Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኣሕመድ ናስርን ኣባሓጉኡ ናስር ባሻን (ናስር በ)

ኣሕመድ ናስርን ኣባሓጉኡ ናስር ባሻን (ናስር በ)

0
By Mekonnen T. on July 14, 2020 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email
ኣብ መጋቢት 2014 ኣብ ሃገረ ሽወደን ብመስዋእቲ ዝተፈልየ ስውእ ኣሕመድ ናስር ብልሙድ ኣዘራርባ ብኣሕመድ ናስር ይፈለጥ እምበር ሙሉእ ስሙ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ኢዩ። ኣሕመድ ናስር ወዲ ወዶም ንናስር በ ከም ዝኾነ ድሕሪ መስዋእቱ እየ ዝፈልጥ ዘለኹ፡፡ ብዝኾነ ብዛዕባ ኣሕመድ ናስርን ታሪኹን ንዝያዳ ነቶም እቲ ዝርዝር ዝፈልጡ ገዲፈ ብዛዕባ ናስር ፓሻ ወይ ከኣ ናስር በ ኣብ መጽሓፈይ መጽሓፍ እዝኒ መስታ ቀዳሞት ከምኡውን ተጋዳላይ ሰለሙን ጸሃየ ኣብ ዝጸሓፋ ዓባይ መጽሓፍ ማሰን መልቀስን ቀዳሞት ሰፊሩ ዘሎ ማሰ ከካፍለኩም።
ናስር ፓሻ ኣቡበከር ብግዜ ጣልያን ሓለቓ ኣሕሉቕ (capo dei capi) ተባሂሎም ኣብ ዓዲ ቐይሕ እናተቐመጡ፡ ንሓሙሽተ ምስሌነታት ዓሳውርታ ከመሓድሩ ሓላፍነት ዝተዋህቡ ፍሉጥ ሹመኛ ሳሆ ኢዮም ኔሮም፡፡
ባሻይ ተመልሶ ቀለተ ምስ ናስር ፓሻ ኣቡበከር፡ ኣዚዮም ይፋተዉ ከም ዝነበሩ ይዝንቶ፡፡ በዚ መሰረት ሓደ እዋን ምስ ካልኦት ፈተውቶም ወሲኾም ከምዚ ክብሉ ማሰ በሉሎም
ናስር ባሻ ካብ ሙስሊማን
ካብ ክርስትያን ተመልሶ ኣማን
ገብረመስቀል ወልዱ ካብ ትርጁማን
ነዚኦም ሒዝካስ እዝግኻ ምልማን።
ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ በዓል ኣኹሩር ክኾኑ እንከለዉ ተመልሶ እማን ከኣ በዓል ዓዲ ቐይሕ’ዮም።
ኣብ ካልእ ግዜ ከኣ ከምዚ ኢሎም ማሰ በሉሎም ንናስር ባሻ
ናስር ባሻ
ኣቱም ናስር ባሻ ናስር ባሻ
ኣብ ዝኸድኩም ኬድኩም መናገሻ
ግጻ ዝመጻእኩም እንካብ ኣውሳ
ኣሓኹም ዝወፍራ ብዘይ ጓሳ
ይትረፍ ዝብኢ ዘይደፍረን ኣንበሳ
ነታ ቓላይ ንስኹም ንጉሳ
ንምድሪ’ውን ንስኹም ንጉሳ
ፍርቂ ለይቲ ትገብሩ ኣልዕሻ
ሰበይትኹም ባርኖስ መብኢ ጥሻ፡፡
* ማሰን መልቀስን ቀዳሞት ገጽ 400
* * *
ኣቶ ናስርበ ንዓሊ በ ጸዊዖም “ስማዕ ኣነ ምስ ሞትኩ ከምዚ ባህልና ጌርካ ሙሉቕ ኣቢልካ ከይተቕብረኒ መላቐስቲ ጸዊዕኻ ኢኻ ተቕብረኒ” በልዎ፡፡ ዓሊበ ከኣ “ዋእ ዓሌትና ዘይናትና ዘይናይ ኣቦና ኢሎም ኪኽልኩልኒ ኢዮም” በሎም። “እሞ ኣነስ ምስ በዓል ራእሲ ተሰማ ኣስመሮም፡ ሰቛር ባሕሮ፡ ደግያት ባህታ፡ ህብትማርያም ዘሞ ምስ ግራዝማች ሚዒተልካ ዝወዓልኩ እየሞ መልቀሰይ ክሰምዕ ባሻይ ተመልሶ ቀለተ ጸውዓለይ” በልዎ በዚ መሰረት ከይሞቱ ከለው ሽሻይ ተዳልዮ ባሻይ ተመልሶ ቀለተ ተጸዊዖም መጹ፡፡ ሽሻይ ተበሊዑ ተስትዩ ምስ ተወድአ፡ ባሻይ ተመልሶ ከምዚ ክብሎ ማሰ በሉሎም ፡-
ጎይታየ ጎይታየ ንጉስ ዓንተቦ
ኣንቱም ዓርኪ በዓል ፋን ብዓንተቦ
ኣንቱም ዓርኪ በዓል ኢኳ ብዓንተቦ
ኣንቱም ዓርኪ ቡላ፡ ዓርኪ ኣዲ፡ ዓርኪ ኣየት ብዓንተቦ
ኣንቱም ብሓቂ ደሊኹም ኣጋብቦ
ኣይትኽስትኑንዶ ብዓንተቦ
ደጊም ከኣ ሕርድ ከብሉልኩም’ዮም ሓንቲ ዓቦ
ድርብይ ከብሉኹም’ዮም ኣብቲ ጎቦ
መቓብርኩም ዔረ ዝኸበቦ፡፡
* እዝኒ መሰታ ቐዳሞት ገጽ 88
Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleመጽሓፍ ታሪኽ ሰንሰለት ወለዶታት (ብበረኸት ኣማረ)
Next Article ማይ ጸሎት
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?