Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»እቲ ዝፈሸለ እከይ ፕሮጀክት ኢሰያስ

እቲ ዝፈሸለ እከይ ፕሮጀክት ኢሰያስ

0
By Mekonnen T. on April 1, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ፊደላት ትግርኛ ብላቲን ክቕየሩ . . . . . .

እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል ተሞልሶ (ኖርወይ)

ኣብ ዓለም ናብ ሸውዓተ ሽሕ ዝጽግዑ ቋንቋታት ክህልዉ ከለዉ ካብዚኣቶም ሰላሳ ዝጽግዑ ጥራይ ናይ ገዛእ ርእሶም ፊደላት ይውንኑ። ቋንቋ ትግርኛ፡ ፊደላት ግእዝ ዝጥቀም ሴማዊ ቋንቋ ኮይኑ ብሓደ ቃል ምሉእ ሓሳባት ከቕውም ዝኽእል ምዕቡል ቋንቋ እዩ። ናብ ቋንቋ ግእዝ ምስ እንምለስ፡ ፊደላት ግእዝ ኣብ መበል 6ይን 7ይን ክፍለ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ከም ዝተቐልቀለ ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ይሕብሩ። ፊደላት ግእዝ ክድመጽን ክጽሓፍን ዝጀመረ ግን ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ነይሩ። እዚ ኸኣ ምስ ምትእትታው እምነት ክርስትና ዝተፈላለያ ኣድባራትን ቤተክርስትያናትን ብራናታት ክጽሕፋ ምስ ጀመራ ዝያዳ ከስፋሕፍሕን ተፈላጥነት ክረክብን ከም ዝኸኣለ ይፍለጥ። ኣብ 4ይ ክፍለ ዝመን ዝነበረ ንጉስ ኤዛና ናይ ኣኽሱም ኣብ ምዕባለ ግእዝ ልዑል ተራ ከም ዝነበሮ እቲ ጽሑፍ ይሕብር። ናይዚ ኣሰር ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ጥንታዊ በዓትታትን ዝተወቕረ ጽሑፋትን ክርከብ ይከኣል። ቀንዲ ተጠቀምቲ ፊደላት ግእዝ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቋንቋታት ኣምሓርኛን ትግርኛን፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ትግርኛን ትግረን እዮም። ቋንቋታት ኦሮሞን ቢለንን ፊደላት ግእዝ ይጥቀሙ’ኳ እንተ ነበሩ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ፊደላት ላቲን ይጥቀሙ ከም ዘለዉ ይፍለጥ። ኵሉ ናይ እምነት መጽሓፍቶም ግን ብፊደላት ግእዝ ከም ዝኾነ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ኢጣልያውያን ገዛእቲ ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተዉ ሓደ ካብ ዝተኣታተዉዎ ሓድሽ ነገር ቤትማሕተም ነይሩ። ስለዝኾነ፡ እቲ ብኢድ ዝጸሓፍ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ጥራይ ዘይኮነ ዝተፈላለየ ዓለማዊ ጽሑፋት’ውን ክሕተም ስለ ዝጀመረ ቋንቋ ትግርኛ መሰረታዊ ምዕባለ ከርኢ ክኢሉ። ኣብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ ትግርኛ ኣብ ጋዜጣታትን መጽሔታትን ክሰፍር ጀሚሩ ጥራይ ዘይኮነ ከም ዓይነት ትምህርቲ’ውን ብስሩዕ ክወሃብ ጀሚሩ። ምስ ምቕልቃል ፈደረሽን ብርክት ዝበሉ ልብወለዳዊ መጻሕፍቲ ብቋንቋ ትግርኛ ክሕተሙ ስለ ዝጀመሩ ቋንቋ ትግርኛ እምብዛ ክዕምብብ ጀሚሩ። ኣብ 1962 ኤርትራ ብኢትዮጵያ ምስ ተጐብጠት ግን ቋንቋ ትግርኛ ከም ቅጽበት ክለምስ ተራእዩ። ስርዓት ሃይለስላሴ፡ ቋንቋ ናይ ሓደ ህዝቢ ቀንዲ መለለዪ ጥራይ ዘይኮነ ናይ መንነቱ መግለጺ ምዃኑ ኣዕርዩ ዝፈልጥ ስርዓት ስለ ዝነበረ፡ ኵሉ መጻሕፍቲ ትግርኛን ዓረብኛን ከም ዝቃጸል ኣብ ርእሲ ምግባር ነቲ ብትግርኛን ብዓረብኛን ዝነበረ ስርዓተ ትምህርቲ ድማ ብኣምሓርኛ ከም ዝቕየር ገይሩዎ። ከምዚ ሎሚ መጽሓፍ ኣርባዓን ኣርባዕተን ክንመሃር ጸኒሕና ድማ ንጽባሒቱ ለማ በገበያ ክንመሃር ተገዲድና። እቲ ዘገርም፡ እቶም መምህራን ንባዕላቶም ነቲ ቋንቋ ዘይፈልጡዎ ምንባሮም ዓቢ ጸገም ነይሩ። ዓሰርተ ዓመት ድሕሪ ጐበጣ ኤርትራ መላእ ተመሃራይ ኤርትራ ብግቡእ ኣምሓርኛ ክዛረብን ክሰምዕን ጀሚሩ። ኣብ ድሮ ናጽነት ከኣ ኣብ መባእታ ዘሎ ተመሃራይ ኤርትራ ትግርኛ ጽቡቕ ገይሩ ክጽሕፍን ከንብብን ዘይክእል ኮይኑ። ትግርኛ ምዝራብ ንባዕሉ’ውን ጸያፍን ምስ ኣምሓርኛ ዝተደባለቐን ኮይኑ። ኣብ ትሕቲ ደርግ እቲ ኵነታት ከምዚ ከሎ፡ ኣብ ሜዳ ቋንቋ ትግርኛ ሳላ ጻዕሪ ውሑዳት ሰባት ቋንቋ ትግርኛ እናማዕበለ ይኸይድ ነይሩ። ብርክት ዝበሉ ናይ ፖለቲካ መጻሕፍቲ ተጻሒፎምን ተተርጕሞምን፡ ዝተፈላለዩ መጽሔታት ድማ ይሕተሙ ነይሮም። ድሒሩ’ውን ልብወለዳት ከይተረፉ ክጸሓፉ ጀሚሮም።

