Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ክንዮ’ት ስደት

ክንዮ’ት ስደት

0
By Mekonnen T. on November 18, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ጳውሎስ ባህልቢ

2ይ ክፍልን መወዳእታን

ምስ ወዲ በሽር፡ ድሕሪ ትኬት ምቑራጽና ብዙሕ ኣየዕለልናን። ሰዓታት ምንቃል ኣውተቡስ ስለ ዝኣኸለ ኣብ ምላሸይ ኣስፊሕና ከነዕልል ተፋንየዮ ተሰቐልኩ ። ቀዳመይቲ መደየቢት ኣስካላ ሰጊረ ኣብ ካልአይቲ ምሉእ ብምሉእ ምስ ረገጽኩ ጥርሑ ኩርሲ ከናዲ ካብ ቅድሚት ክሳብ ድሕሪት ንብምልኦም ተሳፈርቲ ብ ዕንተይ ኮለልክዎም። ደቂ ሰባት ክንዮ ሰባት ምዃኖም ካልእ መዐየሪ ዋጋ ከምዘይ ብሉ እትምስክር ኣውተቡስ።ጸሊምን ጻዕዳን ተማዓርዮም ዘተቐመጥዎ መናብር ይዛይድ። ኣዝዩ ደስ ኢሉኒ፡ ህርፋን ጻዕዳን ምስ ጻዕዳን ሃልዩኒ ዘይኮነ፡ እታ ናይ ጭንን ናጽነት ክንዮ ኣብ ሕብረ-ምትፍናን፡ ኣብ ሕብረ- ፍቅሪ ስለ ትምቀር’የ። ኣብዛ ናይ ጊላን ጎይታን ሕብሪ እምበር ትርጉም ዘይቀየረት ዓለም ንኹሉ ብፍቕሪ’ዩ ዝስገር። ኣብ ከባቢ ፍርቂ ካብዞም ተሳፈርቲ ዝረኣኽዋ ነጻ መምበር ኮፍ በልኩ። ኣብ ጎነይ ዝነበረት ሄዋን ቦርሳይ ኣቐሚጠ፡ ኣቃምጣይ ከሳብ ዘመዓራሪ ፍጺማ ኣየቕለበትለይን። ፍጺማ ዉን ኣይነበረትን። ኣብ እዝና ኤርፎን ሰኲዓ ብፍርቂ ግምባራ ኣብ ቬትሮ ናይ ፍንስትራ ተደጊፋ ንደገ ተቋሙት ነበረት ።ካብ ሓንቲ ክፍሊ ዓለም ምዃና እኳ እንተ ኣረጋገጽኩ፡ካብ ስድሪ እመት ኣላታ ግዲ ገረዮ ወላ ካብ ከብዲ ዓደይ እንትዘይ ኮነት ጓል ጎዶበይ ክትከዉን’ሞ ክነዕልል ተመነኹ። ብዘለኒ ናይ ቋንቋ ዓረብ ምልከት ኣይሽገርን’የ፡ ኣምሓሪኛ ግን ሰበይቲቦይ እያ። ግእዝ ክሳብ ዝኾነት ሰሚዐ፡ክርዳእ ግን ኣይሽገርን እየ። ብነብሰይ ሰባት ምልላይ ባህ እዩ ዝብለኒ ክሳብ ንሌላ ዝዕድሙኒ ዘጽንሕ ዓቕሊ ዉን የብለይን ርቡጽ’የ። ቀዲመ ድማ ሰላም በልክዋ ሰላም ክትምልሰለይ እና ተጸበኹ ኣብ እዝና ዝነበረ ኤርፎን እንዳ ኣውጻውት “wie bitte” በለትኒ ብቋንቋ ጀርመነኛ ። ወይ ሰብብ እንታይ ዝበልዎ ወጠምጠም’ዩ ወደይ ሱቕ ዘይብል ነበርኩ ሕጂ ድኣ ካበይ ይምጻእ መልሲ ተዓንደ ሱቕ። ካብታ ዝኣተኽዋ መዋጥር ክወጽእ ኒሕ ስለ ዝሓዘኒ ግን፡ ወታእታእ እንዳ በልኩ ሄሎ በልክዋ ፡ናይ ምርባሽ መንፈሰይ ከይተንብቦ እንዳ ተቓለስኩ። ya hello,Ich bin natsnet,und du . በለትኒ ስማ ናጽነት ምኻና ኢዳ ንሰላምታ እንዳ ሰደደት ስምይ ከላልያ ብምሕታት። ጋን ኮይንኒ ። እዋእ! ኣንቲ ኤርትራዊት ዲኺ በልክዋ ብቋንቋ ትግርኛ። ናጽነት እትብል ስም ክንዮ ኣብ ኤርትራ ኣብ ካልእ ከምዘይትህሉ ብርእሰተኣማመንነት። ወይለከይ ኤርትራዊ ድኻ፡ ሓቢርና ኣቕልቦ ከባቢ ክሳብ ንስሕብ ብሳሓቕ ክርትም በልና። ክንደይ ትሓስሚ ጓለይ ኣብ ፈተነ ተእትዉና ብገዛእ ጓል ዓደይን፡ ቋንቋይን እንዳ ተዛረብኪ መመሊሰ ዝዛርቦም፡ዝነበርኩ ቃላት ክሳብ ትቖስል እዮም ኣስሒቆማ። ቀልጥፍና ተዋሓሓጥና። ብሰሓቅ ዝጀመረ ጉዕዘና ኣዝዩ መቂሩ ።ኩነታት ሓድሕድና ክንፋለጥ ግዜ ኣይወሰደልናን።

ከባቢ ክልተ ሳዓት ዝወስድ ጉዕዘና ድሮ ተፋሪቑ። ኣብ ሞንጎ ዕላላ ናይ ዓረብ ቃልት ስለ ትሕዉስ ካበየናይ ክፋል ኤርትራ ምኻና እኳ እንተገመትኩ፥ ካበየናይ ዓዲ ወይ ከተማ ምዃና ከም መዕለሊ ክኾነና ሓተትክዋ። ምስ ሱዳን ዘዳዉብ ክፋላት ኤርትራ ዝቅመጥ ህዝቢ ፡ ዓረብ ከም ቀዳማይ ቋንቋኡዩ፡ ትግርኛ ኣብ ዝዛረበሉ እዋን ድማ ካብ ዓረብ እናሓንፈጸ ይጥቀም። ኣብ’ዚ ከባቢ ዝነወሐ ዕድመይ ስለ ዝተቐመጥክዎ ኣካሉ’የ። ምስ ናጽነት እንተ ዋሓደ ናይ እትነብረሉ ከተማ፡ ከባቢታትን ፍሉይ ዝኽርታተይን እንዳ ኣልዓልኩ ከዕልላ ስለ ዝክእል ድማ ከም መዕለሊ ክጠቕምና ካበይ ከምዝመጸት ንምፍላጥ ኣበይ እኺ በልክዋ። ከመይ ማለት ሓተተትኒ ? ካበይ ዓዲ። ካብ ኤርትራ መለሰትለይ ዘይከምቅድማ ዕትብ ኢላ። እንዳ ሰሓቕኩ፡ ካብ ኤርትራ ምዃንኪ’ሞ ክንዮ ቋንቋኽን ምስልኽን ስምኪ እዩ ኣፈድሑኪ የግዳስ ገለ መዕለሊ እንተኾነና እንዶ ዓድኺ ንገርና፡ መልሳ ክሰምዕ የእዛነይ ጸልየ ገጻ እንዳ ጠመትኩ። ንግዚኡ ኤርትራዊት ምዃነይ ይኣኽለካ’ዩ፡ ወረ ንሓዋሩ በልት ቃና ድምጻ ኣትርር ኣቢላ። ኩሉ ነገራ ተቐየረኒ። ኣብ ነፍስወከፍ ዕላላን ሳሓቓን ዝግልሁ ከናፍራ ንመሳርዕ ኣስናና ልኢኾም ሸብረኽ ዘብል ሓይሎም ተሰወረኒ። ቀምጽመጽን ርምጠጣ ከንፈራን ንኣንስታዊ ምስላ ኣድሚቖም ክምስክሩ ከምዘይወዓሉ ብናይ ስምዒት ኣልቦ ትርጉም ደረቑ። ሕቶይ ጌጋ ከይህልዎ ክምርምር ንድሕሪት ተመሊሰ፡ ንዝበልክዎ ክዝክር ፈትንኩ። ዘኽፍእ ሕቶ ከምዘይ ሓተትኩ ርግጸኛ ነበርኩ። ንከባቢ 20 ድቒቅ ዝኸዉን ኣብ ሞንጎና ጸጥታ ሰፈነ ። ቅድሚ ዝተፈጥረ ሽግር ምፍታሕና፡ ሽቱትጋርት ከይንበጽሕ ኣጸለትኩ።

ዝተፈጠረ ሽግር ክንዮ ምዝርራብ ክፈትሖ ዝክእል ኣማራጺ ስለ ዘይነበረ፡ ስቕታ ንምስባር፡ ደስ ኣይበልክንን ናጽነት፡ ዝተፈጠረ ነገር ኣሎድዩ። ከይተረዳኣኒ ዝተዛረብክዎ ዘረባ እንተ ሃልዮ ንግርኒ ክእረመሉ በልክዋ ካብ ዝነበረኒ ናይ ጸወታ መንፈስ ልዉጥ’ለ ። ኖ ክሳብ ክንድኡ ኣይኮነን እንተኾነ ግን እንተስ ብገርህኻ እንተስ ብልብኻ፡ ኣበይ’ዩ ዓድኺ ትብል ዘቕረብካያ ሕቶ ብመትከል’የ ዝቃወማ በለትኒ ገለ ብዉሽጢ ዝደፈኣ ሓይሊ ከምዘሎ የዕሙቓ እና ስተንፈሰት። ኣብዚ ምዕቡል ዘመን ኤርትራዉያን ሞበቆል ዓዲ ምጥያቕ፡ ክርዳድ ካብ እኽሊ ምፍለዪ እዮም ዝጥቀምሉ። ብስምዒት ተዕልል ስለ ዝነበረት ስሚዕታ ከይኮልፋ ምኽኒያት መንቀሊ ሕቶይ ኣየልዓልኩላን፡ ርእሰይ እንዳ ነቕነቕኩ ምስኣ ከም፡ ዘለኹ ጥራይ ኣረጋገጽኩላ። ቅድሚ ሓደ ዓመት እንታይ ኣጓንፉኒ መስለካ፡ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኤርትራዊት ንወርሒ ብ 400 ኤሮ ተቖጺረ ኣብ ሽቐጣ-ሸቐጥ ምሕላው ስራሕ ጀሚረ። ወረቐት ስለ ዘይብለይ ብጸሊም ክሰርሕ ጥራይ እየ ዝኽእል። ኣስራሒተይ ብስራሕ ምኽኒያት ካብ ጀርመን ወጻኢ ንልዕሊ 2 ወርሒ ስለ ዝገሽት ምሽት ምሸት ተቛጻጺሩ ሕሳብ ዝገብረለይ ወኪል ገዲፋትለይ። ክሳብ ትምለስ ድማ ኣብ ልብያ ንዝነበረት ሓፍተይ መመላእታ ናይ ባሕሪ ዝከዉን ብፍቓድ ወኪል 400-ኤሮ ወሰድኩ። ድሕሪ ክልተ ወርሒ ዝተመለሰት ኣስራሒተይ ዝነበረና ሕሳብ ገርና ናይ ወርሒ ተረፍ ደሞዘይ ክትህበኒ ተወከስክዋ። ብሎሚ ጽባሕ ከይሃበትኒ ተወሳኺ ወርሒ ወሰኽኩ። ኩሉ ኩነታታ ደስ ስለ ዘይበለኒ ድማ ሓደ ረፍዲ ጠቅሊላ ሕሳብ ክትዓጽወለይ እሞ ስራሕ ከቃርጾ ከም ዝደሊ ሓቢረያ። ሕጂ ዉን ከምዘይ ጥዕማ ሓቢራ ኣፋነወትኒ። ድሕሪ ስራሕ ምቁራጸይ ጥራይ ደሞዘይ ከይወሰድኩ ክመላለሳን ክልምናን ልዕሊ ክልተ ወርሒ ወሰድኩ። ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ስለ ዘይብለይ ክሰርሕ ኣይፍቀደንን እዩ። ክሰርሕ ክሳብ ዘይተፈቐደኒ ድማ ኣብዘይ ሕጋዊ ስራሕ ንዝተዓመጽክዎ ዓመጽ ሕጊ ክጣበቐለይ ስለ ዘይክእል ኣብ ሕጊ ከይከሰስክዋ ይጥቀምኪ’ለ ሓድኩላ። ድሕሪ ሰሙን ኣቢሉ ይኸዉን ገለ ሰባት ብደቂ ዓዳ ክልምና ከምዘለኒ ሓቢሮምኒ። ኣብ ሱዳን ተወሊደ ኣብ ሱዳን ስለ ዝዓበኹ ብፉሉይ ከባብን ዓድን ዝማቓቐሉ ኤርትራዉያን ኣለዉ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ዝብል ጭርሖ ድማ ብግብራዉነት ይመስለኒ ነይሩ። ዉሑዳት ዓመታት’የ ንኤርትራ ዝፈልጣ ንሱ ድማ ኣብቲ ባህሪ ሱዳን ዝተላበሰ ህዝቢ ዝነብሮ ከተማ ተስነይ በልትኒ ንዊሕ ጎዕዞ ከምዝተጓዕዘት ብዕማቆት ድሕሪ ምስትንፋስ። ድሒሩ ግን እቶም ብ ደቂ ዓዳ ክትፍትና ዝሓበሩኒ ሰባት ናይ ሓደ ንኣስራሒተይ ቀረባ ወዲ ዓዳ ቴለፎኑ ሂቦም ክዛረቦ ከም ዘለኒ፡ ከስሞዓ ከም ዝክእልን ስለ ዝሓበሩኒ ደወልኩሉ። ወጮ ተገምጠልካዮ ወጮ’ዩ ነገሩ ።እቲ ገንዘብ ፍርቁ ክትህበኒ፡ ክልምና ከምዝኾነን ነዚ ክገብር ድማ 50 ኤሮ ዓስቡ ክህቦ ምኻነይን ስለ ዝሓበረኒ ብኸምኡ ተሰማማዕና። ቀቢጸየን ዝነበርኩ ገንዘብ ስለ ዝኾና ዉን፡ ፍርቀን እንተረኽበክወን ሓገዝ’ዩ ንዓይ። ድሕሪ ገለ ሰዓታት ዝቐበጽክዎን ገንዘብ ፍርቀን ረኸብክዎን ። ደላሊ ዉን እቲ ፍርቂ ገንዝብ ንጓል ዓዱ ክትረብሕ ኢሉ ዝተጻወቶ ሜላ’ዩ። ኣይገርመካን! በለትኒ ብናይ ኣግርሞት ሰሓቕ እንዳ ኣባጨወት ።

