Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»‘ከመይ መጺኻ፧ ከመይ ጸኒሑካ ዓዲ፧ እዋይ ኣስመራ ሽኮር ኣሕሕ. . . ከመይ ኣላ፧”

‘ከመይ መጺኻ፧ ከመይ ጸኒሑካ ዓዲ፧ እዋይ ኣስመራ ሽኮር ኣሕሕ. . . ከመይ ኣላ፧”

0
By Mekonnen T. on May 25, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ወይኒ ሱሌማን

”ኩሉ ሰላም‘ዩ . . . ደሓንዩ። ሰብ የለን። ትፈልጦ ዳርጋ ኣይትረክብን ኢኻ። ስድራ ትርኢምበር ከምቲ ትደልዮ ኣይትዘናጋዕን ኢኻ ኤለክትሪክ’ውን የለን። ሕርጊጎ እተን ማሺናት ኣሪገን ይዕረሎ ይበሃል። ደሓንዩ መቸም”

“እዋይ እዚ ርጉም መንግስቲ ነዊሑን ገሪሙን ክርአ ኢልና ምስ ሓንገርናዮኮ ሸይኑልና፣” ከለፎ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ጣውላ ከቢቦም ደሃይ ዓዲ ዝንገሩ ዝነበሩ።ኩሎም ኣቐዲሞም ዝፋለጡ’ዮም ዝመስሉ። ካብ ኤርትራ መልእኽቲ ስለዝነበረኒ‘የ ተጸንቢረዮም። ኣብ ካምፓላ ኣብ ሓደ ቤት ብልዒ’ዩ። ኤርትራውያን ንከይንሰማማዕ ተሰማሚዕናሉ ኣርእስቲ ስለዘልዓሉ ብምሻን ተጀሚራ ዘላ ዛዕባ ናብ ምጽሕጻሕ ከየምረሐት ቀልጢፈ ክሃድምኳ ተሓሰብኩ። እቲ ካብ ኤርትራ መልእኽቲ ሒዙለይ ዝመጸ ኮፍ በሊ ክህበኪ‘የ። ዋእ እንታይ ደኣ ትህወኺ ትፋለጥና ከኣ። መልእኽትኺ ኣንጠልጢልኪ ክትብቆጺ ዓገብ! እዚ ኩሉ መልእክቲ ተማሊእናልኪ ደኣ ሓንሳብ ኣዕልልና ዝዓይነቱ ኣጠማምታ ስለዝወርወረለይ። መልእኽተይ ከይተረኸብኩ ክኸይድ ጸገመኒ። ጋሻ ኮፍ ኣቢሉ ከም ዘሎ ክሳብ ዘስተብህል ዕላሎም ብስቕታ ክዕዘቦ ከኣ መረጽኩ።

” ኪድ ሽንቲ ደኣ ደሓን እንድዩ። ኣምሊሱልና! ተፊኡልና! በል እምበር” እቲ ካልእ ነዲሩ “ኣበይ ኣለካ ንስኻ” ብዝዓይነቱ ናይ እስትሕቃር እናሰሓቐ።

እቲ ሳልሳይ ቁንጽብ ኢሉ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ሶሽዮሎጂ ኣጽኒዑ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሎጎ ዓንሰባ ናይ ታሪኽ መምህር ኮይኑ ዝሰርሐ። ሎሚዶ ጽባሕ ምስ ስድራ ኣስመራ ይቕየር እናበለ ሰለስተ ዓመት ናብራ ስኮብሊ ብ 500 ናቕፋ ከካውን ጸኒሑ ደሓር ተስፋ ምስ ቆረጸ ፈለማ ኢትዮጽያ ፣ ደሓር ካርቱም፥ሱዳን፣ ካብኡ ደቡብ ሱዳን፥ ጁባ እናበለ ምስኦም ክህሉ ዝከኣለ,,,

