Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»“ኣብ ቅርዓት መቓብር”

“ኣብ ቅርዓት መቓብር”

0
By Mekonnen T. on April 9, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብዓወት መንግስትኣብ

ኣብታ “ኽራፈ” ትብሃል ካምፕ (መቓብር ማለት እያ) ቈልዑ ዝጻወቱላ ቅርዓት ኣላ። ኣብ ማእከል እታ ቅርዓት ህዝባዊ መኾፈሊት ኣላ። ኣብኣ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ተኾይጡ ኣሎ። ንሱ ኣነ እየ። ከም ወትሩ፡ ነቲ ክቐትለኒ ዝሕንሕን ግዜ ኣብዛ ሓላፊ ተራፊ ዝርእየላ ገዛኢት መኮፈሊት ኮይነ ክቐትሎ እየ። ኣብ ከባቢየይ ከም ገጸ ባህርያት ዝርእዮም ስጋ ዝለበሱ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ስደተኛታት ኣለዉ። ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት እዮም። ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን፡ ኤርትራውያን ኢና ዝብሉ ኢትዮጵያውያን፡ ሶርያውያን ….. ሓንሳብ እስከ! ሓደ ዓይኑ ጒዱእ ገጸ ባህሪ ናባይ ገጹ ይመጽእ ኣሎ። ተላለይዎ፡ ዘርኣይ-ሳሃራ እዩ ዝብሃል። ኣብ ምድረበዳ ሳሃራ ካብ መኪና ስለ ዝወደቐ ጸጋመይቲ ዓይኑ ተጎዲኡ እዩ። ከመይ ኢሉ ከም ዝወደቐ ብውሕዱ ሰላሳን ሰለስተን ግዜ ተሪኹለይ ኣሎ። ንቓለ-መሕትት ክትጠቕሞ ስለ ዝሸምደዳ ነታ ሓደጋ የውጣ ከየጒደለ እዩ ዝፈትላ። ከዕልለኒ እንከሎ ከምዚ ንመጀምርታ ግዜ ዝረኸበኒ ጋሻ ሰብ ብተመስጦ ስለ ዘዘንትወለይ እምብዛ’ዩ ዝገርመኒ። እንሆ ድማ ሕጂ ይመጽእ ኣሎ። ኣንታ ፈጣሪ ነዚ ሰብኣይ እዚ እንዶ ግዘመለይ! ኣፉ ኣፍ ላም ግበረለይ! ገበታ ጸሎተይ ከይወዳእኩ ነታ ጒድእቲ ዓይኑ እናሸንቀረ ናይ እዝግሄር ሰላምታ ኣውሒዙለይ ኣሎ።

“ለንቅነ ኣይርእየካን ኣለኹ” ክኸደለይ እናተጸበኹዎ ንስያፍ እናጠመተኒ ናባይ ገጹ ተጸጊዑ ኣሎ። ከምኡ ደኣ ዘይሓልፈለይ ኮይኑ’ምበር ቅድሚኣ መዓልቲ ተራኺብናስ በታ “ዛንታ ሳሃራ’’ ኣሳቕዩኒ እዩ።
“ደሓን ዶ ኸ?” ኪደለይ ብዝመስል ኣገባብ ኩነታቱ ሓቲተ ማዕዶ ማዕዶ እጥምት ኣለኹ።
“ነመስግኖ!” ኢዱ ዘርጊሑ ንላዕሊ ገጹ ከንቃዕርር እርእዮ ኣለኹ። ኦሮማይ! ኣንቃዕሪሩ “ነመስግኖ” እንተ ኢሉ ደኣ እታ ዛንታ ክትስዕብ እንድያ። ካብ ዝፈራሕኩዎ ኣይወጻኣኩን፣ ስዒባ ኸኣ።
“ኣብ ሳሃራ ሞይቱ ኢሎም ቀቢሮሙኒ ኔሮም እዮም። እቲ ሊብያዊ ዕጸ ፋርስ ወሲዱ ስለ ዝነበረ፡ ነዛ መኪና ከም ንፋስ እዩ ዘጒይያ ኔሩ። ወዲቐ ሃለዋተይ ምስ ኣጥፋእኩ ‘ቅበሩዎ’ ኢልዎም ኔሩ። ኣምላኽ ኣለኻ ክብለኒ ግን …..

