Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ክሊሸ (cliché) – ሓደ ካብ ነውርታት ግጥሚ

ክሊሸ (cliché) – ሓደ ካብ ነውርታት ግጥሚ

0
By Mekonnen T. on March 27, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣማንኤል በርሀ

“እቲ ቀዳማይ ንጓል ኣንስተይቲ ምስ ዕምባባ ዘመሳሰላ ገጣማይ’ዩ፣ እቲ ካልኣይ ከምኡ ዝገበረ ግን ኣብዲ’ዩ” ፈረንሳዊ ገጣሚ ጀራርድ ነርቫል

ብዙሕ ግዜ ናይ ትግርኛ ግጥምታት ኣብ ዘንብበሉ፡ ነታ ግጥሚ ኣቐዲመ ዝፈልጣ ኮይኑ እስመዓኒ’ሞ፡ ደጋጊመ ምስ ኣንበብክዋ ግን ከም ዘይፈልጣ እፈልጥ። ብድሕሪኡ ዝመጽእ ሕቶ፡ “ስለምንታይ ደኣ ዝፈልጣ ኮይኑ ተሰሚዑኒ?” ዝብል’ዩ። ተመሳሳሊ ዛዕባ ዘለዎም ካልኦት ግጥምታት ኣንቢበ ኔረ ከይከውን ድማ ክዝክር እፍትን። ብዙሕ ግዜ ዝረኽቦ መልሲ ግን፣ ምድጋም ወይ ምቕዳሕ ናይ ትልምታት ዘይኮነ፡ ብዙሓት ኣበሃህላታት ስለ ዝደጋገሙ’ዩ። እንደገና ተመሊሰ ነታ ግጥሚ ከንብባ ከለኹ ድማ፡ ሰኣን ቁሩብ ፋሕተርተር ብሰንኪ ክሊሸ ዝተወጽዐት ኮይና እረኽባ – ብዙሕ ግዜ። ክሊሸ ድማ ካብ’ቶም ፈጺምና ክንውግዞም ዘለና ኣሰልቸውቲ ባእታታት ድኹም ግጥሚ’ዩ። 

ክሊሸ ዝብል ቃል፡ ‘kli-shay’ ካብ ዝብል ናይ ፈረንሰይኛ ቃል ዝተራዕመ ምዃኑን ንተደጋጋሚ ኣሰልቻዊ ድምጺ ከምዝገልጽን ይሕበር’ዩ። እዚ ቃል ኣብ ስነ ጽሑፍ፡ ቅብኣ፡ መደረ፡ ብሓጺሩ ኣብ ጥበብ ንዝርአ ናይ ኣበሃህላ፡ ድምጽን ትርኢትን ካብ ሕሉፍ ስርሓት ኣምጺእካ ዝግበር ምድግጋም ይገልጽ – ዋላ ደኣ መበቆላውነት ኣይሃልዎ’ምበር፡ ምቕዳሕ ወይ ምስራቕ ማለት ግን ኣይኮነን። ኣብ ግጥሚ ምስ እንመጽእ ንምድግጋም ሓረጋትን ቃላትን ይውክል። “ምድግጋም” ክበሃል ከሎ ግን፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ስራሕ ንዝግበር repitetion ንምግላጽ ዘይኮነ፣ ዘመናት ወይ ዓመታት ኣብ ጥቕሚ ንዝጸንሑ ኣበሃህላታት ምድጋም ማለት’ዩ። ኣብ ግጥሚ ድማ ሓደ ካብ’ቶም ነውርታት (don’ts) ኢዩ ዝቑጸር።
ሓንቲ ቃል ኣብ ግዜኣ ብርቂ ወይ እምብዛ ገላጺት ኮይና ትቐርብ’ሞ፣ ብኻልኦት “ጥበበኛታት” ምድግጋም ምስ በዝሓ ግን ኣመና ኣሰልቻዊት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣቖጣዒት’ውን ትቕየር። ከም’ቲ ገጣሚ ጀራርድ ዝበሎ ከኣ፡ እቶም ድሒሮም ነቲ ኣበሃህላ ዝደግሙ ሰባት፡ ጥበበኛታት ዘይኮኑስ ዓያሹ’ዮም። ኣብ ኣበሃህላታት ናይ ትግርኛ ግጥምታት፡ ኣብነታት ምስ እንርኢ “መዓንጣ ሽቦ፣ ሃሪ ጸጒሪ ርእሳ፣ ክሳድ ብርለ፣ ዓለም ጎዶሎ’ያ፣ ናፍቖትኪ ከም ማይ የጽምኣኒ፡ ከም እንጌራ የጥምየኒ. . .”ወዘተ፡ ዝብሉ መግለጺታት፡ ካብ ኣመና ምድግጋሞም፡ ጽባቐኦም ጥራይ ዘይኮነ፡ ትርጉሞም’ውን ዝሃሰሰ ይመስል። ኣብ ስርሓትካ ከም’ዚኦም ዓይነት ሓረጋትን ቃላትን እንተደሃልዮም፡ “ቅድሚ ሕጂ ሰሚዐያ ዘይፈልጥ እንተዝኸውንሲ ምተጠቐምኩላዶ?” ኢልካ ክትሓትት ኣለካ። ንክሳድ ብብርለ ምገለጽካያዶ? ንመዓንጣኸ ካልእ መመሳሰሊዶ ኣይምረከብካላን?
ዝበዝሕ ግዜ ክሊሸ ካብ ትህኪት ወይ ህርፋን ዝነቅል’ዩ። ንሓደ ሓሳብ ወይ ነገር ንዕኡ ዝውክል መግለጺ ወይ ቃል ከተናድየሉ ጻዕሪ ኣብ ክንዲ ምግባር፣ ተኸሽኖም ዝጸንሑኻ (ready made) መግለጺታት ትሰኹዓሎም። ኣንባቢ ድሮ ንዓመታት ከም ቅቡላት ወሲድዎም ስለ ዝጸንሐ ድማ፡ ናይ ኣበሃህላ ጌጋ ከይርከበካ ዘጠራጥር የብልካን። እቲ ዝኸፍአ ምስልቻው ትፈጥር ምህላውካ ግን ዘይምዝንጋዕ። ሓንቲ ከም ማስቲካ ሽኮራ ወዲኣ ዝኣረገት ሓረግ፡ ንምሉእ ጽባቐ ግጥምኻ ረሞቕ ከተብሎ ትኽእል’ያ። ስለዚ ከኣ’ዩ “ኔው በላ” ተባሂሉ ምኽሪ ዝወሃብ።
ብርህ ምስ በለኒ ካብ ደርፍታትና እናቖናጨልኩ ኣብነታት ከስዕብ’የ።

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሃመልማሎ
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?