Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ ካብ መጽሓፍ ጀዋር ኣልጸጸት ዝተተርጎመ 3ይ ክፋል

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ ካብ መጽሓፍ ጀዋር ኣልጸጸት ዝተተርጎመ 3ይ ክፋል

0
By Mekonnen T. on February 22, 2025 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣብ ልዕለይ ተሓሲቡ ብዛዕባ ዝነበረ ፈተነ ቅንጸላ ኣነን ቀዳማይ ሚኒስተር  ኣብይን በዚ ሓለፍናዮ።ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለወን ሜድያታትን ሰባትን ግን “ጀዋር 86 ንጹሃት ሰባት ኣቕቲሉ” ዝብል ፕሮፖጋንዳ መዓልታዊ ምፍናው ቀጸላን ቀጸሉን።

ድሕሪ ሒደት ሳምንታት ካልእ ኣኼባ መማኽርቲ ምስ ወዳእና ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዳግማይ ንክጸንሕ ነገረኒ፡ ኩሎም ሰባት ምስ ከዱ ናብ ጽሕፈቱ ኣጸዊዑ ” ጉዳየይ ሕጂ’ውን ጸገም ይፈጥረሉ ከም ዘሎ ገለጸለይ፡  ብሓደ ሸነኽ ሓይልታት ኣምሓራ ስለምንታይ ኢኻ ዘይትኣስሮ ብምባል ብደገን ብውሽጥን ጸቕጢ ይገብሩሉ ከም ዘለዉ፡ ብካልእ ወገን ድማ ኣነ ኣብ ክንዲ ንዕዑ ዝሕግዝ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሃን ነቐፌታይ ምቕጻለይ ካብ ረብሓ ኣልቦ ይገብሮ ከም ዘሎ ኣረድኣኒ።ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኣእምሮይ ይመላለስ ንዝነበረ ሓሳብ ነገርኩዎ፡

“ኣብ መንጎና ክልቴና ዘሎ ርክብ ኣብ መጻኢ ፖለቲካ ኦሮሞን ኢትዮጵያን ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ስለ ዝኽእል መፍትሒ ከነናድየሉ ኣለና” በልኩዎ። እንታይ ክብል ከም ዝደለኹ ምስ ሓተተኒ “ናይ ዕድል ነገር ኮይኑ ክልቴና ኣብ ፖለቲካ እዚ ዘመን’ዚ ኣብ ቅድሚት ንርአ ኣለና፡ ናትና ስኒት ንኦሮሞ ኮነ ንኢትዮጵያ ምርግጋእ ከምጽእ’ዩ፡ ዘይምስናይና ድማ ህውከት ከስዕብ’ዩ፡ንርክብ ክልቴና መልክዕ ከነትሕዞ ኣለና፡ነዚ ንምግባር ድማ ኣነን ንስኻን መርገጺናን ኣረኣእያናን ናብ ማእከል ምምጻእን ኣድላዩ ኮይኑ ይስመዓኒ”ብምባል ሓሳበይ ኣቕረብኩ።ሕጂ’ውን እንታይ ክትብል ከም ዝደለኻ እንዶ ግልጺ ግበሮ ምስ በለኒ ” ናተይን ናትካን ጉዳይ መሳርሕቲ ድዮም ተቓጸይቲ ዝብል ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ጥርጣረታት ፈጢሩ ኣሎ፡ ስለዚ ካብ ክልቲኡ ነቲ ሓደ መሪጽና ህዝቢ ክፈልጦ ከም ዘለዎ ክንገብር ኣለና” በልኩዎ ፡ ንሱ’ውን “ብዝደለኻዮ መልክዕ ምጻእ፡ እንተደኣ ደሊኻ ምሳይ ስራሕ ፡ ኣይደለኻን ድማ ተቓዋሚ ኩን ” ብምባል ኣሕጺሩ መለሰለይ።ኣብታ መዓልቲ’ቲኣ በዚ ተፈላለና።

