Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ – ገንዘብ

ኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ – ገንዘብ

0
By Mekonnen T. on July 24, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብርሃነ ገብረህይወት

(ሳልሳይ ክፋል)

ጕዕዞ ስደተይ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ሰጊሩ ኣሎ። ትዕዝብተይ ድማ ምስኡ። ማሕበራዊ ነውጽና ማዕረ ስጕምትና ገና ይቕጽል። ምስ ሓደ ‘ናይ ሕማመይ’ ተቐሚጠ ኣለኹ። ‘ናይ ሕማመይ’፡ ድሕሪ እታ ብኣርባዓ እተደርፈት ፍቕራዊት ደርፊ ዝመጸ ዝውቱር መጸውዒ መንእሰያትና ምዃኑ’ዩ። ‘ዙር ናይ ሕማመይ’ ከኣ ሓለፋ ኩለን መለለዪ ዙርያታት ሃገራዊ ኣገልግሎት መጸውዒ’ዚ ሓድሽ ወለዶ ኤርትራ ንምዃን በቒዓ። ስሙ ንእትፈልጦን ዘይትፈልጦን መንእሰይ ‘ናይ ሕማመይ’ እናበልካ ትደሃዮ እሞ ብቕጽበት ግልጽ ይብለካ። እንተ ተዳሃዩኻ ድማ ግልጽ ትብል። ቁኖን ስቝሬንን እዚ መንእሰይ ክዛረበሉ ኣይመርጽን። ውልቃዊ ሓርነቱ ስለ ዝዀነ ይጽነሓለይ። ነየናይ ቀልጢፍና ንቐድሕ ግን ጉሉሕ ምስክር’ዩ።

ዝተጠብሰ ድንሽ እናጠጠመ የዕልለኒ ኣሎ። ክንደይ ከም ዝገበረን ኣበይ ቦታ ከም ዝነብርን ሓቲተዮ መሊሱለይ። ንዝሓተተኒ ድማ መሊሰሉ። “ካብዞም እንዳ ማይ ሰሓ እንዲኻ ደኣ” ብምባል ስሒቑኒ። ብኣንጻሩ፡ ንሱ ካብ ‘እንዳ ሽንቲ’ ምዃኑ ይሕብረኒ ኣሎ ማለት’ዩ። ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ንስኻ ዝረገጽካዮ ቅኑዕን ዘሕብንን’ዩ ብኣጠማምታ ኤርትራውያን። ዘይረገጽካዮ ድማ ብኣንጻሩ። እንዳ ማይ ሰሓ፡ ካብ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ብወረቐት ጥርናፈ ናብ ሃገራት ምዕራብ ዝኣተዉ ክዀኑ እንከለዉ፡ እንዳ ሽንቲ ድማ ህይወቶም ካብ ጽምኢ ብኡ ኣቢሎም እውን ካብ ሞት ንምድሓን፡ ሽንቶምን ሽንቲ ብጾቶምን ኣዋህሊሎም እናሰተዩ፡ ብምድረ በዳን ባሕርን ዝሓለፉ ዝልለዩሉ’ዩ። ንእግረ መገድኻን ኣብ ወግዕኻን ዝወጽእ ዋዛ ሓዘል መጸውዒ። ስደት ኤርትራውያን ዘስካሕክሕ ዳህሳሳዊ ጕዕዞ ክነሱ ዋዛ ኣይፍለዮን’ዩ። መሪርን ከም ሕማም ሕርሲ ተረሰዓይ ድማ። በቲ መሪር ጕዕዞ ከም ዝሓለፉ፡ ፈጺሞም ክዝክሩዎ ዘይደልዩ ብዙሓት ኣለዉ። ካብቲ ቃንዛን ምረትን ክስወሩ ስለዝብህጉ ይዀኑ። መባልዕትኻ፡ መሳትይትኻ፡ መሳሕቕትኻ ዝነበሩ ከም ዋዛ ይፍለዩን ይርስዑን። ሞት መሪር ሓቂ ክነሱ ከም ተራ ነገርን ጽውጽዋይን ተራዒሙ’ዩ – ኣባና ኣብ ኤርትራውያን። ቀደም ዘሰንብደናን ዘፍርሓናን ዝነበረ፡ ሎሚ ኣርዳእትን ኣጸናናዕትን ክንከውን ካልኢት ኣይትወሰድልናን። ሕማም ደሓርን ሕዱር ሕማምን እናዀነ ግን መጺኡ ኣሎ።