ነገራቱ ጋን ኮይኑኒ ክሳብ ክንድዚ’ዮም ዝፈራረዱ በልክዋ ተስፋ ምቁራጽ እንዳ ተሰማዓኒ። ክምስታ ኣሰንያ፡ እዚ ካብ ባሕሪ ብ ጭልፋ’የ ነጊረካ፡ ኣንኳን ንህሉው፡ ንሬሳ እዮም ዓዱ ዝሓቱ። ብምባል ድማ ንባዓል ሓዊ ነጎዳ ዝድብስ ከም ዝኾነ ቁንቁኘኦም ደምደመትለይ። ምሕዝነት ብዓዲ ምዃኑ ዉን፡ኣብዚ እየ ፈሊጠ። ኣብ መጀመርታ እዋን ዓደይ ዝሓቱኒ ሰባት ተገሪሀ ይነግሮም ነይረ። ድሕረ ግን ጥንቂ ካብ ሰባት መርሓቂ ዓደይ እንተኾይኑ ዘይምንጋር ከም ዝሓይሽ ኣስተብሂለ በለትኒ። መንፈሰይ ተዳሂሉ ከስቆርቁር ተዓዚባ ክንደይ ድኻ ገርካ ሓተተትኒ።6 ወርሒ መልስኩላ ካብቲ ደኒነ ክስቆርቁሮ ዝጽናሕኩ ኣንፈት ቅንዕ ኢለ። ሓቂኻ እንዲኻ ዳሓር ካኣ እቲ ዘለኻዮ ከባቢ ኤርትራዉያን ነባርት የብሉን ዳርጋ ሕጂ ኢኹም ብብዝሒ መጺኽሞ፡ ካብ ዝገርመካ ኣስዓበትለይ፥ ብሓዱሽ መንፈስ ናይ ዕላል ተኸሊሳ ፡ቅድሚ ክልተ ዓመት ክሳብ ኣብ ጀርመን ኢደይ ዝህብ ሞበቀል ዓደይ ብኑጽር ይፈልጥ ኣይነበርኩን ኣድላይነቱ ዉን ዕዙዝ ኣይነበርን ኣባይ። ኢደይ ዝሃብክሉ ማዓልቲ ፎርም ንምምላእ ኣብ ምንጎ ወጺአ ንደይ ደዊለ’የ ሓቲተ’ያ። ክሳብ ክንድዚ ብምንባረይ ድማ ድሒሩ ንዝገጠመኒ ብድሆታት ክጻወሮ ኣይካኣልኩን። ሕጂ ዉን እንተኾነ ክንዮ ኤርትራዊት ምኻነይ ዝኸይድ ኣተሓሳስባ የብለይን። ሎሚ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ኤርትራውነትን ብዛዕባ ኤርትራን እንተዘይ ኮይኑ ካልእ መንፈስ የብለይን። ብኸምኡ እየ ድማ ክንዮ ኤርትራዊት ምኻነይ ካልእ ከም ዘይምልከትካ ዝሓበርኩኻ። ምናልባት ኣብ ልዕለኻ ጌጋ ርድኢት ሒዘ ነይረ፡ ሕጂ ግን ንጹህ ምዃንካ ስሚዕታትካ ሓቢሮምኒ። ብመግናሕተይ ቅረታ እንተ ተሰሚዑካ፡ ይቅረታ በለትኒ። ብጽጋማይ ወገነ ፍንስትራ ንዝተዓዘብክዎን ብዝሒ ኣውተቡሳት መዕርፎ ኣውተቡስ ብጽሒና ከምንህሉ ስለ ዝገመትኩ ንንናጽነት ተወከስክዋ ብልክዕ በለትኒ። ኣውተቡስ ኣብ ፌርማታኣ በጽሓ ደው ብምባል ክንወርድ ማዕጾ ኣርሓወትልና። ናይ ምፍልላይ ሳዓት ብምእኻሉ ቴለ ተለዋዊጥና ተፈላለና።”ክንዮ ኤርትራዉነትን ኤርትራን፡ ካልእ መንፈስ የብለይን” እትብል ቃላ፡ መመሊሳ ኣብ ሓንጎለይ እንዳ ደወልት፡ ክንዩኡ ከይሓስብ ምስ ነብሰይ ቃል ኣተኹ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ስለ ውሉድ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?