Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ካብ መዘክረይ . . .

ካብ መዘክረይ . . .

0
By Mekonnen T. on May 22, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

weini sulieman

13 ሓምለ 2012
ኣብ ሓደ ቤትጽሕፈት ስራሕ ስለዝነበረኒ ከተማ’የ ኣርፊደ። ብድሕሪኡ ምስ ሄኖክ ኣብ ዶልቸቪታ ነዊሕ ኣዕሊልና። ይኣኽለናዶ ዝበለ ኣይነበረን። እንታይ ክንገብር ኢልና። ልቺ(ኤለክትሪክ) የለን,,,ሓሙሻይ መዓልቱ። ኮነክሽን ሞባይል ተለፎን ከምኡ። ኣብ
ኦፊሱ ስለዝከድክዎየ ረኺበዮ። ጥዕምቲ ማክያቶ እንዳወድ-ትኹል እናሰተና ከነዕልል ጽርግያ ሰጊርና ንካርቱም ሆቴል ኣብ ዘወስድ ኣንጎሎ ተጠዊና እንዳ ወድትኹል በጺሕና። ብዙሕ ሰብ ኣይነበረን ዘይከም ኣመሉ’ቲ ገዛ። ኣብ ሰለስተ ጣወሉ ሓደ 5
ዝኾኑ መንእሰያት ኮፍ ኢሎም ነይሮም። ኣብታ ጥቃና ዝነበረት ጣውላ ክልተ ኮምፕላሴኒ ናይ ጋራጅ ዝተኸድኖዮም ነይሮም። ካብኦም ሕልፍ ኢልካ ሰለስተ። ሓደ የዕልል፣ እቲ ካልኣይ እግሩ ኣብ መንጽሩ ኣብ ዝነበረ ኩርሲ ሰቒሉ ብዘይ ፍሕሹው ገጽ
ጸጉሩ እናፈተለ ይሰምዕ። እቲ ሳልሳይ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዘርጊሑ ነቲ ብተከታታሊ ቀዳም ዝወጽእ ልብወለድ ቢንያም ፍስሓጽዮን “ትምርዓዋ ትምርዓወካያ” ብተመስጦ የንብብ። ኣብ ሳልሳይ ጣውላ ንብሕቱ ኮፍ ዝበለ ካልእ፣ ምስታ ብዘይ ዕረፍቲ
ናብ ከናፍሩ ዝሶኹዓ ሽጋራ ይቃለስ።
ድሕሪ ቅሩብ ትጽቢት ኣሳሳይት መጽያትና። ዝኾነ ዓይነት ውዑይ ዝስተ ከምዘየለ ሓቢራትና። ቀደሙ’ውን ጀነሬተር ገይሮም ስለዝሰርሑ ኢና ተኣሊናዮም። ንዶልቸቪታ ተሳጊና። ኣብኡውን ውዑይ ዝስተ ኣይነበረን። ካብ ካፈ ናብ ካፈ ክንሰጋገር ጸሓይ
ከይነዕርባ፣ ዶልቸቪታ ንከተዕልል ምችእ ዝበለት ስለዝኾነት ኣብኣ ዓሪድና። ድሕሪ ቀትሪ ስራሕ ክኣቱየ። ኣብ ስራሕና ጥራይ ኤለክትሪክ ቀንዩሎ። እቲ ጸገም ተሰርሐ መደባት ብኸመዩ ናብ ሰማዓይ ክበጽሕ ደኣምበር፧ ዝተቐየረ ከምዘየለ ከምቀደምና ኢና
ንሰርሕ ዘሎና። ሰማዒ ዘይብሉ መደባት ኣረኪብና።ኣማስያና ናብታ ጀነረተራት ውልቀ ነጋዶ ዘመንጨዎ መብራህቲ ጥራይ ሒዛ ዝተረፈት ጎደና ሓርነት ንፈስስ።
ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት’ኳ ገለ ሰዓታት ገዛባንዳ፣ ገለ ሰዓታት ሰንበል,,,,እናበለ በቢ ገዛውቲ ይመቓቀል ነይሩ። ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ፣ እቲ ፕሮግራም ብትኽክል ስለዘይከይድ ግና ምስ መደባትካ ክትሰርዖ ዝከኣል ኣይኮነን። ብዘይ ፕሮግራም ኣብ
ምጽልማቱ፣ መብራህቲ ኣብ ዝረኣኻሉ ካፈ ተምሲ። ኣብ ፎርቶ ኮንካ ንከተማ ዘሎ ትርኢት ኣደናቒዩ። ከመይ ኢሎምዮም ከ ከምኡ ክምቓቕልዎ ክኢሎም ወደይ,,,፧ እዚ ዝረኣየ ሓደ መሳርሕተይ “እዋይ ኣስመራይ ቻማክ ቀምቂሞማ” ክብል ኣስሒቑና።
“ዓደይ ኤንፉጅን ተተኺልዋ? ኣብ ICU ደቂሳ “ ,,,,,,ወዘተ ኣዝዩ ብዙሕ ከምዚታት መሰረታዊ ጠለባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ኣብ ዝኸደሉ ዘቃንየካ ሓድሽ ጆካትዩ።
ሎሚቅነ ምሊሕ ምሊሕ ዝብል ብርሃን ሓውለይቶ ይኹን ቻማኽ ኣበይ ክርከብ። ግብ በቃ። ብርሃን ግብ ኮነክሽን ግብ። ጀነሬተር ሃብታማት ግብ። ዝደለካዮ ሰብ ወዝቢ ኣብ ከተማ ወይ ኣብ ገዝኡ ብምኻድ ትረኽቦ። ይኣትዎዩ ኣብ ትብሎ ካፈታት
ከኣ ባ እናዞርካ ተናድዮ። ሓሙሻይ መዓልቲ ብዘይ ኤለክትሪክ። ሓበሬታ,,,,, የለን? እቲ ምጽልማትሲ ደለ ምኾነ፣ ንበልዖ ናሓሰመና ይኸይድ ኣሎ ግዳ። እታ ፈውሲ ሞት ባኒ ቀበሌካ ዓዲ ኣርሒቃ ሎሚቅነስ።30 ግራም ትምዘን ኮይና ዘይትስመዓካ
ባኒ ሓንቲ ንሓደ ሰብ ብኽቦን(ካርድ መዐደጊ ባኒ) ክንዲ ቁጽሪ ስድራቤት ክትዕድግ ይፍቀደካ። ሕጂ ሞ ኣበይ ትርከብ። ጣይታውን ዝቐነየ ተበሊዑ ተወዲኡ። ሓድሽ ብምንታይ ክስንከት? ኣብ ዱካናት ዝቀነየ ግረስኒታት(ድሩቕ ብሽኮቲ) ባንን
ጣይታን ዑንቂ ምስ ኮነ ሰብ ኣራርዩ ወዲእዎዩ። ኣንጊሆም ንትምህርቲ ዝግስግሱ ቆልዑ ዘለዉወን ስድራ እንታየን ክገብራ ክትሓስቦዩ ዝኸብድ። እንተ ጎበዝን ዘይመልአት ከብዱንሲ ማርያም ኣስመረይቲ ትሓልዎም ከም ቀደማ።
ትማሊ ኣንስቲ ገዛውትና ኣብ እንዳቦይ ዓንደ ተኣኺበን ኣብታ ንቕርሲ ካብ ምሉእ ገዛውቲ ዝተረኽበት መጎጎ መሬት፣ በቢ ሪጋ ክስንክታ ኣርፊደን። ምስንካት እንጀራ ኣብ ኣስመራ ካብ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ብኤለክትሪክ ስለዝተተክአ ተቃጽሎ
ዕንጸይቲውን ካልእ ጣጣዩ። ዝኣረገ ኮራሲ,,,ንሕማቕ ግዜ ዘይከውን የለን እናተባህለ ጣወሉ ሰባቢርካ ምስንካት ጥራይ።
” እንጀራ፣ ኣብዚ እንዳቦኺ ዓንደ በቢ ሪጋ ሰንኪትና ኣሎና። ንዒ ድራርኺ ውሰዲ” ክብላ መጽየናኒ ኣደይ ኣብርሀት ካብ ጎረቤት ካንቸሎ። እዚ ዝባህሉ ሕብረተሰብ ዶ ብኸምዚ ክሓልፍ ይፍረድ፧