” ኣንታ እታ ናይ ሓቂ ትገልጸና ቃል ምሻን ኣይኮነት ምምላስ። እዚ ኩሉ ብሓንቲ ዕፍሪት ሳሙና ተሓጺቡ ምልጭ ኢሉ ዝዕዘርዩ። ተዓሚጽናያ ልክዕና። ኣይትገፍሓና ኣይትጸበና። ክኢላታት ደኣ ኣለውዎምበር ሓንቲ ጓል እንተድኣ ተዓሚጻ ብቐሊል ክረአ ዘለዎ ኣይኮንን። ወትሩ እናባህረረትን ተሳቐየትን እያ ትነብር። ዓመጽ ኪኖ ስጋ ንኣእምሮዩ ዘቁስል።ብክኢላ ክትሕገዝ ከኣ ኣለዋ። ያሬት ሕጂ ንሕና ስነኣኣምሮ ዘረጋግኡን ዘንቅሑን ምሁራትን ጸሓፍትን ተዝፈጥረልና። ክውንነትና ብልክዕ ክንርዳእ ምኽኣል ጥራያ እታ ፈውሲ። እሳ ከይፈልጥና ለውጢ የለን።”

ኣብ ጣውልኦም ካብ ዝጽንበር ፍርቂ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ከለና፣ ጓል ዲፓርትመንትና፣ ናትና ባችዩ? ተመሃሮይ,,, ቀለምቀመስ ዝደጋግመን ንመንነቱ ቀልጢፍካ ክትርዳእ ዝሕግዛኻ ሓረጋትየን።

” ሰብ ድክነትያ ጸገሙ ኣብ ኤርትራ። ረኣዮንዶ ወጽዩ፣ ኣዋህልል ኣቢሉ ክልተ ካብ ሚእቲ ምስ ከፈለ ናብ ዓዱ ይምለስ። ኤርትራዊ ጸገሙ ቁጠባያ,,,,እታ ናይ ቁጠባ ሓርነት ምስ ረኸባ ንኸባቢኡ ሓሮር,,,ሕርር በሉ፣ ረኣዩ ሓሊፉለይ ክብል እንቃዓ እናስተንፈሰዩ ዓዲ ዝምለስ። ኣበይ ዘሎ ርድኢት ዶ ንቅሓትዩ ብዛዕባ ፖለቲካ። ምስኣን ናጽነትዶ ነዚ ሰብዚ ከምዝስደድ ጌርዎ ትብሉ,,,፧ ኣነ ከም ዝመስለኒ እታ ሓቂ ድኽነትያ። መብዛሕትና ነብስና ኢና ንፈቱ,,,ስለዚ ድማዩ ኩነታትና ዘይፍታሕ፣ ናይ ሓባር ጸገም ዝበሃል የብልናን፣ ብዘይካ ቁጠባዊ ጸገም ንዕኡ እንተመሊስናዮ ከኣ,,,” ካብቲ ሳልሳይ ምስ ሰዓበ በዓል መልእኽተይ ከወድኦ ዓቕሊ ዝሰኣነ ይመስል ምዕይዕይ ኣብዝሐ። ካብ ዕላሉ፤ ቅድሚ 8 ዓመት ብስግረዶም እዩ ወጽዩ። ሕጂ ኣብ ጁባ ወናኒ ዓቢ ትካልዩ። ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊኡ 2% ብምኽፋል ኣብ ዝጠዓሞ ባጽዕ ሓንቢሱ’ዩ ዝምለስ። ቀደም እንታይ ይመስል ነይሩኳ ክምስክር ኣይክእልን ፈለማ ርክብና እዩ። ምስ ዕድሜኡ ዘይከይድ ግዝፊ እዩ ዘለዎ። ምስቲ ጽልሙ ዝነበረ ሙቐትን ገበታ ረሃጹን ግዲ ተሓዋዊሱኒ፣ ጤል ውሒጡ ምዕይ ምባል ዝሰኣነ ገበል ኮይኑ ተሰምዓኒ።

ቆጭቖጭ ግዲ ኢላቶ ከኣ

“ኖኖ ኖኖ ትጋገ ኣለኻ። መን ኣሎ ብጥሜት ዝወጸ፧ ዋእ እንታይ ኮንካ’ታ ዘይከውን ትዛረብ፧ ጥሜት ኔሩኩም ድዩ ኣብ ገዛኹም፧ ከምኡ ተኾይኑ ናይ ውልቅኻ ወኪልካ ተዛረብ። ኣነ ኤርትራዊ ጸገሙ ልክዕ ኣይፈልጦንዩ እየ ዝብል“ ናይ ተጎጠኹ፣ ብስምዒት መጎተ።

