Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»እቲ ኣሳሪ ብራሼሌተ

እቲ ኣሳሪ ብራሼሌተ

0
By Mekonnen T. on June 5, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ሳባ ኪዳነ
ነታ ሮዛ ፍዮሪ ዝዓብለለታ ብራሼለተይ ጠንቀምቀም ክብል፡ ካብ ጸጋመይቲ ኢደይ ኣውጺአ ናብ የማነይቲ ኢደይ ክኣስር ተጋደልኩ። ግን ወይከ! ሓንሳብ ሸተት እናበለት፡ ሓንሳብ ነታ ተቐባሊት ሰንሰለት እንዳሰሓትክ ዋ፡ ሓንሳብ ገለ. . ካን ኣቕብጽ ኣቢላትኒ።
እታ ተጓዕዘኒ ዘላ ባቡር (ሜትሮ ቁጽሪ ሓደናይ ፓሪስ)፡ ድሮ ሰለስተ መዓርፎታት ሓሊፋ ኣብ ራብዓይ ደው ክትብል ከላ፣ ድሮ ኣብ ምእሳር ብራሼሌት ኣስታት 4 ደቓይቕ ጌረ ማለት እኮ’ዩ በልኩ ብልበይ። ( ኣብቲ ‘ሜትሮ’ ዝበሃል ናይ ፓሪስ መንገዲ ባቡር፡ ካብ ፌርማታ ናብ ፌርማታ ብገምጋም ብሓደ ደቂቕ ጉዕዞ ስለ ትኸዶ)።
እታ ፊተይ ዝነበረት ሰበይቲ፡ ብራሼለተይ ብዓወት ክኣስር ተመንያ ማለት ( ቦን ኮራጅ! ) ኢላትኒ ምስቶም ኣርባዕተ ሰሰሪቖም ዝርእዩኒ ዝነበሩ ኮፍ መባህልተይ ገደፈትኒ።
ኣነ ድማ እንታይ ከም ዘከራከረኒ እንድዒ፡እዛ ብራሼለተይ መውረዲኤይ ከይበጽሐ ብዓወት እንተኣሲረያ እቲ ዝኸዶ ዘለኹ ጉዳይ ክሰልጠኒ እዩ ብምባል ምስ ውዕሎይ ከቋርና ሓጸኩዋ።
ሽዑ ድማ ሓገዝ ከብ ዝኾነ ኣካል ከይቕበል ወሰንኩ፡ ባቡረይ ተሓንበበት፡ ምውራደይ ብኡኡ መጠን እንዳተቓረበ ማለት እዩ ።
ሽዑ ሓደ ምሕድግ ኢሉ ክዕዘበኒ ዝጸንሐ’ሞ ግን ከኣ ዘየቃለብኩሉ ተሳፋሪ፡ክሕግዘኒ ጥቓይ ጥራይ በጺሑ ዘይኮነስ፤ድሮ ውን ነቶም ኣብ ኣከባቢየይ ዝነበሩ ተሳፈርቲ ‘ንምእሳር ብራሼሌተ ዘይትኾኑ ዲኹም?’ ብዝብል ኣጠማምታ እንዳገንሐ ድንን ኢሉ ብጥንቓቐ ኣሲርልለይ፡ የቕንየለይ ኢለ ከይጽገብክዎ ድማ ክብታ ባቡር ወረደ። ብዓይነይ ቁሩብ ኣሰነኽዎ፡ ብልበይ ‘ክንደይ ይምቕለል’ እናበልኩ።
እቲ ኣሳሪ ብራሸሌተይ፡ ምስታ ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ ዝፈልጣ ዛንታ ‘ክሊክ’ ጌርለይ።እወ ምስታ ሓንቲ ካብ ዓማዊለይ ዝነበረ ኣውስትራልያዊት ዓባይ ሰብ። ንሳን ዛንታ ‘እቲ ኣሳሪ ብራሼሌተን’።
እባ! ቅድሚኡ ፡ ኣብ ካምፓላ ከለኹ ንከባቢ 9 ኣዋርሕ ኣነ ዝበልኩ ሰራሒት ጌጻጌጽ ኮይነ ምንባረይ፡ነጊረኩም ኔረ ድየ ? በሉ ሕጂ ክበግረኩም።
ብኣጋጣሚ’የ ኣትየዮ፡ ናትካ እንተ ኢልካ ግን ከምኡ እዩ መስለኒ። እታ ካሜራ-ሌዲ ኮይነ፡ ሰንካቲት እንጀራን፡ ሓንባሺት ሕምባሻ፡ ኮይነ እንጀራይ ዝምእርረላ ዝነበርኩ ካምፓላ ናይ እዝኒ ሰሪሐ ፡ ናይ ክሳድ፡ ናይ እግሪ፡ ብራሼለት ወ. ዘ. ተ ሰራሪሐ ድማ ቅጫይ ኣርጉደላ ን ነበርኩ ። ኣምላኽ ይመስገን! ነቲ ጸድፊ መደያይቦ ዝገብረሉ!
