Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ክተት!

ክተት!

3
By Mekonnen T. on June 9, 2014 Home, ቅኒት ብርዒ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ክተት!
ድርሰት፥ በውቀቱ ስዩም
ትርጕም፥ ቴድሮስ ማርቆስ
ሓደ ዘመን፡ ኣብታ መዲና ሓበሻ ዝነበረት ኣኽሱም፡ እንተላይ ኣብ ጐረባብታ ኑብያን የመንን ሰላም ነገሰ። ኣውራ ኣብ ኣኽሱም ብልጽግና ሰፈነ። ኵሉ እንጌራን ወይንን ጸገበ።
ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ካብ መንጎ ምስጉናት ሊቃውንቲ ኣኽሱም ሓደ፡ እቲ ንጉስ ኣብ እተረኸበሉ ጉባኤ፥ “ልቦናይ ዘርኣየኒዶ ክዛረብ?” በለ።
ተፈቐደሉ።
“ዎ ግርማዊ ንጕስ!” በለ በቲ ምዑዝ ድምጹ። “ግርማዊ ንጕስ! ኣኽሱም እትርከበሉ ኵነት ንርጉእ ሕልናይ ስግኣት ፈጢርሉ ኣሎ። እዚ ሻቕሎት ድማ በብቝሩብ ናብዞም ወገነይ ከይተኣታተወ ኣይተርፍን።”
“ምንጪ ስግኣትካ እንታይ እዩ?” በለ ንጉስ.
እቲ ሊቕ ኬብርህ ጀመረ።
“ከምዚ እንርእዮ፡ ኣብ መንግስትና ሰላም ብዘይ መጠን ሰፊኑ ይርከብ። መኣዛ ባሩድ ካብ ዚሽትተና ነዊሕ ዘመን ኮይኑ። ናይ ዘመራን ፈኸራን ዜማታትና ተረሲዖም። ነዞም ጓሶትና እንዶ ስምዕዎም! ዜማታቶም ሕድማ ብዕልግናን ፍቕርን’ምበር፡ ናዕታ ስብእነትን ጅግንነትን ኣይርከቦን። ዋልታታትና ኣብ እተሰቐልዎ መስፈሪ ዓለባ ሳሬት ኰይኖም። ሴፍና ዘበለ ጐዲሙ። ተወርዋሪ ኲናትና መሪቱ። ነጋሪትና ጥሻ ውሒጥዎ። ሰላም ልምድታትናን ትውፊታትናን ኣጥፊኡልና። ከምቲ መረባዕ ብዘይ ሕጡብ ብዘይ ናሕሲ መረባዕ ዘይከውን፡ ንሕና’ውን ብዘይ ነውጽናን ብዘይ ቱታናን፡ ብዘይ ዓወትናን ብዘይ ስዕረትናን ንሕና ኣይኰናን።
“ግርማውነትካ! ከም እትፈልጦ፡ ኣንበሳ ምስ ሜዳቝ ኣዒሙ ምርኣይ ንጊዜኡ ባህ ዜብል ትርኢት ኪኸውን ይኽእል። ድሕሪ ሓጺር እዋን ግና የሰልክይ እዩ። ኵለን ኣዒንቲ ኣንበሳ ንሜዳቝ ኬሳድዳን ሓማሽሹ ኪዘጋግላን ኪርእያ ይናፍቓ። ዎ ንጕስ! ‘ረጋቢትና ኣብ ሰገነታትና ሰፊረን! ገረብ ሆሳኣና ኣብ ጓሮታትና በቚሉ!’ ኢሎም ንዜዳህልሉኻ ኣይትስማዓዮም። ሓያል መንግስቲ ካብ ክንቲት ረጋቢት ፍላጻ እዩ ዜዳልው። ስየ ሰሰሊዑ ለዓት ጭማራ ይሰርሕ። ሓያላት ኢና እናብልና ንነፍስና ንጥብራ። ከይተፋለምካ ዓቕምኻ ምፍላጥ ኣይከኣልን።
“ጐረባብትና ኪንየው ክምስታኦም እንታይ ይጥጅኡ ከም ዘለዉ ኣይንፈልጥን። መዓጹ ጐረባብትና ተሸጒሩ እዩ። በዚ ምኽንያት ኣብ ሕልፍኝታቶም እንታይ ይስራሕ ከም ዘሎ ኣይንፈልጥን። ኣጋውላ ጐረባብትና ብዘይምፍላጥና፡ ኣብ ቤትና ስግኣት ኣንጸላልዩ ይርከብ። ዎ ንጕስ! ፈተነ ኣብ ዘይብሉ ዘመን ኢና እንነብር ዘለና። ፈተነ ዘይብሉ ዘመን ድማ፡ ንሕጊ ተፈጥሮ የዛብዖ። እስከ ነዞም ኣጓብዝና ተመልከትዎም! ከም ጐርዞ መሓዃዅልትን ኣጥባትን ኬውጽኡ ጀሚሮም። እነሆ ድማ፡ ችሕሞም ካብ መንከሶም፡ ሸነብ ጥርዚ ከናፍሮም ላጽዮምዎ። ከብዲ ኢዶም ካብ ሃሪ ጨርቂ ይልስልስ። ተጋሕቲኖም ወረ ኣረጊት ሰበይቲ ኬዀምስዑ ጊዜ የባኽኑ። ሕብሪ ደም ኣይፈልጡን እዮም። ኣባሓጐታትና ፍላጻ ዝወጠሩሎም ቀስትታት፡ ኣዋልድና ጡት ይፈትላሉ ኣለዋ። ስለዚ እንለብሶ እልሞ ብውርደት እተኣለመ እዩ። እንትርፎ ደም ነዚ ርስሓት ዜጽርዮ እንታይ ኣሎ?”
