Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, June 15, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ-ገንዘብ

ኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ-ገንዘብ

0
By Mekonnen T. on July 26, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብርሃነ ገብረህይወት

(ራብዓይ ክፋል)

ገና ካብ ሃገረ ሆላንድ ኣይወጻእናን። ኣቐዲመ ኣብ ዘልዓልኩዎ ጉዳይ ገንዘብን ብልሽውናን ኣብኡ ኣለኹ። ኣብዚ ዝገብሮ ምንጽጻር ምስ ትሕተ ቅርጺ ዘይኰነ ምስ ልዕለ ቅርጺ ምዃኑ ከገንዝብ እደሊ። እቲ ልዕለ ቅርጺ ድማ ምስ ዕድላት ትምህርቲ ዘይኰነ ምስ ሕልና ብትሕሓዝ፡ ኣብ ጽሬት ስራሕን ኣሰራርሓን ክዛረብ። ኣብ ስራሕ ተቐሚጡ ዘሎ ሰብ ብርግጽ ንገንዘብ’ዩ። እቲ ገንዘብ ግን ብቐጥታ ካባኻ ዝደልዮ ኣይኰነን። ጉዳይካ እምበር ተዕኹቶዶ ኣይተዕኹቶን ኣይግድሶን። ኣብ ዓድና ግን እኹል ትሩፍ ዘለዎም እውን ክውተፎም ይደልዩ። ስራሕ ህዝባዊ ኣገልግሎት፡ ንዕግበት ዘይኰነ ንኣቋራጭ ሃብትን ሰብ ንምምላኽን ንምንብርካኽን’ዩ። ስልጣን ሒዙ ሰብ ከሰራጢ ክሓልም ዝሓድር ይበዝሕ። ‘ኣብ ዘመነይ ይጥዓሞ ወገነይ’ ዝብል’ዩ ጭረሖ ስራሕ ዓድና። ሕልና ኣብ ሸውዓተ መዓሙቕ ዝቐበረ ስራሕን ኣሰራርሓን። ብዓል ጽሩራ ኣምሪሕካ ወይ ጁባኻ ሰጒድካ ሰብ ክትረግጽ ንቡር’ዩ። መንፈሳዊ መዝነት ተጐልቢብካ ንዓለማዊ እምነት ምውዓሉ ግኑን’ዩ። ኣገልጋሊ ህዝቢ ምዃኑ ዝስወጦ ውሑድ’ዩ። ኵሉ መላኺ ንናይ ምዃን ዕድል ሃረር ይብላ። ባህርያት ምልኪ ኣብ ደምና ዝሰረጸ ሕብረተ ሰብ ከይንኸውን እጠራጠር። ትንኣስ ትዕበ ስልጣን ዝሓዘ፡ ክመልኽ’ምበር ክምለኽ፡ ከጽብብ’ምበር ከርሁ ወይ ከግፍሕ ኣይረአን። ኣብዚ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። ኤርትራውያን ድማ ንዝዀነት ጉዳይ ብመንጽር እነፍስሰላ ገንዘብ ስለ እንዕይራ፡ ብገንዘብ ንዘይተሰርሐት ዋጋ ኣይንህባን።

ማዕረ ፖለቲካዊ ሃሮምሮምና ንግዲ ዓድና’ውን ጠገለ የብሉን። ልዕሊ ሚእቲ ሚእታዊት ንምኽሳብ’ዩ ዝሰርሕ። ‘ዝተሸጠ ንብረት ኣይምለስን’ እናበሉ፡ መኣስ ይወጸሎምን ናብ ገንዘብ ይልወጠሎምን ጥራይ ዝሓስቡ ነጋዶ መሊኦም። መሬት ከም ኣፍ ዑንቂ ክትጸብብ እሞ ምስ ሰብ ጽሩራ ብምምሽጣር ቆፎ መኽሰብ ከኻዕብቱ ዝጽዕሩ ነጋዶና ከኣ ነጋዶ ይበሃሉ! ኣብዚ ድማ ብኣንጻሩ። ‘ኣይደለኹዎን’ እንተ ኢልካ ክትመልሰሎምን ገንዘብካ ክትቅበልን ዕድል ኣሎ። ዘይከም ነጋዶ ዓድና፡ ንዘይሰርሕዎ ንብረት ከእምኑኻ ላሕ ኣይብሉን። ትርእዮ፡ ትዕድጎ ኣይማእመአካን ኣብ ገዛኻ ሕስብ ቀኒኻ ትመልሶ። ቅብሊቱ ጥራይ ኣይተጥፋኣዮ።

