Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኣብ መዓት ከለኻ: መዓት ከይትሕሱ ንነብስኻ ብሕልናኻ ሓራ ኣውጽኣያ !!

ኣብ መዓት ከለኻ: መዓት ከይትሕሱ ንነብስኻ ብሕልናኻ ሓራ ኣውጽኣያ !!

1
By Mekonnen T. on November 15, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ገሬ ሃብቶም ( Wedi Eri South)

ክሓተካ እንዶ ክቡር ኣንባቢ

– ብዛዕባ ርእስኻ ንገዛእ ንርእስኻ ሓቂ ትዛረባዶ ᎒

– ብዛዕባ ኻልኦት፡ ንርእስኻ ሓቂ ትዛረባ ዶ ᎒

– ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ፡ ንኻልኦት ሓቂ ተዛረብ ዶ᎒

– ብዛዕባ ካልእ ፡ንኻልእ ሓቂ ትዛረብ ዶ᎒

ሓቀኛ ሰብ ካብ ምዃን ዝዓብን ዝበልጽን ጸጋ የለን ፡ ምድራዊ ገድሊ ህይወትካ ድማ ብሓቂ ንሓቂ ክትፍጽሞ ተሰናዶ ፡ ብሓቂ ንሓቂ ተገለጽ። እቲ ሕልናኻ ኣይከውንን ኢዩ ዝብለካ ዘይቅቡል ተግባራት ፈጺምካ ኣይትቀበሎ። ክሳብ መስዋእቲ እውን ትኹን ንሓቂ ኣፍቅራ ። ምፍቃር ኢዩ ሓቂ። እወ ንሓቂ ምፍቃር ። ኣርዑት ጭቆና ዝኸበዶም ህዝቢ እናርኣኻ ጽቡቕ ኣለዉ ኣይትበል። ምኽንያቱ ጽቡቕ ኣለዉ እንተ ደኣ ኢልካ ድፍረት ዘይወሰኽኩላ ሓቂ ክነግረካ “ ትጋገ ዘይኮንካስ ፡ትሕሱ ኢኻ ዘሎኻ” ፡ በየናይ ጎድነይ ክጉምቦ በየናይ ጎድነይ ከ’ኤ ክድንደን እናበለ መሪር ደሃዩ ካብ ምረት ዝተበገሰ ሰሚዕካ ዕሽሽ ኢልካዮ ኣይትሕለፍ ፡ ስጋዊ ረብሓ ከይጎድለካ ክብትብል ፍቕሪ ሓውን ቅሳነት ሕልናን ኣይትኽሰር ።

ትሪኦ ዘይትምስክር ትሰምዖ ዘይተጣልል እንተደኣ ኾይንካ እትረፍዶ ንኻልኦት ደቂ ሰባት ንርእስኻ እውን ሓቀኛ ትኾነላ ከምዘየለኻ ይሰቖርካ ፡ ንነብሱ ዘየፍቅር ሰባት ከፍቅር ኣይክእልን እዩ ምኽንያቱ ኩሉ ካብ ንነብስና ንህባ ስለ ዝብገስ ፡ እሞ ንነብስኻ ሓቂ ተዛረባ ኣብ ፈቐዶ ባሕርን ሳህራን ዕሸል መንእሰይ ከም ኣስሓይታ ዝበርትዖ ኣቑጽልቲ እናረገፈን ድሕሪ መሪር ቃልስን ክቡር መስዋእትን ናይ ዝተዓወቱ ውጹዓት ኣብነት ንዓለም ክትከውን ተስፋ ዝነበራ ሃገርካ ካብ ዝስሕቕ ዝነብዕ ካብ ዝሕጎስ ዝጉሂ ህዝብኻን ሕማቕ ከለዉ ጽቡቕ ኣለዉ ኣይትበል ።