ኣብ ካልእ መዓልቲ ሕጂ’ውን ድሕሪ ኣኼባ መማኽርቲ ጸወዓኒ ፡”ኣብ ዝሓለፈ ንዝገበርናዮ ዝርርብ ኣዘኪረ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ተጸምቢረ ኣብ ምርጫ ንክወዳደር ከም ዝሓሰብኩ ” ነገርኩዎ።ገጹ ሃንደበት ተቐየረ፡ “ናብ ምርጫ ካብ ምእታው ምንጋድ ይሕሸካ፡ ዘድሊ ዝበለ ነገር ከነጠዓዕመልካ ኢና” በለኒ። ኣነ ግን “ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ትኽተሎ ብዘለኻ መንገዲ ኣብ ሓደጋ ዝኣቱ ዘሎ’ዩ ዝመስለኒ  ዘሎ ፡ ናባኻ ቀሪበ ኮነ ሪሒቐ  ነቒፈ  ክዕረ ከም ዘይክእል ተራእዩኒ ኣሎ ፡ስለዚ ንራእይን ኣመራርሓን እዚ ህዝቢ’ዚ ኣማራጺ ናይ ምቕራብ መንገዲ እንተደኣ ዘይተሳኺዑ መሐለውታ ምፍጣር ከድሊ’ዩ “፥በልኩዎ።  ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዩ ብውሳነይ ከም ዝሓረቐ ንምሕባእ እናፈተነ ” ዝኾነ ኮይኑ ቅድሚ ምውሳንካ ነዴኻ ንገራ’ሞ ኣእምና፡ክትስእነካ ኣይትደልን’ያ ” በለኒ።ኣነ ድማ “ፈለማ’ውን ምስ ኣደይ ተማኺረ ናብ ቃልሲ ኣይኣተኹን፡ ሕጂ’ውን ምስኣ ምምኻር ኣየድልየንን’ዩ  ፡ ኣብ ውሽጢ ቃልሲ ንዝኽፈል መስዋእትን ዋጋን ሙሉእ ዕድሚኣ ስለ ዝረኣየትን እትፈልጦን ውሳነይ ንምርዳእ ኣይትጽገምን’ያ “ብምባል ናይ መወዳእታ ውሳነይ ከም ዝኾነ ኣረጋገጽኩሉ፡፡

ኣብዚ እዋን’ዚ ሃንደበት ኢደይ ሒዙ ዓይኒ ዓይነይ እናረኣየ ” እንታይ ከም እትደሊ እፈልጥ’የ፡ ሓደ ነገር ግን ክትፈልጥ ኣለካ ፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣ እተሸግሩኒ ሰባት ካብ ሰልፍታት ህወሓት ካብ ውልቀሰባት ሰባት ድማ ንስኻ ኢኹም፡ ኣይትስዕሩንን ኢኹም፡ ከጥፍኣኩም’የ፡ ኣይከኣልኩን ድማ ነዛ ሃገር ክበታትና’የ ደኣ’ምበር ስልጣን ኣሕሊፈ ኣይህበኩምን’የ “ብምባል ተቖጢዑ እናሓንሓነ ኣብ ኢደይ ብምጥቃዕ መሓለለይ።ከምዚ ክብል እንከሎ ገጹ ከሰል መሲሉ ኣእዳዉ ይንቅጠቀጣ ነበራ።ንሕርቃኑ ብዋዛ ንምዝሓል ብዝመስል መልክዕ ድማ “ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዩ ንዓይ ከተጥፍኣኒ ኣይትኽእልን ኢኻ ፡ ኣደይ ናብ ጊዪርጊስን ሸኽ ሑሴንን ዓመታዊ ሞባእ ተውድቐለይ’ያ፡ ሂወተይ ክሳብ ሕጂ ዘላ’ውን በዚ ሞባእ እዚ’ያ፡፡ሕጂ’ውን ብየማንን ጸጋምን ክሕልዉኒ’ዮም” በልኩዎ ፍሽኽ እናበልኩ። ንሱ ግን ሕርቃኑ ኣይገደፎን፡”እዚ ዋዛ ኣይኮነን ፡ ሕሰበሉ ” ብምባል ተሲኡ ንክወጽእ ናብቲ ማዕጾ ገጽ መርሓኒ።