እንታይ ገደሰኒ ዝሰምዖ! ንሱ እናተዛረበ ብዝኽሪ ምርቅፍከ ዘይብል?! … ሓደ መሳርሕተይ ነይሩ። ሓንቲ “ኣቦይ በላይ ኔሮም” ኢሉ ዝጅምራ ካካይ ዝኾነት ዕላል ነይራቶ። እዛ ፈጺማ ዘይተስሕቕ ዳእላ፡ ዘይተስሕቕ ብምዃና ጥራሕ ካብ ልቢ ተስሕቀኒ ነይራ። ደሓን ይእተዉ ኢንዶነዥያውያን ንኸምዚ ዝበለ ዘየስሕቕ ብምዃኑ ዘስሕቕ ዳእላ ትገልጽ ያዩስ ( Jayus) ትብል ቃል ኣላቶም (እላገጽ ኣይኮንኩን ዘለኹ)። ብምድግጋም ዝኣክል ካብ ትራጀዲ ናብ ኣሰልካይ ዕላል ንዝተቐየረት ጽዋ ትኸውን ቃል ግን የብሎምን። እስከ ንግዚኡ ክልተ ቃላት ሓናፊጽና “ትራልካይት” ንበላ (ግር ከይብለኩም “ትራልካይት” ካብ ትራጀዲን ኣሰልካይትን ዝተዳቐለት እያ)

ዘርኣይ-ሳሃራ ‘ትራልካይቱ’ ከይዛዘመ ጸሃየ ወዲ-ባጽዕ ናብታ ቅርዓት ገጹ ክመጽእ ብጎቦ ዓይነይ እርእዮ ኣለኹ። ተመስገን! ቊሩብ ደንጒዩ እምበር ኣምላኽ ጸሎተይ መሊስዎ ኣሎ። ዘርኣይ-ሰሃራን ወዲ ባጽዕን ዓይንን ሓመድን እዩም፣ ዘርኣይ-ሰሃራ፡ ዕቡድ ከልቢ እዩ ዝብሎ። ወዲ ባጽዕ፡ ብመሰረቱ ተጋዳላይ ዝብሃል ኣይፈቱን እዩ። ኩሉ ነገራቶም፡ ብዘይካ እታ ዘምጹኡልና ናጽነት፡ ቅጭ እዮም ዘምጽአለይ ክብል ሰሚዐዮ ኣለኹ። ብዝኾነ ካብ ናይ ዘርኣይ-ሳሃራ ትራልካይት፡ ናይ ወዲ-ባጽዕ ቀንጠመንጢ ምስማዕ ይሓይሽ። ወዲ ባጽዕ ክሕወሰናን ዘርኣይ-ሳሃራ ዕላሉ ኣቋሪጹ ስቱኽ ክብልን ሓንቲ ኾይኑ’ሎ። ግርም!
“ወዲ ባጽዕ፡ ኣታ ሽኮር” ናይታ ዘናገፈኒ ካሕሳ ንወዲ-ባጽዕ ብምዉቕ ሰላምታ ተቐቢለዮ ኣለኹ።
“ብዛዕባ እታ ቈልዓ ሰሚዕካዶ?” ወዲ ባጽዕ፡ የማነ ጸጋሙ ቀባሕባሕ እናበለ ወግዒ ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ዘረባ ብዛዕባ እታ ምሉእ ካምፕ ዓይኑ ዘውደቐላ ዘቢብ ‘ትብሃል ኤርትራዊት ምዃኑ ቆብ ኣቢለዮ ኣለኹ። ንሳን ኣዲኣን ብሸነኽ ጸጋም ናይታ ቅርዓት እዩ ገዘአን። ምናልባት’ውን ብመስኮት ተቐሊቂለን ይርእያና ይህልዋ እየን።
“ኣርጊጽካያ ዲኻ?”
“ኪድ! እንታይ ከርግጻ ደኣ። ኣይ እቲ “ባምበ” ‘ንብሎ ገዚፍ ናይጀርያዊ እንድዩ ሒዝዎ ዘሎ። ኣይሰማዕካን ዲኻ? ትማሊ ምሸት ኣብ ገዛኡ እንድያ ኣምስያ። ኣይተኻእለን። እንድዒ ከኣ’ምበር ካብ ዓዱ ናይ ተኳሪር ተማሊኡ ኣሎ። ካብቲ ግናይ፡ እንታይ ኢኻ ትብሎ … ድማ የትክኽ እዩ ኢሎሞ”
“እንታይ ትብል ወደይ? ዝሒልካ እንዲኻ ወዲ ባጽዕ ዓርከይ። እሞኸ ደኣ ሕጂ?”
“ሕጂ ደኣ ዋላ ነታ ኣዲኣ ክሓታ እየ። ንሳስ ሕራይ ትብል ትኸውን እያ።”
“ነታ ዓባይ ሰበይቲ?” ሰሓቐይ ክቆጻጸሮ እፍትን ኣለኹ።
“እንታይ ደኣ እሞ! ተወዲእና እኮ። ሱቕ ጥራይ በል ሓንቲ ኣይትብለንን እያ። ደሓን እኮ እያ፡ ‘ቺንኳንታ ቹንከ’ ዶ ትገብር ትኸውን?”

