Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Wednesday, May 14, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ከም ገለ ኣብ ገለ እዋናት!

ከም ገለ ኣብ ገለ እዋናት!

0
By Mekonnen T. on July 12, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ሙሉኣለም ገረዝጊሄር

ኣብ ኣጋ ንቕሓተይ’ዩ ነይሩ።ጽምእ ዝበለት ኣመና ህድእተኛ ህጻን፡ ካብ ማህጸን ኣዲኣ ተማሕዲጋ፡ኣእዳዋ ንምጽሓፍ ኣዳልያ ኣዕንታ ድማ፡ጠፈር እናፈተለ ሓሳባት ተዋህልለሉ ኣብ ዝነበረ እዋን’ዩ።
ምጽሓፋ ፍጹም ኣይተበረሀንን። “ትብሎን ተውጐዖን እንተረኺባ፡ ሓቂ ገሊሃ ዕርቃናት ኣድማስ ክትገልጽ ተኽእል’ያ” ዝብል ፍርሃት ዝመስል ደማቕ ስግኣት ሓደረኒ። ነዚ ርትዒ’ዚ ዘይቅበልን ብሰንኩ ዝዳሃል ንያትን ውቃበን ክሳብ ዝሃለውኒ ከኣ፡ ባዶነተይ ክግላህ፡ ከውለይ ክፈርስ ትብዓት ኮነ ሕሩያ የብለይን።ስለዚ “ጋእ በሊ” ዝብል ሰባኺን፡ ዘየማዕትብ ሳጥናኤልን ኣውራ ልዕሊ ካልእ እዋን ሕጂ የድልየኒ ኣሎ። ክብል ሓሲበስ ኣንደበት ግን ” ሂቕ” ዝብል ናይ ዝተሰርነቐ ድምጺ ሰብ ሰሚዐ ሰገጥ በልኩ።
” ይምሓርኪ”
ክብላ ሓሲበስ ግና፥
” መን ሰብ’ያ ምስ በለካ?”
ጥራይ ዝብል ሕልና ዘይኮነስ፡
“መንን ስለምንታይን”
ዝብል ተሪር ህጻናዊ ሕቶ ከይትድርብለይ’ሞ ኣብ ዝገደደ መዋጥር ከይኣቱስ ስቕ ምባል’የ ዝመረጽኩ።ግና እዛ ገና ካብ ከባቢ ማህጸን ኣዲኣ እምብዛ ዘይማሕደገት ዕባራ ዕሸል፡ ሰለምንታይ ተሰርኒቓ? ንምንታይ ግን ዘየምባሃቖት?
ብዝብሉ ውልቀ ሕቶታት ተሞዂአ ክመውት በልኩ።
ቅብኣ ዝኣክል ጽባቐ ይትርጒም ከም ዘለኹ ድማ፡ “ከም ሕጊ ምትርጓም ጌሩ ዝኸብድ የለን” ኢሉ ናብ ሕትመት ከም ዝጓየ ኣዝሃርያ፡ ኣብ ኣፋፌት ዋሃብቲ ሪእቶ ደው ኢለ፥
“ዝኾነ ሰብ ብናይ ገዛእ ርእሱ ዘጥረዮ ትዕዝብቲ ሃያሲ ምዃን ይኽእል’ዩ።ወረ ኣብ ገሊኡ ደረጃ ሕብረተሰብስ እቲ ተመላለሲ፡እቲ ዓርኺ ርሻናት ጥበብ ዝኾነ ሰብ’ውን ጽሓፍቲ ከማእዝን ተኽእሎታት ኣሎ።”
ክብል ኢለ’የ ዝሓሰብኩ።እንተኾነ ግዳ ኣይከም’ቲ ዝሓሰብኩዎን።ጠመተ’ታ ጽምእቲ ህጻን ብስያፋዊ ቆላሕታ ይቐጽዓኒ ነበረ።
“ኣይፋሉን! ስሚዕታትና ዝኣዘዞ ምግባርና ንምጽሓፍና ኣይጐድኦን’ዩ ዝብሃል።እቶም ዝተጐኡ ጐድንታት’ዮም ድማ ስሚዕት ዝኾኑ።ብዘይብኡ ህላወ የብልና፡፡ዝተነበ ስሚዕት ንናይ ካልኦት ሓበናት ኣለልዩ ጽላል ዝኾውንን ዝሓቁፍን ክሳብ ዝኾነስ ኮቶ ዝጽላእ ኣይኮነን።” ኢላ ነቲ ቃል ብዕትብቲ ኣዲኣ ዓትዒታ ብስእሊ ከተርኤኒ ትቃለስ ነበረት።
