Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኣብ ውሽጥኻ ሓደ ጸሓፋይ ኣሎ

ኣብ ውሽጥኻ ሓደ ጸሓፋይ ኣሎ

0
By Mekonnen T. on November 26, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

ተሰዊሩካ እንተ ሃልዩ፡ እንታይ ከም እትጽሕፍ ዝነግረካ ንሱ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ተኣምረኛ ጸሓፋይ ጥራይ ኣናዲ። ንሱ ክሳብ ናጻ እትብሎ፡ ኣብ ድጓና እዩ ዝነብር ዘሎ። ተመላለሶ፣ ተጸናጸኖ፣ ኣዒንትኻን ኣእምሮኻን ካብ ግዳም ከዊልካ ሃሰስ በሎ – ናብ ጥርዚ ዕምቈቱ ከጥሕለካ እዩ። ኣብኡ፡ ሕልሚ ዝመስሉ ትንግርትታት ክጸንሑኻ እዮም። ዕምቘት ሓሳባት ዝገልጹ ምስልታት። እዚ ተኣምረኛ ጸሓፋይ ሳሕቲ ጐፍ ክብለካ ከሎ፡ ጐራሕ ተጸናጻናይ – ንፉዕ ሓምባሳይ – ቅልጡፍ መንጣሊ – ሰናይ ሰራቒ ኩን። ካብ ምትሃትካ ኢኻ ክትሰርቕ – ካብ’ቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ትንግርተኛ ጸሓፋይ።

እቶም ብናይ በይኖም ቅዲ/ድምጺ ዝተለለዩ ጸሓፍቲ ኩላቶም፡ ነቲ ሓቀኛ ድምጾም፡ ብሃውሪን ንእግረመገዶምን እዮም ረኺቦሞ። ግርህነታዊ ወይ ተፈጥሮኣዊ ኣጸሓሕፋ፡ በቲ ሓቀኛ ኣበሃህላኻን ኣረኣእያኻን ኣቢልካ፡ ድምጽኻ ምውጻእ ብምዃኑን ልክዕ ከም ናትካ ድምጺ ዘለዎ ስለ ዘየለን፡ ናይ በይንኻ እዩ። ፍጥረትካ ዝዓደለካ የማናይ ሸነኽ ሓንጎል (ትሕተ-ውኖኻ)፡ ብእጓማት ጥበብ ዘዕለቕለቐ እዩ። እናሻዕ ጥበባት ካብ ምእጓም ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን። እንተ ኣበራቢርካዮ፡ ጽላለን ሕልምን ዝመስሉ ሓሳባት ከቕርበላካ እዩ። እዚ ሓንጎል እዚ፡ ቀባኣይ እዩ – ሪያሊዝም ዝጽየን ቀባኣይ። ስምዒታት ዝረኽቡ ሓሳባት ናይ ምፍሳስ ምሉእ ዓቕሚ ኣለዎ። ምስለ-ሓሳባት ይልእኸልካ እንተ ሃልዩ – ዕድለኛ ኢኻ። ምኽንያቱ፡ ነቲ ምሳኻ ዘሎ ክትረኽቦ ጀሚርካ ስለ ዘለኻ። ንሱ ዝበለካ ከም ዘለዎ ኣስፍሮ። ዋላ’ውን ዘይተኣሳሰሩ፡ ወረ ብጥራሹ ዘይራኸቡ ዝመስሉ ነገራት ኣብ ወረቐት ዝርኣዮም። እቲ ዝኸበረ መዓድን፡ ኣብ ፈለማ፡ ምስ ሓመዱ ከም ዝወጽእ ዘክር። ዝጸበቐ ምስሊ ኸኣ፡ ምስ ጽላለ እዩ ዝመጽእ። ነቲ ጥንግናግ ምስሊ-ሓሳብ ዘለሊ፡ ርዱእ ከም ዝኸውን ገይሩ ዘመዓራሪ፡ ዘጻሪ፡ ቅደም ተኸተል ዝሕሉ. . . ንፉዕ ተቘጻጻሪ ኣለካ። እቲ ቀማሪ – ጸጋማይ ሸነኽ ሓንጎልካ።

መለኮታዊ ሓይሊ ዝውንን የማናይ ሸነኽ ሓንጎል፡ ናይ ፈጣሪ ህያብ – ንኹላቶም ፍጡራቱ’ዩ። ፍጥረት ዝፈጠሮ ደኣ’ምበር፡ በቲ ድሕሪ ፍጥረት ዝተፈጥረ ትምህርትን ተመኵሮን ኣይተሰርሐን። እዚኣቶም፡ መመላእታ ደኣ’ምበር መበገሲ ኣይኰኑን። ወዲ ሰብ፡ ኣካል ናይ’ቲ ዓቢ ኣድማስ ፈጠራ ምዃኑ፡ ሓያሎ ተመራመርትን ጸሓፍትን፡ ብመጽናዕትን ግብርን በጺሖሞ እዮም። ብቐንዱ ኸኣ፡ ካብ’ቶም ኣብ ውሽጡ ዘለዉ ናይ ፈጠራ ዘርእታት ወይ ድቅታት ተፈልዩ ክነብር ዝኽእል ኣይኰነን። ኣብ ውሽጡ ሓዲጉዎም ናብ ግዳም እናቋመተ ሒዙዎም ዝመውት ውሑድ ከም ዘይኰነ ግን ዘክር። ምናልባት ሓደ ካብኣ’ቶም ከይትኸውን፡ ናብ ውሻጠኻ ገጽካ ግልጽ በል።