ገና ዕድመ እታ ሰበይቲ ከየጣለልና ‘ዓያን’ እታ ሶማላዊት ትመጽእ ኣላ። ምስኣ ተዳናግረኒ ‘ሙና’ ትብሃል ስርኤል ዝኾነት ማንታኣ ኣላ። ክልቲአን ኣብ ጎሮረአን ቀስ መበሊ የብለንን። ብሓፈሽኡ ሶማላውያን ካብቶም ቀስ ኢልካ ምዝራብ ዘይክእሉ ህዝቢ እዮም። “ክልተ ሶማል ዳርጋ ዕዳጋ” ካብ ባዶ ኣይተመሰለትሎምን። ጌጋ ይኽላኣለይ እምበር ‘ዋ ኩጂዓለሀይ’ ብሶማሊ “የፍቕረካ እየ” ማለት እዩ። ነታ ቃል ልስልስ ኢሎም ስለ ዘየውጽእዋ ከምዚ “ባዕልኻ ትፈልጥ!’ ዝብሉ ዘለዉ ኮይና’ያ እትስማዓኒ። ደድሕሪ ዓያን፡ ሙና ክትስዕብ እያ። ኣይበልኩንዶ! ሙና መጺኣ። ደስ እንተኢልዋ ሰላም ክትብለኒ እያ። እንተመጽኤናኣ ድማ ረጊጻትኒ ክትሓልፍ እያ። ተመሳሳሊ ባህሪ ትውንን ኢራናዊት ድማ ኣላ። ድሕሪ ብዙሕ ምርምር ካብቶም ኤርትራውያን ሓደ እንተ ኣሕሪቕዋ ረጊጻትኒ ከም ትሓልፍ ኣረጋጊጸ ኣለኹ። ኣብ ዝረኸበኒ ኣመልካቲቱ እናኣወጣወጠ ‘ኢሳየስ ኣፍዋርኪ’ ዝብለኒ ወዲ ሰራልዮን ድማ ኣሎ። ምስ ሰኸረ ሓርኢ ከልቢ እዩ ጠባዩ።

“ኣዊድ፡ ኣለስ ኹት?” ደው ኢላ ብዓውታ ሰላም ትብለኒ ኣላ። ኣዊድ እያ ትብለኒ። ኣነ ድማ ክእርማ ፈቲነ ኣይፈልጥን እየ። ኣብ መዓልቲ ብውሕዱ ዕስራ ግዜ ንራኸብ ንኸውን ኢና። ጻዕዳ ሽጒርቲ፡ በርበረ፡ ጨው ክንለማመን ኢና ንውዕል። ሚእቲ ግዜ ሶማላዊ ከም ዝመስል ነጊራትኒ ኣይረብረበትን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጎፍታና ድማ “ኣለስ ኹት” ኣላትኒ፡ ብዳች ኩሉ ግርም ድዩ? ማለት እዩ። እታ መልሲ ሓጻር እያ። ኹት! ግርም። ሓደ ኤርትራዊ ድማ ኣሎ ወትሩ ብዳች ዕድመይ ዝሓተኒ። ታኽቲኽ እየ ዝብሎ። ሰማንያ። እታ ሕንቲኽቲኽ ትጥዕም ‘ ታኽቲኽ’ ትብል ቃል ዳች ግዲ ሕንቲኽቲኽ ትብሎ ኮይና ክርትም ኢሉ እዩ ዝስሕቕ። ማርያም ምስኡ ትኹን! ሙና ሰላም ከይበለትኒ ደድሕሪ ሓብታ ንደገ ገጸን ይኸዳ ኣለዋ። ብኣደዳ ሕብሪ ዝተሰለመ ጀለብየአን ካብ ኣዒንተይ ይሃስስ ኣሎ።