ቀሊል ስራሕ ከይመስለኩም። ስነ-ዜጻጌጽ ርእሱ ዝኸኣለ ኣካል ስነ-ጥበብ ምዃኑ ባህታ እንዳፈጠረለይ ባህታ ውን ኣብ ቦትኡ’ዩ ።
በዕናቑ ተኸቢበ ድማ፡ ከይተፈለጠኒ ወጋሕ ፈታሕ ዘብለሉ እዋን ኔሩ። መብዛሕቲኦም ምስ ተሸጡ ይጉሂ። ይናፍቖም፡ ሕልምልም ይብለኒ እሞ ካልኦት ድማ ይሰርሕ ፡ በቃ ብዘይ ብኦኦም እታ መጽሓፊተይ ጣውላ ስኽፍክፍ ትብለኒ ። ከምዚ ደቀይ ክንሶምሲ ካባይ ርሑቕ ዝኸዱ ይመስለኒ። ግን ከኣ ሰልዲ ከም ዘድልየኒ፡ ይርድኡለይ ይመስለኒ።
እውይ ኣነ ግጥምታት ንደርፊ እንተዝሸይጥ ደኣ ከመይ ስክፍክፍ ምበለኒ እንድዒ? እቶም ምስ ዜማታቶም ዝመጹለይ ባዕለይ ክደርፎም’የ፡ እቶም ተነበብቲ ድማ . . ይንበቡ. . .
ኦ! ናብ ጉዳይና ዶ ንመለስ ሓቀይ ናብ ‘ቲ ኣሳሪ ብራሸሌተ።
ዓሚለይ፡ ደሓን ሻርሎት ኢለ ከሰምያ ንጽሑፈይ።( ሓቀኛ ስማ ደኣ እንታይ ኣምሲለ)
ኣብ ኡጋንዳን ከባቢኣን ተሳልጦ ስራሕ ነበራ። ካብኡ ንንዮው ግን ብዙሕ እዚን እዚን ኣይበለትኒን፡ ኣነ ውን ኣይጠወቕኩን። ዕማማ ዛዚማ ክኸይድየ ምስ በለትኒ ግን፡ ሓቂ ዘረባ ልበይ እየ ሞሊቐ። ሻርሎት ብርክቲ ዓሚለይ እያ ዝነበረት።
ብዙሕ ሻዕ ድማ ፡ እቲ ናይ እዝንታት ጥራይ ዘይኮነስ ዳርጋ ዝተንከፍክዎ ስራሕ እንዳሓሸሸት ትድግፈኒ ነበረት ካብቲ ንመሸጣ ዝስንክቶ ዝነበርኩ እንጀራን ሕምብሻ ዋላ ዓዲጋ ንኡጋንዳውያን መሓዙታ ትህቦም ምኽንያቱ ንሳ ኣንጀራ ትፈቱ ኣይነበረትን፡፡
‘ኣጆኺ’ ኢላ ድማ ንኣውስትራልያ ክትምለስ እንከላ፡ ንህያብ ዝኸውንን ንዓኣን ደስ ዝበለኒ ዓይነት ክሰርሓላ ኣቐዲማ ርብሕ ዝበለ ገንዘብ ከፊላትኒ ስለ ዝነበረት። ሰለስተ ለይትታት ኣብ ትሕቲ ናይ መብራህቲ ናይ ኮሞዲኖ ተጣቢቐ ኣብ ዓወት በጻሕኩ ።
ከም ውዕልና ድማ ኣብቲ ዕሙር እንዳ ኤርትራውያን ረስቶራንት ( ኦክላ) ተቋጸርና። ድሕሪ ናይ መፋነዊ ምሳሕና ድማ ። ቡን እንዳሰተና እቲ ጌጻጌጽ ነቲ ጣውላና ኣጌጾ። ህንን ኢላ ኣድነቐቶ ከም ወትሩ ። የቐንየለይ ኢላ ብሃንደበት የእዳዋ ሰዲዳ ሕቁፍ ኣቢላ ሰዓመትኒ። ‘ኣጆኺ ደቕኺ ኣጥሚኺ ኣይትሓድርን ኢኺ ኣምላኽ ኣሎ’ እንዳበለት ከተባባዓኒ እንከላ ሕጂ ኮይኑ እኳ ተሰምዓኒ።
ሽዑ ነቲ ህያባት እዚኣ ን ሮዛ፡ እዚኣ ን ናታልያ ፡ እዚኣ ንሰይቲ ቶማስ፥ እ እዚኣ ንሓትነይ . . . እንዳበለት ን 36 ሰባት፡ በብስሞም ኣብ ልዕሊ ቲ መጠቕለኒ ፕላስቲክ ጽሒፋ እንዳፈለየት ኣቀመጠቶ።
ኣብ ኣጋ ምኻድና ምስ ኮነ፡ ኣነ ድማ እታ ዘዳለኹላ ህያብ ክትከፍቶ ሃብክዋ። ከም መብዛሕትኦም ጸዓዱ ፡ ‘ምሕሳብኪ እኳ እኹል’ ብምባል ሓኒቓ ክትስዕመኒ ተጸበኹ። ምንይ ኢለ ዝሰራሕ ኩላ ብራሼለት ነበረት። ግን ነገር ከም ሰፍኢ ደኣ ተገምጠለትኒ፡ ንብዓታ ተዛሕወ። ሰምበድኩ ፡(ንመን እንታይ ትህብ ምፍላጥ እባ ሓደ መወከስ ዘድልዮ ጉዳዩ ) ብህያብ ክንድዚ ትንኽነኽ፡ ኣቢደ ክኽእሎ ብዘለኒ እንግሊዝኛ ተጣፋእኹ። ህድእ ከኣ በለትለይ።