ድሕሪ ምውጽአይ ንእቶ ገላሳ ዲልቦ ረኸብኩዎ፡” መጺእካ” በለኒ ተጨኒቑ ከም ዝጸንሐ ብዘርኢ ኩነታት።ኣብ ገጹ ስግኣት ኣንበብኩ፡ “እንታይ ደኣ መኪና ሲኢንካ ዲኻ?” ምስ በልኩዎ ” ኖኖ ኣላ እምበር ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዩ ንዓኻ ዝጸውዓሉ ምኽንያት ንስምዒተይ ስለ ዝረበሾ ከብደይ ክገብረለይ ስለ ዘይከኣለ’የ ክጽበየካ ወሲነ ” በለኒ። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገር ንክነግሮ ምስ ሓተተኒ ንከይጨንቖ ኢለ ብሰላም ተዘራሪብና ከም ዝተፈላለና ነገርኩዎ።

ንነዊሕ ዓመታት ንዝደገፈኒን ንዓወት ዘብጸሓንን ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ናብ ሰልፊ ፖለቲካ ተጸምቢረ ኣብ ምርጫ ንምስታፍ ከም ዝወሰንኩ ውሳነይ ንምንጋርን ንምምይያጥን ናብ ኣሜሪካ ኣምራሕኩ፡ ካብ oromo first ጀሚሩ ሓድሽ ስልቲ ቃልሲ ምስ ኣውጻእኩ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ምስ ማሕበረሰብ ኦሮሞ ምምይያጥ ብግልጺ ኣኼባ ምግባር ልማደይ’ዩ።  ነቲ ዝሓሰብኩዎ ስልትን ትልምን ብምቕራብ ኣብቲ ኣኼባታት ኣብ ዝለዓሉ ሓሳባትን ሕቶታትን  ብምዝርራብ ምህብታሞም ኣዝዩ ጠቒምኒ’ዩ።ናብ ሰልፊ ንምጽንባር ክውስን እንከለኹ’ውን ናብ ተግባር ቅድሚ ምእታወይ ተመሳሳሊ ዘተ ክገብር ደለኹ።ናብ ኣሜሪካ ንምብራር ኣብ ዝወሰንኩላ መዓልቲ ድሕሪ ፋዱስ ምስ ሽመልስ ኣብዲሳ ብሓባር ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ከድና፡ ምሸት ናብ ኣሜሪካ ከም ዝኸይድን ኣብ ጉዑዘይ ድማ ብዛዕባ ናይ መጻኢ ሱታፌይ ኣብ ፖለቲካ ከምኡ’ውን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ምስ ኣብ ደገ ዝርከብ ማሕበረሰብ ንምዝራርብ መደብ ከም ዝሓንጸጽኩ ነጊረዮ ተፈላለና።ኣነ ኣብ በረራ እንከለኹ ሓደ ንመንግስቲ ቀረባ ዝኾነ ሰብ ፡ኣበየናይ መዕርፎ ነፈርትን ሰዓት ክንደይን ከም ዝበጽሕ ኣብ Fb ተቀዐ፡ ኣጋጣሚ ኮይኑ እታ ዝተሳፈርኩዋ ነፋሪት ኢንተርነት ስለ ዝነበራ ይካየድ ንዝነበረ ነገራት ኣብ ምክትታል’የ ኔረ፡ ኣብ ዝዓርፈሉ መዓርፎ ነፈርቲ ፊላደልፍያ ብዙሓት ሰባት ንዓይ ንምቅዋም ተዳልዮም ይጽበዩ ከም ዘለዉ ሰማዕኩ፡ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝሰርሑ ኦሮሞታት ነዚ ስለ ዝፈልለጡ ክሳብ ናብ ማዕጾ እታ ነፋሪት ብምምጻእ ምስ ፖሊስ ብምዃን ከቢቦም ኣውጽኡኒ።