ሰለስተ ሶርያውያንን ሓደ ሊብያውን ተመራሪሖም ይመጹ ኣለዉ። ዝተለኽይዎ ሽቶ ድሮ ኣፍንጫይ እስርስረኒ ኣሎ። እቶም ሶርያውያን ዝሓለፈ ሰሙን ንወዲ ባጽዕ ኣብ ምምሕዳር ከሲሰሞ ስለ ዝነበሩ ብሰንኩ ብሕማቕ ገጽ እናረኣዩና ክሓልፉ ምዃኖም ፍሉጥ እዩ። እታ ኽሲ ሓጻርን ንጽርትን እያ። “ኣንስትናን ደቅናን ይጥምተልና ስለ ዘሎ ክንቀትሎ ኢና”። እቲ ምምሕዳር ንወዲ ባጽዕ ገዛ ብምቕያር ቁልጡፍ ስጒምቲ እንተ ዘይወስድ ምናልባት’ውን ምቀተሉዎ። ምስ ኣዕራብ ዘላ ደም ብዝሒ ንበይና እያ። እቲ ጽርዲ ኤርትራውያን ዝኾነ ሊብያዊ’ውን ሰላም ኣይክብለናን እዩ። በቲ ስብርብር ዝበለ እንግሊዘኝኡ ከም ጠበቕ ርእሱ እናነቕነቐ ከይፈከረልና ትሓልፍ መዓልቲ ዳርጋ የላን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፈኸራኡ “ኤርትራውያን ክሓርደኩም እየ” ትብል መማቕርቲ ኣይትጠፍእን እያ። “ቀደም ኣባሓጎታትኩም ምስ ጥልያን ኮይኖም ንህዝብና ቀቲሎም እዮም’’ ትብል መረረ ድማ ወትሩ ካብ ኣፉ ኣላ። ከምኡ ክብል እንከሎ ሓደ ዓርከይ እዩ ዝዝከረኒ። “ኣባሓጎይ ምስ ክልተ ሜትሮ ዲግዲጊቱን ጥርቡሹን ኣብ ሊብያ ተቐቢሩ ኣሎ” ይብለኒ ኔሩ። ሓቂ ይሓይሽ ኣባሓጎታትና ተደርቢሾም እዮም። ካብ ታሪኻዊ ሓቂ ብምብጋስ ምስዚ ሊብያዊ ብዝተኻእለኒ መጠን ሰላም ክገብር ፈቲነ እየ። አረ ኣባሓጎይ (ኣቡኡ ንኣቦይ) ቀሺ ስለ ዝነበረ ትሩቡሊ ከም ዘይከተተ ነጊረዮ ኔረ። እዛ ምኽንያት እዚኣ ግን ዋላ ሓንቲ ከተሰንትወለይ ኣይከኣለትን። “ባሪኹ ሰዲድዎም ይኸውን! ርጒም ቀሺ!”

እቶም ኣዕራብ ኣቓልቦይ ከም ዝሰረቕዎ ግዲ ኣስተውዒሉ ወዲ ባጽዕ ክምለስ ምዃኑ ሓቢሩኒ ተመርቂፉ ኣሎ። ነታ ሰበይቲ ብኸመይ ኣገባብ ኣብ ኢዱ የእትዋ ውጥን ከውጽእ ጀሚሩ ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። በይነይ ነዊሕ ኣይጸናሕኩን። ድሮ ሰለስተ ኤርትራውያን ብትሕትና ሰላም ኢለናኒ ሓሊፈን ኣለዋ። ከም ጤሌቤዱ ሳሙና ሓንቲ ዓይነት ዝመስላ ‘ተማሃሮ ትምህርቲ ሰንበት’ እየን። ወትሩ ማርያም እናወደሳ ክዝምራ እየ ዝሰምዐን። ንዐአን ተኪኣ ኣምለሰት ኣብ ዓይነይ ኣትያ ኣላ። ኣምለሰት ማለት ብሓሶት ምድርን ሰማይን ተላግብ ፍጥረት እያ። ወረ ብምብጽጻሕ ድማ ዝመዓራረያ የለን። ካብ ዲ-ኤች-ኤል፡ ኣምለሰት ትቕልጥፍ ዝብሉዋ ሰባት ኣለዉ። ንኣምለሰት እንተነጊርካ ኣብ ዱኻ ከም ዝዘራእካ ዝብሉዋ ደቂ ገጠር’ውን ኣይተሳእኑን። ሰማንያ ካብ ሚእቲ ኣብቲ ካምፕ ዘለው ሰባት ሰላም ኣይብሉዋን እዮም። ኣነ ካብቶም ዕስራ ካብ ሚእቲ እየ። ለበጥ ዝበለ ሰላምታ ተለዋዊጥና ምስ ሓለፈት ሄኖስ ዝብሃል ኮተቴ ውትፍ ኢሉኒ ኣሎ።

