Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ባህልን ያታን»እንዳ ደጊያት ባህታ ሓጎስ በዓል ሰገነይቲ

እንዳ ደጊያት ባህታ ሓጎስ በዓል ሰገነይቲ

3
By Mekonnen T. on September 20, 2014 ባህልን ያታን
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

መጽሓፍ መረብ ምላሽ ገጽ 194-196
ጸሓፊ ሩፊሎ ፐሪኒ ፈረንጸ- ኢጣልያ 1905 ዓ.ም
ተርጓሚ ቪቶርዮ-ሮንካሊ ቶሪኖ-ኢጣልያ 1997 ዓ.ም
(ዝኸበርኩም ኣንበብቲ: እዚ ጽሑፍ ከም ዘለዎ ካብ “መጽሓፍ መረብ” ምላሽ ዝተወስደ እዩ። ብዓይኒ ኢጣልያዊ ጸሓፊ ስለዝተጻሕፈ ከኣ ኣብ ገሊኡ ናብ መግዛእቲ ጣልያን ዘዘንበለ ኣረኣኣያ ከአንግድ ይረአ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲኹም ከተንብብዎ ድማ ክሕብር እፈቱ። ሰናይ ንባብ)
ሓጎስ: ንተክአ፥ ንደጊያት ባህታ: ንካሕሱ፡ንኣዝማቲ ሰንጋል: ንወይዘሮ ግምጃ ወለደ።
ሓጎስ፡ ክኢላ ሰብኣይ በዓል ሰገነይቲ እዩ። ደሞክራስያዊ-ልምድታት ዓዱ ስለ ዘይፈቐዶ ግና፡ ዝኾነ ሽመት ኣይጸንሖን። ከም ዝመስሎ፡ ነቲ ብጥበቡን-ሃብቱን ዘጥረዮ ባህርያዊ-መዝነት፡ ናብ ናይ ሓቂ ጎይትነት ንምልዋጡ ዝሃቀነ ዜጋ እዩ’ውን ይበሃል። ብዝኾነ፡ መብዛሕትኡ ክፍሊ ኣከለ-ጉዛይ (ብሕልፊ ድማ እቶም ኣብ ከባቢ ሰገነይቲ ዝርከቡ ዞባታት) ወገን ናይቲ ባህላዊ ሓርነቶም ንምዕቃብ ዝሓለየ “እንዳ-ሃዘጋ” ኮይኖም’ኳ እንተጸንሑ፡ ሓጎስ ወገን “እንዳ-ጸዓዘጋ” እዩ ዝነበረ። ምስ’ቲ ተኸታል ደግያት- ሃይሉ ዝኾነ በኺት (ከንቲባ ካርነሽም) ኣስዒቡ ዝመስረቶ ዕርክነት እዩ ነቲ፥ “. . . ንሱ’ውን ኣብ ዓዱ ብደገፍ እንዳ-ጸዓዘጋ ኣቢሉ፡ እቲ በኺት ዘለዎ ድረጃ ንምብጻሕ እዩ ዕላማኡ. . . . ” ዝብል ትሒም፡ ርጉጽ ኣምሲልዎ። ስለዚ’ውን ኣንጻሩ ስሩዕ-ምንቅስቓስ ተላዕለ። ካብ ዕለታት ሓደ- መዓልቲ፡ ዓዲ ኣብ “ማሕበር” ተኣኪቡ ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣብ ሓደ ናይ ጉዳዮም ዘተ፡ ሓጎስ ዘቕረቦ ርእይቶ ዓብላሊ ኮይኑ ተረኽበ። እቶም ተጻረርቱ- ወገን በዚ ተቖጢዖም፡ ኣብ መንገዲ ኣድብዮም ጸኒሖም ጎቢጦም ቀተልዎ።
ሃጸይ የውሃንስ ኣብ መጀመርያ እዋናት ንግስነቱ፡ “ፊተውራሪ-እምባየ” ንእተባህለ ወድ-ኣኮኡ ማለት ወድ-ራእሲ ኣርኣያ በዓል እንደርታ (ኣደ ንጉስ የውሃንስ/ራእሲ ኣርኣያን/ ኣሕዋት ምዃኖም እዮም) ንኣከለ-ጉዛይ ክመልኮ ልኢኹዎ ነበረ። ፊተውራሪ እምባየ፡ ንዓድ-ሓበሻ እውን ብዘሰክሕ ኣገባብ፡ ነቲ ዓዲ ኣደራዕ ምስ ኮኖ፡ ኣርዑት ምጽዋር ዝሰኣነ ህዝቢ ብምሉኡ፡ ኣንጻሩ ተላዕለ። ስድራ-ቤት ሓጎስ ድማ እዮም መራሕቲ ናይቲ ምልዓል- ናዕቢ ዝነበሩ። ጓንጉል- ተኽሉ- እተባህሉ ክልተ ደቂ ኣሕዋቱ ንሓጎስ፡ ኣብቲ ኩናት ተቐትሉ። ወድ-ሓወቦኦም ዝኸውን ባህታ እዩ ግና ንፊተውራሪ እምባየ ብኢዱ ቀቲሉ፡ ሕነኦም ፈድዩ። ተጋሩ ተሳዒሮም፡ እንደገና ንመረብ ሰጊሮም ወጹ። ስዒቡ ግን፡ ንጉስ- የውሃንስ ኣንጻር ሰራዊት- ግብጺ ከቲቱ ኣብ “ጉራዕ” ምስ ተዓወተ፡ ባህታ ምስ መላእ-ስድራኡ ዓዲ ለቒቑ ንስደት ተገደደ። ንእተወሰን እዋን ኣብ “ዓጋመታ” ብኮብለል ድሕር-ምጽናሕ፡ ብሰምሃር-ከረን-ኣቢሉ ኣብ ሓባብ ዑቕባ ረኸበ። ኣብኡ 8-9 ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ ኣገልግሎቱ ንመንግስቲ ጣልያን ኣወፍዩ ብ1888 ዓ.ም. ቅቡል ኮይኑ ምስ ተረኽበ እዩ ድማ ሓድሽ -ምዕራፍ ህይወቱ ከፊቱ።