1 ስ

“ኤርትራዊ ጸገሙ ኣይኮነን ዘይፈልጥ። ኤርትራዊ ፈራሕ እዩ። ፈራሕ ህዝቢ ኣይነበረን,,ፈራሕ ንንኸውን ግን ካብ ቅድሚ ናጽነት ጀሚሩ ብመደብ ተሰሪሒሉዩ።  እቶም ናጽነት ንኽትመጽእ ወደል ንእስነቶም ዝከፈሉ ኣብቲ ውዕሎ ቀንዲ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ኳ ምስ ጓና ደኣምበር ንመሰሎምሲ ጃጀውቲ ኮይኖምዮም። ከም ሰብ ዘመነ-እምኒ ብተባህለን ብእምነትን ኣብ ልዕሊቲ መሪሑ ዘስርሖም ውድብ ክቱር ኣምልኾት ኣሕዲሮም። ህዝባዊ ግንባር ዘይንቀፍን ዘይጋገን ብጹእ ውድብዩ ተባሂሉ ከምጣኦት ተመሊኹ። ንሕና ከኣ ንሳቶም ዝዘርእዎ ኢና ንዓጽድ ዘለና።

“ ሃብታም ጉቦ እናሃበ ንዘሎ ሕሱም እዋን ሓለፋ ሰቡ ስለዝጥቀመሉ ዘሎ ድዩ ጸገም ዘሎ ኮይኑ ዘይስምዖ ትብለኒ ዘለኻ፣ ብዛዕባ ክንደይ ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ትዛረብ ኣለካ ኣይተረድኣንን” እቲ ካልእ ነቲ ሓደ

እቲ ርኢቶታት በብሕብሩ ይቕጽል ከም ኩሉ ግዜ ኤርትራውያን ኣብ ተኣከብናሉ ዘጋጥም፣ ካብቲ ኣርእስቲ እልይ ኢሎም ክደፋፈሩ ከይጀመሩ ንክሃድም፣ ንበዓል መልእኽተይ ተጋዲለ ኣንፈቱ ብምጥምዛዝ ዘምጸኣኒ ጌረ ተፈለኽዎም።

ቦዳቦዳ(ንመጓዓዝያ ዘገልግላ ሞተር ሳይክል ካምፓላ) ሰሪረ ብንፋስ እናተሸበብኩ ገዛይ እናምራሕኩ ምልልሶም ኣስተንተንክዎ። ተሰደድና፣ ሰብ ውዑይ ዕድመ ንኹን ሽማግለታት፣ ተመሃርና(ትምህርቲ ተነሩን ኣሎን ኣብ ዓድና)፣ ዘይተመሃርና። ተመኮርናን ዘይተመኮርናን። ኣፍሪቃ፣ ኤውሮጳ ንሃሉ ኣመሪካ እቲ ፍልጠትና ንብሎ ሓደ። ቃና ጥራይ ዝቕይር እንበር ዝደጋገም ሓበሬታትና። ነብሰ ምክልኻልን ተጎጠኹን ዝዕጣቑ ምብህሃልና ተስፋ ኣቁሪጹኒ። ብምስትብሃለይ ተጥዓስኩ።

ግንቦት፣ ወርሒ ዕግርግርን ከልበትበትንያ ኣብ ስራሕና። ኣብ መፋርቕ ወርሒ ኣብ ሰሌዳ ሓበሬታ፣ ሰፍ ዘይብል ትግርኛ ተሓንገረ ኣሳይመንት ምስ ሰስምካ ተኾይጡ ጸንሓካ።

” መንእሰያትን መኸተን” ኣብርሀት

” ተራ መንእሰያት ኣብ ምህናጽ ሃገርን ልእላውነትን” ወይኒ ሱሌማን

” ጉዕዞ ልምዓት” ሳምኤል

” መኸተ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን” ከድጃ

” መኸተ ህዝቢ ኣብ እዋን ወራር”,,, ኩስቶ ኩስቶ ወዘተ,,,። ንኣሰራርሕኡ ዝምልከት ብውልቂ መብርሂ ክትሓትት ናብ ሓለፍቲ ዴስክታት ትመላለስ። እንታይ ክበሃል ተድልዩሎ ጥራይ ክትሓትት ትኽእል። ኣርእስቲ ይኹን ቴማ ናይ ምቕያር መሰል የብልካን። ነቲ ክበሃል ተደልዩ ዘሎ ምስ መን ቃለመሕተት ጌርካ፣ ኣብቲ ዝተባህለ ዕለትን መዓልትን ተረክብ። ተወሳኺ ተረኛ ሪፖርተር ምርኢት ካርኒቫል፣ ኮማዊ ዳሳት(ምምሕዳር ከባቢታት ተኣኪቦም ንክቡር በዓል ናጽነትና ብዘይተኣደነ ሕሩድን ዝስተን ብጉጅለታት ባህሊ ተሰንዮም ዝድብሉሉ)፣ ባህላዊ ምርኢት ኣደባባይን ሲነማታትን እናተንቀሳቐስካ ሪፖርት ምስራሕ ውን ኣሎ። ኣብ ርእሲቲ ንዜናን ካሊእ ለታዊ መደባትን ዝህልወካ ዕማም ማለትዩ።