ብሓደ ወገን ሓቁ’ዩ ናይ ሕማመይ። ማንካ ሓመድ ብግቡእ ኣብ ዝመሓደረሉ ሃገር ምንባር ክኸብድ ግድን’ዩ። ይትረፍዶ ናብ መንደበሉዎ ተሰዲድካ ካብ ጐደቦ ናብ ጐደቦ’ኳ ይሕድሰካ። ካብ ምሕደራ ግዜ ክሳዕ ምሕደራ ጸጋታት ጸብለል ኣብ ዝብለካ ሕብረተ ሰብ ንምሕንባስ እትሕተቶ ሕቶ ብብቕዓት ንምምላስ፡ ብውሕዱ ድልውነት የድሊ። ፍርቂ መገዲ ናይቲ ባሕሪ ድማ ይኸውን። ንዘይለመዶ፡ ናብራ ብቈጸራ ብልክዕ ክብደት ኣለዎ። ቀተልቲ ቈጸራን ኣኽበርቲ ቈጸራን ተሰማሚዖም ኣይሰማምዑን። ግዜ ብኸመይ ይሓልፈለይ ዝብል ዝነበረ ሰብ፡ ግዜ ከይሓልፎ ሓለዋ ኣየርክበሉን። ኣብ ሰዓቱ ዘይተረኽበ ኣብ ሰዓት ካልኦት መጺኡ ክእንገድ ኣይፍቀደሉን። ስነ ስርዓት ዘትሕዘካ ኣካል የለን። ንነብስኻ ባዕልኻ ትሰርዓ። ክትሰርዓ ምስ ዘይትኽእልን ስድነትካ ብዋጋ ካልኦት ምስ ዝኸውንን ግን ኣደብ ዘግብር ኣካል ኣብ ቀረባ’ዩ።

ከከም ኣመጻጽኣኻን ተሓላሊኻን’ዩ። ኣታሊልካ ወይ ቀሺሽካ የለን። ጐኒጽካን ተጓኒጽካን ኣይተስልጥን። ብሰበይ ሰብካ ወይ ብሕበጥ ጁባኻ ኣይሰርሕን። ግዜኡ ዘቃጸለ ምስ ወሃቢ ኣገልግሎት ዘጓራፍጥ የብሉን። ዘቃጸሎ ግዜ ብኣጋኡ ንጕዳዩ ኣቃጺሉዎ ኣሎ። ሰዓት ቈጸራኡ ስለ ዘየኽበረ ጥራይ ክሓትት’ኳ ኣየምሕረሉን። ሰዓታት ምግብና ከም ዘየኽበረ ወተሃደር ተረሺንካ ይኸውን። ዘለካ ኣምራጺ ካልእ ቈጸራ ምሓዝ’ዩ። ወርሒ ተቘጺርካ ንዝኸሰርካዮ እንደገና ወርሒ ይውሰኾ። ሽዑ እውን ሰዓትካ እንተ ኣኽቢርካ’ዩ። ምልምማን ወይ ምምስሳል ዋጋ የብሉን። ኢድ ምስላም ወይ ምዝርጋሕ ንድኽመትካ ኣይሽፍንን። ኣብቲ ስራሕ ተቐሚጡ ዘሎ ሰብ ብልክዕ ንገንዘብ’ዩ። እቲ ገንዘብ ግን ብቀጥታ ካባኻ ዝደልዮ ኣይኰነን። ጉዳይካ እምበር ተዕዅቶ ዶ ኣይተዕዅቶን ኣየገድሶን። ከም ናይ ዓድና “ነጻ ግዜ ኣብ ዘለካ ሻሂ ምሰተና” እትብሎን ንኽትክሽክሾ ግዜን ቦታን እትመርጸሉን የሎን። መስፍናዊ ኣተሓሳስባ ቦታ የብሉን። ብኣማላድነት እትቐርቦ ቤት ጽሕፈት የሎን። ወዲ ርኹብ ይኹን ወዲ በተኽ፡ ወዲ ኮሎኔል ኩን ወዲ ደፋእ ድንኩል፡ ዝዀንካ ኩን፡ እታ ሚዛን ሓንቲ እያ። ክንዮ ሰብ ምዃንካ መለክዒ የለን። እዚኣ ክትከብደና ድማ ባህርያዊ’ዩ። ርእስና ከምዚ ዘይኰነ ካልእ ዓፍሽ’ዩ መሊኡ ዘሎ።

