Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»እታ ጓሓፍ ብጽፉፉ እትብል ግጥመይ ግዳ ኣዘኪርኒ

እታ ጓሓፍ ብጽፉፉ እትብል ግጥመይ ግዳ ኣዘኪርኒ

0
By Mekonnen T. on December 22, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ሳባ ኪዳነ

. . . ምኳን እኳ ሓቁ ! ዝድነቅ ዘለዎ ፈጠራ እዩ። ኣበይ እሞ፡ ኣባል ኮሚቴ ኖቤል ፕራይዝ ኔረ እንተዝኸውን! ስልማት ስላም ንኽረክብ ምሓጸኹዎ ኔረ። . . . . ሕሩመይ . . . ብዝኾነ

እዚ ዓመት እዚኣ ከይወጸት ክጽሕፎም ዝሓሰብክዎም ጽሑፋት ገለ ካብኣቶም ናብ መዓላ ከውዕል እስከ ፡ምኽንያቱ እዛ ‘ኣተኹ እትብል ዘላ 2015 ውን ንይ ባዕላ ዝዕመም ዕማማትሒዛ ከም ትመጽእ ንሕምቶ ዶ ሕቶ እዩ ነገሩ።
ብዛዕባ ኣስማት ክሓስብ እትገብረኒ ሓንቲ እንዳ ካፈ ኣላ። STARBUCKS ። ንፈለማ እዋነይ ኣብቲ ካፍተሪያ ዝኣተኹሉ ብጠንቀምጠመይ ነበረ። ዘይጠዓምክ ዋ እንዳሻሂ ከይትተርፈኒ ዝዓይነቱ።( ዋይ ኣነ ዓሻ ከም ናይ ኣስመራ መሲልኒ እኳ እዩ፡ ናይ ፓሪስ ደኣ ዕድመ ልክዕ እኳ ኣይውድኦ)።

ሽዑ ኣብታ ባንኮኣ ዝነበረት ኣሳሳይት ቀሪበ ንኽእዝዛ። ክምስታ ኣሰንያኣ ‘ሰላም መን ክብል’ ኢላትኒ ። ተቐላጢፈ እኳ ስመይ እንተነገርክዋ፡ ድሒሩ ከየተሓሳሰበኒ ኣይተረፈን።
ንምንታይ ከም ዝደለየቶ እንዳሓርበተኒ ድማ ኣብታ ጥቓኣ ዘሎ ካሼር ሓሊፈ ምስ ከፈልኩ፡ ካፑችኖይ ንክቕበል ናብቲ ኣብ ጫፍ እቲ ባንኮ ዝነበረ ወዲ ክሓልፍ ኔርኒ።
ክምስታ ኣሰንዩ ‘ከማዓልኪ ሳባ በለኒ’
ከመዓልካ ዝሓወይ፡ ስመይ ደኣ መን ነጊርካ ? ምኽንያቱ ዓው ኢላ ከም ዘይነገረቶ ንግጸኛ ሰለ ዝነበርኩ፡፡ ሰናፍ ኣይነበረን፡ ኣንፈት ንምቕያር ዘረባ ድዩ ዋላ እንድዒ
‘ንዒ ግዳ ከመይ ዓይነት ካፑችኖ ኢኺ ትፈትዊ? ሓይላ ጸባ ዶ ዋላስ ጽልም ዝበለት?’ ምስ በለኒ ልክዕ ከም ቅድም እንፋለጥ ዓይነት ሃዋሁ ዓሲሉ ድሮ ካፕቹኖይ ክትኮኖ ዘለዋ ክነግሮ ጀመርኩ።
እህ ! ለከ እቲ ስመይ ኣብቲ ኩባያይ እዮም ጽሒፎሞ፡ ከባብየይ ተዓዘብኩ።
ካልኣይ እግረይ በቲ እንዳሽሂ ንክሓልፍ ዝገበረኒ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ዘንቐድዋ ብዛዕባኣ ናይ ምጽሓፍ ሓሳብ ሒዘ ነበርኩ። ግን ቁንትጣሮ ቁንጣሮ እምበር ዝረብሕ ጽሑፍ ኣየዋህለለኩን።
እቲ ኣብ ሓደ ጽቡቕ መቐመጢ ተቀሚጡ ፍሉይ ሽታኡ ዘአንግድ ዝነበረ ቅሉው ቡን ምርኣይ ውን ከምዚ ኣብ ቤተይ ከም ዘለኹ ዝዓይነቱ ባህታ ስለ ዘምጻለይ፡ ፍስህ ኣቢልኒ እዩ።

