Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 10, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኣነን ሓወይን

ኣነን ሓወይን

0
By Mekonnen T. on August 6, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ነዊሕ ይገብር ኣነን ሓወይን

ዘይንፈላሊ ከለና ክረምትን ሓጋይን

ትንፍትት ኢልና እናተጻወትና ያላኻ

ዕንጸይቲ ከነምጽእ ወፊርና በረኻ

ሓላዊ ዕንጸይቲ ከይርእየና

ደሓር’ውን ከይመስየና

እናፈራሕና ጉያ ወሲኽናሉ

ሓወይ ጎኒ ጎንኽ ውዒሉ

ኣብ ወዮ በረኻ እክብ ዝወዓልኩዎ

ብሓይሉ ተሰኪምዎ

ግደፍ እናበልኩዎ

ኣብቲ መዳራጋሕ ጎቦ

ከመይ’ለ’የ’ሞ ደፊረ ክዛረቦ

ቁሩብ ምስ ከድና ግን ዕንጸይተይ’ባ እንተበልኩዎ

ከየውጽአ ዘረባ

ከብቲ ገረብ ልሕጺ ልሒጹ

ሓመድ ኣስሒኑኒ ተጸዊጉ ገጹ

ሽዑ እዚ ኩሉ መንገዲ

ቃል ከየተንፈስና ኣቲና ዓዲ

ከዋኽብቲ ምውጽኦም ልባ ተመሊሓ

ኣይደይ ትጽበየና ኣብ ግዳም ጸኒሓ

ርእይ እንተበልኩዋ ውዕሎይ ኣርሚሙዋ

ዕንጸይተይ እናበልኩ ብኽያት ስዒሩኒ

ንሳ ኸኣ ከም ዘሕደገኒ ፈሊጣ

ሓጊዙ’ኳ እንዳኣሉ እንካ’ሞ እዚ ጣይታ

ኣቱም ዓያሹ

ኣሕዋት’ዶ ይበኣሱ

እናበለት ንኺኒኽታይ ሰሚዓ

ከተቕስነኒ ያኢ እናሰሓቐት ነቢዓ

ጽውግ ኢላ ከይትገንሖ

ካብ ማህጸና ወጽዩ ንወዳ ትፈርሖ

ንሱ ደኣ ብድሕሪኡ’ዩ ሰዊዱ

ምህራመይ ኮይኑ ልማዱ

ምጽጋብ ስኢኑኒ ኮይነ ክሳብ ዝደሚ

ኣይተዓረቕናን ጨኪኑ’ዩ መስለኒ

ይቕረ’ኳ ዘይበለለይ ክሳብ ሎሚ።

ተስፊት የውሃንስ

ዓዲ እንግሊዝ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleምውድዳስን ምሽምጣጥን ማሰኛታት
Next Article ገንዘብን ጸገማቱን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?