ዓበይቲን ሰብ ዝናን ጸሓፍቲ፡ እቶም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ካባኻ ኣመና ዝረሓቑ ኰይኖም ዝስምዑኻ ጥበበኛታት፡ በቲ ንዝተፈጠረ ዝፈጥር ጕዳመኛ ኣእምሮኦም እዮም በጺሖሞ። ኩሉ’ቲ ክትፈጥሮ እትደሊ፡ ኣብ’ቲ ዓቢ ኣድማስ ፈጠራ ኣሎ። ንሱ ድማ ኣብ ነብስኻ እዩ ዘሎ። ተደጒሉ ኣሎ – ነቲ ድጉል ኣውጺእካ ቃልቃል እናበለ ብርሃኑ ከም ዝረአ ናይ ምግባር ትዕድልቲ እውን ኣብ ኢድካ ኣሎ። ፈጠራዊን ተፈጥሮኣዊን ኣጸሓሕፋ፡ ካብ ርክብ ምስ ውሽጢ (ሓንጎል)፡ ድልየትን ጸዓትን ከም ዝነቅል ተመራመርቲ ናይ’ዚ ዓውዲ ይኣምኑ። ኣብ’ዚኣቶም ክትበጽሕ እንተ ዘይክኢልካ ግን፡ መስርሕ ጽሑፍ ከቐጽለካ ብዘይክእል ብድሆታት ተጋሪዱ ክጸንሓካ እዩ። ኣብ ጽሑፍ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ስነ-ጥበብ፡ ምምስራት ስድራ-ቤት፡ ኣብ ንግዲ፡ ኣብ ምርምር ጠፈር፡ ሕክምናዊ ምርምር. . . ኮታ ኣብ ኩሉ መዳያት ምህዞ፡ ነዞም ሰልስተ ነገራት ኣበራብሮም።

ናይ ዓበይቲን ጥበበኛታትን ሰባት ጽሑፋ ምንባብ፡ ኣረኣእያኻ ንኽሰፍሕ፡ ኣእምሮኻ ሓሳባት ንኸፍልቕን ብዙሕ ኩርናዕ ከርእየካን ከም ዝዀነ ሕቶ ዘድልዮ ኣይኰነን። ናይ’ቶም እተድንቖም ጸሓፍቲ ቅድታት ኣጸሓሕፋ ምፍታን እውን፡ ናብ’ቲ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ቅዲ፡ መንገዲ ክዀነካ ከም ዝኽእል ምኵራት ይገልጹ። ግን፡ ጉዕዞኻ ከም ፈሳሲ ኣይኹን። ተሰሪሑ ወይ ዓሚቝ ብዝጸንሓካ መንገዲ ጥራይ ኣይትውረድ። ናብ ውሽጥኻ ናይ ዘእትዉ መሳዅቲ መዓጹ ክኽፈቱ ከለዉ፡ ተጸናቲኻ ህሩግ በል። ኣብ’ቲ ብግሩምነትን ተምሳጥን ዝተመልአ ዒላ፡ ንሕግታት ምስለ-ሓሳብ እምበር፡ ንሕግታት ኣጸሓሕፋን ቃላትን ረስዓዮም።

ክትዛረብ፡ መልእኽቲ ክትነግር፡ ክትረዳዳእ፡ ካብ ተመኩሮኻ ተበጊስካ ገለ ዛንታ ክትነግር፡ መባእታዊ ዝዀኑ ምሉኣት ሓሳባት ክትጽሕፍ፡ መዘክራት ክትምዝግብ. . . ትኽእል እንተ ዄይንካ፡ ናይ ምጽሓፍ ሽግር የብልካን። ካብ ጕልባብ ግዳም ክትወጽእ እንተ ኽኢልካ ከኣ፡ ተፈጠሮኣዊ ኣጸሓሕፋ ምሳኻ ኣሎ።

ኣብ ተፈጥሮኣዊ ኣጸሓሕፋ፡ ኣፍልጦ ናይ ስሩዕ ስዋስው ቅድመ ኩነት ኣይኰነን። ብስዋስው ውርጹጽ ምዃን ማለት፡ ንፉዕ ጸሓፊ ምዃን ማለት ከም ዘይኰነ፡ ንውሽጥኻ ምስ ረኸብካዮ ክገሃደልካ እዩ። ኣብ ብርዕን ወረቐትን፡ እቲ ንስኻ እትሓስቦ ወይ ብግርህነታዊ ኣዘንትዋ ክትብሎ እትኽእል እምበር፡ ንጽሑፍ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ወይ ዝተሓዝኣ ቃላት ከም ዘየለ ኣስተውዕል። ኣብ ወረቐት እተስፍሮ እቲ ኣብ ኣእምሮኻ ዘሎ ጥራይ እዩ።