ሽዑ ኣብቲ እንዳካፊተርያ ዘሎና ዓማዊል ከምዚ ንገብር ነበርና፡
ሜሪን ኖኤሊ ዝበሃላል ኣዋልድ ኣብ ጥቃይ መጺኤን ኮፍ በላ. . . . ችሃሃ ዝስማ ሰበይቲ ተንሲኣ ንክትከይድ ጃኬታ ትመልስ ነበረት. . . እቲ ኣሳሳዪ ‘ኤሚልያ’ ኢሉ ጸዊዑ ኬክን ጽሟቕን ይህባ ኣሎ፡ ንሓንቲ ሰበይቲ. . . እታ ‘መንዩ ስምኪ’ ዝበለትኒ ኣሳሳይት ‘መን ስምካ’ ኢላ ሓቲታስ ‘ፍራንክ’ ኢሉ ክምልሰላ እዝጊ ኣስምዓኒ. . . በቲ ኩርናዕ ዝነበሩ ካብ ሓንቲ ጽሟቕ ዝመጥጡ ዝነበሩ ፍቁራት ኣብ ኩባይኦም ሎቨ ዝብል ጽሑፍ ነበሮ፡ ( ኣሃ ሚህዞማ ክኾኑ ኣለዎም ) ኣብ ውዑይ ፍቕሪ ከም ዘለዉ ኣብ ገጾም ይንበብ ነበረ. . . ጌና ስሞም ከንብቦ ዕድል ዘይረከብኩ ዓማዊል ውን ኣለዉ ።
ንሰሜናዎ ምዕራብ ገጸይ ጠመትኩ ግን ክልተ ፊደላት ጥራይ እምበር ካልእ ከንብብ ከኣልኩን። ይሪኦም ከም ዘየለኹ የዒንተይ እንዳ ኣህደምኩ ተኸታትልኩ ሕጂ ውን ኣይከኣልኩን ( ኦ እንታይ ምትህልላኹ እዩ እዚ ?)
ነቲ ቦታ ከፊላዊ ምጽርራይ ዝህብ ሓደ ወዲ ምስውስው ይብል ( እምበር እኳ ሓቂ ትሓይሽ ዝበዝሐ ዓሚል ዝተጠቐመሉ ጉሒፉ እዩ ዝኸይድ ዝነበረ) ስሙ ኣብ ቅልሙ ጽተጠቕዐ ወረቐት ብዓቢ ፊደል ይረአ።ኣብ ቀዳማይ እግረይ ሰላምታ ተለዋዊጥና ከም ዝነበርና ይዝክር። ብስሙ እኳ እንተጸዋዕኩዎ ቀልጢፉ ኣይመለሰለይን ፡ደሓር ግን መለሰለይ ፡ብዛዕባ ስሙ ክሓቶ እኳ እንተደለኹ ፡ምናልባት ደስ ዘይብሎ ከይከውን ብምባል ናይ ምዕላል ሸውሃቱ ከይዓወሉ ናብ ዕላለይ ኣተኹ።

‘ዋ ክትሰርሕ እንከሎካስ ብዙሕ ኣስማት ትፈልጥ ትኸውን እምበር?’

“ብሓቒ!” መልሱ ቅልጡፍ ነበረ።

ኦ እቲ ኣሳሳዩ ተቐይሩ ሓንቲ ጓል መጺኣ ( ‘ጅረሚ ጀሴካ ጆርጅ ኢጋል’ ) ኢላ እንዳጸውዐት ክትህብ ጸኒሓ ( ብኣስማት ተወሊፈ ምሽ?)

“እሞ ካብ ትፈትዎም ዓይነት ኣስማት ግዳ ንገረኒ”

‘ እውይ ብዙሓት እዮም ናይዚ ሰሙን ዝበለጸት ፈተኽ ዋ ናይዚ ወርሒ ናይዚ ዓመት እንዳበኩ እየ ዝከፋፍለን’
‘እሞ ናይዚ ወርሒ ኣየነይቲ እያ ኔራ?’

