Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, June 16, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ልበ ወልድ»ኣብ ዓዲ ጓና

ኣብ ዓዲ ጓና

0
By Mekonnen T. on March 12, 2016 ልበ ወልድ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ፡ ኣንቶን ቸክሆቭ

ተርጓሚ፡ ኣማረ ወልደስላሰ

ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ። ካምይሸቭ እተባህለ ወናኒ መሬት፡ ኣብ ዝማዕረገ ጣውላኡ ኰይኑ ይምገብ። ኣይተ ቻምፑን እተባህለ ጽሩይ፡ ጽፉፍን ጭሕሙ ዝተላጸየን ኣረጊት ፈረንሳዊ ድማ ኣብቲ መኣዱ ይቕረብ።

ቻምፑን ሓደ እዋን፡ ከም ናይ ውልቂ መምህር ኰይኑ ኣገልጊሉዎ’ዩ። ንደቁ ብዛዕባ ጽቡቕ ስነምግባር፡ ቅኑዕ ኣደማምጻ ልሳነ ፈረንሳን ኣሰዓስዓን ምሂሩሉ’ዩ። እቶም ቈልዑ ክንዲ ሰብ ምስ ኣኸሉ ግን ከም ቍምነገረኛ ኣገልጋሊ ተሓሲቡ ኣብቲ ቤት ተቐመጠ።

ብጽሒት ስራሑ ኣመና ቀሊል’ዩ። ምዕሩግ ክዳን ክወዲ፡ ምኡዝ ጨና ክልከ፡ ክበልዕ፡ ክሰቲ፡ ክድቅስ፡ ከምኡ’ውን ካብይሸቭ እንከህተፍትፍ ክሰምዖ ጥራይ’ዩ ዘለዎ። ኣኸለ! ካልእ ወጣጢ ዋኒን የብሉን። ነዚ ብምፍጻሙ መደቀሲ፡ ቀለብን ዘይተወሰነ መሃያን ይረክብ።

ሓደ መዓልቲ ካምይሸቭ ኣብ ምንባዕ ንዘብጸሖ ኣድሪ ዝተለኽየ ስጋ ሓሸማ ምስ ኰለሰ ተለብለበ። “ሽሽሽ…” ድሕሪ ምባል ከኣ ኣህተፍተፈ። “ኣንታ ብሓንሳእ ናብ ርእሰይ ደይቡ። ንጭዋዳታተይ ኣፍዚዙወን። ቍራዕ ምሉእ ኣድሪ ፈረንሳ ግን ክንድኡ ኣይምመረረን።”

“ገለን ንኣድሪ ፈረንሳ፡ ገለን ከኣ ናይ ሩስያ ይፈትዉ።” ቻምፑን ልዙብ መልሲ ኣቕረበ።

“እንትርፎ ደቂ ፈረንሳ ንኣድሪ ፈረንሳ ዝፈቱ ሰብ የለን። ፈረንሳዊ ዝሃብካዮ ዘበለ ይውሕጥ’ዩ። እንቍርዖብ፡ እንጭዋ፡ ወላ’ውን ጸሊም ሕንዚዝ ቀርበሉ ምፍንፋን ዝበሃል ኣይፈልጥን… ዕዕዕዕ!”

“ንኣብነት ንስኻ፡ ነዚ ስጋ ሓሸማ ኣይትፈትዎን ኢኻ። ስለምንታይ? ናይ ሩስያ ሓሸማ ስለዝዀነ!” ብኡነት ኢለ፡ ናይ ፈረንሳ’ዩ ኢሎም ጥርሙስ ገይሮም እንተዝህቡኻ ምበላዕካዮ። ኣቤት ክጥዕም እናበልካ’ውን ነጻብዕትኻ መልመጽካ። ብኣተሓስባባኻ ናይ ሩስያ ዘበለ ሕማቕ’ዩ።”

“ኣነ ከምኡ ኣይብልን’የ።”

“እብለካ ኣለኹ እንዶ! ናይ ሩስያ ሕማቕ ናይ ፈረንሳ ግን ኢድ ዘቘርጥም’ዩ ኢልካ ኢኻ ትገልጾ። ብኣተሓሳስባኻ ምስ ፈረንሳ ዝወዳደር ሃገር የለን። ግን እንታይ’ያ ፈረንሳ? ሓቂ እንተንዛረብ ንሳ ክንዲ ንኡሽተይ ቍሸት’ያ።”