‘ናይ ሕማመይ’ ዕግበት የብሉን። “ሰሪሕካ ዘይትኣትወሉ ዓዲ ኰይኑ፡ ሲስተም ከቢዱ።” እናበለ የማርር። ሰለስተ ዓመት እናኣማረረ ኣሕሊፉዎ ኣሎ ማለት’ዩ። ካብ ምምራር ወጺኡ፡ ኣብዚ ከቢዱኒ ዝብሎ ዘሎ ስርዓተ ምሕደራን ሕብረተ ሰብን ንኽኣቱ ኸ ብሕጂ ክንደይ ዓመት ይወስደሉ ይኸውን፧ ኢለ ካብ ምሕሳብ ኣየቋረጽኩን። ከም ዝኸበዶ ደጋጊሙ ክሕብረኒ እንከሎ፡ ስግኣት ክስመዓኒ ጀሚሩ። መንፈስ ጋሻ ኸኣ ኣብ ቀረባ እንደኣሉ። ብዝተቐመጥናዮ ብዝሒ ዓመታት’የ ወሲደዮ። ሰለስተ ዓመት ንዝተቐመጠሉ ዓዲ ሓደ ዓመት ተቐሚጠሉ ኣለኹ። እዚ ድማ ርኡይ ፍልልይ ተመኩሮ’ዩ። ‘ኣብዚ ኣለኻ ማለት ኣብዚ ትነብር ማለት ኣይኰነን። ገለ ክትከስበሉ ግን ፈትን። ንእሽቶ ኢኻ ዘለኻ፡ ንኽትመሃር ዕድል ኣለካ፡ እዚ ዓዲ፡ ዓዲ ትምህርቲ’ዩ ዝመስል።’ ኢለዮ ሓውሲ ማዕዳን ርእይቶን። ማዕሪኡ ድማ ኣብ ስግኣት ንዝተሸመመት ነብሰይ። ከምቲ ዝብሎ ዘሎ እንተ ዀይኑስ እቲ ክብደት ከም ዘይንሕፈንን ኣማራጺታት ክፍትሽ ከም ዘለንን ውሽጠይ ይተዃቱዀኒ ነይሩ። ቀሪበዮም ዘጨንቑኒ እንተ ዘይኰይኑ ተስፋ ዝህቡ ኣጋጢሞምኒ ኣይፈልጡን። ካብ ትስፉዋት ኣዕሩኽን መዓልልትን ካብ ዝፍለይ ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ። ኣፍቃሪ ሃረርታ ኣብ ጸልማት ዝደምቕ መተዓልልተይ ወትሩ እናፍቖ። ብሓይሊ ብርሃን ውሽጡ ናብ ርሑቕ ምብራቕ ኣቢሉ ተዛዊሩ’ሎ። ናይ ሕማመይ እንዳ ጭንቀተይ ድሕሪ ምጥዋቑ ክረኽቦ ብዙሕ ተመንየ። ኣይኰነለይን። ንነብሰይ ናብ ንቡር ንኽመልሳ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ከም ዝወስደለይ የተሓሳስበኒ ነይሩ። ብኸምዝን ወዲ ኸምዝን ዝርሕቆም እናበዝሑ ይመጹ ምህላዎም ድማ ክሓብኦ ኣይደልን።

“እወ ንሱስ ሓቅኻ” መሊሱለይ። ደስ ክብለኒ ኢሉ’ዩ። እምበር ውሽጡስ ገና ኣይረገአን። መገዲ ስደቱ ብሕጂ እውን ዘቋምት ዘሎን ዝቕጽልን ይመስል። ናበይ፧ እንድዒ። መን ይፈልጥ፡ ምናልባት ናብ ኣመሪካ፡ ኒውዝላንድ፡ ኣውስትራሊያ፡ ካናዳ ወይ እውን ናብ ኤርትራ ኣቢሉ ንኽምርሽ ኣብ ሓሳብ ይህሉ ይኸውን። እወ ናብ ኤርትራ። ካብ ኤርትራ ተሰዲድካ ናብ ኤርትራ ምስዳድ እውን ኣሎ’ንድዩ። ምምላስ ዘይኰነስ ምስዳድ። ኣብቲ ብሕጂ ዝስደዶ ኸ ይሰክን ዶ ይኸውን፧ ኣብ ኣእምሮኡ ከም ቈጽሊ ቀንጢብካ ዘይውዳእ ገንዘብ ዶ ይረኣዮ ይህሉ፧ ክፈልጥ ኣይክእልን’የ። ሓደ ነገር ግን ኣስተውዒለ። ተመስገን ርሒቑና፡ ኣብ ጐረባብቲ ዘሎ ኤውሮጳ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ኣመሪካ፡ ኣመሪካ ዘሎ ኤርትራ ምምዕዳው ኰይኑ ናብራና። እቲ ንደልዮ ስለ ዘይንፈልጥ ናብ ንስደዶ እውን ኣይንፈልጥን ኢና። መቸም፡ እግሩ ናብ ዘንቀሎ ሓደ መዓልቲስ በተግ ምባሉ ዝተርፎ ኣይመስልን። ከይልክመኒ ካብ ምፍራሕ ዓዲ ኣይወዓልኩን። ርግኣት እምነየሉ። እንተ ነቒሉ ግን መገዱ ከም መጽዓን ይጠቕልለሉ። ዝቐስነሉ ዓዲን ዝማምቘሉ ንእድን ይፍጠረሉ ካብ ምባል ንላዕሊ ዝብሎ የብለይን። ነገረ ስደት ኤርትራውያን ካብ ተላዕለ ከምቲ እግርና ናብ ዝመርሓና እንጓዓዞ፡ እግርና ኣብ ዝረገጾ ኵሉ፡ ገንዘብና፡ ስቅያትና፡ ህይወትና’ዩ ተነጺፉ ዘሎ። ገና ዘብቅዕ እውን ኣይመስልን።