“ኩሉ መልክዕ ዘለዎ ዝኾነ፡ ናይ ሎሚ ገሊጹ፡ ንናይ ጽባሕ ተፈጥሮ እንታይ ምዃኑ ግምት ዘትሕዘናን ንብርሃን ከነለሊ ዝደፍኣናን እንተኾይኑ፡ ጸገም የብሉን ጽሑፍ ኢልና ከነላልዮን ክንሰምዮን’ውን ንኽእል ኢና።”
ኢለ ናታ ህጻን ክመልካን ክደፍራን ተሃንጠኹ።
“ኣብ ገለ እዋናት ጽሑፍ ሳጥናኤል’ዩ፡ ዝብል ርዲኢት ኣለኒ።ስለምንታይ እንተልካኒ ብዘይ ጥሩምባዊ ውህደት ተጸፍዩ፡ ብዘይ ክንፊ ካብ ኣጽናፍ ናብ ጻት እናተማላለሰ ለጠቕታ ስሚዕት ዝገልህ፡ካብ ዒላ ጥበባት ኣእላፍ ቂሐ-ጽልሚ ዘማዕድን ካብ ኮነስ እወ ረታዒ’ዩ ንብሎ።እቲ ረታዒ ከኣ ሳንዱቕ ብምባል ኢና ንዛዝሞ።”
ቀደም ዘመን ሰብ ነበረ። እቲ ሰብ ከኣ ሓሳብ ኮነ፡ እቲ ሓሳብ ድማ ጽሑፍ ብምዃን ብመልክዕ ህጻን ተቐልቀለ።እቲ ህጻን ድማ ተራን ዕማምን ኮይኑ ኲርናዕ ሓሰብቲ ኣኾየጠ።እቲ ዝተኾየጠ ምሩጽ ሓሳብ መገዲ ኮይኑ ኣህዛብ ክሓልፍሉን ክስሕቁሉን ምስ በቕዑ፡ ፍጥረታት ዝብል ሓዱሽ ስያመ ተላቢስና። መን ስለምንታይ ዝብሉ ሓራቓት ሕቶታት ኣብ ምልዓል ንርከብ ኣለና።በቃ እዚኣ ከም ሓንቲ ቀጸላ ሕብርታት ምዂብላል ክንወስዳ ንኽእል ኢና። ዝብል ሓሳብ ኣብ ሽክናይ ከም ዘሎ ዘስተውዓለት እዛ ሮቓብ ዕሸል፡ ከምዚ ክትብል ነዲራ ተዛረበት።
“ሓይሊ ብዘይ ሓደ ተቖጻጻሪ ዋላ ሓደ ነገር ክኸውን ኣይክእልን’ዩ።ሓያል ንነገራት ክገልጽን ክትርጒን እንተዘይበቒዑ ተራ ህላወ’ዩ። እግዚኣብሄር ዝኣክል ሓያል፡ ኣምላኽ ዝኣክል ስምን ረቂቕን ግዙፍን መላኺን ህላወን ሩሑን ዝኾነ እናሃለወናስ፡ ንምንታይ ኢና ንድንቁር? ወረ ስለምንታይ ኢና ንግዕዝይ? እግዚኣብሄር እኮ ፍቕርን ሰላምን ስምን ህላወን’ዩ።”
ኢላ ልበይ ተንኪፋ ኣብ ፍልጠተይ ሽዋሕ በለት።ክንዮ’ቲ ትነብሮ ዘላ ማህጸናዊ ክሊ ሓሊፋ ድማ፡ሰማየ-ሰማያት ዘሎ ኣውታር ቅኒታት ኣድማስ ከተጥዕም ዝተፈጠረት ግርምቲ ጤለ-ሪሓን ኮይና ተራኣየትኒ።
“ጽሓፊ( ባዕሉ ዝጽሕፍ ሰብ የለን ኣይትበሉኒ) ግናያት’ዮም።አረ ሓንሳብስ መላኣክት’ዮም ዝቕየሩ።እቲ ባህልን ስሚዕትን ደምሮም ፍጥረት ኣብ ዘቑምሉ ህሞት፡ብዝያዳ ናብ ተማላኣኽቲ ዝብል ቅጽል ከነልብሶም ንግደድ ኢና።ጽሕፈት ፍጥረት’ዩ።ጽሓፊ ከኣ ሓሳቡን መልክዑን ኣነጺሩ ምስ ገለጾ ፈጣሪኡ ንብሎ።ሽዑ’ዩ ከኣ ነገር ሳጥናኤልነት ዝግሃድ።”
ነዊሕ ጻዕዳ ዝዓብሎሎ ቀምሽ ወለል እናበለት ክትመጽእ ዝራኣኹዋ’ሞ ከመቕጽበት ነታ ህጻን ካብ ግዳም ናብ መዳሕንታ ክትመልሳ እናተጋደለ እንከላ፥