“ሓደ እዋን፡ ሓደ ጕብጣን ናብ ፈረንሳ ከይዱ ክዓይይ ተኣዘዘ። ኣብታ ሃገር ሓደ ወርሒ ጥራይ ምስ ተቐመጠ ቀይሩኒ ክብል ጥርዓን ኣቕረበ። ጸቢባቶ! ክትፈልጥ፡ ምልእቲ ፈረንሳ ብሓደ መዓልቲ ትዅለል’ያ። ሩስያኸ? መወዳእታ የብላን።”

“ልክዕ ኣለኻ፡ ሩስያ ኣዝያ ዓባይ ሃገር’ያ።”

“ብርግጽ ዓባይ’ያ። ብኣተሓሳስባኻ ካብ ፈረንሳውያን ዝበልጹ ሰባት የለዉን። ምሁራት፡ በላሕቲን ስልጡናትን እዮም። ነዚ ሓቂ’ዚ ኣይክሕዶን’የ። ልክዕ’ዩ ኵሎም ፈረንሳውያን ስነስርዓት ዘለዎምን ኣዝዮም ዝተማህሩን ሰባት’ዮም። ፈረንሳዊ ስድነት ኣየጥቅዖን። ጓል ኣንስተይቲ እንተተጸጊማ መንበር ይቕርበላ፡ ንጸፋር ዓሳ ብፋርኬታ ኣይምገቦን፡ ኣብ ባይታ ምራቑ ኣይተፍእን። ግን እብለካ ኣለኹ፡ ከመይ ገይረ ከም ዝገልጸልካ እንድዒ እምበር፡ ፈረንሳዊ መንፈስ ዘይብሉ ፍጥረት ኰይኑ’ዩ ዝስማመዓኒ። ነዚ ምግላጽ ዝኣብየኒ ዘሎ ሓሳብ ምርዳእ እንተኣብዩካ ሓደ እዋን፡ ንዘንበብኩዎ ቍም ነገር ክነግረካ። ፈረንሳውያን ብምሉእኹም ዘለኩም ፍህመት ወይ ብልሒ ካብ መጻሕፍቲ ዝረኸብኩሞ’ዩ። ንሕና ሩስያውያን ግን ባህርያዊ ፍህመት ኣለና። በዚ መሰረት ሓደ ወዲ ሩስያ፡ ንስነ ፍልጠት ብኣገባብ እንተተማሂሩዎ፡ ዝወዳደሮ ፈረንሳዊ ሊቅ ኣይምሃለወን።”

“ምናልባት፡” በለ ቻምፑን ብዙሕ ከይተገደሰ።

“እንታይ ምናልባት ደኣ፡ ብርግጽ እምበር! ኣይትጨማደድ ከኣ፡ ኣነ ሓቂ’የ ዝዛረብ ዘለኹ። ሩስያዊ ፍህመት፡ መሃዚ’ዩ። ግን ሓደ ነገር ኣሎ። ሓደ ወዲ ሩስያ ነቲ ፍህመቱ ከተግብር ነጻነት የብሉን። ብዘይካኡ ኸኣ ብዝዀነን ዘይኰነን ክጀሃር ኣይደልን። ክትፈልጥ ሩስያዊ ሓደ ነገር እንተምሂዙ፡ ይሰብሮ ወይ ድማ መጻወቲ ምእንቲ ክኸውን ንቘልዑ ይህቦ። ብቐዳማይ ኣዮታ እተባህለ በዓል ካሮሳ ብዕንጨይቲ ገይሩ ዝንቀሳቐስ ቃንጫ መርዓት ሃኒጹ። ነቲ ቃንጫ መርዓት ብፈትሊ እንተስሒብካዮ መስሓቕ ኰይኑ የዘናግዐካ። ኣዮና ግን ኣይተጀሃረሉን። ብዝዀነ ኣነ ብወገነይ ንፈረንሳውያን ኣይፈትዎምን’የ። ንዓኻ ማለተይ ኣይኰንኩን። ብደገ ደገ ሰባት ይመስሉ። ብሓቂ ግን ህይወቶም ናይ ኣኽላባት’ዩ። ንመርዓ ከም ኣብነት ንውሰዶ። ንሕና ሓንሳእ እንተተመርዒና ቃል ኪዳንና ሓሊናን ኣኽቢርናን ንነብር። ኣብ ፈረንሳ ግን ከምኡ ኣይኰነን። እቲ ሰብኣይ ንሰብይቱ ገዲፉ ምሉእ መዓልቲ ኣብ እንዳ ሻሂ ተዓኒዱ ይውዕል። እታ ሰብይቲ ድማ ናብ ገዝኡ ኣወዳት ዓዲማ ክትስዕስዕ ተምሲ።”