‘ እ . . . ኣብዚ ወርሒ ኣዚ፡ እስከ በለ እሞ ኣብ ናይ ዚ ወርሒ ዝዓቀብ. . ክ . . ዎ ክነግረኪ . . .’ እንዳበለ ሞባይሉ ክጠዋውቕ ጀመረ።
‘ናይ ወርሒ ታሕሳስ ዝፈተ.ኽ. . ው! እወ ፑበል እያ ኔራ’
ካብቲ ኩሉ ዝዓቀቦ ዝርዝር ኣስማት ስለምንታይ ፑበል መሪጹ ክሓቶ ኔርኒ፡ እንታይ በረድ ሃንቁጥኒ ደኣ ይጽሕፍ ኣለኹ!
‘ ፑበል ማለትከ. . . ብከመይ ፡ እንታይ ማለት እዩ’
‘ ፑበል ደኣ እንዳጓሓፍ!’
‘እዋ ሓቕኻ እንዳጓሓፍ ‘ባ እዩ ኖ ማለተይሲ ስም ኮይኑ ክመጽእ ስለ ዘይተጸበኽ ዎ እየ።’ በልኩ እቲ ዕላል መታ ከቐጽል ከልዝቦ ኔሩኒ።
< ሓደ መንእሰይ እዩ፡ ኣብ ዘርኢ ሓረግ ናይ ኣቦሓጎታቱ ስም ፑበል ( እቲ ምዕቡል እንዳጓሓፍ ዝመሃዘ) እኳ እንተነበረ ድሒሩ ግን እቲ ስም ስለ እንዳተደምሰሰ እቲ ወዲ ግን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታቱ ከም ዝጥቐመላ ነጊርኒ>፡ ብምባል ዕላሉ ቀጸለ።
ሚስተር ፑበል፡ ፑበል ተባሂሉ ክጽዋዕ እንከሎ ኣገባብ ኣጎሓሕፋ ኣብዚ ዘለዎ ደረጃ ዝበጽሐ ኣይነበረን ዓለም ዝያዳ ወዛል እያ ኔራ።ስለዚ ፑበል ምዕቡል ስነ ሓሳባን ስነስርዓትን መጉሓፊ ብምሕሳብ ንለምና ናብዚ ሒዛታቶ ዘላ ምዕቡል ዓይነት ኣጓሓሕፋ ከም እትኽተል ከብ ዝገበሩ ሰባት ብቐዳምነት ዝስርዑ ሰባት ሓደ እዩ ዘርዘረለይ፡፡
ሓቂ ትሓይሸ ዓለምና ዋላኳ ኣብ ምውጋን ጓሓፍ ቀሊል ዘትኮነ ምዕባለ እንተኣመዝገበት፡ ጎኑ ጎኒ ምምዕባል ኢንዳስትሪ ናይ ን ኣብ መዓልታዊ ሃልኪ ፡ብገም ኣብ ነብሲ ወከፍ 45 ደቓይቕ ብእንጉሕፎ ጎሓፍን ዓቕላ ጸቢባ ኣሎ ።
እታ ጓሕፍ ብጽፉ እትብል ግጥመይ ኣዘከረትኒ ፡ኣብ ዘለዎ ደሓን ይሃቦ ኣማኑኤል ኣስራት ክፈትዋ ጉድ እዩ ዝነበረ።
ጓሓፍ ብጽፉፉ
ዋላ ኣብቲ ጸላም!
ሸርዒ ውሕጅ ሰጊርካ
እትኸዶ ድልድል
ኩምራ እንዳሃመመ ሓኹርናዮ
መታን ከነምጽኦ

ኩዕሶ. . . ባንቡላ . . .
ዕንክሊል. . . ላምፓዲና. . .
ጥላጋ. . . ሕብሪ. . . መመሸጥ
ብሪቕሪቕ . . . ወረቐት
ባትሪ . . . ጥላጋ. . . ሸረኽ
ባሊና. . . መስማር. . . ሸረር
መልጎም. . . መርፍእ. . .
መቐዝ . . . ላማ. . . ሰንሰላት

