Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»‘እቲ ካልእ ኲናት!’

‘እቲ ካልእ ኲናት!’

0
By Mekonnen T. on November 26, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ፍሻለ ተስፋይ

ብዛዕባ ኤርትራን ኤርትራውነትናን፡ ታሪኽን ውጽኢቱን፡ ምምስሳል ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን [ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን] ብዙሕ ክብሃል ጸኒሑን ይብሃል ኣሎን። መቐጸልታ ናይ’ዚ ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳም 16/11/2014 ኣብ ከተማ መቐለ ‘ሆቴል ኣኽሱም’፡ “ምሕዝነትን ፍቕርን ኤርትራን ኢትዮጵያን ደልዲሉ ይንበር!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ህጉግ ቴማ ብናይ ክልቲኤን [ኤርትራን ኢትዮጵያን] ስነ-ጥበባውያን [ጸለምቲ ዕንበባ] ከም ዝተጋብአ ኣብ ብዙሕ መርበባት ተዘርጊሑ ንርእዮ ኣሎና።

ኣብቲ ብኣቶ ተስፋይ ገብርሃንስ [ኢትዮጵያውን] ብኣቶ ካሕሳይ የሕደጎ [ኤርትራውን] ብኣላይነት [ኣሰናዳኢ] ኣቶ ጸጋይ ክንፈ [ኢትዮጵያዊ] ዝተማእከለ ሕልማዊ ትምቢት ኣብ መኽፈቲ ‘ቲ መደብ ኣቶ ካሕሳይ የሕደጎ ከምዚ ክብል መደርኡ ፈሊሙ። ” ክትስዕስዑ ኣይመጻኹምን፡ ሎሚ ናይ ምስዕሳዕ እዋን ኣይኮነን፡ ሎሚ ናይ ቁምነገር ኣስተምህሮ’ዩ” ክብል በይንኣዊ መግለጺ ሂቡ’ሎ። እዚ ኢሉ ከብቅዕ፡ “ለባም ክጋገ መራግእቲ ነይገድፍ” ከም ዝብሃል፡ “ፍርቂ ነብስኻ እዝጊ ይምሓርካ ኣይብሃልን’ዩ። ምሉእ ኣካላትካ እግዝኣብሄር ይምሓርካ’ዩ ዝብሃል” ‘ናበለ ልቢ ድሙያት ከረስረስ’ኳ ‘ንተፈተነ ነቲ ሕሉፍ ታሪኽ ኣቦዋትን ሕሉፍ ግብሪ እከያትን ግን ከዳቕስ ዝኽእል ስምዒት ኣይፈጠረን። እቲ ምሕዝነትን ፍቕርን ምትሕግጋዝን ከም ኣህዛብ ገረባብቲ ዘይጽላእን ንኽልቲኡ ህዝብታት ዘርብህን’ኳ ‘ንተኾነ ‘ኣብ ዳስ ጎደቦ ኣባጓይላ ምዃን ግን . . . .. ኣይናይ ቅርዑያትን። ንምዃኑ ብሓደ ስነጥበባዊ ‘ሞ ድማ ታሪኽ ክልቲኡ ኣህዛብ ኣጥዕዩ ዝፈልጥ፡

“ወሊድና ተዋሊድና ኢና

ገሌና በ’ዴና ገሌና በ’ቦና

ከመይ ክንፈላለ ተሓዋዊስና ‘ንዲና”

‘ናበልካ ድምጺ ኣልቦ ጥሩምባ ምንፋሕ ከ እንታይ ማለት’ዩ፧ እንታይ’ዩ ኸ ዘስምዕ፧

 