11118435_832316063472509_424811088_n
ቀዳም 29 ሰነ 2013
ብርግጽ ጽቡቕ ኣለኹ ድየ እዚ ዘለናዮ ዓመተ ምህረት 2013’ዩ፧ ኣብ ዓራት ተኾርምየ’የ ዝጽሕፍ ዘለኹ፣ ክኹርመየምበር እንታይ ከ ድኣ ክገብር። ዓይንኻ ዘንቁረካ ዘይትርእየሉ ጎደና እንታይ ክወጸሉ። ምስ ምጽልማ’ዚ ምሸታት ሕልናና ከይጽልምትኮ ሰጊእና
ሎምስ። ብሽምዓ ምግዛእ ጽቂ ምስ ኣውጸአ ኣእዳውናን ጁባናን። ኣየናይ ጁባዩኸ፧ ሳልስቲ ኣብ ማሕፉዳ ዘይቅንያ ወርሓዊ መቑነንና 500 ናቕፋ። ኣብ ውዳእ ናይ ሳልሳ ታኒካ ጨው፣ ዘይትን ፈትልን ተጠቒመ መብራህቲ ክስንዕ ኣደ መሓዛይ
ኣርእያትኒ። ብርንቶ ሜላ። ገበታ ጸሊም ትኺ እናትጎገት መቸም ብርሃን ሂባትኒላ። ቅድሚ ገለ ዓመታት ብዙሕ ሰብ ብላምባን ፈትልን ዝሰርሓ ጋዝ ይጥቀም ነይሩ። ሆሆ ,,,ሓንሳብ ሓንሳብ እንታይሞ ጋዝ ወይ ፋኑስኮ ክትገዝኢ ትኽእሊ ኢኺ ኣብ ምህዞ
እንታይ ኣእተወኪ ጥራይ ከይትብሉኒ። ዛንታ ኣረኻኽባ ላምባ ወይ ጋዝ ኣቐዲመ ገሊጸዮ ኣለኹ,,,፧ ላምባ መስርሒ መግቢ ኣኺሉ ተሪፉስ ንመብራህቲ ነህልኸሉ ግዜ የምጽኣልና ኢልና ግዳ እስከ ብሓንሳብ እዝግዮ መሓረነ ንበል።
ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ክሳብ ሎሚ ወላ ንቃሕሰምውን ልቺ ኣይመጸትን(ብኣጸዋውዓና)። ልቺ’የ ዝብል ዘለኹ መብራህቲ፧፧፧ ኡፍፍፍፍ ምስዛ ግናይ ኣዝማይ ግዳ እዛ ዘመናዊት ኣንፑለይ ዘይትሰማማዕ ኮይና። እቲ እተውጽኦ ትክስ ክጨኑ!!
ትማሊ ምስ መሓዙተይ ተቃንየና ሕክያ ሰሚዐለኹ።
ሓደ ኣብ ኣመሪካ ነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጠ ብፍቕሪ ሃገሩ ዝነድድ ናይ ደያስፖራ ኤርትራዊ፣ መንግስቲ ውልቃውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኤርትራ ከውፍሩ ምስ ዓደመ። ኩነታት ክከታተልን ንወፍሪ ዘድልዮ ነገራት ከጣጥሕን ኣብ መንፈቕ ዘይመልእ ክልተ
ሰለስተ ግዜ ኣስመራ ምልስ ምልስ ምሰብዝሐ፣ ኣዲኡ ተገሪመን,,,
“ኣንታ ተስፉ ወደይ ደሓን ዲኻ ድኣ ሎምስ ምልስ ምልስ ኣብዚሕካ፧” ህዝባዊ ሰራዊት ዕጠቕ ከይብልዎ እናተሰከፋ።
“ኣይ,,, ደሓንየ’ደ ኣነስ ምስዚ መንግስቲ ኣዊጅዎ ዘሎ ዕድል ንኣውፈርቲ ገለ ስራሕ ኣብዚ ስለዝሓሰብኩየ,,,,,,እ”
ኣየወደአኦን!
” ዋይ,,,ይ ኣንታ ተስፉ ወደይ ብለባምካ። ንሕናኳ ዘረባ እዚኣቶም ኣሚና ላፋ ዘይንገብርሲ።”
ክክክክክክ,,,ሰባብ ሕኽያ። ኣነሞ ብሰሓቕ ቁሩብ መትንታተይ ክዝርዘር ይፍለጠኒሎ።
ላፋ፦ ናይ እንጀራ ቢሑቕ ዝበዝሕ ግዜ ገለ ሰዓታት ወይ ሓደ መዓልቲ ቅድሚ ምስንካትካ ኣቐዲምካ ምስ ትላፍዎ ጽቡቕ ስለዝቦኩዕ፣ ጽቡቕ ጣይታ ይወጽእ። እዘን ኣደ ይትረፍ ንወፍርስ ጣይታ መሰንከቲ ዝኸውን ኤልክትሪክ ኣብ ዘይንተኣማመነሉ
ዓዲ ንምባልየን።

11289828_832316053472510_1442766142_n

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሓዳሚን ድምጻዊን – ጎፍ ንጎፍ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?