Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ካብ ከብሒ ግጥምታትና

ካብ ከብሒ ግጥምታትና

0
By Mekonnen T. on March 14, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

Kibrom Demoz

እዛ መደብ እዚኣ ከም ኣድላይነቱ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ እናተዳለወት ትቐርብ ኮይና፡ ነቶም ኣብ ቋንቃቋ ዓስኪሮም ጥዑም ክረኽቡ ከይሓለሙ ንዕበየት ጥበብ ወፊሮም፡ ” ገጣሚ ስሙ ሰማይ ድራሩ ማይ!” ምዃኑ ኣሚኖም ነብሶም ንጥበብ ከፊሎም ኣብ ከብሕታት ግጥምታትና ተዘካሪ ኮይኑ ክነብር ዝኽእል ስራሕ ብመልክዕ መጽሓፍ ይኹን ወይ ‘ውን ብንጽል ዘበርከትሉና ዓበይትን መንእሰያትን ካብ ከብሕታቶም እናፈተሸት ከተቕርበልና ክትፍትን ‘ያ። ዝኾነ ሰብ ድማ ክሕለፍ የብሉን ዝብሎ ጦብላሕትኡ ከካፍለላ ዝኽእል መደብ ምዃና ከነዘኻኽር ንፈቱ።

ንሎሚ እምበኣር ብግጥምታቱ ኣብ ልቢ ብዙሓት ዝነብር ገጣሚ መለስ ንጉሰ ካብ ዘፍረዮም ግጥምታት ሓንቲ ከነካፍል ኢና። መለስ ኣብታ “ዘሎ ‘ዩ ዝህሉ” ዝሰመያ ቦኽሪ እኩብ ግጥምታት ዝሓዘት መጽሓፉ፡ ንኹሉ ዓይነት ኣነባብራ ሂወት ዓድና ካብ ዝገለጹ ዕውታት ገጠምቲ ከብሎ ዘኽእል ስርሓት ዘፍረየ ስነ ጥበባዊ ‘ዩ። “ኣርማድዮና” ኣብ ዝሰመያ ግጥሙ ከም ኣብነት እንተ ርኢና ኣበይ ብዘየገድስ ንኹሉ ከተማዊ ሂወት ህዝብና እትርኢ፡ ሕልፍ ክብል ንዝነበባ ውን ከይተረፈ ከም ጠነግ ለጊባ ብቐሊል ዘይለቅቕ ዝኽሪ ኮይና ትነብረሉ ግጥሚ’ያ። ነቲ ኣብ ዝኾነ ክፋል እዛ ዓለም ዘጋጥም ንዋይ ዓለም ክንግብት ንሓውና ከይረዳእና እነሕልፎ ሃርጓም ሰባዊ ባህርና ከኣ ብሓጸርትን ውሑሉላትን ቃላት ከምዚ ክብል ገሊጽዎ ይርከብ፡

ሰዶ’ባ ደኣ!
ኣያ መኮነን ጎይታ ጥሪት
ሓውኻ ይማስን ንስኻ ትምንጉድ
ረኣያ በል ዓለም ኣይትሰንብድ
ብሜትሮ ዓለባ’ያ ሰብ ትወስድ

ነቢዕካ ትኸውን ኣብቲ ቀብሪ
ቀብሪ ናይ ሬሳኻ ኣብቲ ጸብሪ
ዘይተማላእካዮ ዘጥረኻዮ
ዘይቅበር ምዃኑ ርኢኻዮ

ሰዶ እባ ደኣ ኣይትሕደጎ
ጉቦ እንተኾነካ ነባጅጎ
በሃም ዓሻ ልቡ ተነጸፎ
ተማላኣዮ እባ ደኣ ኣይትግደፎ!