ኣብ መፋርቕ 1984 ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር፡ ናይ ኮምፒዩተር ክኢላ ኣቶ የማነ ርእሶም ናይ ፊደላት ትግርኛ ሶፍትዌር ብምፍጣር ንትግርኛ ኣብ ኮምፒዩተር ከም ዝጸሓፍ ገይሩዎ። እዚ ንቋንቋ ትግርኛ ዓቢ ዝላ ከም ዝነበረ ዝከሓድ ኣይኮነን። ምዕባለ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከሎ ግን ዘራጊት ማይ ዘላተን ኣሓስ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ ከም ዝብሃል ተጻባኢ ረኺቡ። እቲ ከም ህዝቢ ዘሕብነናን ኣድናቖት ወጻእተኛታት ዝሰሓበን ፊደላት ትግርኛ፡ እሞ ኸኣ ማዕረ ኣብ ኮምፒዩተር ክጸሓፍ ዝኸኣለ ቋንቋ በቲ ብዘይካ ስልጣኑ ካልእ ጽቡቕ ናይ ኤርትራ ዘየገድሶ ውልቀመላኺ ሓንሳብን ንመወዳእታን ክጸንት ውዲት ተፋሒሱዎ። ብዙሓት ከም ንረዳድኣሉ፡ ኢሰያስ ስልጣኑ ወይ ዕብየቱ’ምበር ሃገራዊ ቋንቋን ባህልን፡ ያታን ልምድን ሃገር ኣይንታዩን’ዩ። ስለዝኾነ፡ ንነፍሱ ምስ በዓል ስታሊን፡ ማኦን ካስትሮን ክሰርዓ ስለ ዝደሊ ከምዚ ገይሩ፡ ከምዚ ፈጢሩ ንኽብሃል ጥራይ ኣብ 1986 ሓደ እከይ ፕሮጀክት ምሂዙ። ምስ ሓደ ስሙ ዝረሳዕኩዎ ኣብ ቤትትምህርቲ ሰውራ ዝነበረ ናይ ቋንቋ ክኢላ ቋንቋታት ኤርትራ ኣብ ክንዲ ብናይ ግእዝ ፊደላት ብላቲን ዝጸሓፈሉ ኣገባብ ክፈጥር ከም ፕሮጀክት ኣሰኪሙዎ። እቲ ምሁር ነዚ ፕሮጀክት’ዚ ጀሚሩዎ ከብቅዕ ግን ኣብ መንጎ ብሕማም ይኹን ብሓደጋ ተሰዊኡ። ስለዚ፡ እቲ ናይ ኢሰያስ እከይ ፕሮጀክት ንግዜኡ በርዒኑ ተሪፉ። ሽዑ፡ እቲ ፕሮጀክት ብወግዒ’ኳ እንተ ዘይተገልጸ ብዙሓት ካድረታት ህግሓኤ ግን ብዛዕባኡ ይፈልጡን የዕልሉን ነይሮም። ብወገነይ ከም ሰበይ ምስ ፈሸለ ሰሚዐ።