20140914_154725

ተክአ፡ ቦኽር-ውላድ ሓጎስ፡ ክልተ ደቂ ገዲፉ ብባህርያዊ ሞት እዩ ሞይቱ። ካብ ዝወለዶም-ውላድ፡ እቲ ዓንዱ ዝተባህለ ቀዳማይ፡ ቀኝኣዝማቲ እዩ። ቀላቲ እተባህለ ዳሕረዋይ፡ ተራ-ዓስከር ኮይኑ፡ ክልቲኦም ብሓባር ኣብ እንዳ ባንዳ ሓወ’ቦኦም ባህታ ተሰሊፎም የገልግሉ።
ካሕሱ፡ ብሕማቕ ኣማውታ አዩ ሞይቱ። ምስ ኣሕዋቱ ተሰዲዱ ኣብ ሰንሰለት-ኣኽራናት “ዓጋመታ” ብራእሲ-ኣሉላ ንሞት ይህደኑ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ኣንጻር ባህታ ሓዉ ክቃወም ጀመረ። ዝያዳ ሓለዋ ንከዘውትር/ ካብ ራስያ- ኣንነታዊ ዝምባለን ክቑጠብ/ሚዛን ክሕሉ/ ምሕረት ከዘውትር ወዘተ ዝኣመሰሉ ብባህታ ሓው ይውሃቦ ንዝነበረ ምዕዶታት፡ ፈጺሙ ምኽታል ኣበየ። ክብሉ ክብሉ ድማ፡ ካብ ዕለታት ሓደ-መዓልቲ ክልቲኦም ኣሕዋት ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ሓያል ምስሕሓብ ገበሩ። ኣብ ዝነበረ ክርክር ካሕሳይ ከም ኣመሉ ንመግናሕቲ-ምኽርታትን ሓው ነጺጉ፥ ኣገልጋሊኡ ከም ዘይኮነን እቲ ንሱ “ስብከታት” ኢሉ ዝገመቶ ማዕዳ ደው ምስ ዘየብሎ፡ ኣብ መስርዕ ራእሲ ኣሉላ ምስላፍ ከም ዝመርጽ፡ ንባህታ ሓው ኣጠንቀቖ። ባህታ፡ እዚ ብዝሰምዐ ብክቱር ሕርቃን ነብሱ ምቁጽጻር ሰኣነ። ካብ መቐነቱ ብረት መዚዙ ድማ፡ ነቲ ኣብ ቅድመኡ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ሓዉ፡ ተኩሱ ቀተሎ።
ካሕሱ ወድን-ጓልን ሓዲጉ ኣዩ ሞይቱ። እቲ ወዲ “ገብረንጉስ” እተባህለ መንእሰይ ወድ 15 ዓመት፡ ዋሕዲ ጥዕናን- ናይ እግሪ ማህሰይትን ዘለዎ፡ ምስቲ ዝፈትዎ ሓው-ኣቦኡ ሰንጋል እዩ ዝነብር። ምስቲ ኣቦኡ ዝቐተለሉ ባህታ ግን፡ ብዙሕ ኣይሳነን። እታ “ምስሉ” እተባህለት ጓል-ካሕሱ ምርዕውቲ እያ። ናብራኣ ድማ፡ ኣብ ኣኹሩር እዩ።
ሰንጋል፥ ኣብ ጭፍራ ባህታ ሓው እተሰርዐ ኣዝማቲ እዩ። “ዓሻ” ምስ እተባህለት ካብ እንዳ-ከንቲባ ሰብ ዓድ ተኽለስ እዩ ተዋሲቡ። ከንቲባይ-ታፍላ፡ ብካልኣይ መስመር ዝውለድ ኣባሓጎኣ እዩ። ብዛዕባ ኣቦኣ-ወላዲኣ ንዓሻ ግን፡ መሓመድ-ማሕሙድ እተባህለ ዜጋ ምዃኑ እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ሓበሬታ ኣይርከብን። ንሰንጋል ክትምርዖ፡ ከምቲ ኣብ መረብ/ምላሽ ዘሎ ልምዲ፡ ኣብ ክርስትና ኣሚና “ለተጊዮርጊስ” ብዝብል ስም ተጠመቐት።
