Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ- ገንዘብ

ኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ- ገንዘብ

0
By Mekonnen T. on June 2, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

Berhane Gebrehiwot

ቀዳማይ ክፋል

ደቂ ሰብ ካብ ሃድንን ምምእራርን ተገላጊሎም ሕርሻ ምስ ጀመሩ፡ ንጥፈት ዕዳጋኦም ዓይነት ብዓይነት ምልውዋጥ ነይሩ። ነቲ ዘይብሎም በቲ ዘለዎም እናተለዋወጡ ጸገሞም የቃልሉ ነይሮም። ድሒሮም ግን ባጤራ ኣማዕቢሎም። ኵሉ ድማ ብባጤራ ተዓዪሩ። ባጤራ ንባጤራ ክወዳደር ጀሚሩ። ባጤራ ንኽትሰርሕ እውን ባጤራ ኣድልዩ። ገሊአን ሃገራት ከም ሓደ ጽላት ፖሎቲካ ክርእያኦ ጀሚረን። ክሳብ ባጤራ ጥራይ ዘፍሪ ትካል ምውናን ኣኻሊ ኰይኑ ድማ ረኺበንኦ። ፖለቲካን ቍጠባን ኵሉ ግዜ ተፈላላዮም ዘይከዱ ክልተ ገጽ ሓደ ሳንቲም ኰይኖም። ፖሎቲካ፡ ጸጋታት ንምቍጽጻር ዝካየድ ምኽኑይ ሓሶት ክኸውን እንከሎ፡ ቍጠባ ድማ ዓንዲ ሕቖኡ እናዀነ መጺኡ። መሰረት ቍጠባ ከኣ ባጤራ። ኣብ ፖለቲካዊ ቍርቍስ ሕይል ምስ እትብሎም፡ ብቍጠባ ክሓንቁኻ ይፍትኑ። ብዝቕባበ ንባጤራኻ ካብ ዕዳጋ ይመጽዩዎ እሞ ካዝናታትካ ባዶ ይተርፍ። እታ ባጤራ እተፍሪ ትካል እንተ ዘይጸኒሓትካ ድማ ኢድካ ምሃብ ይኸውን።

ኣመሪካውያን ኣብ ገንዘቦም፡ “We Trust in GOD – ዊ ትራስት ኢን ጋድ” ዝብል ለጢፎም ይርከቡ። ቀጥታዊ ትርጕሙ፡ ኣብ ኣምላኽ ንኣምን” ምዃኑ’ዩ። ግዳ እዚ ንኣምላኽ ዝውክል ቃል ብኣሕጽሮተ ቃል ኰይኑ፡ ንወርቂ፡ ነዳዲ፡ ኣልማዝ ዝዝርዘር’ዩ በሃልቲ ኣይተሳእኑን። ሓቆም ድማ፡ ኣብ ኣምላኽ ዚኣምን፡ ፈሪሃ ኣምላኽ ዘለዎ፡ ኣብ ሂሮሽማን ናጋሳኪን ጃፓን ንሰብ ዘጽንት ኒኵለሳዊ ቦምብ ኣይምደርበየን። ስለዚ፡ እቲ ‘ኣብ ኣምላኽ ንኣምን’ ዝብል ቀጥታዊ ትርጕሙ፡ “ኣብ ወርቂ፡ ነዳድን ኣልማዝን ንኣምን” ይኸውን ኣሎ። ምስ ኣካይዳኦም፡ ብልክዕ የምስልን ይመስልን። እዞም ሰለስተ ነገራት ካብቶም ኣብዚ ዓለም ብቀዳምነትን ብኽብርን ተራእዮም፡ ዋጋ ዝኽፈለሎም ነገራት እዮም። ገሊኦም መጋየጺ ገሊኦም ድማ መሳለጥን መጋየጽን እዮም። ኣብቲ ዓለማዊ ሃይማኖት እውን ብልክዕ ተወቂጦም ኣለዉ። ገንዘብ እንተ ዘየሎ ምግያጽ፡ ምርጋጽ፡ ምኽዳን፡ ምብላዕ የሎን። ገንዘብ ንኽህሉ ከኣ ምኽታር፡ ምዕማጽ፡ ምንጋድ መጺኡ። ሰብ ንኽደንን ንኸጋይጽን ንሰብ የታልል፡ ይወርርን ይጐብጥን፡ ይኸትርን ይዕምጽን። ሓመድ ዘልኣለማዊ ልብሱ ምዃኑ ዘንጊዑ፡ ካብ ሓመድ ንክርሕቕ ብገንዘብን ንገንዘብን ሓመድ ይማሰል።

ዋኒን እቶም ዝካየዱ ውግኣት ነዘን ሰለስተን መሰልተንን ማዕድናት ንምግባት’ዩ። ኣብ ጥንታዊ ዓለም፡ ኵናት ግዝኣትካ ንምውሓስ ነይሩ። ዕርድታት ሃኒጽካ ሓለዋኻ ትቕጽል። ኵናት ከም ምንጪ ሓበንን ኵርዓትን ዝውሰደሉ፡ መገዲ ዝና ዝዀነሉ መዋእል እውን ነይሩ። ትወርር ወይ ከይትውረር ትኸላኸል። ሃይማኖት ኣመሳሚስካ፡ ብስም ሃይማኖት ዝተኻየዱ ኣምላኽ ዘይእዝዞም ውግኣት ከኣ ነይሮም። ደረጃ ናይቲ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ካብኡ ዝሓልፍ ኣይነበረን። ኣካይዳ ጥንታዊ ዓለም ጠቕሊሉ ሃሲሱ’ዩ ዝብል መደምደምታ ኣብዚ እዋን እዚ’ውን የለን። ንዘመናዊ ቅድን ፍልስፍናን ኵናት ዘይመለኹ ኣብኡ ጨብረቕ ክብሉ ይረኣዩ’ዮም። ኣብ ዘመናዊ ዓለም፡ ኵናት ርእሱ ዝኸኣለ ጽላት ቍጠባ ኰይኑ ኣሎ። ክንደይ ተፈንጃሪ ተኲስካ ክንደይ በርሚል ነዳዲ፡ ክንደይ ኩንታል ወርቂ ወይ ኣልማዝን መሰልቶምን ትሓፍስ’ዩ። ኣመሓደርቲ ቅልውላው፡ በቲ የናኽሱኻ በቲ ድማ ካብ ፍርያት ናይተን ባጤራ ዘኻዕብቱለን ፋብሪካታት ኣጽዋር ውግእ የሕቍፉኻ። ስለዚ፡ ኵናት ከም ምንጪ ኣታውን ከም መቘጻጸሪ ብዝሒ ህዝብን ኣብ እትጥቀመሉ ዓለም ንነብር ምህላውና ዘሕዝን’ዩ።

ይቕጽል….

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleልደተ ኤርትራ ካብ ማህጸን መግዛእቲ ኢትዮጵያ!
Next Article ኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ – ገንዘብ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?