“ዓዊታ፡ ናይ ሕማመይ፡ ደሓንዶ?” ምስውንዋን ሓዊሱ ምሳይ ኮፍ ኢሉ ኣሎ። ከመይ ጌርካ ብኢንተርነት ክዳን/ጫማ ትዕድግ ክሓተኒ እዩ መጺኡ። ንሄኖስን ደቂመዛምርቱን ስደት ማለት እዝንኻ ተሰቑርካ፡ ጸጒሪ ርእስኻ ቻማክ ተመቒስካ፡ ጽቡቕ ክዳውንቲ ትኽደነሉ ቦታ ማለት እዩ። ኣብቲ ካምፕ ከምኣቶም ኤርትራውያን ብዙሓን እዮም። ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ብስመይ ክሳዕ ዝጽውዑኒ፡ ኣብቲ ፈለማ “እዛ ሰብኣይ” እዮም ዝብሉኒ ኔሮም። ስሕት ኢለ ምስኣታቶም ‘ጆተነ’ እጻወት ነይረ። ነታ ኲዕሶ ጽቡቕ ቀሊዐ ከእትዋ እንከለኹ “እውይ እዛ ሰብኣይ! ሰባብ እባ’ያ፣ ከምኡ ከኣ ዘይትመስል” እናበሉ የመጒሱኒ ነይሮም። ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ “ሓደ ወዲ” ዝብሃል ዝነበርኩስ “እዛ ሰብኣይ” ክብሃል! ብውሽጠይ ሕርር እብል ነይረ።
ንሄኖስ ብኸመይ ኣገባብ ኢ-ዕድጊ ክገብር ከም ዝኽእል እናኣረዳእኩዎ መሓመድ፡ ጸጋይን ምራኽ ንብሎ ጎይትኦምን ጽምብር ኢሎሙና ኣለዉ። መሓመድን ጸጋይን ወትሩ ስለ ዝካትዑ ካብ ኩነታቶም ሽዑ’ውን ሃምበጀት ክብሃሉ ከም ዝጸንሑ ክግምት ኣይተጸገምኩን።

“ክትፈርደና ኢና መጺእና” መሓመድ ቀዲሙ ዘረባ ጀሚሩ ኣሎ። ይዋኣዮ ብዘይካ ክትዕ ካልእ እፉፍ የብሉን። ኣካይደኒ ናብ ዝበልካዮ ዘካይደካ ከም መሓመድ ምቊር ጽላሎት የለን። ብኣንጻሩ ጸጋይ ካብ ቃላቱ፡ ንሱ ክወድቕ ዝመርጽ ተሪር ሰብ እዩ። ንጎይትኦም፡ ፈታው ጸባ ስለ ዝኾነ እዩ እታ ‘ምራኽ’ ሳጓ ጠቢቓቶ። እቲ ጸባ ግዲ ጠቒምዎ ወትሩ ከም ህጻን ሕጒስ እዩ ዝመስል። ንክትዕ መሓመድን ጸጋይን፡ ልክዕ ኣብ ራድዮ ይካታተሎ ከም ዘሎ ዓይነት፡ ብጽሞና ካብ ምክታታል ሓሊፉ ኣፉ ኣይከፍትን እዩ ምራኽ።
“ክላእ ኣብዚኣ ዘለዉ ድርባያት ድማ፡ ሕጂኸ ተኻቲዕኩም ዲኹም? ኬድና ወደይ ዓወታ” ሄኖስ እናንጸርጸረ ተንሲኡ ከይዱ ኣሎ።
“ምትሩስ፡ እንታይ ኣዴኻ ከፊኡካ?” ጸጋይ ክጻረፍን ሄኖስ ገጹ ከይገምጠለ ማእከል ኢዱ ከውጻኣሎምን ፍሽኽ ኢለ ይዕዘብ ኣለኹ።
“እንታይ ተኻቲዕና ይመስለካ” ጸጋይ ኣብ ሕርቃን ተጸሚዱ እንከሎ መሓመድ ድሮ ፍሽኽ እናበለ ዘረባኡ ጀሚሩ ኣሎ። “ወያነ ኣብ ሳልሳይ ወራር ስዒሮሙና ድዮም ስዒርናዮም?” እተን ዝካትዑለን ኣርእስቲ ከምዚአን እየን ዝመስላ። በጊዕ ከሰላ ጭራኣ ምድሪ ይትንክፍዶ ኣይትንክፍን? ዓለም ኣንጻርና ድያ ኣይኮነትን? ሱዚኒኖ ዶ የስሕቕ ማይናስ? ከምቲ ወትሩ ዝገብሮ ናይ ክልቲኦም ገጽ ዘድሕን መርገጺ ወሲደ ክምልሰሎም እንከለኹ እግረም ኣለኹ። እምበርዶ ድሕሪ ሳልሳይ ወራር ተሰዲዶም ከም ዘለዉ ተርዲእዎም ኣሎ እዩ?!

