት ኣሎ ኮይኑ፡ እቶም ሰባት ዘይኮኑ እቲ መዕቀኒ’ዩ ዝፈርድ ዝብል እምነት ኣለኒ። ነቲ መዕቀኒታ ብዕምቆት ይፈልጥዎ ድዮም እቶም ደያኑ ዝብል ሕቶ ክልዓል ይኽእል ‘ዪ። ግን ብዕምቆት ዘይፈልጥዎ መዕቀኒታት ስነ ግጥሚ ከ ከም መዕቀኒ ከቐምጥዎ ይኽእሉ ዶ ? ። ኣብዚ ሕጂ ኣነ፡ንስኻ ወይ ካልኦት በቲ ዘውጻዎ መዕቀኒ እንተዘይፈሪዶም ብካልእ ኣዘራርባ እቲ መዕቀኒታት እንተዘይፈሪዱ ብርትዓዊ፡መገዲ ክንርትዕም ዩ ዘለና።ኪኖ ዚ ግን እቲ ተዓዊቱ ተባሂሉ ዝወርድ ግጥምታት ርእይ ምስ ኣበልናዮ ውን ንዓወት ዝበቅዕ ድዩ ኣይኮነን ክንግምግሞ ንኽእል መስለኒ። እቲ ብተደጋጋሞ ተመሳሳሊ ግጥምታት ተዓዊቱ ዝበልካዮ ግን ሓደ ገጣሚ ውን ሰለስተ ግዜ ቀዳማይ ክወጽእ ይኽእል’ዩ። እቲ ሕቶ ብቕዓት ናይቲ ግጥሚ ዪ ክዝረበሉ ዘለዎ። በቲ ምስኡ ዘ።ዝተወዳደረ ግጥምን በቲ መዕቀኒታትን። ንዓወት ዝኸውን ግጥሚ ኣይቀረበን ክብሉ ውን ይኽእሉ ዮም ዝበልካዮ ውን ምስዛ ነጥቢ ተኣሳሲራ ትኸይድ መስለኒ። ናይ ባሓቂ ከም ዕውታት ናይ ሓደ ውድድር ግጥሚ ከም መወከስን ኣነቓቓሕትን ክኾኑ ዘይክእሉ ግጥምታት እንድሕር ዕውታት ተባሂሎም ቀሪቦም ግን ቀዳማይ ሃስያ ንምዕባለ ስነ ግጥሚ ብድሕሪኡ ድማ ነቲ ውድድር ዘፍኩስ ብምዃኑ ዓገብ ዘይብሃለሉ ምኽንያት ኣይርእየንን። ጥራይ ርትዓዊ ብዝኾነ መርትዖታትን፡ ንኩላትና ኣየዕብየናን ዩ ብዝብል ልዙብ ልዝብን ክኸውን ይምረጽ።
ኣብቲ ኪኖ ምውድዳስ ሓቀኛ ነቕፌታ ዝበልካዮ ግን ንነቓፍን ተነቃፍን ዝንቀፍ ንቐፌታ ዩ። ንኩላትና። ከም ትዕዝብተይ ግን ግርህናን ቅንዕናን ዝመልኦ ኣነቓቕፋ ስለዘይንጥቀም ኮይኑ ይስምዓኒ። ኪኖ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ፍቕርን ብትዕቢትን ስምዒትን ንዕብለል ብምህላውና ዩ ዝብል ትዕዝብቲ ኣለኒ። ኪኖ እቲ ግጥሚ ኣብ ውልቃዊ ሂወት ናይቲ ገጣሚ ስለ ዕንክሊል ንብል ብምህላውና ዩ ዝብል ርኡይ ትዕዝብቲ ኣለኒ። ኪኖ ዚ ግን ብፍላይ እዞም ኣብዚ ዓዲ ሓርነት ዘለና ገጠምቲ ነቲ ብሰንኪ ርዱእ ምኽንያት ዝሰኣናዮ ትብዓትን ግሉጹንት ኣብ ግጥምታትና ክንስንዶን የዘኻኽር። ንfkrey ድማ ብድጋሜ ናይ ስነ ጥበባዊ ሓላፍነትካ ዘኪርካ፡ ነዚ ወርቃዊ ግዜ ድያስፖራዊ ሂወት ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣዛታዪ፡ ኪኖ ዚ ድማ ናይ ባሓቂ ብውልቂን ብሓባርን ካብ ስምዒታዊ ኣካይዳ ናብ ርድኢታዊ ኣካይዳ ዝመርሕ ጽሑፍ ስለ ዘውዓልካዮ ሕልናዊ ዕግበት ክስምዓካ ከም ዘለዎ ከዘኻኽረካ። በቃ ከምዚ ጥራይ ጸሓፍ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleግጥሚ ትግርኛ፡ ግዳይ ብርዑ ነናይ ዘውተረ ጸሓፊ !
Next Article ድንግል ግጥሚ ቀደም ኔሩ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?