ብምባል ፡ ጥራይ ዝባና ንዝመጻእናያ ዓለም ብሜትሮ ዓለባ ጥራይ ከም እንፋነዋ የርእየና። ኣብ ቀብሪ ‘ቲ ጸማም ውን ካብተን ኣብ ኣእሙሮ ነበብተን ሓወልቲ ኮይነን ዝነብራ ግጥምታት ኮይና፡ ከሎ ንዘይሰምዐ ምስ ሞተ ክንድኡ እንተ ተነብዐ ሰብ እንተ ተባልዐ እንታይ ፋይዳኡ ክትብል፡ ብውሕሉል ኣገላልጻ ከለኻን ከላካን ‘ዩ ሂወት ንዝብል ሓቂ ተርእየና። ብሓፈሻ ኣብታ መጽሓፍ ካብ ኣርእስታ ጀሚርካ ከም ምጽላል፡ ቃል ሰማእቲ፡ ሚለን፡ መርዓት ጓል ስውኣት፡ ሰብ ጠፊኡና፡ ዘመነ ተወልፈፍን ኮታ ብሓፈሻ ነተን 69 ግጥምታት ከይወዳእካ ነታ መጽሓፍ ከፊትካ ክትዓጽዋ ኣይትብህግን። ብልሕን ጥበብን ገጣሚ ካብ ኣራኣስቲ ጀሚሩ ሒዙካ ሸለው ይብል። “ዘሎ’ዩ ዝህሉ” ‘ዩ ዝብል። ብሓቂ ዘሎ ‘ዩ ዝህሉ! “ዝሞተ እንተሞተ ዘለና ንዛተ” ከም ዝበሃል ስለዘለና ኢና ንበሃህል ዘለና። ነዚ ከኣ ኩርናዕ ርእየት ገጣሚ ኣድኒቕካ ኣይትጸግቦን።

ንሎሚ ኣካል ናይ’ዛ መደብ ክትከውን ተሓርያ ዘላ ግጥሚ ግን ምስ ህልው ኩነታትናን ሓፈሻዊ ገጻት ስድራናን ከተሳኒ ዝተመርጸት ” ናብ ዓርከተይ ” ዝተሰምየት ግጥሚ’ያ። ዓርከት እቲ መዋሕጥቲ ጸጸር፡ ዘንፈጸ ኣንፊጽዎ ሃጽ ምስ በለ ካብ ስግር ባሕሪ ዝለኣኻ ደብዳቤ’ያ። ናብራ እቶም ክህቡ ኢዶም ዝቖርጹ ብጸሎቶም ማይ ዘዝንቡ ስድራ ድማ ብውሕልነት ሰፊሩ ንረኽቦ። ጥሪት ዓዲ ክሕሉ ክሓቁፍ፡ ብቕናቶም ይሰርሑለይ ወንጭፍ! ይብል ‘ሞ፡ ትሕት ኢሉ ድማ ናብራ እዛ ዕንቊ ዓይና ከተስርር፡ንዓኣ ሶሊኽካ ራሃዋ ንኽትፈጥር፡ ብዓይኒ መርፍእ ሕለፍ እንተ ኢሎም ተኣምር፡ ብሓንቲ ለይቲ ‘የ ናብ ፈትሊ ዝቕየር። ክብል ክብደት ናይቶም ሕልና ገሪሕዎም ኣብ ዓዲ ጾር ስድራ ተሰኪሞም ዘለው የሕዋት የዕሩኽን መሓዙትን የርኢ። ደጊምና እዚ መደብ ንኹሉ ተሳታፊ ክፉት ምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ።