ከም ስነ-ጥበባውያን ንፍቕርን ስኒትን፡ ምምልላእን ምትሕግጋዝን ዝተፋሰስናዮ ይኣኽለና! ኣብ ጎደና ምዕባለ ተሓጋጊዝና ንመርሽ! ጽልእን ቅርሕንትን ወጊድና ከም ጎረባብትን ኣህዛብን ንስኹም ካባና ንሕና ካባኹም ዘድልዩና ‘ናተለዋወጥና ብሰላም ንንበር፡ ክብሉ ቅዱስ ሓሳብን እወታውን’ዩ። ካብኡ ተረፈ ግን ኣቦታትናን ኣሕዋትናን ንዘመናት ዝደመይሉ፡ ዝተሰውእሉ፡ ዝሰንከልሉ፡ ዕድመ ንእስነቶም ምስ ኣራዊት ኣብ በረኻ ሰፊሮም ዘምጽእዋ ‘ሃገር’፡ ነዚ ረጊጽካ ኪንዮ ክውንነት ሓደ ህዝብን መሬትን’ዩ ‘ናበልና ምውጫጭ ከ እንታይ ‘ዩ ፋይድኡ፧

እወ ኣብ ዶባት ዝነብር ክልቲኡ ኣህዛብ ተዋሲቡን ብቕዱስ ጉርብትና ተመሓዝዩን ይነብር’ኳ ‘ንተነበረ ፍጹም ግን ሓደ ህዝብን ሓደ ሃገርን ኮይኑ ኣይፈልጥን። ኣይኮነን ድማ።

እንታይ’ዩ ኸ

“እዚ ህዝቢ’ዚ ሓደ ህዝቢ-ሓደ ደም፡

ሓጸርቲ ኣሎዉና- ሓጸርቲ ኣለዎም፡

‘ናበልካ ብስዉር መውረርያ ምሽልባብ።

 

ወዮ ብኣውርኡ፡ ሃገርና ብጨቋኒ ስርዓት ተጨፍሊቓ፡ ተጓዕጺጻ፡ ህዝባ ይጠፍእ ኣሎ፡ ይጸንት ኣሎ ‘ናበልናስ፡ ዓዲ ተጎጥጒጣ ምስ ተረፈት “ኣብ ልዕሊ ዘላታ ተወሰኸታ” ካብ ዘመነ ተዃሉ ናብ ዘመነ ጎሓሉ ንምስግጋር ህርዲግ ምባል ከ እንታይ ‘ዩ ቁንቊኝኡ፧ ኤርትራ-ኤርትራ’ያ፡ ንኤርትራውያን ድማ ትግባእ። ኢትዮጵያ ኢትዮያ’ያ፡ ንኢትዮጵያውያን ድማ ትግባእ። ከም ጎረባብቲ መጠን ናይ ክልቲኤን ኣህዛብ ክተሓጋገዝ፡ ክመላላእ፡ ተሳንዩ ብፍቕርን ሰላምን ክነብር ድንቂ’ዩ፡ ካብኡ ተረፈ “ሓደ ህዝቢ-ሓደ ደም” ‘ናበልካ ‘ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ብጸሊም ምጽሓፍ ግን . . . . . .. . . .. ‘፧ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ ንሓደ ዘመን ዝኣክል ኣብ በረኻ ከርተት ዝበሉላን ልእላውነታ ንምውሓስን ዝተሰውኡላ፡ ንጹህ ደሞም ዝኽዓዉላ ሃገር፡ ሕመቕና ከይኣክል ነዚ ወለዶ ኣብ ዓዘቕቲ ጣዕሳ ምሽማምን ነቲ ገዲፍካ ነዚ ተቐበል ‘ናበልካ ቀይሕን ጸሊምን ሕብሪ ኣዳቒልካ ዕርቃኑ ክተውጽእ ክትምስርሕ ምፍታን ግን ኮንቱ’ዩ።