ሓጎስ ካብ ዝወለዶም ሓንቲ-ጓል ንውልቃ ወ/ሮ ግምጃ፡ ኣብ “ሰገነይቲ” እዩ ሓዳራ። “ተድላ” እተባህለ ሓደ ውላዳ፡ ብላታ ተባሂሉ ኣብ መስርዕ ባህታ ሓዋ ዝዓስከረ እዩ። ካብ ደቅ-ሓጎስ፡ ብዛዕባ’ቲ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ውላዱ ምዝራብ እዩ ተሪፉ ዘሎ። ብዛዕባ’ቲ ኣንጻር- እምባየ-ደበብ- ካልኦት ሹማምንቲ ትግራይን ዘካየዶ ናይ ጅግንነት ፍጻሜታት ኣብ ደቂቓቱ ከይኣተና፡ ባህታ ወትሩ ዓቢ ትብዓት ዘመስከረ ጅግና እዩ ምባል፡ ኣኻሊ እዩ።
ትርኢቱ፡ ግርማ ዝመልኦ በዓል-ሻም፡ ኣገባብ ስርዓት-ሕግን ስለ ዝኽተል ድማ፡ ኣኽብሮት እዉን ዝግብኦ ምዃኑ፡ ሻዓይሉ ኣብ ቀዳማይ ሌላ እዩ ርዱእ ዝኸውን። ገጹ ወትሩ ዓቢ ሓዘን የመልክት። መቕረባኡ ከም ዝገልጽዎ ድማ፡ ገዳይ ካሕሳይ ሓዉ ብምዃኑ፡ ዛጊት በዓል-ሓዘን እዩ። ነዚ ብውሽጡ ዝሳቐዮ ጣዕሳ ዘመስክሩ ብዙሓት ዘደፋንቑ ዛንታ ይዝንተውሉ እዮም። እቲ ብናይ ሓቂ መንገዲ ኣብ ሃይማኖት-ካቶሊክ ዘለዎ እምነት’ውን፡ ምናልባት ንዘጓነፎ ፈተነ ምሕረት ክረኽበሉ ብዝብል ተስፋ ከይኮነ ኣይተርፍን።
ብዛዕባ’ዚ ናይ ምሕረት-ትእምርቲ ዝያዳ ደገፍ-ኣስተምህሮን ዝረኸበ ድማ፡ ብናይ ኤውሮጳ ሚስዮናውያን ድኣ’ምበር፡ በቶም ደረጃ ሃይማኖታዊ-ኣፍልጦኦም ለጠቕ ዝበለ ካህናት ተዋህዶ ኣይኮነን።
ብመንግስቲ ጣልያን ዝኣመነን/ዝእመንን ዜጋ እዩ። ዋላ’ውን ኣብ ቅድሚ ስድነት-ግጉይ ስርዓት ናይ ሓድሓደ ዋዒ-ንእስነት ዘጥቅዖም መንእሰያት-ኢጣልያ እንተኾነ፡ ካብ ዕላማኡ ሰገጥ ከይበለ፡ ክብን ለጠቕን መግዛእታዊ-ፖሊቲካ ኢጣልያ ተጻዊሩ ዝነብር እዩ። ምስ ካፒታኖ (ግብጣን) ቢርባንቲ፡ ዓቢ ፍቕርን-ምሕዝነትን ይኣስሮም።ምእንታ‘ውን ንዝኾነ ዓይነት መስዋእቲ ድሕር ኣይምበለን።
ምስ ደጊያት ስብሃቱ በዓል ካርነሽም እውን፡ ዓቢ እዩ ፍቕሮም። ነዚ ከካብ ወለዶም ዝወረስዎ ምትእስሳር፡ ብመውስቦ ቃል- ኪዳን በላምበራስ ምነሊክ ወድ-ስብሃቱ/ወይዘሮ ለምለም ጓል ባህታን ኣቢሎም፡ ብዝያዳ ከም ዝጸንዕ ገበርዎ። ምነሊክ ንወ/ሮ ለምለም ከእቱ፡ ሃይማኖቱ ለዊጡ ካቶሊክ ክኸውን ዝብል ባህታ-ሓጎስ ዘቕረቦ ኩነት ተቐቢሉ እዩ እቲ ዕርክነት ኣደልዲልዎ።

10500586_831060400254986_2219464811443975225_n

ደጊያት ባህታ-ሓጎስ ግን ኣብ ኣከለ-ጉዛይ ብዙሓት ጸላእቲ’ውን ይርከብዎ እዮም። ንቕድም፡ እቶም ቅንኢ ዘጥቅዖም ውልቀ-ሰባት ክጥቀሱ ይከኣሉ። ስዒቦም፡ ነቲ ደረት ዘይብሉ መዝነቱ ክጻወሩ ዘይከኣሉ ዞብኣውያን-መራሕቲ ይኽተልዎም። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ እቶም ብጥንታዊ ሓርነት-ነጻነትን ኣከለ-ጉዛይ ተዘኻኺሮም፡ እዚ ወረዳ’ዚ ብምሉኡ ብድሕሪ ነዊሕ ክፍለ-ዘመናት፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ወታሃደራዊ ውልቀ- ምልኪ ምእታው ዘሕዘኖም ሰባት፡ ጸላእቲ ባህታ-ሓጎስ እዮም።
ባህታ ሓጎስ ፈታው ገንዘብ ምዃኑ ይዝከር። ኣብ ህልዊ እዋን (ሽዑ ማለት’ዪ) ደሊብዎ ዝበሃል ሃብቲ ብግምት፡ 600 ሽሕ-ሊረ ኣቢሉ ይግምገም።
ምስቲ ኣብ ጭፍራኡ ቀዳማይ ምክትል-መራሒ ዝኾነ ሰንጋል እተባህለ ሓው፡ ብጽቡቕ ስኒት ይነበሩ።
ስድራ ባህታ ሓጎስ/ወ/ሮ ንቕሳ በዓልቲ ሰገነይቲ
1ይ ግራኣዝማቲ ገብረመድህን፡ ጎበዝ ወዲ 18-19 ዓመት እዩ። ምስ ሓንቲ ጓል ግራዝማቲ ምዐ-ጠልቃ በዓል መረታ ሰበነ እተዋሰበ እዩ።
2ይ ትምኒት፡ ሰይቲ በላምበራስ ንጉሰ ወዲ-ከንቲባይ ሰበሮም በዓል ማዕረባ እያ። ንጉሰ’ውን ኣብ ሃይማኖት ካቶሊክ ዝኣመነ እዩ።
3ይ ለምለም፡ ሰይቲ ደጊያት ምነሊክ ወድ-ደጊያት ስብሃቱ በዓል-ካርነሽም እያ።
4ይ ህጻን ለተሱስ፡ ህጻን ጓል 8-9 ዓመት እያ ።
5ይ ሚኪኤል፡ ህጻን 5-6 ዓመት እዩ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleፍሉይ ባህሪ ረባሕታ ግሲ ‘ምዃን’
Next Article ሕንከተ ኣልቦ
Mekonnen T.

Related Posts

መጽሓፍ፡ ሕጊ እንጋንኣ፡ ስርዓት ዓጽሚ ሓርማዝ

November 26, 2020
Read More

እቲ ብሕጊ እንዳባ ዝምካሕ ነቲ ዓንቀጻቱ’ውን ከኽብሮን ክስረዓሉን ይግባእ

October 9, 2017
Read More

ናብራ ዝኽሪ

September 11, 2014
Read More

3 Comments

  1. abraham on September 20, 2014 10:41 am

    zaratbebat well job. This history must be keep and reserve. It will pass to our Coming Generation. Teacher Mokonen Tesfai keep it up.
    Abraham Haile. ..

  2. Anonymous on September 20, 2014 11:29 am

    Hi I need to read the book pls attach it to my mail ❓

  3. hallay.god bless u on September 20, 2014 2:32 pm

    for really. u smart man..batiami mehari zkone ,abi tarik eyu ..nezi zmesie weledo win zimhir eyu…kesilo eye zbleka ane win zterefe tarikom kitgelso ,asfih abilka gleselna ..thnaks ,teacher mokonene tesfai keep it up.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?