ፍሓም ክንኣሪ
ሓጺነመጺን ክንደሊ
ምስ ኣተና ኣብቲ ባጎኒ
እንዳፋሕተርናዮ
ነቲ ጓሓፍ
‘ቶሸሽ!’
ይብለናን ኔሩ ሓድሽ ጓሓፍ

መዓስ እሞ ንሒፍናዮ
ኣራንሺ ባናና በሊዕናዮ
ቀቃሕሊልና
ሰቢ ቃል ኣትዩ ከይጠለመ
ጺን ከይለኽፈና እናተኸላኸለ
ተዓንዲሩ
ጓሓፍ ብጽፉፉ
እንተሎሚ እሞ
መን ክሓልፎ
ኮንዶም ምስ ተጓሕፎ!!
ወይዘሮ ዓለምና ድማ፡ ነቲ ዘይተርፍ ጋሻኣ ጠዊቓ ንምስትእንጋድ ካበየናይ ጓሓፍ መጺኡ ኣዝዩ የገድሳ እዩ።
ካብ ብቐሊል ዝምስምሹ ዶ ? ዋላስ ካብ እንደገና ዝምስርሑ? ካብ እንዳ ሕክምና ዶ ካብ ኢንዱስትሪ ? ካብ ኣንዳ ጠርሙስ ዶ ካብ እንዳ ሓጺን ? ካብ ኣንዳ ኤለክትሮኒካዊ ኣቑጡት ዶ ዋላስ ካብ እንዳ ክዳውንቲ? ወላስ ካብ ካልእ? ኢላ ‘ብካታጎሪ ‘ ከተአንግዶም እኳ እንተተገደደት ።
‘ወዲ ሰብ ግን ይሕግዘኒ የሎን’ በሃሊያ። እቲ ኸመይ ልዕሊ 63 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ንጓሓፍ ኣብ ሓደ ቦታ ምጉሓፍ ስለ ዘዘውትር ። እዚ ማለት ድማ ተወሳኺ ስራሕ እዩ፡ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ከባቢ ገምገም ማያዊ ክፋላ ይተኣኻከቡ እሞ፡ ወዲ ሰብ ልክዕ ከምቲ ኣብ ብምቑራጽ ገረብ ዘኸተሎ ዘይሰንፍ ዕንወት ኣብ ብከላ ባሕሪን ኣየርን እጃሙ የዕዝዝ። ( እ ጥንቅልዒት ምሻን እዩ ነገሩ) ሽዑ ድማ ንጽሩይ ማይን መግቢን ካልእ ንጥረነገራትን ንብርካብ ኣብ ወጥሪን ፥ ምውጣጥ በትሪ ሴፍን ሚሳይልን ንኽበጽሕ ካብ ዝገብሩ ዘለዉ ረቋሒታት ምዃኑ ክኢላታት ስነ ኣከባቢ የጉልሑ።
ርኢኹም በዚ ድማ እየ . . . ምኳን እኳ ሓቁ እዩ። ክድነቅ ዘለዎ ፈጠራ እዩ። ኣበይ እሞ፡ ኣባል ኮሚቴ ኖቤል ፕራይዝ ኔረ እንተዝኸውን! ስልማት ስላም ንኽረክብ ምሓጸኹዎ ኔረ ንሚስተር ፑበል . . . . ሕሩመይ . . .
ኦ እታ ኣሳሳይት፡ ‘ደምባ’ ‘ማያ’ ትጽውዕ ኣላ፡ ንሰብኣይን ሰበይቲን እዮም። እቲ ሰብኣይ ጸሊም እታ ሰበይቲ ጻዕዳ ፡ እቲ ኣብ ድቃስ ዘይተበራበረ ውላዶም ድማ ካፑችኖ ዶ ክንብሎ ( ኣሃሃሃሃሃሃሃ)
ንዑ ግዳ ክኸይድ ባቡረይ 5 ደቓይቕ ተሪፍዋ ክትብገስ ሰሰላሙ!

ምስ ሰናይ ትምኒት ን 2015
ኣብ ፓሪስ እንዳ ካፈ STARBRUCK ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ 2014

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?