ኣብ መደባት OMN  ምድላው መደብ ራባዶሪ ተሳታፊ  ናይ ዝኾነ  ዓርከይ ደረጀ ሃዋዝ ገዛ ኣዕረፍኩ።ንምሸቱ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዘለዉ መዋቕራት ደገፍ ኣብ ዝገበርናዮ ናይ ስልኪ ዝርርብ ህዝባዊ ኣኼባ ንምግባር ኣብ ዝተለምናለን ከተማታት ኩለን ተቓውሞ ንምግባርን ንመደባተይ ብምዕግርጋር ንምትራፍ ወፍሪ ይግበር ከም ዘሎ ተረደኣኒ፡ ክግበር ብዛዕባ ዘለዎ ቅድመ ምድላዋትን ጥንቃቐን ተዘራሪብና  ናይ ስራሕ ምክፍፋል ብምግባር ናብ ግብሪ ኣተና።ቀደም ኣብ ኣሜሪካ ኮይነ ክቃለስ እንከለኹ ሰበስልጣን ኢህወደግ ንኣኼባ ክመጹ እንከለዉ ኣኼባኦም ንምህዋኽ ተቓውሞታት ነወሃህድ ስለ ዝነበርና እቲ ልምዲ ሕጂ ጠቓሚ ኮይኑ ተረኸበ።ኣብ ልዕለይ ተቓውሞ ንምስማዕ ኣብ ምድላው ዝነበሩ ሰባት እንታይ ዓይነት ሜላታት ከም ዝጥቀሙ ብምግማት እነኽሽፈሉ ስልትታት ንምድላው ሓጊዝና’ዩ።ኣብ ልዕለይ ዝግበር ዝነበረ ወፍሪ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ ኔሩ።መብዛሕትኡ ግዜ ተቓውሞታት ዝግበር ዝነበረ ብተወለድቲ ኣምሓራ እኳ እንተኾነ ብመራኸቢ ብዙሃን ማሕበራት እድራትን ትካላት ሃይማኖትን ሰፊሕ ጎስጓስ ተኻይዱ’ዩ።ይኹን እምበር ብቃላት ጽልኢ ዝተመልአ ወፍሪ ንማሕበረሰብ ኦሮሞ ኣነዲሩ ኣብ ኣኼባታትና ብዙሕ ህዝቢ ኦሮሞ ንክርከብ ገበሮ።ፈላማይ ኣኼባና ኣብ ሚኖሶታ ክንገብር እንከለና ምስ ሰልፊ ፖለቲካ ብምጽንባር ኣብ ምርጫ ንምውድዳር ከም ዝወሰንኩ ኣፍለጥኩ፡ ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረ ህዝቢ ንሓሳበይ ብሓጎስ ተቐቢሉ ነዊሕ ዘተ ተገበረ።ኣብ ምርጫ ንምስታፍ ከም ዝወሰንኩ ወግዓዊ ድሕሪ ምግባረይ ዝግበር ዝነበረ ሰልፊ ተቓውሞ እናተጎሃሃረ መጸ፡ ኣብ ሓደሓደ ከተማታት ሰባት ናብ ኣዳራሽ ንከይኣትዉ መንገድታት ንምዕጻው ተፈተነ።

ፖሊስ መጺኡ ነቲ መንገዲ ምስ ኣኽፈተ ናብቲ ኣዳራሽ ኣብ ምእታው ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሰባት ዘይተኣደነ ጸርፍታት የዝንቡሎም ነበሩ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ናብ ፖሊስ እናደወሉ መጥቃዕቲ ቦምብ ከም ዘሎ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምሃብ ዝተኻረናዮ ኣዳራሽ ከም ዝስረዝ ይገብሩ ነበሩ፡ ንሕና ድማ ከምዚ ከም ዝግበር ኣቐዲምና ብምግማት  ክልተ ሰለስተ ኣዳራሻት ንሕዝ ስለ ነበርና ነቲ ሓደ ከዕጽውዎ እንከለዉ ናብቲ ካልእ ብምቕያር ዘተ ንገብር ነበርና።ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ  ንዝተለምናዮ ኣኼባ ንምፍሻል ካብ ኩለን ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተኣኻከቡ ሰባት ተወዲቦም መጹ፡ ብዝተፈላለዩ ጸቕጥታት ሰለስተ ኣዳራሻት ከም ዝስረዛ ገበሩ፡ ንሕና ድማ ነቲ ኣኼባ ኣብ ክንዲ ምስራዝ ኣብ ንእሽቶ ኣዳራሽ ማሕበረሰብ ኦሮሞ ንክንገብር ምስ ወሰንና ነዚ’ውን ሰምዑ’ሞ ነቲ ኣዳራሽ ድማ ከበብዎ፡ እቲ ማሕበረሰብ ድማ ኣብ ህልኽ ብምእታው ነቲ ኣኼባ ኣብ ቤተ ክርስትያን ንክግበር ወሰነ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝተገበረ ወፍሪ ኣብ ልዕለይ ዝነጻጸረ ዋላ’ኳ እንተ መሰለ ንህዝቢ ኦሮሞ ብዝቋሽሽ ወፍሪ ዝተመልአ ስለ ዝነበረ ማሕበረሰብና ተቖጥዐ፡ ህዝብና ንክረጋግእን ንካልኦት ብሄራት ብቃል ይኹን ብተግባር ከይትንክፍ ኣብ መድረኻት ኣጥቢቐ እዛረብ ስለ ዝነበርኩ ህዝቢ ድማ ንምትንዃያት ብትዕግስቲ ብምሕላፍ ኣኹርዓኒ።

 

ኣብቲ ዝግበር ዝነበረ ወፍሪ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣንቃሕቲ ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብ ቅድሚት ዋላ’ኳ እንተተረኣዩ ትልምን ፋይናንስን ኣብ ቤተመንግስቲ ብዘለዉ ሰባት ከም ዝቐርብ ጭብጥታት ንረክብ ነበርና፡ ድሒሩ ናይ መንግስቲ ሰባት ድሕሪ እቲ ወፍሪ ምስቶም ከቢድ ረብሻን ዕግርግርን ዝፈጥሩ ዝነበሩ ሰባት ዝተሰኣልዎ ደረቕን ተንቀሳቓስን ስእልታትን ምስ ረኣኹ ነት ኣቐዲምና ዝሰማዕናዮ ሓበሬታ ኣረጋገጹልና።ምስ ማሕበረሰብ ሰሜን ኣሜሪካን ኣውሮጳን ኣብ ዝገበርኩዎ ኣኼባታት ህዝቢ ኣብ ምርጫ ብምስታፍ ነቲ ቃልሲ ንምቕጻል ንዝወሰንኩዎ ውሳነ ዋላ’ኳ እንተደገፎ ምምላስ ናብ ሃገር ንሓደጋ ከየቃልዓኒ ብምስጋእ ንከይምለስ ይምሕጸኒ ኔሩ’ዩ።ሓደጋ ከጋጥመኒ ከም ዝኽእል ዋላ’ ኳ እንተፈለጥኩ እቲ ህዝብና ንሓምሳ ዓመታት መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ቃልሲ ክኸስር እንከሎ ሱቕ ክብል ከም ዘይክእልን ኣድላዩ ምስ ዝኸውን መስዋእቲ ንምዃን ከም ዝወሰንኩ ነጊረ ናብ ሃገር ተመሊሰ ኣተኹ።