ኢሰያስ ደቀሰ ማለት ግን ዘበት’ዩ። ድሕሪ ረፈረንደም ኣብ 94-95 ገጹ፡ ንሚኒስተር ትምህርቲ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ መምህራን ቋንቋ ንዝነበሩ ሴሚናር ከካይደሎም ብምእዛዝ ቋንቋታት ኤርትራ ከም ቋንቋ ኩናማ ብላቲን ዝጸሓፉሉ መንገዲ ክፍጠር ስለ ዝተደልየ ነቲ ፕሮጀክት ዕዉት ኣብ ምግባር ሓደ ሓይሊ ዕማም ከውጽኡን ነቲ ጕዳይ ብዕቱብ ክሰርሑሉን ሓቲቱዎም። እቶም ናይ ቋንቋ መምህራን መልእኽቱ ብግቡእ ክርድኦም ኣይከኣለን። ፊደላት ትግርኛ ብላቲን ክቕየሩ ከም ዝተደልየ ምስ ፈለጡ ግን ብርቱዕ ተቓውሞ ኣስምዑ። “ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪቃን ጥራይ’የን ብናይ ገዛእ ርእሶም ፊደላት ዝጥቀሙ ህዝብታት ዝለዉወን። እዚ ድማ ሓደ ዓቢ ባህላዊ ምዕባለ ናይቲ ሕብረተሰባት ስለ ዝኾነ ክዕቀብን ብሓበን ዝጥመትን ጓዳይ’ዩ። ኤውሮጳውያን ከይተረፈ ነዚ ብልጫ’ዚ ደጋጊሞም’ዮም ዝገልጹዎ። ሕጂ እንታይ ስለ ዘጋጠመ ወይ እንታይ ንምርካብ’ዩ ፊደላት ትግርኛ ተጓሒፎም ብናይ እንዳማትና ፊደላት ክንጥቀም ዝድለ ዘሎ? ናይ ገዛእ ርእስና ፊደላት ከለናኸ ካልእ ፊደላት ሃሰስ ኣብ ምባል ግዜናን ገንዘብናን ክነባኽን ቅኑዕ ድዩ? ልዕሊ ኵሉ ነቲ ፕሮጀክት ተኣፋፊ ዝገብሮ ግን እዚ ዅሉ ታሪኻዊ ጽሑፋት ሃገርናን ሕብረተሰብናን ተጓሒፉ ክተርፍ፡ ወይ ድማ ከም ብሓድሽ በቲ ዝብሃል ዘሎ ፊደላት ክጸሓፍ ይድለ ኣሎ ማለት’ዩ። ስለዚ፡ ብወገንና ነዚ ፕሮጀክት’ዚ ኣይንሳተፎን ጥራይ ዘይኮነ ኣበርቲዕና’ውን ክንቃወሞ ኢና፡” ዝብል ናይ ሓባር መልሲ ሂቦም። ነዚ ጽሑፍ’ዚ፡ እቶም ኣብቲ ሴሚናር ዝነበሩ ከም በዓል ዶክተር ግርማይ ነጋሽ ዝኣመሰሉ መምህራን ዩኒቨርሲቲ ዝያዳ ከህብትሙዎ ይኽእሉ እዮም።

ብዝኾነ፡ እቲ ተላኢኹ ዝመጽአ ሚኒስተር ዝዛረቦ ስለ ዝጠፍኦ መልሲ ክህብ ኣይከኣለን። ምልቝ ኢሉ ድማ ናብ ቦታኡ ክምለስ ተገዲዱ። ኢሰያስ ይኹን እቲ ሚኒስተር፡ ኤሪቲቪ ትኹን ድምጺ ሓፋሽ ወይ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ክሳዕ ሎሚ ብጭቝ ኢሎም ኣይፈልጡን። ስለዚ’ምበኣር ኣሕዋት፡ ኢሰያስ ማዕረ ክንደይ ንባህልናን ቋንቋናን ከጥፍእ ሓሊኑ ከም ዝነበረ ካብ ፈለጥና ንምዕቃብ ቋንቋናን ባህልናን ኣበርቲዕና ክንቃለስ ከም ዘለና ንእግረ መንገደይ ለበዋይ አቕርብ። ኢሰያስ እንተ ኣስተውዒልኩምሉ ኣብ ብዙሕነት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኣምን፡ ኩላቶም ብሄራትን ቋንቋታትን ከም ስኒ ኣድጊ ሓደ ዓይነት ኮይኖም ከም ሓደ ሰብ ክእዘዙዎ ጥራይ’ዩ ሕልሙ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ኣብ ግዜ ቃልሲ ብዛዕባ ትሽዓተ ብሄራት ዓንገረር ይብሃል ከም ዘይነበረ ድሕሪ ናጽነት ብሄራት ዘይኮኑ ቋንቋታትዮም ዘለዉ ክብሃል ዝጀመረ። ህዝቢ ኤርትራ ቋንቋኡን ባህሉን ብጻዕሩ እንተ ዘይዓቂቡ ካብ ኢሰያስ ይኹን እቲ ንሱ ዝመርሖ ጭፍራ ተጠሊሙ ጥራይ ዘይኮነ፡ ባህሉን መንነቱን ንኸጥፍኦ ይጽዕር ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ፈሊጥና፡ ንቋንቋና ብቅኑዕ ኣገባብ ብምጽሓፍን ብምዝራብን ብምንባብን ክነማዕብሎ ይግብኣና።

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleደርዘን ሕቶ ንገጣሚ ማይኮ ተኽለ
Next Article ወግዒ ምስ ኮኾብ ድምጻዊ ኣብራር ዑስማን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?