Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ቅኒት ብርዒ»ከሲርና እምበር

ከሲርና እምበር

0
By Mekonnen T. on August 21, 2018 ቅኒት ብርዒ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

Awet Mengistaab

ሂወት- – – ሂወት- – -ሂወት! ድሌታ እያ ትገብር። ናብ ቃሕ ዝበላ ትጒዓዝ ጽልልቲ ጽውጽዋይ እያ ። ሕስምቲ ሚስጢር ድማ እያ። ኣብዛ ጠቒዐያ ዘለኹ ስእሊ ንኣብነት ሓደ ሚስጢር ሂወት ተሓቢኡ ኣሎ። ብርግጽ እቲ ሚስጢር ሂወት ኣብዛ ስእሊ ዝርአ ኣይኮነን ። ብዓይኒ ግድምና፡ እቲ ሚስጢር ድዩ ዝቕድም ዋላ እዛ ስእሊ እውን ክፈልጥ ኣይክእልን እየ። ጽሕፍቶ ዝብሃል ኣሎ እንተኾይኑ ግን እቲ ሚስጢር ይቕድም እመስለኒ።

እቲ ዛንታ ከምዚ እዩ፥-

እዛ ጋንታ ፡ ጋንታ ቆልዑ መደሽቶ እያ። እታ ስእሊ ድማ ካብ ሰማንታታት እያ መጺኣ። ምናልባት ዶኾን ኣብ ፎቶ ወይና ወይ ፎቶ ምሕረትኣብ ዝተላዕለት ስእሊ ትኸውን? ኣብቲ ግዜ እቲ ጋንታ ኴንካ ናብ ቤት ስእሊ ምኻድ ልሙድ እዩ ዝነበረ። ጋንታ ሓገዝ እናበልካ ገዛ ገዛ ምኩሕዃሕ እውን ከምኡ ዝውቱር እዩ ነይሩ። እንሆ እምበኣር ሳላ እቲ ዝነበረ ልምድን ግዱስ ዓቃብን እዛ ሓወልቲ ዝኾነት ስእሊ ረኺብና ኣለና።

ንኺድ! ምስዛ ጋንታ ከላልየኩም እየ።

ካብ ጸጋም ንየማን ዓብዳት ኣማን፡ ናስር ቃስም፡ መሓመድ ዓብዴ፡ ዮናስ መሓሪ፡ ዓብዱራሕማን ሓጂ ያሲን፡ ዳኒኤል ሚኪኤል ደው ኢሎም ኣለዉ። ሙሴ ክንድያ፡ ካልድ ዓብደልዓሊም፡ ኤፍሬም ኣስመላሽ፡ ኣማን ዓብደልዓሊም ኮፍ ኢሎም ኣለዉ። ታኣምራት ገብረብርሃን ድማ ሓውሲ በጥ ኢሉ ኣሎ።

ብርግጽ መብዛሕቶም ኣባላት እዛ ጋንታ እንተወሓደ ምንኣሰይ እዮም። ብዛዕበኦም ግን ግዜ ዘይስዕሮ ዝኽርታት ኣለኒ። ካልድን ኣማንን ክዋኽብቲ ናይታ ጋንታ ኣሕዋት ደቂ ዓብደልዓሊም እዮም። ክልቲአም ኣሕዋት በዚ ዘመን እዚ ክውዳእ እዩ ኢልካ ዘይትሓስቦ ንፋጥ ኔርዎም። ብፍላይ እዛ ሓጻር ኣማን ብእጅገኣ ፊጥ እናበለት ተኣምር ዝኾነ ምልከት ኩዕሶ እያ ተርእየና ኔራ። ማራዶና! ዮናስ ወዲ መሓሪ ክሳዱ ንጸጋም ኣዘንቢሉ እንተ ጎይዩ ዘርክቦ ኣይነበረን። ክሳዱ ንየማን እንተጠውይዋ ድማ ነገር ኣላ ማለት እዩ። ብውልቀይ ከምኡ ዘይወጸሉ ዓጭዓጭን ወጫጭን ሰብ ገጢሙኒ ኣይፈልጥን እዩ ። ናስር፡ ብድፍረትን ብልሓትን ዝጻወት ነግናግ ተጻዋታይ እዩ ኔሩ። ዓብዱራሕማን ኣብ ሞንጎ ጸወታ ጣዓሞቱ ክበልዕ ንገዛ ይኸይድ ኔሩ ይብልዎ። ሕሜታ ኣይኮነን። ንሱስ ኣይገድፍን እዩ።