ናይቲ ክልተ ቖርበት ተኸዲኑ ዝመጸ መሪሕነት ንበሎ ውድብ ዒሕ ‘ናበልናስ፡ ሕጂ ድማ ኣባጓይላ ናይ’ቲ ደም ኣቦታትናን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝኽዓወ፡ ህጻናትን ኣዴታትን ከም ጉንኣ መሽለ ብወፈራ ዝጎንአ ኣረሜን ሎሚ ቁልፊ ሃገራውነት ፈቲሕካ ሓውኻ’ዩ፡ መፋርቕቲ ጉልትኻ’ዩ ‘ናተባህለ ዝድከር ዘሎ ከበሮ በለጽን ዝስዕርር ዘሎ መጋርያ ጥፍኣትን ኣይፋል! ንፍትሕን ዲሞክራስን ህዝቢ ኤርትራ’ምበር “ሓደ ህዝቢ፡ ሓደ ደም ኢና” ‘ናበልኩምስ ካልኣዊ ሽግር ምፍጣር ካብ ጥቕሙ ኣበስኡ ይዓቢ!።።

ኤርትራ ናይቲ ንኽብሪ ህዝባን መሬታን ቀኒዑ ዝሰርሕ፡ ምእንትኣ ዝደሚ፡ ንህላዌኣ ዝጽዕት፡ ንሰላማ ሰለም ከየበለ ዝቃለስ፡ ኣብ ጸገማን ራህውኣን ኣሎኹ ዝብል፡ ንመጋበርያ ዕሱባት ብመትከል ዝኹንን፡ ሕሉባን ንጹፋን ዝኸውን፡ ንሕመረት ሓድነታን ዞባውን ኣህጉራውን ሰላማን ከይሰልከየ ዝዓዩይ፡ ንኣቦ ስዉእ/ቲ፡ ኣደ ስዉእ/ቲ፡ ሰይቲ ስዉእ፡ ወዲ ስዉእ ኣማሚቑ ባህግን ትምኒትን ስዉእ ህያው ንምግባር ከይተሓለለ ዝሰርሕ ድኣምበር፡ ናይቲ ጻዕዳ ጋቢ ተኸዲኑ ግብረ እኩያን ዝፈትል፡ ንሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእትዩ ሃብቱን ጥሙሕን ኣብ ምኽዓባት ዝተዋፈረ ምስሉይ ልኡኽ፡ ናይቶም ደቆምን ነብሶምን ኣብ ውሑስ ቦታ ተዓቚቦም ሆሆሆ. . . . ዝብሉ መጣቓዕትን ሓበጀረዋይ መትከል ዘለዎን፡ ናይቶም ብስም ውጹኦ ህዝቢ ዝሽቅጡን ንበትረ ስልጣኖም ንምጭባጥን ንምዕቃብን ሃነፍነፍ ዝብሉን ተገረዝቲ[ልኩማት]ን፡ ብኣውርኡ ድማ ናይቶም ንሕና ኢና መድሕንካ ‘ናበሉ ስማዊ ፍትሒ መስሪሖም ህዝቢ ዝኸፋፍሉን ዝጭቁኑን ሰናዕቲ ታሪኽ ኣይኮነትን።

 

“ፍርቂ ነብስኻ እዝጊ ይምሓርካ ኣይብሃልን’ዩ። ምሉእ ኣካላትካ እግዝኣብሄር ይምሓርካ’ዩ ዝብሃል . . . . . . . . . . . . ”

 

“ወሊድና ተዋሊድና ኢና

ገሌና በ’ዴና ገሌና በ’ቦና

ከመይ ክንፈላለ ተሓዋዊስና ‘ንዲና

. . . . . . . . . . . . .

. . . . . . . . . . . . . ”

“እዚ ህዝቢ’ዚ ሓደ ህዝቢ-ሓደ ደም፡

ሓጸርቲ ኣሎዉና- ሓጸርቲ ኣለዎም፡

. . . . . . . . . . . . .

. . . . . . . . . . . . . . ”

 

‘ናበልካ ብስዉር መውረርያ ምሽልባብ “ከም ንዓይ ነንጭዋስ ኣብ ሎቖታ” እዩ።

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ካልአይቲ ደብዳበ ናብ ፈጣሪ !
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?