“ድቂ መብጽዓ ኣርባዓታት’ያ። ነቲ ክንዮ ክላላስዮን ዘሎ ስግዳን ዛዚመ ዝጠነስኩዋ ንሳ ሓንቲ ንውልቃ ርግሀይ’ያ። ክጥነስ ዘይትሕረስ፡ ክትሓስብ ከይትነብር ኢለ ድማ።ደመይ ኣንቂጸ ኣብ ማህጸነይ ንኽትበሊ ምስ ጌታይ ድፋዕ ዝዓረድኩላ መቕለይ’ያ።”
ነዛ ሰብ ገማጢለ ክነባ ፈቲነ። ኣብ ጥቓይ እናሃለውት ኣመና ዝራሓቐት’ያ፡፡ ኩሉንትናኣ ክልተ’ያ ናይቲ ኣርባዕተ ሰለስተ ግን ቀደም’ውን ኣይነበራን።ክድህስሳ ኣብ ዝፈተንኩለ ህሞት ድማ እምብዛ በሪኻትኒ።ሽዑ ሰብ ከይብላ ናይ ሰብ ተምሳል እናርኣየት ብቓንዛ ክትበልዓኒ በለት።
እታ ብታሕታይ መላጉብኣ ወላዲታ ክትወጽእ ልዕሊ ዓቐን ትቃለስ ዝነበረት ማሕቋቕ ህጻን፡ ኣብ ምዕራፍ ከብዲ ኢድ ኣዲኣ ተማእኪላ፡
“ኣብዚ ወሻጥ ቅናታዊ ዙርያ ተኸቢበ፡ ክልተ ጽንፊ ዓለም ተተርኢሰ፡ ኩሉንተናዊ መግለጺታት ክራባሕ ተዓዚበ ኣለኹ። ዓለምን ኣደይን ሓደ ኣምሳል’የን።ክልቲኤን ክልተ’የን።ግልባጥ ክልቲኣዊ ተጻራርነት ሓቚፈን ከኣ ማዕረን ውዱንን መልሰ ተግባር ይህባ። መን ኣሎ ካብ ሰብ ነዚ ዕጫ’ዚ ዝተዓደለ? ስለዚ እዚ ብመገዲ ጽሓፊ ክግለጽ ከሎ፡ ጥበብ ዘይኮነስ ምፍጣር’ዩ ክባሃል ዘለዎ። ኣብን ወልዱን ወይ ድማ ጽሓፍን ጽሑፉን ኢልና ኣብ ልዕሊ መንበስብስትና ምልክት ኣምላኽነት ክንሰቕለሎም ድማ ይግባእ።”
ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ጸድፊ ከምዚ ዝብል መልእኽቲ ክረክብ ትዝ ይብለኒ ኣሎ። “እቲ ቦዂርን ሕሳስን ዝኾነ ተፈጣሪ( ወይ ንኻሎኦት ንምንባር ኢሉ ሩሑ ዝመጠወ )ወዲን ጓልን ነበረ።ጸሊምን ጻዕዳን ሕዋስ ዘይብሉ ባዶ ሕብሪ ከኣ ነበረ።ሓንሳብ ብርሃን እንኮ ሻዕ ጸላም እናኾነ ከኣ፡ መምህር ንክልተ ጾትኡ ነበረ። ኣብ ገለ ይቕበል ኣብገሊኡ ድማ ይህብ’ሞ ሓምዂሽታይ ሕብሪ ፈጢሩ ብኣጋ ዝስወር ልምዲ”
ዝብል ኣብ ገብላዊ ቅርጺ ብጸጸር ተጻሒፉ ነበረን ርኣኹዎን ከኣ። ግደ ሓቂ ግን እዚ ናይ ምድርና ሓደን ዘይተለዋጥን ግብሪ ኣብ ስሕለትና ኣዕሪፉ ዝተኻየደ ርትዒ ኮይኑ ኣሎ።ዝረአን ዝተራጋገጸን’ዩ። ብተወሳኺ “ካብ ልክቲኡ ወጻኢ ኲነት” ኢልና ነቕርቦ ሓደ ርትዒ ኣሎ። ንሱ ከኣ፥ ካብ ብርሃንን ጸልማትን ትርፊ ዝኾነ ህላወ እዩ። እዚ ከኣ ከም ገለ ኣብ ገለ እዋናት’ዩ።

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ዜና ዕረፍቲ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?