ስእልታት ናይ ዓመት ቆሎዓ ኣዕብየ፡ ዘብጽሓሎም ሓደሽቲ ሰብ ሓዳር ፡ይጽበዩን እኳ እንተነበሩ ነቲ ብዝርድኣኒ እንግሊዝኛ ጌራ ጀለም እተብሎ ዝነበረት ዛንታ ግን ከኳልፋ ኣይደለኹን።
< ኣቦይ እዩ ኣዕብዩኒ. . . ኣደይ ብሂወታ እንከላ እያ ኣዘኽቲማትና፡ ንዓይን ነቦይን። . . . ክትፍለየና እን
ከላ ከም ሕልሚ ኮይኑ ይስምዓኒ. . . ደሕር ኣቦይ እዩ እቲ ዛንታ ነጊሩኒ።
ኣቦይ ካብቲ ኲን-ላንድ ዝተባህለ ክፋል ናይ ኣውስትራልያ ካብ ሃብታማት ስድራ ተወሊዱ።
ምስ ጎበዘ ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ናይ ሲድኒ እንተዘይተማሃርኩ ኢሉ ስለ ዝነቐጸ ስድርኡ ከይፈዉ ናብ ሲድኒ ይሰድዎ። ኣብኡ ድማ ምስ ኣደይ ይላለ፡ ነታ ብስድርኡ ኣዝያ ፍትውቲ ዝነበረት፡ መዓብይቱን ዓርኩን ጠንጢኑ፡ ምስታ ኣማተር ተዋሳኢት ዝነበረት ኣደይ ቡንቀልቡን ተሳሒቡ ህልም ዝበለ ፍቕሪ ይጽመድ።
እቲ እዝጊ ዝሃበ ዘይከልኦ ኣቦይ ድማ ከመይ ዝበለ ናብራ የናብራ ፡እንተኾነ ኣደይ ሕጉስቲ ኣይነበረትን። ኣቦይ ዝከኣሎ ገበረ ግን ብቐጨውጨኣ ደኣ ዓመታት ኣሕለፉ። ምውሳእ ክትቅጾ ኣተባብዓ፡ ንዓይ ብሰራሕተኛ ከም ዝእለ ጌሩ ከቀባጥረላ ብዙሕ ሃቀነ። ፈተንኡ ግን ከንቱ ደኣ ኮነ።
ሽዑ ሓደ መዓልቲ ፍትሕ ሓተተት ኩሉ ቤተሰብ ጋን ኮኖ። ግን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ሕጉስቲ እንዳኮነት መጸት። ኣቦይ ገረሞ፡ተኸታትላ ድማ ፡ ሽዑ ሓንቲ መዓልቲ ንዓይ ትምህርቲ ኣብጺሓ ናብ ገዛ ኣይተመለሰትን፡ታኽሲ ሒዛ ተመርቀፈት፡ ኣቦይ ውን ሰዓባ፡ ደሓር ኣብ ሓደ እንዳካፍተርያ ኣተወት፡ ንእለቱ ድማ ምስ ሓደ መንእሰይ ከንፈር ንከንፈር ግጥም ኣቢሎም ክሰዓዓሙ ርእዩ ኣቦይ ቀዘዘ ! ብሕርቃን ተለለወ ግን ከኣ ዝገብሮ ኣይነበሮን፡ ጉዳዮም ድሮ ኣብ መገዲ ፍትሕ እዩ ኔሩ።
ሽጋራ ኣውጺኡ ተሳሃሎ።
ኣደይ ኣዝያ ምሕጓሳ ከይተፈለጦ ተሓጎሰ። ደጊሞም ተሰዓዓሙ ፡ የዒንቱ ኣዞረ፡ እንገደና ጠመቶም ኣብ ዲእ ዝበለ ዕላል ነበሩ። ኣቦይ ነቲ ሰብኣይ ዳግማይ ምስ ረኣዮ ገጹ ኣይሓደሶን ፡ካበይ ከምጾ ከም ዘለዎ ግን ሕርብት በሎ፡ ፈቲሹ ፈቲሹ ግን ከኣ ኣይዘከሮን። ኣብ ከምዚ ኩነታት እንዳሃለዉ ኣደይ ብኣጋጣሚ ናብቲ ኣቦይ ዘለዎ ሸነኽ ቁሊሕ ምስ በለት ምስ ኣቦይ ዓይኒ ንዓይኒ ይጋጨዉ።
ኣደይ በረድ ትኸውን። ግን ዝግበር ኣይነበረን ፡ሓዲኣ ክትወልድ ኔርዋ!