ምኽንያቱ ፡

  1. ንገዛእ ርእስኻ ሓሶት ተዛሪብካያ።
  2. ብዛዕባ ካልኦት ንርእስኻ እቲ ክትነግራ ዝግብኣካ ሓቂ ገዲፍካ ዘይኮነን ዘየሎን ሓሶት ትነግራ ኣለኻ ።
  3. ነብስኻ ንኻልኦት ሓሳዊ ምዃንካ ትዛረብ ኣሎኻ ምኽንያቱ ዘሎ ገዲፍካ ብዛዕባ ዘየለ ትዛረብ ክሳብ ዝሃለኻ ንነብስኻ ባዕልኻ ሓሳዊ ምዃንካ ሓቀኛ ምስክር ነብሱ ትምስክረላ ኣሎኻ ።
  4. ብዛዕባ እቲ ውጹዕ ድማ፡ ንኻልኦት ሰማዕቲ ዘይኮነ ሓሶት ትነግር ኣሎኻ ።

ግደ ሓቂ ግን ከምዚ እዩ ። ነቶም ናብ ሞት ዝውሰዱ ንጹሓት ኣናግፎም ፡ ነቶም ሰንከልከል እናበሉ ናብ ማሕረዲ ዝኸዱ ከኣ ኣይትሕደጎም ። (ካብ ምሳሌ)

ንስኻ ካብዚ ካብ ሕማቕ ወሓጢ ባሕሪ ዘመን ብመሪር መስዋእቲ ንሓያል ተጻብኦ ማዕበል ምንቕ ከይበለ ኣብ ዓቃል ልቦንኡን ተስፍኡን ተጸይሩ ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ናብ ቀዳማይ ምዕራፍ ናጽነት ዝተሰጋገረ ዝተወለድካ፡ካብ ብርኪ ናይዚ ህዝቢ እዚ ኢኻ። ብርኪ ናይዚ ህዝቢ’ዚ ክትከውን ድማ ሓላፍነታዊ ግዴታኻ እዩ፡ እቲ ክትገብሮ ዝግብኣካ ሓላፍነት ባዕልኻ ዝክኣለካ ክትገብር ደኣ እምበር ናብ እንግድዓ ካልኦት ክተሰክሞ ኣይግብኣካን፡ህይወት ምትኽኻእ እያ ብሓረግ ወለዶታት ዝተኣሳሰረት ሰንሰለት ስለዚ ክሳብ ዝትክኣካ ወለዶ ዝመጽእ ንዕቤትን ስልጣነን ሃገርካ ንቕድሚት ክተሰጉሞ ናይ ሕልና ጸጸር ክትውሕጥ ግድነት እዩ ፡እቲ ሓቀኛ ፍቕሪ ሃገር ካብ ነብስኻ ምፍቃርዩ ዝብገስ ፡’ሞ እዛ የፍቅረኪየ ሃገረይ እትብሃል ሃገር ዘለቶ ደረጅኣ ከመይ ኣሎ ፣ እዚ ህዝቢ እዚኸ እዚዶ ምተገብኦ ፣ እዚ ድዩ ኢዱ ፣ ንዝባንካ ረመጽ ጸሓይን ሓይቂ ቑርን ከይወድቆ ኣብ ሕቑፍኡ ኣጽሊሉካን ኣማሚቑካን ኣብ ግዜ ህጻንነትካ ንብዓትካ ክሕንስስ ንብዓቱ ርኢኻ ከይትነብዕ ዝውሓጦ ንብዓት ሕጂ እቲ ቀደም ዝውሓጦ ንብዓት ከም ማይ ኣኻውሕ ጸረር ክብል እናርኣኻዮ ከመይ ኢሉ ሕልናኻ ጌሩልካ ፣ኤርትራኻ እኮ ውጻእ መዓት፡ ብዝግብኣ ዋጋ ዝተወነነት ቡቕሊ ማህጸና ዝውሓሳ ኢያ። እሞ ስለምንታይ ደኣ ነዛ ናይ መብጽዓን መስዋእትን ሃገር ካብ ዓሚቕ ስቓይ ተገላጊላ እናበልካ ትዛረብ᎒ ስለምንታይ᎒ ቤት ፍርዲ ዘይብሉ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮን ዩኒቨርስቲ ዘይብላ ሃገርን ንኽትከውን ከመይ ኢልካ ትቕበሎ ፣ኣብ ስደት ምንባር ማለት ርእሱ ዝኸኣለ ሚዛኑ ዝኸበደን ናይ ሕልና ኣርዑት ጾይርካ ምንባር እዩ፡ግን ከኣ ትነብሮ ኣሎኻ እሞ ካብዚ ዘለኻዮ ትሓይሽ እንተደኣ ኮይና እታ ክቡራት ወለድኻን ክቡር ህዝብኻን ምስ ዝዓበኻሉ ጎደናን ዝገደፍካያ ሃገር ኣብ ስደት እንታይ ኣንበረካ᎒ ከምቲ ለባማት ኣቦታትና ዝብልዎ ንስደትን ባህርያት ዜጋታቱን ክገልጹ እንከለው “ ኣብ ዘይዓድኻ ቻ እንተበሉኻ ኣድጊ፡ መጭ እንተበሉኻ በቕሊ’’ ክብሉ መሲሎምልካ ኢዮም። ስለዚ ንስደት ኣብ ሃገሩ ቀሲኑ ክነብር ዝኽእል ዜጋ ብሳህራን ባሕርን እሞ ኸኣ ገንዘቡ እናኸፈለ ተዋሪዱን ተጸቒጡን ክመርጾ ዘይክእል ናይ ዘይጥዓሞም ናይ ፍትሒ ዝሓረሞም እንኮ ዶኾን ትንፋስ ንረክብ ዝብሉዋ መራር ምርጫ እያ ።

