Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, March 9, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኣብ መዓልቲ ናጽነት ካብ መምህር ናብ ፖሊስ ዝተቐየረ ሰብ

ኣብ መዓልቲ ናጽነት ካብ መምህር ናብ ፖሊስ ዝተቐየረ ሰብ

0
By Mekonnen T. on August 22, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

መኮነን ተስፋይ

መምህር ሃብተወልድ ምስግና ይበሃል። ኣብ ከረን ከም መምህር ኮይኑ ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ዝሰርሐ ኣዚዩ በሊሕ ተጋዳላይ እዩ። መምህር ሃብተወልድ ጸሓፊ፡ ቀራጺ፡ ሙዚቀኛ ኮታ ኩሉ እዩ ምባል ይከኣል። ኣብ ቅርጻ ንኣብነት እቶም ንኣስመራ ድሕሪ ናጽነት ትፈልጥዋ ሰባት ኣብ ኣደባባይ ዝነበረት ዓባይ ምስሊ ርግቢት መምህር ሃብተወልድ እዩ ሰሪሑዋ። ንመምህር ሃብተወልድ ኣብ 2000 ዓም መኣዲ ስነ-ጽሑፍ ዓዲ ቐይሕ ናብ ከረን ዕድመ ስለዝተገብረላ ኣብኡ ፍርያት ስነጥበብ ከነቕርብ ምስ ከድና እየ ተላልየዮ። ሽዑ ኣዚያ መሳጢት ሓጻር ዛንታ ብዘይ ወረቐት ኣዘንትዩልና ነበረ። መምህር ሃብተወልድ ኣብ ሳሕል ከሎ ብሓያሎ ተረካብ ዘረባ እዩ ዝፍለጥ። ሓደ እዋን ናብቲ ናይ ሽዑ ናይ ሕብረት ሶቬት መራሒ ዝነበረ ሚካኤል ጎርቫቾብ ደብዳቤ ከም ዝጸሓፈሉ ይዝንቶ። ገለ ካብቲ ትሕዝትኡ “ንስኻ ንሰውራ ኤርትራ ኣይትፈልጦን ኢኻ ወይ ድኹም እዩ ዝብል ግምት ይህልወካ ይኸውን እንተኾነ ሰውራ ኤርትራ ከም ኣብ ጸልማት ካብ ርሑቕ ቦታ መብራህቲ ወሊዓ ትመጸካ ኦራል ሕሰቦ ኣቲ መብራህቲ እናቐረበ እናቐረበ መጽዩ ዓይንኻ ክደጉሓካ እዩ” ዝብል ነበረ። ሓደ መዓልቲ’ውን ንተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ “ዝናብ ካብ ፈጣሪ እዩ” ስለዝበሎም ከመይ ጌሩ ኣምላኽ ዝናብ የዝንብ ዝብል ሕቶ ሓተትዎ። ሽዑ ንድር ኢሉ “ኣንቱም ሰባት ኣምላኽ ሓደ እግሩ ኣብ ሪጎለ ሓደ እግሩ ኣብ ፊደል ፐ (ኣብ ናቕፋ ዝርከቡ ቦታታት እዮም) ረጊጹ ክሸነልኩም ኣይትጸበዩ በቲ ኮይኑ በቲ ግን ዝናብ ኣምላኽ እዩ ዝህበና” በሎም።