“እዚ ትብሎ ዘለኻ ሓቂ ኣይኰነን!” ቻምፑን ንተቓውሞኡ ብትሪ ኣቕረቦ። ነብሱ ምቍጽጻር ክሳብ ዝኣብዮ ድማ ሓረቐ። “ኣብ ፈረንሳ መሰረተ ሓሳብ መርዓ እንክበሃል ኣመና ክቡር’ዩ።”

“ነዚ ትብሎ ዘለኻ መሰረተ ሓሳብ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና። ስሌኡ ክትምጕት ኢልካ ምትንሳእካ ከሕፍረካ ኣለዎ። ቅኑዕ ኵን! ሓሳማ ኵሉ ሳዕ ሓሳማ’ዩ። ብርግጽ ጀርመናውያን ንፈረንሳውያን ሕርይ ሕራይ ገይሮም ስለዝደሰቑዎም ክነመስግኖም ይግባእ።”

“ክርደአካ ኣይከኣልኩን…” በለ ፈረንሳዊ ቻምፑን። ንኣዒንቱ ኣጕህሩ ድማ ተቓውሞኡ ኣቕረበ። “ፈረንሳዊ ትጸልእ እንተዄንካ ስለምንታይ ምሳኻ ተንብረኒ?”

“እንታይ ደኣ ክገብረካ?”

“ናብ ፈረንሳ ክምለስ’የ።”

“እንታይ? ግን፡ ፈረንሳኸ ክትቅበለካ ድያ? ክልተ ሳዕ እኮ ኢኻ ጠሊምካያ። ሓንሳእ ኣብ ግዜ ናፖልዮን ዓቢ። ብድሕሪኡ ኣብ ግዜ ጋምቤታ…ወረግ ነዚ ግደፎ። ክትወጽእከ መን ከፍቅደልካ’ዩ?”

“ስምዓኒ!” ሻምፑን ንመሐንሰሲኡ ኣብ ኢዱ ዓምጢሩ ኣጉረምረመ ኣጕጀምጀመ።  “እቲ ቀንዲ ጸላእየይ ከምዚ ዝጸረፍካኒ ገይሩ ኣይመዋረደንን።” ብምባል ድማ ምረቱ ገለጸ። ብኡንብኡ ኸኣ፡ ንመሐበሻኡ ብማዕርግ ሰንደዎ። ቀጺሉ፡ ካብቲ ክፍሊ ብዅርዓት ሰጒሙ ተዓዝረ።

ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት ከም ብሓዲሽ መኣዲ ተተኽለ፡ ድራር’ውን ተቐረበ። ካምይሽቭ ንበይኑ ኣብቲ ጣውላ ተረኽበ። ዝስተ ረኺቡ ሓደ ምሉእ ብርጭቆ ምስ ሰተየ ከህተፍትፍ ደለየ። ግን ዝሰምዖ ሰኣነ።

“ኣልፎንሰ ሉዶቪኮቪች ቻምፑን እንታይ ይገብር ኣሎ?” ንሓደ ኣገልጋሊ ሓተተ።

“ንኣቑሑቱ ኣብ ሳንዱቑ ይጥርንፍ ኣሎ ጐይታይ።”

“ሊቃነ መላእኽቲ! ከመይ ዝኣመሰለ ዓሻ’ዩ!” በለ ካምይሸቭ። ብኡንብኡ ድማ ናብቲ ፈረንሳዊ ዘለዎ ስፍራ ኣምርሐ።

ቻምፑን ኣብ ውሽጢ ክፍሉ ተቐሚጡ ዓለባኡ፡ ጨና ዘለዎ ጥርሙዙ፡ መድገምያኡ፡ መሐንገጢኡን ካራቫቱኡን ናብ ሳንዱቑ የእቱ ነበረ። ኣካላቱ፡ መደገፊ ዓራቱ፡ ጣውላኡ፡ ኵሉ ስርሓቱ፡ ስብቅልነትን ኣንስታይነትን ተንጸባረቖ።