ንመዘኻኸሪ ክኾነካ ፡

ሓቅታት ኣጽኒዕካ ንሓቂ ፍለጣ ፡ ነታ ዝፈለጥካያን ትፈልጣን ሓቂ እውን ዓስቢ ዝጽበየካ ዘሎ ዓወት ክተብጽሓካ ስዓባ፡ ብተግባራትካ ነባርን ተዘካርን ታሪኽ ምስራሕ እምበር ኣብ ፍርሒ ኣዕቚብካ ተንብራ ህይወትስ ኣይተዓደልካን ፡ እዚ ሓቂ እዚ ካብ ኮነ ሓቂ መስዋእቲ ኣይትፍራሕ ንሓቂ ዝተሰውኡ እንታይ ረኺቦም እናበልካ ዕላማ ዘይብሉ ጉዕዞ ኣይተጓዓዝ ። ዓቕሚ ሰብ ኣብ ዘኣኸልካሉ ንወለድኻ እንታይ ክትገብረሎም ከም ዘለካ ምሕሳብ ኣኻሊ ኣይኮነን ፡ እቲ ክትገብሮ ዘለካ ክተተግብር ምኽኣልዩ ልዕሊ ሓሳብ ኣኻሊ ዝኾነ ሓቂ ። ስለዚ ሓልዮትን ፍቕሪን ናይዚ ክቡር ወለድኻን ህዝብኻን ዘበገሶ እንተደኣ ኮይኑ እቲ ንሃገርካ እትህባ ፍቕሪ ኩሎም ብእንተታት ዝመጹ ስኑፋት ሓሳባት ኣይከጸግሙዃን ኢዮም። ወላ እቶም ናይ ቃልሲ ዕንቅፋት ዝኾኑ እውን ኣይክዓግቱኻን ኢዮም። ብዕላማ ዘይጉዓዝ ኣበይ ክበጽሕ ከም ዝደሊ ኣይፈልጥን ኢዩ። ብዘጋጥምዎ ነገራት ተበዳሂ መንፈስን ይውንን፡ብዕላማ ዝግስግስ ግን ኣብ ዝደለዮ ንኽበጽሕ ክዓግቶ ዝኽእል የለን። ምኽንያቱ በዓል ቅኑዕ ዕላማ ንኽዓግቶ ዝፍትን ሓይሊ ናይ ምጥሓስ እምነትን ዝወልድ ተግባርን ስለዝውንን።