4

ክትሰርሖ ዝተመደበካ ፍሉይ  መደብ ዕድል ጌርካ ብቃለመሕተት ዝስራሕ እንተድኣ ኮይኑ፣ እቲ ዝሕተት ሰብ ንሜድያ ዝህቦ ቃል ምድላዋትን ዓቢ ስራሕን ዘየድልዮ ምዃኑዩ። ዝገርምዩ! መላእ ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ማይክሮፎን ምስ ሓዘ ሓደ ዓይነት ቃላት ክዛረብ ዝተቓነየዩ ዝመስል። ነተን ንስኻ ተላኢኽካለን ዘለኻ፣ ብቐንዱ እቲ መሪሕነት ይደልየንዩ ዝብሃላ መልስታት የቐምጠልካ። ኣመሪካ ታሪኻዊት ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ ምዃና፣ ምስትንታት ብዝተሓወሶ ዳርጋ ካብ ኩሉ ተሓታቲ ትሰምዓያ። ኣይንምብርከኽን ኢና ከኣ ካልአይቲ። ልዕሊቶም ጸላእቲ ንብሎም ሽግር ባዕልና ካብ ምንብርካኽ ንላዕሊ ብበጠበጥ የኺደናዶ የለንዩ ወደይ፧ እምባእ,,,!

ሓታቲት

” ከመይ ኣሎ በዓል ናጽነት፧”

” ጽቡቕ”

” መዓልቲ ናጽነት እንታያ ንዓኻ?

” መዓልቲ ናጽነት ነዓና ዓባይ ዕለትያ ኣሕዋትና ተሰዊኦም ናጽነት ኣምጺኦሙልና። ንሕና ድማ ተማሂርና ንሃገርና ከነማዕብል ሕድሮም ክንስከም ኢና” ድሕሪ ብውሕዱ 8 ዓመት ኣብ ሱዳን ወይ ሊቢያ ኣሎ ዝብሉኻ ወዲ 10 ዓመት ቆልዓ መሳትኡ ዑጉግ ኢሎሙዎ ኣብ ቃለመጠየቕ ምስ ቀረበ ብዘይዝኾነ ወታእ ዝገልጸልካ ቃልዩ። እቲ ንኡስ ናይ ንእስነቱ እቲ ዓቢ ከኣ ናይ ዕቤቱ ንገብረሉን ንብለሉን እዋን ደኣ ከምጽኣልና ንጸሊ።

http://www.google.de/urlsource=imgres&ct=tbn&q=http://youngpfdj.files.wordpress.com/2012/04/demonstration-in-berlin-20120427.jpg

ገለ ከኣ፣ ናይ ዓወትንሓፋሽ ምልክት ቅልጽሞም ንላዕሊ እናወዛወዙ

” ኤርትራ ዓዲ ጽንዓት እያ። ንሕና ተቓሊስና ብቕልጽምና(እቲ ኣምላኽውን ምስጋና ተነፊግዎ) ናጽነትና ዝረኸብና ህዝቢ ኢና። ሕጂ ከኣ ወትሩ ከም ትማሊ ንጸላኢና ክንድምስሶ ኢና።

ካብታ ፍልይቲ ጅን ሃገራውነት ሓያሎ ሻት ዝጨለጡ ኤርትራውያን ዳያስፖራ ብስምዒት

” ሃገርና ከኣ ናብ ልምዓትን ዕቤትን እያ ትግስግስ ዘላ። ወላኳ ሕጂ ዓለማት ንምምብርካኻ ይጽዕራ እንተለዋ ንሕና ግን ሓቢርና ነዚ ተኣዊጁ ዘሎ እገዳ ከነበርዕኖ ኢና። (እዘን በዓል ኣመሪካ ርጉማት ንኤርትራን ህዝባን ከንበርክኻ ከይደቀሳ ዝሓድራ ዘለዋስ ክንደይ ይሓስማየን ወደይ፧ በሉስከ ንገብሮ የብልናን ረጊምና ንረጋማይ ሂብናየን ኣለና)

ሔውውውው . . . .

