Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ግጥምታት»ከመዓልካ ፈጣሪ!

ከመዓልካ ፈጣሪ!

0
By Mekonnen T. on November 22, 2020 ግጥምታት
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email
ከመዓልካ ፈጣሪ!
ከመዓልካ ፈጣሪ፡ፈጣሪ ኩሉ ዓለም
ፈጣሪ ሞትን ህይወትን ብዘይ ቀልዓለም
ጎቦን ስንጭሮን ሩባን ኩርባን
ትህቦን ትወስዶን እንካን ሃባን
ክመጽእን ክኸድን ሃበባን ከርከባን
ሰቡን መጓዕዝቱን ይዝራእ ይብተን
ዓንዲሩ ዓንዲሩ ሓመዱ ይኽደን
ዝጠመየን ዝዓረቐን ኣይተናሕስየሉን
መዋቲ ምዃኑ ዝብሎ’ውን የብሉን።
ኣነ’ውን ከማኻ ጠባያት ፈጢረ
ንዕግበተይ እምበር ኣይኮነን ንማዕረ
ንኽትሕጎስ ከኣ፥
ሰብ’የ ፈጢረ መልኣኽ ዝመስል
ንሰብ ከሐጉስ ላዕሊ ታሕቲ ዝብል
በዓል መሰንቆ ጥዑም ድምጺ
ሕልሚ ጐረርኡ ልዋም ቀላጺ
ሸውሃተ ልቢ ንፍቕሪ ዝፋጺ!
ከመዓልካ ፈጣሪ፥
ነቲ ዝፈጠርክዎ ካብ ኩሉ ኣብሊጸ
ንህዝቢ’የ ፈኔዮ ኣይወስዶን መሊሰ
በዚኣ ተግባረይሲ ካባኻ በሊጸ
እነብር ኣለኹ ተሓጒሰ!
እናበልኩ “ተፈስሂ ነብሰ ሃዋርያት
ተኮነኒ ቀንደለ ጸልማት
ወ ባሕረ ሓሶት!”
ከመዓልካ ፈጣሪ፥
በዚ እንተቐኒእካለይ
ኣይግድሰንንዩ ምንባረይ ምማተይ
ንኽነብር እውን ኣይውዕሎን ሰጊደ
ንፍቕሪ’የ ዝነብር ትሒተ።
ዋሕስ ፍቕሪ ፈጢረዮ ፍጡር
ንፍቕሪ ዝነብር ናይ ሕልና ህጡር
ነዚ ድማ ኣይቀትሎ ኣየሕምሞ
ኣብ ልቢ ሰብ ወትሩ የኾድሞ!
ወትሩ ህሉው’ዩ ብኣይ ዝተፈጥረ
ውሉድ ሕልና ብጥበብ ዝልለ
ነዚ ክቐትሎ’ሞ ከመይ ኢለ?
መጒተካ እንተኾይነ ደፊረ
ቅተለኒ ኣይብልን ገለ
ፈጢረ እምበር መዓስ ሰብ ቀቲለ!
እንተሞትኩስ ኣለኹ እንድየ
ብፍጡረይ ክዝከርየ!
ከመዓልካ ፈጣሪ፥
እንተዘይ ተጋግየ መዓስ ክሒደ
እትረፍዶ ኣነስ የሱስ’ኳ ዝሞተ
እትረፍዶ ኣነስ መሓመድ’ኳ ዝሞተ
እትረፍዶ ኣነስ ሸኪስፒር’ኳ ዝሞተ
ንሞት ድማ ኣይፈርሃንየ
ምስ ሞትኩስ ኣለኹ እንድየ!
ዘልኣለማውያን እዮም ናተይ ፍጡራት
ባህታ ዝሕፈሶም ከም ናይ ፍቅሪ ግራት
ኣብ ፍጡረይ ኣይገብርን
ሌላን ጉሌላን፡ ምሉእን ፈረቓን
መርገምን ምርቓን
ንሓደ ኩነኔ ንሓደ ወደሳ
ንማትሶላ 900 ንሸክስፒር 50!
እንታዩዚ ፍርደ ቐይናን መይናን
ከመይ ኢለ የቐምጦም ኣብ ሓደ ሚዛን
ንሂትለርን ንማዘር ተሬዛን!?
ከመዓልካ ፈጣሪ፥
ፍቕሪ ፈጢርካዶ ትኹሪ?
ፍቕሪ እዚ መንበሪ፡
ከይትኩሪ እምበሪ
መጎትሲ ኔሩኒ፡
ፍቕሪ ዘሪኦም ፍቕሪ ዘባዝሑ
ምስቶም ጽልኢ ፈጢሮም ወትሩ ዝፋትሑ
ንስጋ ክብሉ መንፈስ ዝርሕርሑ
እገርመኒ ፍቕሪ ማዕረ ምብጽሑ!
አረ ስምካ እናመራስሑ
ማዕረ ሰቦም ብሂወት ይጸንሑ፡
ታይግድኻ ምጽናሕሲ ይጽንሑ
ኣብ ምእራጎም እንተተናስሑ!
እቲኦም ከሞታ?
ምስጋና ቆሪሶም ጸሎት ዝምስሑ
ካብቲ ናቶም ሹሻይ ብስብሑ
ይትረፍ ዕሽር ፍርቁ ዘማስሑ
ሎም በሊዖም ጽባሕ ዘየጽንሑ
እንታይ ትኸውን ዕምሮም እንተነዊሑ?
ከመዓልካ ፈጣሪ፥
መጐትሲ ነይሩኒ
ዋላ ቅተለኒ
እናሰሓቕኩየ ዝመውት
ፍቕሪ ብምፍጣረይ እንታይ ኣበሳ ኣለኒ?!
ሰብ ካብ ኮንኩ በዓል ዕምሪ