“ናበይ ትኸይድ ኣለኻ?” ክዕዘብ ዝጸንሐ ካምይሸቭ  ኣስተንፈሰ። እቲ ፈረንሳዊ ኣይመለሰሉን።

“ክትከይድ ዲኻ ደሊኻ?” ካምይሸቭ ደጊሙ ተወከሶ። “ጽቡቕ…ኣነ ኣይከልአካን’የ። ግን ብዘይ መሕለፊ ሰነድ ከመይ ኣቢልካ ክትጐዓዝ ኢኻ? ክትፈልጥ ንሰነድካ ኣጥፊአዮ’የ። ኣብ ገለ ቦታ ምስ ወተፍክዎ ስኢነዮ። ብዘይ ብኡኡ ከምዘየስግሩ ድማ ትፈልጥ ኢኻ። ሰለስተ ኣርባዕተ ማይል እንከይተጕዓዝካ ክጐብጡኻ’ዮም።” ቻምፑን ብኣግርሞት ንካምይሽቭ ጠመቶ።“እወ ንገጽካ ርእዮም መሕለፊ ሰነድ ከምዘይብልካ ክፈልጡ እዮም። ንሓድሕዶም ድማ “መን እዩ’ዚ እናበሉ ክተሓታተቱ እዮም።”

“ትላግጽ ዲኻ ዘለኻ?”

“ንምንታይ ዕላማ?” ተመላለሱ።

ቻምፑን ነጢሩ ተንስአ። ኣዒንቱ ጐልሒጡ ድማ ኣብ ሓጺር ዓንኬል እናሰጐመ ኣብቲ ክፍሊ ተመመላለስ። “እንታይ ኢኻ ትገብረኒ ዘለኻ? እታ ካብ ዓደይ ዝወጻእኩላ መዓልቲ ቅርስስቲ ትዅን!” ብምረት ንኣጻብዕቱ ዓሚኹ ተራገመ።

“ህዳእ! ርግእ በል በጃኻ! የላግጽ እኮ እየ ነይረ!” ካምይሸቭ ንድምጹ ኣልዘቦ። “ከመይ ዝኣመሰልካ ስግንጢር ደኣ ኢኻ። በዚ ዓይነት ሓደ ሰብ ክቃያዕ ኣይክእልን’ዩ ማለት’ዩ።!”

“ክቡር ዓርከይ!” ሻምፑን ንኣበሃህላን ቃናን ካምይሸቭ ኣሚኑ ረግአ። “ኣነ ብወገነይ ንነብሰይ ንሩስያን ደቅኻን ዝተወፈኹ ሰብ’የ። ነዛ ዓዲ ምግዳፍ ማለት ንዓይ ማዕረ ሞት መሪር’ዩ። ይዅን እምበር እተን እትስንድወን ቃላት ንልበይ ከም ኲናት ይወግአኦ ኣለዋ።”

“ንፈረንሳውያን እንተዀነንኩዎም እንታይ’ዩ ንዓኻ? ጕዳም’ባ ኢኻ? ነዚ ላዛር ኢሳኪች እተባህለ ሓረስታየይ ረኣዮ እንዶ? ኣንታ ኣይሁድ! ኣንታ ንዑቕ! እናበልኩ እጸርፎ። በቲ ከም መለለዪ ኣይሁድ ዝዀነ ጕንጕን ጨጕሩ እናወጠጥኩ ድማ የላግጸሉ። ንሱ ግን ኣይኩርይን።”

“ንሱኮ ባርያኻ እዩ! ስልዲ ተቐቢሉ ውርደቱ ክጐስም ድሉው’ዩ።”

“ንዓ ደኣ በጃኻ፡ ሰላምን ስምምዕን ነውርድ!”

ቻምፑን ተጠበረ። ንብዓቱ ሓቢሱ ኣብ መኣዲ ምስ ካምይሸቭ ተቐረበ። እቲ ቀዳማይ ብያቲ ብሰላም ተበልዐ። ቀጺሉ ግን ከም እንደገና ጸርፊን ውርደትን ሰዓበ። ካብቲ ግዜቲ ጀሚሩ ኸኣ ስቅያት ቻምፑን መወዳእታ ሰኣነ።

ተዛዘመ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ኣይትንውሒ!
Mekonnen T.

Related Posts

ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

November 13, 2020
Read More

ማይ ጸሎት

July 14, 2020
Read More

ኣንቶንዮ

October 29, 2018
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?