እዋይ ከኽፈኣልና ብዙሕ እዋን ክሓስቦ ከለኹ ዝሸምደድናዮ መትከል ድዩ ዝሸምደድናዮ ቃላትዩ የገርመኒ። ኣብ ሜድያ ከየባተኸ ክዝራእ እተመርጸ ሓረጋት ሰውራውነትን ቃልስን ፍሬኡ ንሓፍሰሉ እዋን ዝበጽሐ ይምስል። ቀለልቲ፣ ልኡማትን ንቡራትን ኣገባባት ባህላውን ሃይማኖታውን ምብህሃላትና ከምቲ ሰቡ ዓዲ የርሕቑለዉ።

5 ስ

ኣብዚ ዝደሓረ እዋናት ንቃለመጠየቕ ንዕድሞም ሰባት ናይ ጥዑይ ድዩ ሕሙም ገጽ ከርእዩና። ተገደደ ከኣ ክሕተቱ ከምዘይደልዩ ክገልጹልና ኣደዳ ክንደይ ምጉሱቓል ዘይኮንና። ሓደ እዋን ክልተ መሳርሕትና ሓንቲ ካብ ክፍሊ ሬድዮ ሓንቲ ካብ ክፍሊ ቴለቪዥን ምርኢት ካርኒቫል ክዕዘብ ሆጭ ናብ ዝበለ ህዝቢ ቀሪበን ንሓደ መንእሰይ

” መንሽምካ ቃለመጠየቕ እንዲና ክንገብር ደሊና ብዛዕባ መዓልቲ ናጽነት ፍቓደኛ ዲኻ? ” ዝበዝሕ ሰብና ኣብ ተለቪዥን ክረአ ከም ዝና ስለዝሓስቦ ብኣወንታዊ ምላሹ ከይተወላወላ።

http://www.eritrea-chat.com/wp-content/uploads/2014/05/Eritrean-Carnival-Show-2014-in-Asmara.jpg

” እንታይ እናበልክን,,,፧” ብጽዉግን ኣግርሞት ዝንበቦን ገጽ

” ማለት መዓልቲ ናጽነትሲ እንታያ ነዓኻ ክትገልጸልና” ተዳሂለን’ኳ ተነበራ ስምዒተን ሓቢአን።

” መዓልቲ ናጽነት ደኣ ነዓይ ካብ ገዛይ ንበረኻ፣ ነዞም ትርእየኦም ዘለኽን ከኣ ካብ በረኻ ንዓዲ ዘእተወቶም ዕለት። ኪዳ ሕጂ ረሓቓ ወኻሩ ” ተወሊዕዎ ከም ዘሳጎገን የዕልላ።

http://blogs.cfr.org/campbell/files/2013/12/Africa-Eritrean-soldier.jpg

እንተስ ካብ ትህኪት እንተስ ብተሓተትቲ ካብ ምክልባት ንምድሓን ናይ ህዝቢ ናይ ዮሃና መልእኽቲ (ቮክስፖፕ ) ከዳልዋ ዝተመደባ ክልተ መሳርሕትና ካብ ኣርካይቭ ናይ ቅድሚ 3 ዓመት ናይ ናጽነት ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኣውጺአን ከም ዝሰርሓ’ሞ ወላሓደ ዘስተውዓለሉ ከም ዘይነበረ ምስ ሰማዕኩ፣ ውድቀት ምሕደራን ክብሪ ሞያን ኣተሓሳሲቡኒ።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኣዋርቐን ተሰሊመን  ዙርያ ተኸዲነን ኣብ ካርኒቫል ምምሕዳር  ንዝጸንሓ ኣደ፣ ጋዜጠኛ ቅርብ ኢሉ

“ኣደ ዕልልል ሞ በላለይ” ማይክሮፎን ናብ ኣፈን እናቕረበ

“ ዕልልልልልልልል ” ኣእዛኑ ክሳብ ዝጭደድ

” ኣደ ሕጂ ንስኽንሲ ከምዚ ኢልክን ኣዋርቕክን ተሰሊምክን ዙርያ ተኸዲንክን ኣብዚ በዓል ናጽነት ተረኺብክን ኣለኽን። ስለምንታዩ እዚ?