ኣቃውማ ንስነትና ኣብ ምምልላእ ዝተሃንጸን ዝተመርኰሰን’ዩ። ኣብ ወጃዕ ነይርካ ናብራ ጽምዋ ብቐሊሉ ተለማዲ ኣይኰነን። ኣብ እኩብ ዝሃነጽካዮ መንነት ኣብ በይንኻ ዑና ይዀነካ። ክትኳንዮ እንተ በልካ ምቛም ይኣቢ። ጽምዋን ከንቱነትን ይዘራረዩልካ። ኣብ ማሕበራዊ መንነት ጸኒሕካ ውልቀ ሓርነት ምልማድ ትስእኖ። መጻኢኻ ዘይኰነ ሕሉፍካ ትብርብር፡ ኣብ ሕሉፍካ ድማ ትነብር። ተስተማስል፡ ተንጸርጽር። ንዕኡ ክትመልስ ትቃለስ። መባእስቲ ስኢንካ ምስ ነብስኻ ትበኣስ። ትምጅርጣ፡ ቃንዛኣ ድማ ባዕልኻ ትቕንዘዎ። ንዝፋሕጠርካዮ ቍስላ ተመሊስካ ትልሕሶ። ምስ ዓሰርተ ኣጻብዕትኻ ኴንካ ከተብቅዕ፡ “ክፍጠር ኣይነበረንን፡ መማልእቲ እየ” ክሳዕ ምባል ትበጽሕ። ድኽመትካ እተሸክሞም ጸላእቲ ኣቐሚጥካ ትውንጅሎም። ጽልኢ ዝዘርኡን ግርጭት ዝዅስኩሱን ናብ ኣእምሮኻ ይውሕዙን ይገዝኡኻን። ዝጠፈሹ ፖለቲኸኛታት ብሓይልኻ ክጐዩ ይፍትኑ፡ ብኣፍካ ይልፍልፉ፡ ንኩለንትናኻ ይራስይዎ። እንደገና ካብቲ ብምልኣት ዘይተጐናጸፍካዮ ውልቀ ሓርነትካ ትዅብልል። ፍረ ሓረስታይ ከይለኸፍካ ሓንቲ ለይቲ ክትሓድር ዘይትኽእል ክነስኻ ‘ሓረስታይ’ እናበልካ ክትጻረፍ ኣውጊሕካ ተዕርቦ። ብዕራይ ዝሰርሖ ዘይትሰርሕ፡ ‘ብዕራይ’ እናበልካ ሰብ ትዝልፍ። ድኽነት ኣእምሮኻ ዘይፈወስካ፡ ትምለኣሎም ንዘይብልካ ብድኽነት ንዋይ ካልኦት ትወራዘ። ኣብ ደምካ ዝኣተወ ኣልኮልን ኣብ ጁባኻ ዘለዋ ቁሩብ ባጤራን፡ ኵሉ ግዜ ንፈንጣሕጣሕ ይደፋፋኣኻን ዘይዝሩብ የዛርባኻን።

ይቕጽል…..

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ – ገንዘብ
Next Article ኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ – ገንዘብ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?