ናብ ዓርከተይ

ደብዳቤኻ ኣንቢበዮ
ካብ ስግር ባሕሪ ዝሰደድካዮ
በል ሕዝ
ካብቲ ኩሉ ሓንቲ ክምልስ፣
ሕቶኻ ” ከመይ ኣለው ስድራ?”
ደብሪ ነቕኒቕካ ግዝፊ እምባሶይራ
ስድራ ዶ ኢልካ?!
እቶም ክልግሱ ኢዶም ዝቖርጹ
ኣፎም ገዲፎም ዘኾልሱ
ረጊሞም ዘብጹሑ ጸልዮም ማይ ዘፍስሱ፣
ዝለምለመን ዝመቀረን
እንቛቑሖ ኣርሕን ልግዐ ብተይን
ቅድም ንውሉደይ ዝብሉ
ንሶም ደኣ የዕብዮም ኢዶም ከይተፈድዩ
ምንባብ ደብዳቤኳ ከይከኣሉ
ገጽ ከባብን ንፋስን ኣንቢቦም ዝጾሩ
ኣለው ከይተዛረቡ ውዒሎም ይሓድሩ!
ብልጭ ብልጭ ምስ በለ በርቂ ጥፍኣት
ወላድ መኻን ክገብር ምስዘነበ ኣብ ቅርዓት
ህቦቡላ ፈርስ ተሰቒሉ
ተሓምበለ ክብል ተዃሉ ኣኸቲሉ
ንዓኻ ዶ ምንጋር ተደልዩ
ገጽ ስድራ ንእለት ዓሚሉ።
ኣነ ድማ፡
ገጾም ይጥመት የፍርሃኒ
ዘረባ ኮይኑ’ሎ ብቕርኒብ ዓይኒ፣
ከየተዛረብኩ የንብብዎ ገጸይ
ንንጠማመት ኣለና ዓርከተይ፡
ይምስሉ ከኣባ ረሲዐልካ፣
“ዓርከትካ ክፍለ ፍቕሪ ቅበር
ውሉድካ ክፍለ ሃብቲ ቅበር”
ናተይ ስድራ ንዓይ ቀብሮም
እንከለኹ ምስኦም።
ኣብቲ ግርማ ገጾም ሃንቀውታ ይንበብ
ኣብቲ ቅርኒብ ዓይኖም ለውሃቶም ይሰርብ።
ኣነ ድማ ፡
ብዓይኖም ኣቢለ ንላዕሊ የንቃዕርር
እናሻዕ እምህለል ከይፈልጡኒ የምስል።
ቅርኒብ ዓይም ዘዋህለሎ ሰርቢ
እንተዘኒቡ ምእባድ ከይኣቢ
ዓይኒ ምስ ዓይኒ ኣይንጋጠምን
ተስፋ ከይስእኑለይ ኣይደንን!
ንናሕሲ ህድሞና ብዓይኒ ይኸዶ
ከምዛ ዘይፈልጦ ይጥምቶ
ሓርከሙን ሰርውኡን ይፈቓቕዶ።

ከመይ ኣለው ዶ ኢልካ?
ከምዘይክወን የለን ተኻዊኖም
ነዚ እምባ ብመርፍእ የሕሊፎም
ይጥሙቱኒ ኣበሪኾም
ከይሽቑረር ብኢዶም ደጊፎም።

ጥሪት ዓዲ ክሕሉ ክሓቁፍ
ጭርናዕ ከይለግብወን ንኸናግፍ
ብቕናቶም ይሰርሑለይ ወንጭፍ።

ኣነ ድማ፡
ትርጉሙ ይኸብደኒ ብዘዘው ይዕዘም
በዓል ቀርኒ ህይወት ንሕልፈት ዝቕድም
ኣንጎልሒጡ እንከሎ ዘይሃድም ሕሰም
መዋእል ይቖጽሩ ምሉእ ተስፋ ሂቦም፣
(ንርፍራፍ ቅራፍዶ ምተረኽቦ መግደፍ
ብጨው ደፍደፍ ጠርቆም ኢልካ ምሕላፍ?)
ተጻዊሩ ከርሲ ስድራ
ኪንዮ ሕርሲ ዘሎ መከራ፡
ከም መረቕ ዝስተ ከርተት
ኣብ ገጾም ዘሎ ድርሰት፣
ስእሊ ባቡር ምስ ሓዲዱ
ውቑር መጥሓን ምስ መዲዱ
ቅርጺ ትኮም ንልቦም የማዕዱ
ሑእ ከይበሉ ስዓል ዘሰንብዱ።
ንሶም ከይቆሩ ምስኦምየ ዝመከር!
ናብራ እዛ ዑንቂ ዓይና ከትስርር
ንዓኣ ሶሊኽካ ራህዋ ንኽትፈጥር
ብዓይኒ መርፍእ ሕለፍ እንተ ኢሎም ተኣምር
ብሓንቲ ለይቲ እየ ናብ ፈትሊ ዝቕየር

እንሆ ድማ ጾር ክልተ ከራግፍ
ዓይኖም ርእየ ብዓይኖም ይሓልፍ!
በል ከምዚ ኢና ምስ ስድራ ነሕልፍ
እናተንባበብና ኣለና ኣይትሰከፍ!

(ዕውትቲ ፈስቲቫል ኤርትራ 2007)
መለስ ንጉሰ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Article“ብብዝሒ መጽሓፍቲ ትግርኛ ዘሕተሙ ኤርትራውያን ጽሓፍትን ደረስትን”
Next Article ነዊሕ ልብ-ወለድ (1ይ ክፋል)
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?