Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ካብ ዳየሪ Teklu Kifle

ካብ ዳየሪ Teklu Kifle

0
By Mekonnen T. on July 31, 2020 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email
– ቦኹም ወግዒ ልቢ ምስ’ቲ ዝፈትዎ ጸሓፊ በየነ ሃይለ ዝብሃል ጸሓፊ፡ ኣብ ሕልሚ ለይተይ ነናሻዕ ዝመጸንስ እንታይ ኮን’ዩ ምክንያቱ? ልዕሊ እታ ንጽባሕ መዓልቲ፡ ዶብ ክሰግር ምኳነይ እናፈለጥኩ፡ ‘ድሕሪ ጽባሕ ክመጽእ’የ’ ኢለ፡ ምንም ከይተሰምዓኒ ዝገደፍኩዋ ወላዲተይ፣ ኣብ ልዋም ድቃሰይ ዝመጸንስ ክማላኣኒ ድዩ ደልዩስ ወይ ክላበወኒ!? በየነ፣ 1964 ወዲ 24 ዓመት ከሎ “መዝገበ” ዝስሙ ጸራብ እምኒ ዝገጸ ባህራ መጽሓፍ ጺሒፉ ነይሩ። “ዓቢዱ ዶ ትብሉዎ” ዘርእስታ መጽሓፍ እያ፣ ዕብደት ሓደ ጸራብ እምኒ ዝንገራ ዕብዲ መጽሓፍ! ብዙሓት ‘ነዛ መጽሃፍ ዝጸሓፈ ሰብሲ ብሂወት ይህሉ ዶ? ካልኣይቲ ከይደገመና ደሃዩ ጠፊኡ’ እናበሉ፣ ንኣስታት 40 ዐመታት ምስ ተሰወረ ዳግማይ ‘ድኳን ተበርህ’ ምስ ዝሰመያ መጽሓፍ ምስ ብርሑን እርጋኑን ደበኽ በለ።……ግዳ ብሓሳብን ብሕልምን ውትፍ ዝብለን’ስ፡ ደሃይ’ቶም ዝሃነጾም ገጸ ባሕርን ዝትንበዮም ትንቢትን ዶ ክሓተኒ ኢሉ? ዓሻ እዩ። ንሱ ኣብ መንጋጋ ሓርገጽ ኮይኑ ዝበሎ፡ ኣነ ኣብ ስደት ኮይነ ሓቂ ንምዝራብ ትብዓት ከም ዘይብለይ’ሲ፡ እተን ዘዋግዕኦ ዝነበራ ደቂ ሕድርትና ሕሹኽ’ዶ ኣይበልኦን እየን!? ደሃይ በዓል ጉዕላይ፡ ጸጋይ፡ ጉዕቡል ድዕቡል’ዶ ኾን ደልዩ ይኸውን? ርግጸኛ’የ ኣብ ስደት እዮም ዘለዉ። ትኣምኖም ኔርካ ኢኻ፡ ግዲ የብልካን ሰብ ከይተቀብረ ኣይእመንን እዩ። ምናልባት ብድሕሪ ኮምፕዩተር ተሓቢኦም፡ መልክዕ ሕሰም ወላዲቶም ብሕብሪ ቀባቢኦም፡ ጽቡቅ ኣላ እናሉ የዋቅዑ ይህሉዉ። “ብኩሉ ክትዋዘ ብጡብ እነኻ ኣይትዋዘ!” ዝብል ምስላ ንምስትውዓሉ ዕድል ከይረኸቡ፡ ካብ ጡብ እንኦም ተፈልዮም ክንሶም፣ ተመሊሶም……።
ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ መጽሔት ሕድሪ ዘይመጽሓፊኡ ምክንያት ሓቲተዮ ነይረ። “ይፈርህ ከኣ ይኸውን” ዝበሎ ተረሳዒ ኣይኮነን።
ነታ ኣብ እዝነይ ዝነበረት ተለፎን ኣይኣመንክዋን። ናብ ካልእ ሕቶ ሰጊረ። “ምሳኻ ከነዕልል ንደሊ ሰባት ኣለና፡ ብሕልፊ ዓወት ዝተባህለ ዓርከይ ነዛ ንዓይኑ ክርእየካ እዩ ዝብህግ” ኢለዮ። ነቲ ሃዲኡ ዝምልሶ ዘረባ ንምስማዕ ዓቅሊ የድሊ ነይሩ። ተለፎነይ ኣብ እዝነይ ኣንቢረ ተጸበኹዎ። “ሕራይ ጽቡቅ…! ግዳ ካብ ሓሙሽተ ሰባት ክትበዝሑ የብልኩምን። ካብ ሓሙሽተ እንተ በዚሕኩም ኣይክንገብራን ኢና፣” በለኒ። ‘ምክንያት ከምኡ መበሊኡ፡ እታ ብግልጽን ብስውርን ብዙሕ ነገር ዝተኣንገደላ ኣስመራ’ዶ ትኸውን?’ ኢለ ሓሰብኩ። ኣበይ ኮይነ ይድውለሉ ከም ዘለኩ ሓቲቱኒ ነይሩ፡፡ ንባዕሉ ኣበይ እዩ ነይሩ እንድዒ። ኣብ ህዋስ ይንበር ኣብ ምድርስ፡ ይንበር ምፍላጥ ኣይከኣልን። ምናልባት ምስ’ተን ኣብ እንዳ ጣልያን፡ እንዳ ፈለኛሞ ኣብ ዝነበረ ቤት፡ ምስ ዝነበራ ደቂ-ሕድርትና ነይሩ ይኸውን። “ወግዐን ወግዒ ጥበብ’ዩ” እዩ ዝብል ነይሩ። እንታይ ከም ዝብሎኦን እንታይ ከም ዝብለንን ኣብ መጽሓፉ ምስ በተነ “ሰብ’ዶ ካብ ዘየለ ጥበብ ይላመድ’ዩ!?” ዝበሉ ገርሀኛታት ብዙሓት እዮም ነይሮም። “እንታይ ኢኹም ከም ወግዒ ኣቦታትና እክብ ኢልና እንተዕለልና’ስ፣ ‘ትሓምዩና ዲኹም ዘለኩም? ‘ፖሎቲካ ዲኹም ተዕልሉ ዘለኩም?’ ትብሉናስ፣ ግደፉና እንዶ፡ “ነቦታትና ክንመስል” እና’ለ፡ ኣብ መጻሕፍቱ ዝምጉት ተባዕ ጸሓፊ’ዩ ነይሩ። “ባህልካ ኣትርፍ። ወግዕካ ኣትርፍ። ገንኢ ሜስካ ኣንቅጽ። ይብሉካ ኣለዉ’ሞ ኣይትስመዓዮም። እንቢ በሎም”። ኢሉ ብግልጺ ዝጸሓፈ፡ ወግዒ ሰብን ደቂ- ሕድርትናን እንታይ ከም ዝመስል፡ ብጽሑፍ ዝሰኣለ፡ ፍቅሪ ንባብን ምጽሓፍን እናዋሳሰበ፡ ግሩም ዘውግዕ ሰብ እዩ ነይሩ-በየነ ሃይለ።
በየነ፡ ኣብ እምባትካላ ንላዕለዎት ወትሃደራውያን ሓለፍትን ንሓለፍቲ ስቢልን ብዛዕባ ምሕደራ ይምህር ነይሩ። ፍልይ ዝበለ ኣመሃህራ ንምትእትታው እዩ ድማ ፈቲኑ ነይሩ። ንተመሃርኡ ገለ መረዳእታ ምስ ሃበ፡ “ኣብ ክቢ ሓንቲ ጣውላ ክብብ ኢልኩም ነንባዕልኹም ተመሃሩ፣” እዩ ዝብሎም ። ዕላማ እዚ ምህሮ፣ “ንስኹም ኣብ ቅድሚ ዕዮኹም ‘ሓራምዝ’፡ ዕዮኹም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ‘ጻጸ’ ንምግባር’ዩ” ይብሎም ነይሩ።
“ኣንታ እዛ ሰብኣይ ኣበይ ኢያ ተማሂራ? ነንባዕልኹም ተመሃሩ፡ ኢላ ከተብቅዕ’ሲ ኣብ ቅድሚ ስራሕኩም ሓራምዝ ንክትኮኑ እዩ ትብለና” ኢሎም፡ ብትዕቢት ክሓምዮዎ ከለው፡ ልቡ ብጉሁዩ ግን ከኣ ግይጽ እንዳበለ፡ ነቲ ድንቁርነኦም ከመይ ገይሩ ኣብ ዕለታዊ መዘክሩ ከም ዘስፍሮ እናሓሰበ፡ ንነበብቲ ከየካፈለ፡ ናብታ ድሕሪ ሕልፈት ዘላ ዓለም ግዒዙ። እንበኣር ኣየርላንዳዊ ደራሲ ሳሙኣል በኸት ብዝፈጠሮ ገጸ ባህሪ ዝመሰልካዮም ህዝቢ፡ ከምኣ ኢሎም ብድቁሳቶም ኣለዉ። ጠንቂ ድቃሶም ሰላም ውሽጦም ከይመስለካ፣ ኣብ ግዳም ንዝፍጸም ሕሰም ስድርኦም ንዘይምርኣይ፡ ጾር ዓራውቶም ምኳን መሪጾም። እንታይን ንመንን ከም ዝጽበዩ ኣይፈልጡን፣ ከም ዝበልካዮ፡ ንትብዓት ውሽጦም ገዲፎም፡ ንፍርሓት ደግኦም ኣብ ምውካስ ይርከቡ። ሰብ’ሲ ይትረፍ፡ እተን ኣብ እንዳ ፈለኛሞ ዝነበረ ቤት፡ ዝገደፍካየን ደቂ ሕድርትና እኳ፡ ልክዕ ከም ወዲ ሰብ፡ ሰላመን ተዘሪጉ ኢሎመን። ምረተን ካብ ሰብ እናሃደማ ክጸውያ ጀሚረን ይብሃል። ‘ሰብ የለን ኢልካ ኣይትዛረብ እዝኒ ኣለዎ ገረብ፣’ ጽብል ምስላ በጺሕወን ኢሎሞ። እቲ ከየርክበና ዝፈራሕናሉ ዘመን እኖሀለካ ኣርኪቡ። ግዳ ክሓተካ እንዶ፣ ‘እቲ ቤት ማእሰርትታት-ናብ ቤት ንባብ፣ እቲ ድፋዓት ከኣ ዳግማይ ኣይንምለሶን ኢና፡ ሓድጊ ሕማቅ እዋን ኮይኑ ክነብር እዩ’ ዶ’ ድኣ ኣይበልካን? ሎምስ ቅበጽ ተስፋ የለን። እኳ ደኣ “ጥይት ክንትኩስ ኢና፡ ብሓዊ ዝተፈተና ሓዊ ኢና”። ይብሉ ኣለዉ።
ዓይነቱን ዓይነት ሰቡን ሪኢኻ፡ እዚ ህዝቢ፡ እዚ ቤት ንባብ፡ ኣብ ምህናጽን ቅርሲ ገዳማቱ ኣብ ምዕቃብ የለን። እንታይ ከም ዝሓይሽ ማንም ክንበ ኣይክእልን። ባዕሉ’ውን እንተ ኮነ፡ እንታይ ከም ዝደሊ መኣስ ይፈልጥ። መቸም ሕማም እዩ! ሕማም’ዩ ኢልካ ኣሚንካ፡እዝጊ ይምሓርካ እንተበልካዮ፣ “እንታይ ሕማም ትፈልጠለይ!?” ክብለካ ተክእሎ ኣሎ። ንረኣይኡ እንበር፡ ንሱስ ጽቡቅ ኣለኹ በሃሊ’ውን እዩ። ዳግማይ ሕቶ ክሓተካ በየነዋ፣ እቲ ትንበያኻ፡ ኣብ’ታ ድሕሪ ምጾታት ትመጽእ ዓለም’ከ ይሰምር ዶ ትብሎ? እንድዒ ንዓኻ ዝረኣየካ እንተሎ እንበር ንዓናስ ተደፊኑና’ዩ ዘሎ። “ሓዊ ኣቲካ” እንተበልካዮ “ደሓን… ሳዕሪ ተነጺፈን ተከዲነን ኣለኩ” ንዝብል ህዝቢ፡ እንታዋይ ብልሂ ሰብ ክንበየሉ ይክእል? ሕጂ ድማ፣ “ተደምረናል በል” ይብሉዎ ኣለዉ፡፡ከይበሉዎ’ውን እንተ ኾነ፡ ምረቱ ናብ ከምኡ ከይመረሖ ኣይተርፍን። “ግርህንኡ ሪኢኻ፡ ትዓርቆ ልቡ ኣብርሃሉ” ኢልና ከይንጽሊ ድማ፡ ‘ብሰንኪ ግርህንኡ እዩ ናብዚ ዝወደቀ፣’ ኢልካ ምድምዳም ኣይከኣልን። “ተንኮሉ፡ ሕስድንኡ፡ ምንቅንኡ፡ ስንፍንኡ’ዩ ኣብዚ ዘውደቆ” ኢልና፡ ኣፍና መሊእና ከይንምድር ድማ፡ ኣብ ምድርን ኣብ ሰማይን መዓንቀፊ ከይኮነና ንፈርሕ። ንብዙሓት፣ ‘ላም ሓዊ ወለደት ከይትልሕሶ ነደደት፡ ከይትገድፎ ወለደት’ ኮይኑዎም ኣሎ። ዓይነቱን ዓይነት ሓሳቡን ሪኢካ፣ “እዚ ህዝቢ ቤት ንባብ ኣብ ምህናጽ፡ ቅርሲ ገዳማቱ ኣብ ምዕቃብ፡ እንዶ የብሉን” ኢልካ ትድምድም። መደምደምታ ጉዕዙኡ፣ ‘ኣዋድቕኡ ዘኽፍአ ዓቢ ህድሞ’ ከይከውን ከኣ ትፈርሃሉ!
18/7/2020 ቦኹም
Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleንስኻን መሬትን
Next Article ተረፍ ፡ ነጸብራቕ ህይወት ሓደ መንእሰይ”መጽሓፍ፡ ተረፍ እኵብ ሓጸርቲ ዛንታታት
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?