ኣቦይ ብድፍረት ትኳዕኒኑ፡ ብትሕትና ተሰንዩን ይቐርቦም። ነገራት ኣተሃዳድአ፡ ብፍቕርኩም ቀኒኤ ብሓቂ ከምዚ ጌሩ ዘሐጉሰኪ እንተረኪብኪ ካብ ዘይሕጉስቲ ጌረ ዝሕዘኪ ጻዕዳ ይጽናሕኪ። ኢሉ ነቲ ፍትሕ ከቀላጥፎ ምኳኑ ምስነገሮም ደንጽይዎም። ክኣምኑ ኣይከኣሉን። ኣቦይ ክሳብ ሕጂ ስለምንታይ ከምኡ ምባሉ ስጊንጢር እዩ ዋላ ንዕኡ።
ኣቦይ ኣስዓበ ‘እዚ ክኸውን ግን ክልተ ነገራት ቅድም ክኸውን ኣለዎ’ በለ
ኣደይ ንብዓታ ደረሪዛ ዕትብ በለት። ብመጀመርታ ነገር ጓለይ ፈጺማ ምስ ኣዲኣ ከም ዘይትኸይድ፡ ካልኣይ ነገር ድማ፡ በለ ነቲ ሰብኣይ እንጠመተ ‘ መዓስ እንድዒ ሓንቲ መዓልቲ ግን ዝረኣኹኻ ይመስለኒ እሞ ከይሓባባእካ ግዳ ንገረኒ?’በሎ
‘ እወ ሓንቲ መዓልቲ ተረኣኢና ኣሎና፡ ኣብ ኣውቶቡስ ፡ መጽሓፍ ተንብብ ኔርካ፡ ሽዑ እታ ሓድሽ ብራሼለት ዝገዝአት ሰበይትኻ ብህንጡይነት ኣብቲ ኣውቶቡስ ከፊታ ክትፈትትሽ እንከላ ነታ ብራሸለተ ክትኣስረላ ሓቲትካ ግን ሃምካን ቀልብኻን ናብ ቲ መጽሃፍ ጌርካ ኣየቃለብካላኒ. . . ንበይና ብዙሕ ተቓሊሳ። ሽዑ ነታ ብራሸሌተ ክኣስረላ እንከለኹ ድቃስ ወሲድካ ኔሩ። ኣድራሻ ተለዋዊጥና’ በሎ. . .
‘እቲ ኣሳሪ ብራሼለት!’ ኣቦይ ጨደረ
ኣደይ መኸኸት ‘ እወ ምስኡ ስምዒት ሓቀኛ ፍቕሪ ይስምዓኒ ኣሎ’ ወሰኸት።
ኣቦይ መብጽዕኡ ከም ዝፍጽም ቃል ኣትዩ ፍትሕ ከቀላጥፎ ምዃኑ እኳ ደጊሙ እንተኣረጋገጸ፡ ኣደይ ግን ደጊማ ገዛ ኣይተመለሰትን።
እዚ ዛንታ እዚ ኣቦይ ምስ ነገረኒ። ብራሸለት ዝበሃል ከፍርሓኒ መዓትኮነ። >ኢላ ነቢዓ ኣንቢዓትኒ።
ነታ ህያብ ዝሰራሕኩላ ብራሼለት ድማ፡ ‘ ኣይክለብሳን እየ፡ ግን ኣብቲ ጥቓ ናይ ኣደይ ብራሸሌት ነቐምጠሉ ቦታ ከንጠልጥላ እንተፈቒድክለይ ክወስዳ?> በለትኒ
<ከም ድሌትኪ።> በልክዋ
እዋእ እዋ! ክሉ ግዳ ነዚ ክጽሕፍ ዝወረሉ ፌርማታ ባቡር ሓሊፈዮ።
05 06 2015
19 23 በቆጻጽራ ፓሪስ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleደርዘን ሕቶ ንገጣማይ
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?