ሰለስተ ካብዛ ጋንታ፡ ሙሴ ክንድያ፡ ታኣምራት ገብረብርሃን፡ ኤፍሬም ኣብዛ ዓለም የለዉን።

ምስ ሙሴ ክንድያ ካብ ስድራ ተሓቢእና ኣክሮባት ክንገብር ናብ ወክማ ዕዳጋ ሓሙስ ንኸይድ ኔርና። ኣብቲ ገዛውቲ፡ ኪሮሳ ቻኑ፡ ሙሴን ኣነን ብኣክሮባት ፍሉጣት ኢና ዝነበርና። ኣየርን ቲፎን ሕዛእትና እዩ ዝነበረ። ብፍላይ ኪሮሳ ቻኑ ብሮል ኣክሮባት ዘርክቦ ሰብ ኣይነበረን። ብኢድካ ኣካያያድን ምትዕጽጻፍን ድማ ንሙሴ ዝወዳደሮ ኮቶ ኣይነበረን። ሙሴ ብእግርና ዝህከየና እዩ ብኢዱ ዝኸዶ ኔሩ። ፍሉይ ድፍረት ድማ ኔርዎ። ካብ ዝባን ማይ ቡንባ፡ ካብ ልዕሊ ዚንጎ፡ ካብ ቸንቶ ዴሺ ንድሕሪት ተገምጢሉ ይወርድ ኔሩ። ሙሴ ክንድያ!

ታኣምራት ገብረብርሃን “ኳቴ” ኢና ንብሎ ኔርና። እንተዘይተጋግየስ ኳትሮ ክብል እዩ መስለኒ “ኳትዮ” ኢሉ። ዶስ ሓጺር ስለዝኾነ ኢና ኳቴ ንብሎ ኔርና? ሓዲኡ እዩ። ካብ መደሽቶ ናብ ማይተመናይ ገዛ ምስ ቀየሩ ግዳ ሳጓ ቀይሩ ኔሩ። “ኣሞካቺ” እዩም ዝባሃልዎ ኔሮም። ናይጀርያዊ ኣጥቃዓይ ዳኒኤል ኣሞካቺ መን ኣሎ ዘይዝክሮ? እታ ሳጓ ካብ ስም እዚ ተጻዋታይ እያ ጠቢቓቶ። ታኣምራት፡ ዘይደክም ፍጥረት እዩ ነይሩ። ኩዕሶ መንጢልካዮ ዘይለቀካ ከም ታኣምራት ተሃላላኺ ሰብ ኣይነበረን። ኣሞካቺ!

ኤፍሬም ኣስመላሽ ነቕ ዘይብል ተርሲን እዩ ኔሩ። ካብ ገጹ ዘይትጠፍእ ፍሽኽታ ድማ ኔራቶ። ተጀሊዑ ጀሊዑ ወትሩ ፍሽኽ ምስበለ እዩ። ደስ ዝብል ግርህነት ድማ ኔርዎ። ሓደ እዋን ናይቲ ገዛውቲ ከልቢ፡ ቡኪ ድያ ኣንታ ስማ ኔራ? ባዕላ ኣብ ዝፋሓረቶ ዓሙቕ ጥውይዋይ ጉድጓድ ሓሪሳስ ብዙሕ ተሸጊራ። ንሕና እውን ማዕሪኣ ተሸጊርና። ብዘይካ ኤፍሬም ናብታ ጉድጓድ ኣትዩ ክሕግዛ ዝደፈረ ቆልዓ ግን ኣይነበረናን። ኤፊ!

ነዛ ዛንታ ንብዓት ክስዕረኒ እናደለየ ክዛዝማ እቀራረብ ኣለኹ፥-

እዛ ብፍቕርን ሕውነትን ተኾስኲሳ ዝዓበየት ጋንታሲ መን ፋሕ ጭንግራሕ ክትብል ሓሲብዎ ይፈልጥ? መንከ ኣባላታ ኣብ ክልተ ሰራዊት ተሰሊፎም ንሓድሕዶም ክቃተሉ እዮም ኢሉ ሓሊሙ ይፈልጥ? ግናኸ ሂወት ጽልልቲ ጽውጽዋይ እያ። ከምኡ ኾይኑ። ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ኲናት ታኣምራትን ኤፍሬምን ብወገን ኤርትራ ተሰሊፎም ኔሮም። ሙሴ ድማ ብወገን ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ኔሩ።

ኲናት ኣረግቶት ዝምድሩሉ መንእሰያት ድማ ዝሞቱሉ ሕማቕ ዛንታ እዩ። ሎሚ ሰለስቲኦም መታዓብይቲ ነዛ ስእሊ እዚኣ ገዲፎሙልና ተሰዊኦም እዮም። እቲ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ጥራሕ ዝመስለና ዝነበረ ኲናት ኣብ ሞንጎ መታዓብይትን ደቂ ጋንታን እውን እዩ ኔሩ። ተማሂርና ኣለና!

እግዝኣብሄር ንሰለስቲኦም ሰማእታት ኣብ ገነቱ የንብረልና። ኲናትን ወረ ኲናትን ዘይንሰምዓሉ ዘላቒ ሰላም ይግበረልና።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleብሲስ ማሳዋ
Next Article ስርቀት ጸሓይ ወርሒ
Mekonnen T.

Related Posts

“ኣብ መንጎ ክልተ ብኡሳት እቲ ሳልሳዮም ይረብሕዶ”

November 29, 2020
Read More

ከቶ ንጽባሕ ዝፈልጣ የለን

November 14, 2020
Read More

ነቲ ሓቂ ኩሉ ይፍለጦ

September 14, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?