ንእሽቶይ ከለኻ፡ ብነገራትን ፍጻመታትን ትግረምዶ ነይርካ? ኩሉ ነገር ሓድሽ፡ ኩሉ ነገር ከኣ ትርጉም ዘለዎ ኰይኑ ምስ ተሰመዓካ፡ ብስእለ-ኣምሮኻ ትገልጾ ነይርካ። ነቲ ናይ ንእስነትካ ትዕድልቲ ተመሊስካ ግልጽ እንተ ኢልካዮ፡ ወይ እውን እንሓንሳብ ከይደቀስካ ምሕላም እንተ ክኢልካዮ፡ ተፈጥሮኣዊ ኣጸሓሕፋ ኣብኡ ከተለልዩ ኢኻ። ሓሳባትካ ብቐሊሉ ክትገልጽ፡ ናይ በይንኻ ፍሉይ ናይ ኣገላልጻ ቅዲ ከተግህድ፡ ናብ ነብስኻ ተመሊስካ ጐርጕር።

ጸሓፍቲ፡ ክፍጠሩ ከለዉ “born writer” ኰይኖም ከም ዝተፈጥሩ ካብ ዝኣምኑ ሰባትዶ ትኸውን? እወ. . . ኣብ ጥንቲ፡ እቶም ጸሓፍቲ ዝበሃሉ፡ ኣብ ናይ በይኖም ዓለም፡ ምስ መናፍስቲ ከም ዝራኸቡን ኣብ መንፈሶም ተወሃሂዶም ከም ዝጽሕፉን ዳርጋ ቅቡል ኰይኑ ዝነበረ ጽውጽዋይ፡ ናይ ሃውሪ እምነት ከም ዝዀነ ብሳይንሳዊ መጽናዕቲ ተረጋጊጹ እዩ። ኩሉ ሰብ፡ ተፈጥሮኣዊ ኣጸሓሕፋ ምስኡ ከም ዝተወልደ ዘየማትእ መደምደምታ ፈላጣት ካብ ዝኸውን ውሑድ ግዜ ኣይሓለፈን። ብርቂ ብዝዀኑ ጸሓፍቲ ንድነቕ ኢና፣ ከመይ ኢሎም ጸሓፍቲ ክዀኑ ከም ዝኸኣሉ እውን የሕስበና ይኸውን። እቲ ከሕስበና ዝነበሮ ግን ካልእ እዩ። ‘ስለምንታይ ኩላትና ብርቂ ጸሓፍቲ ክንከውን ዘይከኣልና?”። ምኽንያቱ፡ እቲ ትዕድልቲ ምስ ኩላትና ስለ ዘሎ።

“ወትሩ ብፍጹም ፍሉይ ሰብ ምዃንካ ዘክር፣ ልክዕ ከም ኩሉ ሰብ” – ጥቕሲ ማርጋረት መድ፡ ነብሲ-ወከፍ ሰብ፡ ናይ ገዛእ-ርእሱ ፍሉይ ዝዀነ ክእለት ከም ዘለዎ እዩ ዝነግር። እምበኣር፡ እቶም “born writer” ዝተባህለሎም፡ ነቲ ተናፋቒ ናይ ንእስነት ትንግርቲን ግርህነታዊ ኣበሃህላን ከየህሰሱዎ ዝዓበዩ፡ ወይ ድማ እንደገና ከስርርዎ ዝኸኣሉ እዮም።

ሕልኽልኽ ንዝበለ ምስለ-ሓሳብ፡ ብግርምቢጥ ኣበሃህላ ከተንብሮ እናማእመኣካ፡ “ጽሉል’ኳ ይብሉኒ” ኢልካ ትፈልጥዶ? – ወይ ድማ፡ ከም’ቲ “ሓባልስ መጠመቲኣ ትኻሓል” ዝብል ምስላ፡ ዕርቃንካ ኣውጺኡ መፍቶ ዳእላ ኣንበበቲ ዝገብረካ ኰይኑ ተሰሚዑካ ይፈልጥዶ? – ክሳብ ሎሚ፡ ኣብ’ቲ ባዕልኻ ዝሰራሕካዮ “ናይ ራዕዲ ዞና” ተቐቢርካ ከይትህሉ!!! ኣንታ ጸሓፋይ ብናይ ምዃን ባህጊ ትርበጽ ዘለኻ! — ውጻእ. . ውጻእ. . ውጻእ. .! ካብ ግዳም ወጺእካ፡ ኣብ ውሽጥኻ ተደበ – ካብ ዓለም ቃላት ሃዲምካ ናብ ዓለም ምስሊ ኢድካ ሃብ!

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleገጣሚ፡ ንገጸባህርያቱ ብቋንቋኦም እምበር፡ ብቋንቋኡ ከዛርቦም ኣይግባእን
Next Article ሓጸርቲ ርእይቶታትን ሕቶታትን ኣስተማቐርቲ መጽሓፍ “ማህደር ኑረነቢ”ን መልሲ ተስፋዬ ገብረኣብን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?