ንዝኣመንኩሉ ብዘይ ሕብእብእ ምዝራብን ንዝተለምኩዎ ድማ ብቕልጡፍ ምስራሕ ስለ ዝፈቱ ፖለቲካ ሰልፍታት ብዙሕ ኣይምእማኣንን’ዩ፡ ትልሚ ምንቅስቓስ ኣብ ዓንኬል ሰልፍታት ፖለቲካ ኔርኒ’ውን ኣይፈልጥን’ዩ፡ ብኣስገዳድነት ኩነታት ናብ ፖለቲካ ሰልፍታት ንምእታው ክውስን እንከለኹ ካብቲ ዝለመድኩዎን ዝቐንዓንን ኣሰራርሓ ንክወጽእ ተገደድኩ፡ናብ ሃገር ቅድሚ ምኻደይ ናብ ፖለቲካ ሰልፍታት ንምእታውን ኣብ ምርጫ ንምስታፍን ዋላ’ኳ እንተ ወሰንኩ እንታይ ዓይነት ሰልፊ ብዛዕባ ዝብል ግን  ኣይወሰንኩን ኔረ፡ ዝነበረኒ ኣማራጺ ሓደ ሰልፊ ምምስራት ወይ ድማ ምስ ሓንቲ ካብተን ዘለዋ ሰልፍታት ምጽንባር’ዩ ኔሩ፡  ምምስራት ሓድሽ ሰልፊ ናይ ገዛእ ርእሰይ ራእይ ፖሊስን ስትራቴጅን ንምቕራጽ ጽቡቕ እኳ እንተኾነ ካልእ ጨንፈር ብምፍጣር ነቲ ህዝቢ ብዝበለጸ ምክፍፋል ስለ ዝኸውን ኣይሰሓበንን።ትምኒተይ እተን ዘለዋ ሰለስተ ሰልፍታት ተላፊነን ምስ ካልኦት ቄሮታት ምጽንባረን’ዩ ኔሩ፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ምስ ዝነበሩ መራሕቲ ሰልፍታት በዓል ፕሮፌሰር መራር ጉዲና ኦፌኮ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ኦነግን ጀነራል ከማል ገልቹ ኦቡፓ ብሓባር ተራኺብና ምስ ኣየነይቲ ሰልፊ እንተ ዝጽምበር ከም ዝሓይሽ ኣማኸርኩዎም።ሰለስቲኦም መራሕቲ ዝተፈላለየ ሓሳባት ሃቡኒ፡ ጀነራል ከማል ምስ ዝኾነት ሰልፊ ክጽንበር ከም ዘይብለይ መኸረኒ፡ ፕሮፌሰር መራር ጉዲና ብወገኑ ናተይ ናብ ሰልፍታት ምጽንባር ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዩ ከሰንብዶ ስለ ዝኽእል ምስኡ ኣቐዲመ ክዘራረብ ከም ዘለኒ ኣጥቢቑ ነገረኒ፡ ኣቶ ዳውድ ድማ ናብ ዝደለኻዮ ሰልፊ ምእታው ንዓኻ’ዩ ዝምልከት በለኒ።ካብቲ ዝርርብና ከም ዝተረድኣኒ ናብ ሰልፉ ንክጽበር ድሌቱ  ዘርኣየ ፕሮፌሰር መራራ ጉዲና ጥራይ’ዩ ኔሩ።ድሕሪ እቲ ርክብ ብስልኪ ነዚ ስለ ዘረጋገጸለይ ንፕሮፌሰርን ምክትሉ በቀለ ገርባን ብሓባር ረኺበ ምስኦም ሓቢረ ብዛዕባ ክሰርሕ  ዝኽእለሉ መንገዲ ተዘራሪብና ተሰማማዕና።

ዳግማይ ናብ ሃገር  ምስ ተመለስኩ ንሰልስቲኤን ሰልፍታት ኦሮሞ ንምሕባር ምስራሕ ጀመርኩ፡ብዛዕባ ኣድላይነት ጥምረት ምርጫ መራሕቲ ሰለስቲኤን ሰልፍታት ተዘራሪቦም ስለ ዝተረዳድኡ ሰለስተ ወከልቲ ሰነድ ስምምዕ ከዳልዉን ኣነ ድማ ነቲ ዝርርብ ከዳሉን ተመደብና።ድሕሪ ንውሕ ዝበለ ዝርርብ ኣብ ፖሊስን ስትራቴጂን ውድድር ኣብ ስምምዕ ተበጽሐ።ኣብ ቀመር ምምቕራሕ 180 መናብር ፓርላማ ፌደራልን 534 መናብር ቤት ምኽሪ ክልላትን ግን ምርድዳእ ኣጸጋሚ ኮነ። መርገጺ ወከልቲ ኦነግን ኦቡፓን ብፍላይ ዝተረሓሓቐ’ዩ ኔሩ፡ ኦቡፓ ንሰልፍታት ምብልላጽ ኣድላዩ ኣይኮነን፡  ንመናብር ብማዕረ ንማቐል በለ፡ እዚ ምስ ዘይኸውን ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰልፊ ዝሓሸ ተሰማዕነትን ድጋፍን  ኣብ ዘለዎ ዞን ይወዳደር ዝብል ኣማራጺ ኣቕረበ።