„ ውይለከ ከይቐጽዑኒ’ቶም ምምሕዳር,,,,“ ኢለን ከምዝደርጉሓሉ ይዕለል።

ነዝን ካልእን በበይኑ ዝሕብሩ ነገራት እናኽትሰምዕ፣ እዛ ትርጉም ናጽነትናስ ንኹልና ኤርትራውያን ኣብ ኢድናዶ ሓውያትናላ ሓቀይ፧

http://www.asmera.nl/eritrea2009/Eritrea952105.jpg

http://www.google.de/url?source=imgres&ct=tbn&q=http://i.telegraph.co.uk/multimedia/archive/02910/Libya

ምስ ጸብጻቡ ዝመጽእ ዕለታዊ ዜናታት ውሽጢሃገር ቅንያት ናጽነት ከኣ ኣሎ።

„ ህዝቢ ከተማ ሽዕብ ንጽንብል መዓልቲ ናጽነት ብኽብሪ ጸንቢልዎ ፠ጸብጻብ ኣለና መሓመድ ዑመር ካብ ሽዕብ

6 ስ

 

” ኣለና እኳ ደኣ ሰዊድና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝኻየድ ዘሎ መበል 22 ዓመት በዓል ናጽነትና ህዝቢ ሓውሲ ከተማ ሽዕብ ብዓቢ ድምቀት ጸንቢልዎ። ” ኤርትራ ብብሉጽ ደም ደቃ ዝመጸት ሃገርያ።  ብምባል ኣመሓዳሪ ከተማ ሽዕብ ኣቶ ኣስመሮም ኣብርሃ(ወድ-ቅንፍዝ) ነቲ ጽንብል ድሕሪ ምኽፋቱ,,,,ኤርትራ ኣብ ድርኩኺት ሰላምን ምዕባለን ብናህሪ ትሱጉም ከምዘላ ንተሳተፍቲ ኣብሪሁ። ኣብቲ ጽንብል ኣመሓደርቲ ከባብን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተረኺቦም ነይሮም “ጉጅለ ባህሊ ኣብ ልምዓት ኢና ዘለና’ውን” ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺባ ነቲ ጽንብል ኣማዕሪጋቶ ውዒላ,,,,ወኪል ኣገልግሎት ዜና ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ መሓመድ ዑመር ካብ ሽዕብ

ናይ ነፍስወከፍ ምምሕዳር ዓዲ ወይ ከተማ ተመሳሳሊዩ እቲ ጸብጻብ። ንታሪኻ ብግቡእ እትዕቅብን ህዝባ ብሰላም ክነብር ዓቢ ስራሕ ይካየደላ ኣሎ ትበሃል ሃገረይ። ኣብ ጎደና ምዕባለ እትምርሸ ዘላ ሃገረይ። እቲ ናጽነት ምሉእ ክኸውን ምእንቲ . . .

ንጭውያ መዓንጣ ዘይቆጸሩ ኤርትራውያን ህጻናት ኣብ ምድረበዳ ሲናይን ንግዲ ክፍሊ ኣካላቶምን

ዋሕዚ ህጻናትን ወለድን ናብ መዓስከራት ጎረባብቲ ሃገራት፣ ፍልሰት ኣብ ኩሉ ደረጃ ዕድመ ዝርከብ ዜጋን ዘስካሕክሕ ስእነት መነባብሮ ተራ ስድራቤታትን ቅዝፈት እቶም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝመጸውዕኦም ደቂ መሬት ኣፍልጦ ዝህብ ዝእመን። ከም ደቂዛግራ ንዝበታተን ዘሎ ወለዶን ዝሃስስ ዘሎ ክብሪ ሕብረተሰብን ማዕረ ኣጀንዳ ምድላዋት ጽንብል ናጽነትን ሳዕስዒትን ዝእንጎት ዝሽብሸብ ሃገራዊ ሰሚናራት ሃንቀው ይብለላ።

http://www.independent.co.uk/incoming/article9684306.ece/alternates/w460/5728403.jpg

http://assenna.com/wp-content/uploads/2015/03/African-migrants-500×333.jpg

12 ግንቦት 2014 ካምፓላ፣ ኡጋንዳ

 

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሽላን ምስ ክራሩ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?