ዘረባይ ከይወዳእኩ ተስፋኣለም ዝብሃል ውዑይ ወዲ ብሽክለታ እናደፈአ ሕውስ ኢሉና ኣሎ።
“ዓወታ፡ ሳይክል ድኣ ዘይትዕልመኒ?!”
“ኣንታ ኣይትኽእላን ዲኻ?” ጸጋይን መሓመድን ተተባራርዮም ክድህልዎ ሰሚሮም ኣለዉ። ክካትዑ ዝጸንሑ ኣይመስሉን እዮም።
“ቀደም ደኣ ይኽእላ ኔረ” ተስፋኣለም ነብሱ ከክላኸል ይፍትን ኣሎ። ወይ ሰብ ደቀይ! ብሽክለታ ምዝዋርከ ይርሳዕ ድዩ? ፍሽኽ ኢለ ካብታ መኾፈሊ እትንስእ ኣለኹ። ኣብታ 18 ሚልዮን ዝበጽሓ ብሽክለታ ዘለዋኣ ሃገረ ሆላንድ፡ ብሽክለታን ጫማን ፍልልይ የብለንን። ብሽክለታ ግድን ክትልመድ ዘለዋ ግዛዕ እያ። ካብታ ቅርዓት ፍንትት ኢለ ኣብ ምዕላሙ ተጸሚደ ኣለኹ። ይራኣየኩምዶ ኣሎ? ተስፋኣለም ናብ ነብሰይ ወዲቑ ኣእጋሩ የንቃሳቕስ ኣሎ። ኣይኮነንዶ ቀደም ክኽእላስ ካብ ዝውለድ ተወጢሕዋ ዝፈልጥ ኣይመስልን እዩ።
“ብሽኽለታ ብርትዕቲ እያ፣ ማራ ብርትዕቲ እያ” የስተማስል ኣሎ ስምዕዎ።
“ኣጆኻ! ክሳዕ ትለምዳ’ያ እምበር ቀላል እያ”
“እንድዒ ወደይ?! ኣነስ …” ብነብሰ ምጥርጣር ተጎቢኡ ዘረብኡ ከይወደአ ‘ምኽሪ’ ክህቦ ጀሚረ ኣለኹ። “ብሽክለታ ከምዚ ስደት እያ። ክሳዕ ትለምዳ ብርትዕቲ እያ ትመስለካ። ምስ ለመድካያ ግን ልክዕ ንግሆ ተንሲእካ ገጽካ ከም ምሕጻብ ቀላል እያ … ኣጆኻ … ኣጆኻ … ኣጆኻ” እቲ ምኽሪ እንተላይ ንዓይ እዩ። ኣለሊኹምኒዶ ኣለኹም? እቲ ኣብ ቅርዓት መቓብር ኮፍ ኢሉ እውቶቡስ ሂወት ዝጽበ ዘሎ ስደተኛ ኤርትራዊ መንእሰይ እየ።

 

ንመዘከርታ ኤርትራውያን ስደተኛታት ትኹነለይ።

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleትሕቲ ጸሓይ!
Next Article ምስ ህያው ገጸ ባህርያት 3
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?