Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኣደን ወድን

ኣደን ወድን

0
By Mekonnen T. on November 8, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ንብዓታ ከይፍርሻሕ ብግዲ ጠርኒፋ

ልባ ከይትሰትኳ፣ ብኢዳ ደጊፋ
ቀው ኢላ ትጥምቶ ብፍቕርን ድንጋጸን
ውላዳ ተቐድም – ዝወለደት ማህጸን።

“ኣንታ ድራር ዓይነይ፣ ተንስእ’ባ ተመሳሕ!”

ከም ወትሩ፣ ነታ ዝጸሓፋ ግጥሚ ብኽብሪ ኣቐሚጡ
ካብ ዝወግሕ ፋልማዩ ኣፉ ከፊቱ
ሕራይ መጻኹ ይብላ…
ነታ ምስኣ እንከሎ ዝተፈልያ ወላዲቱ።
በብዝብህግዎ እናሓሰቡ
መኣዲ ቀሪቦም – ክምገቡ።

ንሱ፣
ነቲ ጉዕ በርበረ፣ ኣብቲ ዙርያ ሻሕ ዝበለ ሽሮ
እናነጻጸረ ምስ ምረት ኣብ ውሽጢ መንብሮ
ዝን ይብል ኣብ መንጎ መኣዲ
ኣብ ክንዲ ኩላሶ ሓሳባት የናዲ፤
ንሳ፣
ኢደሰብዶ ይኸውን ረኺቡለይ ዝወደይ
ማይጨሎት ተበልክዎስ ይኣቢ’ዶ ይኸደለይ…
ወይስ ጭንቂ’ለዎ ኣነ ዘይፈልጠሉ
ንበይኑ ዘብሎ ካብ ሰባት ገሊሉ
ትብል’ሞ…
ክነብዕ ትምነዮ ሕሉፍ ሓሊፋ
መታን ክትእብዶ የእትያ ኣብ ሑቕፋ።

ዓይኑ እናርኣየት፣
ኣንታ ዓይነዲኡ እንታይ’ዩ ዝንታኻ ሕጅስ ፈሪሐ
ዓይና እናረኣየ፣
ኣንቲ’ደ ዘይ ግጥሚ’የ ክጽሕፍ ጸኒሐ…
ኣንታ ወደይ ከምዚ እንተኾይኑ ዘይትገድፎ!
ወረ እንታይ እንታይ’ዩ እቲ እትጽሕፎ?

ንፈለማ እዋን ግጥሙ ከንብበላ
“ናብ ውሽጡ ጥሒሉ” ኢሉ ጀሚሩላ፦

“ናብ ውሽጢ ውሽጥኻ፣ በጃኻ ኣይትገምገም
ኣጋንንቲ’ለዎ ናብ ውሽጢ ዘስጥም”
ትብሎ ትንበር እምበር እታ የዋህ ኣዲኡ
ጥሒስዋ ከይዱ፣ ክፍትን ዕጫኡ።

እቲ ዘዳፈሮ ከምኡ ካልእ ወዲ
ገምገመ ገምገም ብጨብረቕ ሓንቢሱ
ናብቲ ደረት ከውሒ ሻቡ ተመሊሱ፣
“ኣብ ምምላስ ከይትደክም፣ በል ኣይተርሕቕ
ከቢድዩ ‘ዚ ቀላይ፣ ኣጓብዝ ዘጥልቕ…”
ምኽሪ ዓርኪ’ዩ ነይሩ።

ወዲ ውሽጢ ባሕሪ፣ ኣምሪሑ ናብቲ ማይ
ዕምቆቱ ዘይብጻሕ፣ ናይ ውሽጢ ሰብ ቀላይ!
እሔው እሔው ቁሪ! ፈለማ ኣንፈጥፊጡ
ኣይጸንሐን ግን ሞይቁዎ፣ ጣሕ-ጦምቦላሕ
ከም ናብ ሰፈሩ ዝተመልሰ ዓሳ – ተሰራሲሩ፣ ተገላቢጡ!

ገና ኣየእከለን!
ሓንባሲት ኣብ ላዕሊ ዘየዕገቦ ግዲ
ሸለል ኢሉ ጻውዒት “ግደፍ ኣንታ ወዲ!”
ነፋይ ዘይነበሮስ – ኣብ ሂወት ኣሚኑ
ርእሱ ኣቐዲሙ፣ ናብ ውሽጡ ጠኒኑ!

ኣንታ ርድኡ – ኣንታ ሰብ ጥሒሉ…!
ኣውያቶም ፈንዮም ላዕሊ ዝነበሩ
ብዘይ ነፋይ’ሞ ከመይ’ሎም ክደፍሩ!
ዝጸለቱ ተጸለቱ፣ ዘእወዩ ተእወዩ
ዓሳደሞ’ምለስ ናብ ቀላይ ተፈንዩ?!

ግንከስ ኣይጠሓለን ይሕንብስ’ዩ ዘሎ
ካብቲ ዓምዩቕ – ናብቲ ዝዓሞቐ
ካብቲ ደቂቕ – ናብቲ ዝደቐቐ
ዝብጻሕ ከምዘሎ፣ ገና ዝፋለጦ
ዕድሉ ጸቢቑ ስለ’ተሰወጦ
ይግስግስ’ዩ ዘሎ ናብ ዓለመ-ውሽጡ
ሕሉፍ መንነቱ ንድሕሪት ረጥሪጡ
ወዲ ውቅያኖሳት ምዃኑ ፈሊጡ!

ምስ ክንደይኳ ተራኺቡ ድሮ
በብዓይነቶም ፍጡራት’ቲ ባሕሪ
እናተደነቐ በቲ ስፍሪ፣ በቲ ሕብሪ፣ በቲ ፍቕሪ!
“ጽምዋ ድሓን ኩን፣ ብጾተይ ረኺበ
ጸላም’ውን ደሓን ኩን፣ ብርሃን ተኸቢበ…”
እናበለ ብዓውታ ዘሚሩ
ኣብ ውሻጠ ውሽጡ ዓሳ ተቐዪሩ!

ኣዒንቲ ኣዲኡ’ሞ ገና ‘ነብዕ ኣሎ
ዘይፈልጦ መገሻ ሞት እናመሰሎ!
መን’ሞ ይውሰዳ፣ ናብ ናይ ውሽጣ ሂወት
ኣብቲ ባሕሪ ልባ፣ ዘሎ ድንቂ ዕምቆት
ኣየወ እታ የዋህ ኣዲኡ፣
ምረኸበቶ’ንዶ ድኣ ኣብኡ!”

ነቢቡላ ጨሪሱ፣ ኣዕሚቑ ተንፊሱ።

ዋይ ወደይ! ጸላኢኻ ናብ ቀላይ ይእቶ!
ዋይ ወደይ! ጸላኢኻ ናብ ቀላይ ይእቶ!
ልባ እናጠብጠበት ሕቑፍ ኣቢላቶ።

Yohans Abraham

ኣስመራ
(ቀዳመይቲ ተሸላሚት ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት 2012)

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous ArticlePeople in London can now use the new red buses for transportation
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?