እቲ ከቢድ ዝበሃል ዘሎ ስርዓት ግን እቲ ኣብ ኤርትራ ስኢንናዮ ኣለና እንብሎ ምዃኑ’ዩ። ሃገረ ሆላንድ ከም ሰተታ ዝተሰጥሐት ጐልጐል እያ። ነበርታ ድማ ኣብ ሰተታ ከም ዝደቀሰ ጣይታ ዝደቀሱ’ዮም። ስርዓተ ምሕደራን ሕብረተ ሰብን ሆላንድ፡ ንዘይለመዶ ብርግጽ ክብድ ዝበለ’ዩ። ብኣንጻሩ ግን ቀሊልን ብሓንቲ መፍትሕ ክኽፈትን ይኽእል፡ ብምሕታት። ብዝነብረሉ ኣከባቢ ክርእዮ እንከለኹ፡ ቁሩብ ኣንፈት ጉዳይካ እንተ ኣትሒዝካዮ ክሕግዘካ ቅሩብነት ዘለዎ ምቕሉል ህዝቢ እትውንን ሃገር እያ – ሆላንድ። ፍቓደኛ ምስ ዘይትኸውን ግን ፍቓደኛታት ኣይኰኑን። ምርጫኻን ውልቃውነትካን የኽብሩልካ። ዝገብሩዎ ኵሉ ንገንዘብ ኢሎም ኣይገብሩዎን። ካባኻ ዝጽበዩዋ ሓንቲ ስብሕቲ ምስጋና ጥራይ’ያ። ኣመስጊንና’ውን ዘይንኽእሎ እንዶ’ሞ ኴንና።

እታ ምሕታት ከ መን ይኽኣላ፧ ብኣፉ ዘየስልጥ ብኢዱ’ዩ ዝቐሎ። ኣብ ዓድና ገንዘብ’ዩ መሳርሒ። ንዝግበኣካን ዘይግበኣካን፡ ገንዘብ ይሃሉ እምበር ኵሉ ብገንዘብ ይስራሕ። ኣግልል ኣቢልካ ሓደ ክልተ ዋንጫ ስዋ ዘገለልካዮ ሓሲሙ ኣይሓስምን’ዩ። ሓደ ክልተ ጓዕጓዕ መሎቲ እሞ ኸኣ ሕልፊ ኣለወን። ሃራሚ’ኳ ዝደግም እናበልካ ድግምግም ምስ እተብሎ ጉዳይ ሰሊጣ። ኣፍካ ብዕብሱ ብገንዘብ ትዛረብ። ሓንሳብ ሓንሳብ ግን ዝግሕምጠሉ እዋን ኣሎ። ቀጻሊ ክጋበዝ ዝደለየ ንጉዳይካ የንጠልጥላ። ጁባ ዕርቕ ዝበለቶ ምስ ዝኸውን፡ ክሳዕ ኣኺሉ ዝተርፎ የራግፈካ። በሊዑ ንበላዒ ዝህበካ እውን ኣሎ። ንበይንኻ ጐራሕ ዝመስለካ ዝነበረ ብጐራሕ ትኽተር። ሽዑ ምልማንን ምምስሳልን ይኸውን። “ኣብዚኣ ጥራይ ኣዐውተኒ እምበር ዝገብረልካ ኣይስኣንን፡ ክንተሓጓጐስ ኢና” ጣውላ እናደሰቕካ ዘሎ መብጽዓ ኣይንርኣዮ። ልዕሊ እቲ ኣራጊፍካዮ ዘለኻ ከተራግፍን ክትውትፍን መሊስካ ቃል ትኣቱ። ኤርትራውያን ነዚኣ ዝኸኣልና እውን ከይንድርበ ኢሉና’ዩ። ካብ ዓዲን ጐረባብቲ ሃገራትን ወጺኣ እንዶ እሞ ዘይተስርሕ ኰይና። ሓቲትና ስለ ዘይንኽእሎ ብሕቶ ዝኽፈት መዓጹ ይዕጸወና ኣሎ።

ይቕጽል….

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ – ገንዘብ
Next Article ኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ-ገንዘብ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?