ሞት ድማ ካብ ኮነ ዘይቀሪ
ክምጉተካየ ፈጣሪ
ነቲ በዓል ፍቕሪ ዘይትህቦ ክብሪ
ንደስታ ካልኦት ጨው ዝፈሪ
በል ኣነስ ሃሰስ ኢለ ተዓዚበ ግብሪ
ግብሪ ሰብ ካብ ኮነ ሓንካሪ
ንሓቂ ሓኒቑ ቀታሊ
ንጥበብ ኣብ ሩባ ኸታሪ
ንስኻ ድማ ተሓባባሪ
ብሓደ ትርእዮም ቀታሊ መሓሪ።
ኣነ ግን ሂበዮለ’ኹ ነቲ ፈጣር-ፍቕሪ
ኮናኒ ሞት ንወትሩ መንበሪ
ኢለዮ ኹን ዘልኣለማዊ
ኣሪጉ ዘይተቐንዛዊ
ሓሚሙ ዝሓዊ!
ከመዓልካ ፈጣሪ
ከይመስለካ ተጠራጣሪ
ሞት እንተመጸት ድነድነ ቐትሪ
ክተርፍዶ ኢለ ተሓቚነ ኣብ ምድሪ?
ካብ ሕጊ ዘምልጥሞ መን ኮይነ
ትምጻእ እምበር ኣይፈርሃንየ
ምስ ሞትኩስ ኣለኹንድየ!
ኢየሱስ ንሰቐልቱኳ ዘይተራገመ
ኣብ መላጸ ሓቂ’ንድዩ ዝተኾደመ
ሶቕራጠስከ ፈሪሁዶ ሃደመ
ጽዋ ጨሊጡ’እንድ’ዩ ዝቖመ!
እሞ ኣነ ድኣ መን ኮይነ
ግልብጥ ግልብጥ ዝብል ተሓቚነ?
ዘይዕተር ትልሙ መዓስ ኮይነ!
ዛንትኦም ሰሚዐ እንድየ ዓብየ!
ከመዓልካ ፈጣሪ!
ንበዓል ፍቕሪ ሃብ ፍቕሪ
ንኸታሪ ኩን ቀታሊ!
ኦ! ፈጣሪ፡ ከይተፈለጠኒ ኮይነዶ ኣዛዚ
ሰብ ከምኡ’ዩ ንሞቱ ሴፍ መዛዚ
እነሆ’ኳ ኣነ ከቲረካ ኣብ ጥርዚ!
ከመይ ኢለ ይጽሮ ነቲ መካወሲ!?
ኣብ ንጽህና ፍሕሶ ፈሓሲ
ጸረ ሓቂ ቀራብ መርዚ
ንስለ ጣዕሚ ንስለ ኸብዲ
ኣይቅረብን ኣብ ናቱ መኣዲ!
ከመዓልካ ፈጣሪ!
ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተነበ
ንምስክር ሓቂ ክንዲ ተዛረበ
ክሳድ ዮውሃንስዶ ምስተቐንጠበ
ንምንታይ ፍርድኻ ሽዑ ዘይቀረበ?
ዲል ሂብካዮ ንቖራጺ
ኣብ ርእሲ ቃል ንኽፋጺ!
ዘረባ ተበዝሐ ነውሪ
ከይተለፋልፈኒ’ምበሪ
ዘረባስ ኔሩኒ እናዓርዓረ መዓሪ
የግዳስ ሰጊአ ክይከውን ከታሪ።
እሞ ምሳኻዶ ከውሪ?
ከመዓልካ ፈጣሪ!
ጥበብ እንድዩ በዓል ክብሪ
ንውሕጅ ሓሳባት ዘመዓራሪ
ንሓቂ ብወረጦ ዝኣሪ
ንወጽዓ ብዙሓት ዘማሪ
ንፍሕሶ-ምሕሶ መታታሪ
ሓቂ ተተቐብረት መዳሪ
ንደስታ ካልኦት ኣብ ጭንቂ ሓዳሪ
መንከ በሎ ከታሪ!?
ንዓለም ዘኺዳ እንካብኮነ ፍቕሪ
ጥበብ ንፍቕሪ ካብ ኮነ መምቀሪ
ንበዓል ፍቕሪ ወስኸሉ ዕምሪ
ከምዚ እንድኣሉ እቲ ናተይ ከትሪ
መጓቲ እምበር ኣይኮንኩን ፈካሪ
እንተኣቢኻ ግን እፈጥሮ እምበሪ
ናይ ሕልና ብርዒ እናጠማዕኩ ኣብ ፍቕሪ
ብፈጠራ ብጥበብ መስካሪ
ኣብ ርእሲ ሓንካሮ መዕገርገሪ
ኣብ ሕልና ድማ መንገርገሪ!
እናንገርገረ በራሪ!
ከሰጉሞ ንሕልና ስድሪ
ካብቲ ጾርካ ገለ’ብሪ እምበሪ
መሪር ሓቂ ክቐብሮዶ ኢልካኒ ኣብ ምድሪ!?
ከመዓልካ ፈጣሪ!
ወዲ ኣቢብ
ሕዳር 2015
Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Article“ኣብኡ ‘ሓይሽ”
Next Article መጽሓፍ፡ ሕጊ እንጋንኣ፡ ስርዓት ዓጽሚ ሓርማዝ
Mekonnen T.

Related Posts

ኣበሳ ኵናት

November 28, 2020
Read More

“ኣብኡ ‘ሓይሽ”

November 22, 2020
Read More

ሃገረሰብ ዓደይ!

November 13, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?