ዝኸበርካ ኣንባቢ ነዚ ጽሑፍ እዚ ምስ ኣንበብካ ምናልባት ሓሳበይ ዘይክትቕበሎ ትኽእል ኢኻ። ምሳይ ክትመላለስ ድማ ምሉእ ባይታ ኣሎካ። ነዚ ጽሑፍ እዚ ስለዝጽሓፍኩ እሞ ንሓሳባተይ ስለዝተቓወምካዮ ኣነ ክታረኸካ ነብሰ ምክልኻል ብፍጹም ካባይ ኣይትጸበ። ህድእ ኢልካ ምስ ነብስኻ ምስ ተዕልል ሕልናኻ ክምጉተካን ሕልናኻ ክከላኸለለይ ምዃኑ ርግጸኛ እየ ። ነዚ ጽሑፍ ኣንቢብካ ንሓሳበይ ትድግፍ እውን ክትርከብ ስለትኽእል ንዓኻ እውን ውሽጠይ ብዝኣምነሉ ከዘኻኽረካ። ንዓይ ኣይኮንካን ደጊፍካ ነቲ ፍጹም ተግባርን ሓቀኛ ሰላምን ዝህበካ ሕልናኻ ኢኻ ሰሚዕካዮ እሞ እንቋዕ ሓጎሰካ። ምስ ሕልንኡ ዝውግን ወዲ ሰብ ንነብሱ ኣብ ምስሊ ህዝቡ ኢዩ ዝደልያ ህዝቡ ይሕጎስ እንተደኣ ኣሎ ብሓጎስ ከም ዝናፈቓ ወላዲቱ ዝርኣየ ህጻን ብሓጎስ ይሰራሰር። ህዝቡ ኣብ ከቢድ መከራ ወዲቑ እንተደኣ ርእይዎ ድማ ነብሱ ኣብኡ ስለዘላ ካብቲ ውድቀት ንዳግማይ ትንሳኤ ምስ ከምኡ ዝመስሉ ኣብ ሓደ ሓቂ ይጸንዕ። ናይ ማንም ውድባት ድማ ኣይከውንን ብሓቂ ግን ናይ ህዝቡ ኣሳሳዪ ምዃኑ ኢዩ ዝፈልጥ።

መን ምዃንካ ባዕልኻ ክትምስክር መታን ንነብስኻ በዘን ኣርባዕታት ሕቶታት ደጊምካ ሕተታ ፣

ንስኻ…………………………….

  1. ብዛዕባ ርእስኻ ንገዛእ ንርእስኻ ሓቂ ትዛረባ ዶ᎒
  2. ብዛዕባ ኻልኦት፡ ንርእስኻ ሓቂ ትዛረባ ዶ ᎒
  3. ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ፡ ንኻልኦት ሓቂ ተዛረብ ዶ᎒
  4. ብዛዕባ ካልእ ፡ንኻልእ ሓቂ ትዛረብ ዶ᎒

ካብ 100 ሰባት እቶም 99 ንሓሶት እናቃልሑ ነቲ ሓደ ሓቀኛ ክስዕርዎ እንተፈተኑ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።ንሓቂ ዝስዕር ዝኾነ ይኹን የለን፡: እቲ ዘልኣለም ክቃላሕ ዝነብር ድምጺ ሓቂ ጥራይ’ዩ ።ስለዚ ኦ! ህዝበይ ሕልና ዘለዎም ሰባት ክትደሊ ግዜኻ ኣይተምክን፡ ክትገብሮ ዝግብኣካ ደኣ ግበር ፡እቲ ንስኻ ትደልዮ ዘለኻ ሰብ ንስኻ ባዕልኻ ንኽትከውን ። ክቡር ኣንባቢ ሓደ መዓልቲ እንተ ብሓሳብ. እንተ’ስ ኣብ ሓንቲ ጎደና. ጎፍ ንጎፍ ክሳብ ንራኸብ ተቛጺርኩም ኣይበለና። ሰሰናዩ ንዓኻ!!

 

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

1 Comment

  1. Anonymous on November 15, 2014 4:45 am

    Well said Ghere wedi hizby

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?