Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ግጥምታት»ኣበሳ ኵናት

ኣበሳ ኵናት

0
By Mekonnen T. on November 28, 2020 ግጥምታት
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

እዛ ግጥሚ እዚኣ፡ ብዋና-ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ዘመን፡ ሓው ኣማኑኤል ኣስራት (ወዲ ኣስራት) ተደሪሳ፡ ብ ነሓሰ 1999 ብሃገር ደረጃ ኣብ ዝተዳለወ ውድድር ግጥሚ፡ ቀዳመይቲ ብምውጻእ ናይ ገንዘብ ብልጫ ዝተሸለመት ግጥሚ እያ። ኣብ ጋዜጣ ዘመን ድማ፡ ብዕለት 6 መጋቢት 1999 ተሐትመት። ሓው ኣማኑኤል ምስቶም ንኤርትራን ቕዋማን ኣፍቒሮም፡ ንሕዝባ ባብ ዲሞክራስያ ዘርሓዉሉ ሰብ-ቕያ ጀጋኑ ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ኮይኑ፡ ካብ ወርሓ-መስከረም 2001 ክሳብ ሎሚ ደሃዩ ከይተሰምዐ፡ ኣብ ማሕዩር መንግስቲ ኤርትራ ብዘይ ሕጊ ተሓቢሱ ይርከብ።

ኣበሳ ኵናት

ሐደ ነገር ጓዚሙ

ሐደ ነገር ተዳህዩ

ንህድኣት በሲዑ

ሐደ ነገር ኣቃሊሑ።

ኣብታ ክልተ የሕዋት ዝተሓላለፉላ

ኣብታ ክልተ የሕዋት ዝራኸቡላ

ኣብታ ክልተ የሕዋት ዝዋሰቡላ

ኣብ ቅርዓት ሂወትን ሞትን

ኣብ ወሽመጥ ጥፍኣትን ልምዓትን

ኣብ ሽንጭሮ ሻቕሎትን ሰላምን

….ተቐርቒሩ

ሓደ ነገር ተዳህዩ።

ሽዑ ሓንቲ ፍረ ዘርኢ….

ጭዓን ሰራውን እናተታፍአ

መሸላን ብልቱግን እናተጎናንአ

ዝእክቦ ስኢኑ ሓድሕዱ እናተበላልዐ

ብሰርቢ ንብዓት ተሰጕዳ

ካብ ነብሳ ጎሚዳ ነብሳ ተጎሚዳ

ካብ ነብሳ ነብሳ ዘሪኣ።

ኣብቲ ዛጊት ዘይተፈርሽሐ

ኣብቲ ኣየናይ ናይ መን ዘይፍለ

ዋሕዚ ደምን ማይን

….ተተኺላ

እታ ዘርኢ ግን…

ብቐዛሒት ጸሓይ

ብዘይሰክን ሰርቢ

ብፋሕሸዋይ በርቂ

ብዘንድድ ዝናብ…ተዓጂባ፡

ጋዕገልጠም ሐጺነ-መጺን ሰሊዃ

መልኣከ ሞት ተጊራ

ምኹን ሂወት ሓንጊራ

እነሆ ኣርኪባ ኣብ ኣዝመራ።

እታ ዘርኢ…

ካብቲ ዘይተፈርሽሐ ደምን ማይን

ናይ መን ናብ መን ዘይጠለለ

ማይኮዖኡ ዘይለለ

ባዕላ ኢያ በጺሓ

ኣብቲ ኣዝመራ ክትፍለ

ኣብቲ ኣዝመራ ግን…

የማና እንተማዕደወት

ንሱ ሰብኣይ ንሳ ጭሕሚ

ጸጋማ እንተማዕደወት

ንሱ መሬት ንሳ ተኽሊ

ደንጺዋ… ግራሞት ተዓንጊላ

ተደናዲና… ዝርያ ኸኣ ዘይኣመላ

ምስ መንያ ክትጽጋዕ ኣበይ ከተድቢ

ናበይ እያ ከተድምዕ ናበይያ ክትድርቢ

እቲ ኣዝመራ ግን ሕማቑ እቲ ዘይምጽባቑ

ብኣፍ ጥይት ሓሪሱ

ካዕቦ ሂወት ኣፍሲሱ

ሕልፈት ካብ ትንፋስ ጎልጕሉ

ንሞት ብሞት ዓጺዱ

ኣብ ዝባን ውሉድ ኣኺዱ

ኣማስያኡ ነታ ፍረ ኣብ ስግኣት ጠፍሊቑ።

እታ ፍረ….

መዓልትን ለይትን ሓደ እዩ ኮይንዋ

ሻቕሎትን ሩፍታን ተሓዋዊስዋ

ዓለም ኣብ ውሽጢ ዓለም

ኵናት ኣብ ውሽጢ ሰላም

እምነት ኣብ ሕጓ ጥልመት

ምስ ረኣየት ደንጺዋ።

ዘየደንጹ ድዩ’ሞ?

ንብዓት እንዳ ነታ ርስታ

ንብዓት መሬት ንመሬታ

ውሒዙ ውሒዙ ምስ ዛረየ

ባይታ ምስጨቀወ ምስጠልቀየ

ናውቲ ሸሚሙ

ንኹሉ ሰሊሙ… ምስራሰየ

ኣሻቡ ፈርዩ ባዴላ ኣፍራዛ

ኣሻቡ ፈልፊሉ መግነዚ ቃሬዛ

የግዳስ…

ኣሻቡ ድማ ይሃልኽ ኩሉ ይሻመዎ

ኩልና ንደልዮ ኩልና ንውንኖ

ነገር ኵናት እቲ ክፋኡ…

ኣዝመራኡ ከይደለኻዮ ምስዝበጽሕ

ፈንጤጋር መቓልሑ ማዕጾኻ ምስ ዝኹሕኩሕ

ሽዑ እዩ ኣበሳ ኵናት ኣበሳ ዘገማድሕ

ግና…

ከይፈተኻ ተሳስዮ

ከይደለኻ ተሳልዮ

ኣርሒቑ ክሃጥም ግን ኣ..ቤት ትጽልዮ!።

ኣማኑኤል ኣስራት (ወዲ ኣስራት)

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleመጽሓፍ፡ ሕጊ እንጋንኣ፡ ስርዓት ዓጽሚ ሓርማዝ
Next Article “ኣብ መንጎ ክልተ ብኡሳት እቲ ሳልሳዮም ይረብሕዶ”
Mekonnen T.

Related Posts

ከመዓልካ ፈጣሪ!

November 22, 2020
Read More

“ኣብኡ ‘ሓይሽ”

November 22, 2020
Read More

ሃገረሰብ ዓደይ!

November 13, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?