ኦነግ ድማ ኩለን ሰልፍታት ኣብ መላእ ኦሮምያ ኣብ ኩለን መናብር ተወዳዲሩ ብመሰረት እቲ ውጽኢት ድሕሪ ምርጫ ኣድላዪ እንድሕር ኮይኑ መንግስቲ ልፍንቲ ክንምስርት ኢና ዝብል ሓሳብ ኣቕረበ።እቲ ሓሳብ ህዝቢ ሓቀኛ ብዝኾነ ውድድር ዕዉት ንዝኾነ ሰልፊ ናይ ምፍላጥ መሰሉ ክንፈግ የብሉን ዝብል መካትዒ ነበሮ።ድሕሪ ነዊሕ ክትዕ ሓደ ሰልፊ ኣብ ኩለን መናብር እንተደኣ ተወዳዲሩ ልፍንቲ ምርጫ ምምስራት ስለ ዘይከኣል  ኦነግ ነዚ መርገጺ እዚ ንክቕይር  ክኣምን  ከኣለ።ኦቡፓ ንዞናት ንምምቓል ንዘቕረቦ ሓሳብ ንሓድነት ህዝቢ ሓደጋ ስለ ዝኾነ ከም ዝተርፍ ተገበረ።ከክንደይ መናብር ከም ዝማቐሉ ግን ሕጂ’ውን ክሰማምዑ ኣይከኣሉን፡፡ኣብ ፈለማ ኦነግን ኦፌኮን ነኒነፍሲ ወከፎም 40% ኦቡፓ ድማ 20% ክማቐሉ ሓሳብ ቀረበ፡ ኦነግን ኦቡፓን ነዚ ሓሳብ እዚ ኣይተቐበልዎን ፡ ኦነግ ልዕሊ ኩሎም ሰፊሕ ዝኾነ ድጋፍ ስለ ዘለኒ ዝኾነ ሰልፊ ምሳይ ክወዳደር ግቡእ ኣይኮነን በለ።ኦቡፓ ድማ ካብ ዝኾነ ሰልፊ ዝነኣሰ፡ብጽሒት ክህልወና ዘኽእል ምኽንያት የለን ብምባል ተኸራኸረ።እቲ ጉዳይ ምስ ከረረ ወከልቲ ኦፌኮ ካብ ናቶም 5% ብምግዳፍ ንኦቡፓ ንምሃብ ኣተዓራቒ ክኸውን ይኽእል’ዩ ንዝበልዎ ሓሳብ ኣቕረቡ።ኣብ ፈለማ ኦነግ ትሕቲ 50% ኣይቕበልን’የ ዋላ’ኳ እንተበለ 40% ንክቕበል ምእማን ተኸኣለ።ኦቡፓ ግን 25% ንምቕባል ፍቓደኛ ኣይኮነን።ብደረጃ ኮሚቴ ምስምማዕ ስለ ዘይተኸኣለ እቲ ጉዳይ ናብ ኣቦ መንበራት ኣምሪሑ ክውሰን ተሰማማዕና።ብመሰረት’ዚ ነቶም ኣቦ መንበራት ገለጽናሎም ንሳቶም’ውን ክሰማምዑ ኣይከኣሉን፡ ኦቡፓ ብጽሒተይ ካብ ኩለን ሰልፍታት ብሓንቲ መንበር’ውን ክውሕድ የብሉን ብምባል መርገጺኡ ኣፍለጠ።ካብዚ ብዝኸፍአ ድማ ተቖጢዑ ንገዛእ ርእሱ ካብቲ ዝርርብ ኣግለለ።ስለዚ ድማ ኦፌኮን ኦነግን ኣብ ምንጎኦም ልፍንቲ ንምምስራት ተሰማምዑ፡ ኮሚቴታት ክልቲኡ ሰልፍታት ኣብ ዝገበሮ ዘተ ኣብ ፓርላማ ፌደራል 52% ንኦፌኮ 48% ንኦነግ ክኸውን ኣብ መናብር ቤት ምኽሪ ክልላት ድማ ብተመሳስሊ ብጽሒት ክህልዎም ተሰማምዑ።ስምምዕ እቲ ምጥሕብባር ብመልክዕ ሰነድ ተዳልዩ ተፈሪሙ ናብ ምርጫ ቦርድ ክቐርብ ዋላ’ኳ እንተ ተተለመ   እቲ መስርሕ ግን ተደናጎየ፡፡ሓንቲ መዓልቲ ካብ ክልቲኡ ውድባት 5 መሪሕነት ተራኺቦም ብዝፈጠርዎ ጸቕጢ ተፈሪሙ ናብ ቦርድ ምርጫ ተለኣኸ።ይኹን እምበር እቲ ምትሕብባር ንህዝቢ ወግዓዊ ክግበር ኣብ ዝተሓሰበሉ መዓልቲ ሃጫሉ ሁንዴሳ ተቐተለ።ነዚ ስዒቡ ኣብ መሪሕነት ክልቲኡ ሰልፍታት ብዝበጽሐ  ምክልባት፡ ማእሰርትን ጭውያን እቲ ምትሕባብር ናብ ዝደለዮ ዕላማ ክበጽሕ ኣይከኣለን።ድሕሩ ክልቲኤን ሰልፍታት ካብቲ ምርጫ ተደፊኤን ከይተሳተፋ ተረፋ።