ናብ መበገሲ ኣርእስተይ ክኣቱ ። እዛ ስዒበ ዘዘንትወልኩም ዛንታ ከም ዘላታ ኣብ 2006 ቅናያት መዓልቲ ናጽነት ኣብታ ዳርጋ ባዕለይ ዘዳልዋ ዝነበርኩ ዓምዲ ኣጋጣሚ ናይ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ከውጻኣለይ ንኣሰናዳኢ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝነበረ ጳውሎስ ነታባይ ምስ ሃብኩዎ ከም ዘይተወጽእ ደኣ ኣይሓበረንን እምበር ነታ ወረቐትስ ሸሪቡዋ እዩ። ስለዚ ብሰንኪ ሳንሱር ናብ ኣንበበቲ ኣይበጽሐትን እሞ መሰል ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ ተጠቒመ እንሆ ሎሚ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ናብኹም የብላ። መምህር ሃብተወልድ ቅንያት መዓልቲ ናጽነት ኮይኑ ኣብ ኣስመራ ኣብቲ ህዝቢ ኣብ ናይ ሰዓታት ናይ ምሸት ወጽዩ ዝስዕስዓሉ ቦታ ክዛወር ኢሉ ከደ። ኣብኡ ምስ ብጾቱ እናተዛወረ ከኣ ኣብ ሓደ ናይ ጽቕጥቅጥ ቦታ ሓደ መንእሰይ ንሓንቲ ጓል ክሃርማ ረኣየ። መምህር ንጡፍ’ዩ፡ ጎይዩ ከይዱ ነቲ ሃራማይ ሒዙ ብኽሳዱ ሓኒቑ ናብ እንዳፖሊስ ወሰዶ። ፖሊስ ከኣ ጓል ሃሪምካ ኢሎም ነቲ ወዲ ዳጎንዎ። መምህር ነቲ ወዲ ኣብ እንዳ ፖሊስ ኣብጺሑ ምስ ተመለሰ ናብ ምዝንግዑ’ዩ ኣትዩ። ብዙሕ ክየጸንሐ ግን ክልተ ዝባኣሱ ሰባት ረኣየ። ናብዚ ኦም’ውን ዘሊሉ ብምእታው ንኽልተ ተባኣስቲ ፈላልዩ ምስ ወድአ ንኽልቲኦም ከይሃድምዎ ብኽሳዶም ሓኒቑ ሕለፉ ብምባል ናብቲ ኣቐዲሙ ጓል ዝሃረመ መንእሰይ ዘብጻሓሉ እንዳፖሊስ ወሰዶም። ፖሊስ እንታይ ከም ዝኾኑ ሓቲቶም ነቶም ተባኣስቲ ከአ ዳጎንዎም። መምህር ሃብተወልድ ነዚኦም ኣብጺሑ ምስ ተመልሰ ምዝንግዑ ገዲፉ ኣብ ሓደ ብርኽ ዝበለ ቦታ ኮፍ ኢሉ ዝበኣሱ ከቋምት ጀመረ። መዓልቲ ናጽነት ኢሉ ክስዕስዕን ክጻወት ዝመጸ ዘይተሓስበ ናብ ፖሊስ ተቐየረ።

ንሱ ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ሓለዋ እናቐጸለ ከኣ ሕጂ’ውን ኣብ መንጎ’ቲ ብዙሕ ህዝቢ ካልእ ባእሲ ተዓዘበ። ናብዚኦም’ውን ነጢሩ ብምእታው ነቲ ባእሲ በቲኑ ነቶም ተባኣስቲ “ሕለፉ መን ዘምጻእልኩም ናጽነት ኢኹም ኣብዚ ሰብ ትርብሹ” እናበለ ናብቲ ብኡሳት ከም ዓማዊሉ ዘእሰረሉ ቦታ ወሰዶም፡ ፖሊስ ሕጂውን ዓቕሎም ኣይጸንቀቑን ነቶም ብኡሳት ሒዞም ኣሰርዎም። መምህር ሃብተወልድ ከኣ ናብቲ ደሞዝ ዘይክፈለሉ ስርሑ ተመልሰ። መስተ፡ ንእስነትን ካልእን ዝፈጠሮ ምግርጫው ኣብ ማእከል ህዝቢ ክህሉ ከም ንቡር ዝውሰድ ነገር እዩ። ብፍላይ ከኣ ደፊእካኒ ረጊጽካኒ ዘበገሶ ፈኩስ ጎነጽ ልሙድ እዩ። መምህር ናብ ስርሑ ተመሊሱ ከም ስርዓት ተባኣስቲ ክሃድን ዘምጽኦ ረሰዖ። እቲ ሳዕስዒት ተወዲኡ ሰብ ነናብ ገዝኡ ከይከደ እቲ ሓሓሊፉ ዝረኣይ ባእሲ’ውን ደው ስለዘየብል ኣብዚውን መምህር ሃብተወልድ ስራሕ ረኸበ። ሕጂውን ካልኦት ዝተባእሱ ረኺቡ ሕለፉ ብምባል ናብታ ለሚዱዋ ዘምሰየ እንዳፖሊስ ወሰዶም። ፖሊስ ብኹነታት መምህር ሃብተወልድ ተገሪሞም ነቶም ተባእስቲ ምስ ኣእተውዎም “ስማዕ’ስከ ንምዃኑ ንስኻ መን ኢኻ? ዘዝተባእሱ ጎቲትካ ተምጻእልና ሕለፍ” ብምባል ንዘረባውን ዕድል ከይሃብዎ ደፊኦም ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ። ንሱ ከረድኦም ፈቲኑ ግን ክሰምዕዎ ኣይከኣሉን። ዝነበረቶ ኣማራጺ በትሪ ኣብ ነብሱ ከየዕለብሉ ከለዉ ሕራይ ኢሉ ምእታው እዩ። በዚ ከኣ ክዛናጋዕ ኢሉ ዝመጸ መምህር ሃብተወልድ ፈለማ ናብ ፖሊስ ጸኒሑ ናብ እሱር ተቐየረ። ድሮ መዓልቲ ናጽነት ፍርቃ ፖሊስ ኮይኑ ፍርቃ ከኣ እሱር ኮይኑ ኣሕለፋ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleተጸበየኒ
Next Article ፍኖት ጓል በረኻ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?