“እሞ እንታይ ይሓይሽ?” በለ ንጕስ።
“ንኑብያውያን ዘይንፋለሞም!” በለ እቲ ሊቕ።
“ኑብያውያን እንታይ ገይሮሙና?”
“ኣብቲ ንክልቴና ዚፈልይ ዶብ ዳዕሮ ተኺሎም ኣለዉ።”
“እሞ እንተ ተኸሉኸ?”
“እቲ ዳዕሮ እናኣስፋሕፍሐ እንተ መጺኡ መሬትና ምውሳዶም ኣይተርፍን።”
“እሞ እንታይ ይሓይሽ?”
“ነቕምሶም!” በለ እቲ ሊቕ። “ንበሎም!” በለ መኳንንቲ።
“በልዎም!” በለ እቲ ንጕስ።
ኵነታት ተቐያየረ። ደቂ-ኣንስትዮ ቆሎ ኣብ ምቕላው፡ ጭብጦ ኣብ ምስንዳእ ተጸመዳ። ደቂ-ተባዕትዮ ምንጽጻር ዕላማ ብተመልከተለይ ተተሓሓዝዎ። ዝበለዩ ዋልታታት ከካብ እተሰቐልዎ ወረዱ። ቀስትታት ተወልወለ። ፍላጻታት ተሰሓለ። ኣሳጕማ ኣጓብዝ ተለወጠ። ጓሶት ሕድማ ፍቕሪ ኣብ ኣንደበቶም መኸኸ። ጐላጕል፡ ዱርን ኰረቢትን ቃና ደም ብዘለዎም ዜማታት ተመልኡ። ባንዴራ ኣኽሱም ካብ ትኻሳ ተበራበረት።
ሒደት ኣዋርሕ ሓለፈ። ካብ ኑብያ ደብዳበ ተሰደደ።
“ዛቲ ጦማር ተፈነወት ሀበ ንጉሠ ኣኽሱም!
“ሊቃውንቲ የመን ሓደ ሓበሬታ ሂቦሙና። ንስኻትኩም ኣኽሱማውያን ኣብ ልዕሌና ሰራዊት ክተኽትቱ ከም እተሰናዳእኩም ሓቢሮሙናስ ሓዚንና። ይኹን’ምበር፡ ጠንቂ ምስሕሓብና እቲ ኣብ ዶባትና እተተኸለ ዳዕሮ ምዃኑ ስለ እተገንዘብና፡ ንሰላም ዚሓይሽ ገይርና ኣለና። ካብ ሎሚ ጀሚሩ፡ እቲ ዳዕሮ ኪቝረጽ ትእዛዝ ኣመሓላሊፍና ኣለና። ይቕረ ግበሩልና!”
[ዚረአ ማሕተም]
እዚ ደብዳበ ምስ በጽሖ፡ ወዮ ንጕስ ንሊቕ ኣጸውዖ።
“እንታይ ይሕሸና? ኑብያውያን ከይተፋለምናዮም ነቲ ዳዕሮ ቈሪጾምዎ። ደጊም እንታይ ሰበብ ክንፈጠር ንኽእል?” በለ ንጕስ ግር እናበሎ።
“ግርማዊ ጎይታይ!” በለ እቲ ሊቕ። “ዝሰማዕናዮ ዜና ብእውነት ዜቘጥዕ እዩ። ኣማእዚኻ ከም እትፈልጦ፡ ሰራዊት ክንውድብ ብዙሕ ንዋይ፡ ብዙሕ ጕልበት፡ ብዙሕ ጊዜ ኣህሊኽና ኢና። ኣጓብዝና ከካብ ሞያኦም ኣፈናቒልና ኣዕጢቕናዮም ኣለና። ኣንስትና ንጽባታተን ሃንኲኸን ስንቂ ኣሰናዲአን እየን። እዚ ዅሉ ብዘይ ገለ ተግባር ብላሽ ኪኸውን የብሉን፡ ግርማዊ ንጕስ!” በለ ብቓና ምሕጽንታ።
“እሞ እንታይ ግበር ኢኻ እትብለኒ ዘለኻ?”
“ውጥን ወፈራና ሰልዩ ንኑብያውያን ዚሓበሮም መንግስቲ የመን እዩ።”
“ስለዚ?”
“በዚ ምኽንያት፡ የመናውያን ንሎኣላውነትና ግሂሶምዎ ኣለዉ። ስለዚ፡ ንቕሎና ስለምንታይ ናብ የመን ዘይነቕንዖ?”
ኣማራጺ ኣይተረኸበን። ንጽባሒቱ ኣዋጅ ተኣወጀ፥
“ጸላኢትና ናብ ዝኾነት ሃገረ-የመን ክተቱ! ኣብኡ ህያው ዘበለ ዅሉ ኣጽንትዎ! ንኸተማታቶም ድማ ናብ ሓሙኽሽቲ ኣድቅቕወን!”

ናብ ንጕስ ኣኽሱም እተለኣኸት ደብዳበ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleቁዛምኪ ይኣኽለኪ
Next Article ተስፋ፡ 1990
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

3 Comments

  1. Anonymous on June 11, 2014 11:08 am

    Ata wedukey ezi kef alewa?

    • Anonymous on June 12, 2014 2:56 pm

      Thanks, Mr. Anon!

  2. ቴድሮስ ማርቆስ on June 12, 2014 3:01 pm

    ክብረት ይሃበለይ Mr. Anon!

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?