ኣብ ምርጫ ከም ዝወዳደር ኣፍሊጠ ካብ ደገ ምስ ተመለስኩ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜታት ምስ ኦፌኮ ብግልጺ ንምጽንባር ወሰንኩ፡ ነዚ’ውን ኣብ ቤት ጽሕፈት እቲ ሰልፊ ኣብ ዝተገበረ መደብ ብወግዒ ኣፍለጥና።ብምቕጻል ምስ መሪሕነት እቲ ውድብ ብምእካብ ትልሚ ምርጫ ኣዳለና፡፡ሓደ ካብዚ ትልምታት እዚ ግዜ ምርጫ ዋላ’ኳ ኣይብጻሕ ናብ ዞናት ብምኻድ ንህዝቢ ምዝርራብ’ዩ ኔሩ፡ እዚ ወፍሪ እዚ ክልተ ዕላማታት ኔሮሞ፡ እቲ ቀዳማይ ነቲ ህዝቢ ብምጉስጓስ ደጋፊ ናይቲ ሰልፊ ከም ዝኸውን ምግባር ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ንብሄራውነት ኦሮሞ ናይ ምቁንጻብን ምጉናይን ስራሕ ብመንግስትን ተሓባበርቱን ይካየድ ስለ ዝነበረ ነቲ ህዝቢ ብምንዋሕ ንምፍሻል’ዩ።ወትሩ ወፍሪ ምርጫ ዝግበር እቲ ምርጫ ሰለስተ ኣዋርሕ ምስ ተረፎ’ዩ፡ንሕና ግን እቲ ምርጫ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን እቲ ገዛኣይ ሰልፊ ምንቅስቓስ ተቓወምቲ ሰልፍታት ክገትእ ይኽእል’ዩ ኢልና ስለ ዝጠርጠርና ገዛኢ ሰልፊ ንምዕፋን ቅድሚ ምድላዉ ጎስጓስ ንምግባር ወሰንና።ብጩቡጥ ድማ መንግስቲ ንምዕፋን ኣብ ምድላው ከም ዝነበረ ብዙሓት ጭብጥታት ኔሮም’ዮም።ሓደ ካብዚኦም ነቲ ነባር ዝኾነ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮምያ ብምፍራስ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓደስቲ ተዓለምቲ የሰልጥኑ ኔሮም፡ ኣብቲ ስልጠና ዝወሃብ ፕሮፖጋንዳ ንተቓወምቲ ሰልፍታትን መራሕተንን ከም ጸላእቲ ብምቑጻር ከም ዝጽልኡ ምግባር ምዃኑ ስለ ዝበጻሕናዮ ከይተቐደማና እንከለና ክንቅድም ደለና፡ ቅድሚ ምርጫ ጎስጓስ ምግባር ሃስያ ከም ዝህልዎ ገሚትና ኢና፡ ድጋፍና ኣቐዲምና ምርኣያና ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን መንግስትን ኣሰንቢዱ ናብ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ከእትዎም ከም ዝኽእል ርዱእ’ዩ ኔሩ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleካብ መጽሓፍ ጀዋር መሓመድ “ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ” ካልኣይ ክፋል
Next Article ድንግሊል
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?